እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክልል ኣምሓራ፡ ኣባላት ባይቶ ዝርከብዎም እሱራት ኣድማ ምሕሳም መግቢ ገይሮም ድዮም?
ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣዋሽ ኣርባ ዝተኣሰሩ ኣባላት ባይቶ "ናይ መግቢ ኣድማ ይገብሩ ኣለዉ” ዝሰምዑ ስድራቤታቶም ከም ዝተሻቐሉ ገሊጾም።
ኣብ ዝተፈላላዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻልን ዕጡቓት ፋኖን ክካየድ ዝጸንሐ ግጭት ተጓሃሂሩ ድሕሪ ምቕጻሉ ኣብ ነሓሰ ህጹጽ እዋን ተኣዊጁ ነይሩ።
ነዚ ኣዋጅ ስዒቡ ገለ ኣባላት መንግስቲ ፌደራል፣ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ክልል ኣምሓራን ከምኡ’ውን ጋዜጠኛታትን ኣባላት ተቓወምቲ ሰልፊን ከም ዝተኣሰሩ ይፍለጥ።
ካብዚኦም ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣቶ ክርስቲያን ታደለ፡ ኣባል ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ካሳ ተሻገርን ኣባል ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ዮውሃንስ ቧያለውን ይርከብዎም።
ኣቶ ክርስቲያን፡ ኣብታ ህፁፅ እዋን ዝተኣወጀላ መዓልቲ ካብ መንበሪ ገዝኡ ብሓይልታት ጸጥታ ከም ዝተወስደ ኣባላት ስድራቤቱ ምግላጾም ይዝከር።
ዶክተር ካሳ’ውን፡ እቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣብ ዝተደንገገሉ ዕለት ፍርቂ ለይቲ “ፖሊስ ኢና ዝበሉ ሰባት ለይቲ ናብ ገዛይ መጺኦም ‘ክፈት’ ይብሉኒ ኣለው” ዝብል መልእኽቲ ኣብ ፌስቡክ ድሕሪ ምጽሓፉ ከም ዝተኣሰረ እዩ ዝግለጽ።
ኣባላት ባይቶታት ወከልቲ ህዝቢ “ናይ ዘይምኽሳስ መሰል” ዘለዎም’ኳ እንተዀነ፡ ሓደ ካብ ጠበቓታት እቶም እሱራት ዝዀነ ጠበቓ ሄኖክ ኣክሊሉ ግን ብፍላይ ኣቶ ክርስቲያንን ዶክተር ካሳን እዚ መሰል “ከይተለዓለ” ከሎ ከም ዝተኣሰሩ ይሕብር።
ብመሰረት’ቲ ጠበቓ፡ ናይ ዘይምኽሳስ መሰሎም እንከይተልዓለ ምእሳሮም ሕጋዊ ኣይኰነን ብምባል ክሲ መስሪቶም ኣለዉ።
እቶም ኣባላት ባይቶ መጀመርያ ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል እዮም ተኣሲሮም ነይሮም። ብድሕሪኡ ግን ኣብቲ ተታሒዞምሉ ዝነበረ ቦታ ከም ዘየለውን ኣበይ ከም ዘለዉ ከም ዘይፈልጡን ጠበቓታቶም ንቢቢሲ ምሕባሮም ዝፍለጥ’ዩ።
እንተዀነ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ኣብ መጀመርታ መስከረም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም እሱራት ካብ 15 ክሳዕ 24 ነሓሰ (ግእዝ) ተታሒዞም ናብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣዋሽ ኣርባ ከም ዝተወስዱ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ክሳዕ ሕጂ ድማ ኣብቲ ብተለምዶ ኣዋሽ ኣርባ ብዝብል ዝፍለጥ ቦታ፡ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣብ ዝርከብ ዘይስሩዕ ግዝያዊ መዳጎኒ ማእከል ይርከቡ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ኣቶ ክርስቲያን ታደለ፡ ዶክተር ካሳን ኣቶ ዮውሃንስን ዝርከብዎም እሱራት “ፖለቲካ” ካብ 21 መስከረም ጀሚሩ ናይ መግቢ ኣድማ የካይዱ ከም ዘለዉ ዝገልጽ ደብዳበ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ኣሎ።
