ብዛዕባ እቲ ሚስጥር ኣሜሪካ ኣሕሊፉ ዝሃበ ኣብርሃም እንታይ ንፈልጥ? ኢትዮጵያ'ኸ እንታይ ኢላ?

ዋላ’ኳ መንግስቲ ኣሜሪካ ወግዓዊ እንተዘይገበሮ፡ ኣብርሃም ተኽሉ ለማ ዝተባህለ ትውልደ ኢትዮጵያዊ ምስጢራዊ ሓበሬታ ምክልኻልን ጸጥታን ናብ ኢትዮጵያ የመሓላልፍ ነይሩ ብዝብል ኣዘራራቢ ኰይኑ ኣሎ።

ቅድሚ ሕጂ ንመንግስቲ ኣመሪካ ዘሰንበዱ ምስጢራዊ ሓበሬታታት ናብ መራኸቢ ብዙሃን ከምኡ’ውን ናብ ተቐናቐንቲ ሓያላት ሃገራት ኣሕሊፍካ ምሃብ እኳ እንተነበረ፡ እዚ ሕጂ ፍልይ ዝበለ እዩ።

ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት፡ ካብ ኣመሪካ ናይ ምክልኻል፡ ጸጥታን ቴክኖሎጂን ምስጢራዊ ሓበሬታ ከም ዝልሓዅ ወይ ንምልሗኽ ፈተነታት ከም ዝተኻየደ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ምስ’ዚ ብዝተሓሓዝ ተቐናቐንቲ ሃገራት ዝዀና ሩስያን ቻይናን ብተደጋጋሚ ሽመን ይለዓል። ኣውሮፓውያን መሓዙታ’ውን ኣብዚ ተግባር ኢድ ከም ዘለወን ክግለጽ ጸኒሑ ኣሎ።

ነዚ’ዩ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ምስ ማእሰርቲ ኣብርሃም ተኽሉ ብዝተሓሓዝ ሚስጥራዊ ሓበሬታታት ናብ ኢትዮጵያ ይልሕኹ ነይሮም ምባለን ኣዘራራቢ ኰይኑ ዘሎ።

ብመሰረት መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ እቲ ጥርጡር ዘቕረቦ 16 ገጻት ዝሓዘ ክሲ ካብ ታሕሳስ 2014 ክሳብ ነሓሰ 2015 ዘቕረቦ ኣብ ዘሎ ግዜ ሓበሬታታት ድሕነት ኮፒ ብምግባር፣ ሚስጥራውነት እቶም ሰነዳት ዝሕብሩ ምልክታት ክጠፍኡ ገይሩ’ዩ ዝብል።

እቲ መዝገብ ክሲ፡ ተኸሳሲ ነቶም ሰነዳት ናብ ኣየነይቲ ሃገር ከም ዘሰጋገሮም ኣየመልክትን።

ይኹን’ምበር፡ ኣብ ሓንቲ ሃገርን ሓደ ከባቢን ዘተኰረ ምዃኑን፡ ምስጢራዊ ሓበሬታታት ምክልኻል ናብ ሓደ በዓል ስልጣን ትካል ጸጥታ ካልእ ሃገር ከም ዝሃበን ተገሊጹ።

እቶም ኣብ ልዕሊ ኣብርሃም ዝቐረቡ ክስታት ክረጋገጹ እንተኽኢሎም፡ ብሞት ወይ’ውን ካብ 10 ዓመት ክሳብ ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ክፍረድ ይኽእል።

ብዛዕባ እዚ ትውልደ ኢትዮጵያዊ እንታይ ንፈልጥ?

ኣብርሃም ተኽሉ ለማ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልደ ኣሜሪካዊ ዜጋ እዩ።

እዚ ወዲ 50 ዓመት ውልቀሰብ ኣብ ሲልቨር ስፕሪንግ ሜሪላንድ ዝነብር፡ በዓል ሞያ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ እዩ።

ኣብርሃም ካብ 2013 ክሳብ 2016 ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ባልቲሞር ስርዓተ ሓበሬታን ቴክኖሎጅን ተማሂሩ።

እዚ ሞያ እዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት መንግስቲ ኣሜሪካ ዝርከቡ ምስጢራዊ ሓበሬታታት ክረክብ ቅርበት ዝፈጠረሉ ሞያ ኰይኑ።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ክፍሊ ሓበሬታን መጽናዕትን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ቴክኒሻን ኰይኑ ሰሪሑ።