እዚ ብኢድ ዝተጻሕፈ ደብዳበ፡ እቶም እሱራት "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት፡ ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ዘጋጥሞም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብቲ መዓስከር ዘጋጥሞም መንነት መሰረት ዝገበረ ግህሰትን ከምኡ'ውን ክሳዕ ሕጂ ናብ ፍርዲ ዘይምቕራቦም" ብምቅዋም ኣድማ መግቢ ከም ዝገበሩ ዝገልጽ’ዩ።
ነዚ ስዒቡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስድራቤታት፡ ብዛዕባ እቶም እሱራት ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ከም ዘተሓሳሰቦምን ሓቢሮም።
ብተወሳኺ ካብ ዝእሰሩ ኣትሒዞም ኵነታት እቶም እሱራት ከም ዘይፈልጡን ድሕንነቶም’ውን ከም ዘሻቐሎምን ገሊጾም ኣለዉ።
እቶም እሱራት፡ ጠንቂ ማእሰርቶም መንነቶም’ዩ ኢሎም ከም ዝኣምኑ ኢሰመኮ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።
መጀመርያ ብሄር መሰረት ዝገበረ ጸርፊ፣ ምንግልታዕን ምፍርራሕ ይበጽሖም’ኳ እንተነበረ፡ ናብ ኣዋሽ ኣርባ ምስተወሰዱን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፌደራል ፖሊስ ምስ ኣተዉን መግረፍቲ ይኹን ኣካላዊ ዓመጽ ከም ዘይበጽሖም ምዝራቦም መግለጺ ኢሰመኮ ወሲኹ የመልክት።
ብመሰረት እቲ መግለጺ ፖሊስ፡ ኣተሓሕዛ እሱራት ሰብኣዊ መሰላቶም ዘኽብር ምዃኑ፡ ኣብ ዘድልዮም እዋን ሕክምና ከም ዘመቻችኡን ስድራቤቶም’ውን ክበጽሕዎም ከም ዝገብርን ሓቢሩ’ዩ።
ስድርቤታቶም ግና ነቶም እሱራት ብኣካል ክበጽሑ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ሕቶ ኣቕሪቦም’ኳ እንተነበሩ፡ ክሳዕ ሕጂ ግን ፍቓድ ከም ዘይረኸቡ እዮም ንቢቢሲ ዝገልጹ።
ብዓልቲ ቤት ኣቶ ክርስቲያን ታደለ ዝዀነት ናርዶስ ኣዲሴ፡ በዓልቤታ ካብ ዝውሰድ ጀሚሩ "ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ክሳዕ ዝወጽእ ናበይ ከም ዝተወስደ ኣይፈለጥን ነይረ" ክትብል ገሊጻ።
ናብ ኣዋሽ ኣርባ ከም ዝተወሰዱ ድሕሪ ምግላጹ ግን ሓደ ሰለስተ ግዜ ብተሌፎን ከም ዝተዘራረቡ ዝገለጸት ናርዶስ፡ ብዛዕባ ኵነታት ጥዕናኡ እኹል ሓበሬታ ከም ዘይረኸበትን ብኣካል ክትበጽሖ ሓቲታ መልሲ ከም ዘይተወሃባን ተዛሪባ።
"ምስ እቲ ድሮ ዘለዎ ከቢድ ሕማም ጨጎራ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ልዑል ሙቐት፡ ከምኡ'ውን ኣድማ መግቢ ምግባሩ ተደሚሩ፡ ሻቕሎት ፈጢሩልና'ሎ" ኢላ።
ብተመሳሳሊ፡ ብዓልቲ ቤት ዮውሃንስ ሄዘር ሙሴማ ብወገና፡ ብዓል ቤታ ናብ ኣዋሽ ዓርባ ከም ዝተወስደ ካብ ዝሕበር ጀሚሩ ብተሌፎን ይኹን ብኣካል ተራኺቦም ከም ዘይትፈልጡ’ያ ትገልጽ።