ብድሕሪኡ ኣብቲ ሚኒስትሪ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምሕደራ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ዋሽንግተን ኰይኑ ተመዲቡ።

ኣብ ሓምለ 2013 ዓ.ም ድማ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ምስ ምስጢራዊ ሓበሬታታት ዝተሓሓዝ ስራሕቲ ንምፍጻም ዘኽእሎ ፍቓድ ረኺቡ።

ኣብ ግንቦት 2014 ናብ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ተሰጋጊሩ ስራሕ ጀሚሩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ኣብ ወርሒ ሓምለ ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ተመሊሱ ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ክሰርሕ ጀሚሩ።

በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ታሕሳስ 10/2015ን ነሓሰ 01/2015ን ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘተኰረ ብውሕዱ 85 ሓበሬታታት ድሕነት ብዝተፈላለየ መልክኩ ብምቕዳሕ ወሲዱ ብዝብል ኣብ ቀይዲ ውዒሉ።

ኣብርሃም ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ክልተ ግዜ ናብ ትውልዲ ዓዱ ኢትዮጵያ ከም ዝተጓዕዘ እውን ተገሊጹ።

ኣብቲ ክሲ ዝሰፈሩ ጉዳያት ከም ዝፈጸመ ክግለጽ እንከሎ እቲ ውልቀሰብ ዝነበሮ ናይ ሓበሬታ ምልውዋጥ ምስ ኢትዮጵያ ከይኰነ ከም ዘይተርፍ ኣመልኪቱ።

ኣብርሃም ተኽሉ ብዕለት 2 ለካቲት 2014 ዓ.ም. ከምኡ እውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2015 ዓ.ም ቅድሚ በዓል ፋሲካ ሚያዝያ 04/2015 ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝተጓዕዘ ይንገር።

ብ18 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ብወከልቲ ኤፍ.ቢ.ኣይ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ኣብርሃም፡ ንኻልእ ሃገር ንምሕጋዝ ሓበሬታ ምክልኻል ሃገር ንምትሕልላፍ ውዲት ብምፍጻምን፡ ኰነ ኢሉ ሓበሬታ ምክልኻል ብውልቁ ብምሓዝን ተኸሲሱ ኣሎ።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ልዕሊኡ ወግዓዊ ክሲ ክምስረት እንከሎ፡ ፈጺሙዎም ዝተባህሉ ናይ ስለያ ተግባራት ብዝርዝር ቀሪቦም ኣለው።

ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ድማ፡ እቲ ውልቀሰብ ምስ ብ መዚ ኢትዮጵያ ይራኸብ ከም ዝነበረን እቲ ሓበሬታታት ናብ ኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ከም ዝሃበን ይገልጻ ኣለዋ።

ኣብቲ ክሲ’ውን፡ ኣብርሃም ተኽሉ ለማ ብተደጋጋሚ ናብ ሃገሩ ከም ዝገሸን ኣብኡ ምስ ሰበስልጣን ከም ዝራኸብን ተገሊጹ።

ይኹን’ምበር፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ብዛዕባ እዚ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣይሃበን፤ በዚ ሽማ ብተደጋጋሚ ዝለዓል ዘሎ ኢትዮጵያ’ውን ርኢይቶ ኣይሃበትን።

ድሕሪኡ እንታይ ገይሩ?

ኣብቲ መንግስቲ ኣሜሪካ ዘቕረቦ ዝርዝር ክሲ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት እታ ሃገር “ሚስጢር” ተባሂሎም ዝተፈለዩ ሰነዳት፣ ስእልታት፡ መዘክራት፣ ካርታታት፡ ምስልታት ሳተላይትን ካልእ ሓበሬታታት ምክልኻልን ዝሓዙ ሓበሬታታት ኣሕሊፉ ሂቡ ኢሉ

ኣብርሃም ተኽሉ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ንመንግስቲ ዝቃወም ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ዓመጽቲ ዝምልከት ኣብታ ሃገር ምስ’ቲ ነቲ ሓበሬታ ብመልእኽቲ ኣፕሊኬሽን የካፍል ዝብሃል በዓል ስልጣን እታ ሃገር ከም ዝተዘራረበ ተገሊጹ።

ኣብ ሓደ ርክብ፡ ነቲ በዓል ስልጣን ብዛዕባ ኣብታ ዝተባህለት ሃገር ዘጋጠመ ፍጻመ፡ "ጋንታኹም ነዚ ተንቲና ገለ ነገር ትውሰድ" ኢሉ መኺርዎ።

እቲ በዓል ስልጣን ኣብ ካልእ መልእኽቲ፡ “ነዚ ብምግልባጥ . . . ዳግማይ ከይፍጸም . . . ርኡይ ለውጢ ረኺብና . . . ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ኣብ ወሳኒ ብርኪ ክንበጽሕ ኢና . . . እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ኣጻሪኻ እንተትሕብረኒ ጽቡቕ ነይሩ" ከም ዝበሎ ኣብቲ ክሲ ሰፊሩ ይርከብ።

ብተመሳሳሊ እቲ በዓል ስልጣን፡ "ናብ ቅድሚት ዝተዋፈረ እዝን ማእኸል ቀረብን ምፍላጥ ኣገዳሲ’ዩ” ብምባል ክሓቶ እንከሎ፡ ኣብርሃም’ውን ኣብታ ዝተጠቕሰት ሃገር ዘለው ቦታታት ዝምልከት ተዘራሪቡ።

ኣብ ካልእ ዕላል፡ እቲ በዓል ስልጣን፡ ኣብ ዝተወሰኑ ጉዳያት፡ ከም ማእከላት ቀረብ ናይቶም ዓመጽቲ ዝበሉ ካብ ኣብርሃም ሓበሬታ ከም ዝደሊ ነጊርዎ።

ንሱ ድማ "እወ፡ ሰሙን ምሉእ ኣብኡ ኣተኲረ ጸኒሐ” ከም ዝበሎ ተጠቒሱ ኣሎ።

ነቲ ክሲ ሓዊሱ፡ ኣብርሃም፡ ስእልታት ናይቲ "ወተሃደራዊ መዓስከር" ናብቲ በዓል ስልጣን ከም ዝሰደደ፡ ኣብ ከባቢ ዝሓለፈ ዓመት መስከረም ድማ እቲ በዓል ስልጣን "ሓገዝካ እትቕጽለሉ ግዜ’ዩ” ዝብል መልእኽቲ ከም ዝሰደደሉ ተገሊጹ።

ኣብርሃም ድማ "ተቐቢለ ኣለኹ!” ከም ዝበለን ኣብ ካልእ ዕላል "ዘሕብን ታሪኽ እዛ ጽብቕቲ ሃገር ንምሕላው ህይወቶም ዝሰውኡ ፍሉያት ሰባት ኣለዉዋ። ውጽኢቱ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ወትሩ ክትዝከር ኢኻ" ክብል ከም ዝንኣዶ ኣብ መዝገብ እቲ ክሲ ሰፊሩ ይርከብ።

እንታይ ይጽበዮ?

እቲ ጥርጡር ዝምልከቱ ሰነዳት ባንኪ ዝኣከቡ መርመርቲ፡ ኣብርሃም ሰነዳት ኣሜሪካ ካብ መኽዝኖም ምስ ኣውጽአን ናብ ኢትዮጵያ በጺሑ ምስ ተመልሰን ኣብ ዝተፈላለዩ ባንክታት ዝተፈላለየ መጠን ገንዘብ ከም ዘቐመጠ ገሊጾም።

ኣብ ልዕሊ ኣብርሃም ዝቐረቡ ዝተፈላለዩ ክስታት እንተተረጋጊጾም ንሞት ወይ ካብ 10 ዓመት ክሳብ ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ክፍረድ ከም ዝኽእሉ ይግለጽ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ኣተሓሕዛ ተፈልዮም ዝተቐመጡ ወይ ብጥንቃቐ ክትሓዙ ዘለዎም ሰነዳት ዝምልከት ንኽልተ ኣዋርሕ ዝገበሮ ሓፈሻዊ መርመራ ስዒቡ እዩ እቲ ውልቀሰብ ሚስጥራዊ ሓበሬታታት ናብ ካልእ ሃገር የልሑኽ ከም ዝነበረ ክፍለጥ ክኢሉ።

እዚ መርመራ ክካየድ ምኽንያት ዝዀነ ድማ ጃክ ቴሼራ ዝተባህለ ወዲ 21 ዓመት ኣባል ሓይሊ ኣየር ሚስጥራዊ ሓበሬታን ሰነዳት ምክልኻልን ብምልሗኽ ኣብ ቀይዲ ምእታው እዩ።