"እንተወሓደ ከም ካልኦት ስድራቤታት ብተሌፎን ድምጹ ክሰምዕ ናብ ፌደራል ፖሊስ ከይደ እንተሓተትኩ’ውን 'ተጸበዪ ክንድውለልኪ ኢና' ካብ ዝብል ወጻኢ ካልእ መልሲ ኣይረኸብኩን።"
ኩነታት ጥዕንኡ ኣብ ዘይተፈልጠሉ እዋን ኣድማ ምሕሳም መግቢ ይገብር ከም ዘሎ ምስምዓ ድማ ስክፍታ ከም ዝፈጠረላ ሓቢራ።
ብኣካል ከይዳ ንክትበጽሖ ኢሰመኮ ንከመቻችወላ ምሕታታ ሄዘር ትዝክር፤ እቶም እሱራት ባዕሎም "ንድሕነቶም ስለ እንሰግእ ስድራቤትና ክመጹ ኣይንደልን" ምባሎም’ዩ ተሓቢርዋ።
‘ኣይተኸሰሱን፤ ኣብ ቤት ፍርዲ’ውን ኣይቀረቡን’
እቶም እሱራት ኣባላት ባይቶ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ኣለዎም።
ካብ ዝእሰሩ ኣዋርሕ እኳ እንተሓለፈ፡ ብምንታይ ተጠርጢሮም ከም ዝተቐየዱ ግን ዛጊት ኣይተገልጸን። ኣብ ቤት ፍርዲ እውን ኣይቀረቡን።
ሄዘር፡ ብዓል ቤታ ኣቶ ዮውሃንስ “ንምንታይ ከም ዝተኣሰረ ኣይንፈልጥን፤ ክሳዕ ሕጂ ናብ ቤት ፍርዲ’ውን ኣይቀረበን" ብምባል ጓሂኣ ገሊጻ።
ጠበቓ ሄኖክ ኣክሊሉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣባላት ቤት ምኽሪ መሰሎም ከይተለዓለ ክእሰሩ ዘይሕጋዊ እዩ ብምባል ክሲ መስሪቶም ነቲ ጉዳይ ይከታተልዎ ከም ዘለዉ’ዩ ሓቢሩ።
ደሃይ እቶም እሱራት ንምፍላጥ ነቲ ቦርድ ከም ዝሓቱ’ውን ተዛሪቡ።
ኣብ እዋን ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ፡ እቲ ዝኣሰሮም ኣካል ነቶም ጥርጡራት ናብ ቤት ፍርዲ ከቕርብ ግዴታ የብሉን ዝብል እቲ ጠበቓ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ይቕረቡ ኣይቕረቡ ብዘየገድስ ብጠበቓን ስድርኦምን ክብጽሑ መሰል ከም ዘለዎም ይገልጽ።
"እንተዀነ ክሳብ ሕጂ ምስ ጠበቓታቶም ከይራኸቡ ተኸልኪሎም'ዮም። ስድርኦም ይኹን ጠበቓታቶም ደሃዮምን ኩነታቶምን ኣይንፈልጥን ኢና።”
ወሲኹ ድማ “ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝርከቡ ሰባት ብዘይ ኣፍልጦ ናብ ካልእ ቦታ ምስግጋር ዘይሕጋዊ'ዩ" ኢሉ።
መርማሪ እዚ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈጥረ “ጐንጺ ንምግዳድ ልኡኽ ከተማ ብምውሳድ ፋይናንሳውን ሎጀስቲካውን ድጋፍ ብምግባር ዝተፈላለዩ ዘይሕጋዊ ተግባራት ይፍጽሙ ነይሮም” ዝበሎም 23 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከም ዝውዓሉ ገሊጹ ነይሩ።
ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ስድራቤታትን፡ ሓይልታት ጸጥታ ጃምላዊ ማእሰርቲ ይፍጽሙ ከም ዘለውን ቁጽሪ ናይቶም ዝተኣስሩ ሰባት ድማ ካብቲ ዝተገልጸ ንላዕሊ ምዃኑን ይሕብሩ።
ብተወሳኺ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ሕጂ’ውን ዘይሕጋዊ ጃምላዊ ማእሰርቲ ይቕፅል ከም ዘሎ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ይገልጻ ኣለዋ።
ስድራቤታት ሃለዋት እቶም ዝተኣሰሩ ሰባት ከም ዘይፍለጣ ዝጠቐሰ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወጸ ጸብጻብ ኢሰመኮ፡ እሱራት ብእዋኑ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዘይቀርቡ’ዩ ዘመልክት።