ኣምሓራ፡ እሱራት ብኸመይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክሃድሙ ክኢሎም?

ዕጡቓት ኣካላት ኣብ ልዕሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ መጥቃዕቲ ብምፍጻም እሱራት ከም ዘፍትሑ ተገሊፁ።

ነበርቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ዕጡቓት ዋና ከተማ ዞባ ሰሜን ወሎ ኣብ ዝኾነት ወልድያ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣማኢት እሱራት ነጻ ኣውፂኦም ኣለዉ።

እዚ ብዕጡቓት ፋኖ ከምዝተፈጸመ ዝንገረሉ መጥቃዕቲ፡ ናብ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ዝተፈጸመ ምዃኑ ቢቢሲ ዘዘራሮም ሰለስተ ነበርቲ ሓቢሮም።

እቶም ዕጡቓት ኣብቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ዝዓበየ ቤት ማእሰርቲ ወልድያ ኣብ ሰዓታት ፍርቂ ለይቲ ዝጀመረ መጥቃዕቲ ዝኸፈቱ ኰይኖም፡ ኣብቲ ከባቢ ንሰዓታት ዝፀንሐ ከቢድ ምልውዋጥ ተኹሲ ከምዝነበረ ንድሕነቶም ስሞም ከይግለፅ ዝሓተቱ ነበርቲ እታ ከተማ ገሊፆም።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓደ ነባሪ ወልድያ፡ እቲ ተኹሲ ብግምት ንፍርቂ ለይቲ ርብዒ ጎደል ከምዝጀመረ ብምጥቃስ፡ እቲ ኣብ ከባቢ እቲ ቤት ማእሰርቲ ዝስማዕ ዝነበረ ተኹሲ ንሰዓታት ከምዝፀንሐን ክሳብ’ታ ከተማ ከምዝተሰምዐን ኣረዲኡ።

ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣስታት 600 እሱራት ከምዝነበሩ ዘመልከቱ እቶም ነበርቲ፡ ድሕሪ እቲ ብዕጡቓት ፋኖ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከኣ ኩሎም ኣምሊጦም። እንተኾነ ግና ገለ ካብኣቶም ብሓይልታት ጸጥታ እታ ከተማ ዳግማይ ከምዝተታሕዙ እቶም ነበርቲ ሓቢሮም።

ሎሚ ዓርቢ ካብ ሰዓታት ንግሆ ጀሚሩ ድማ ነቶም ዝሃደሙ እሱራት ንምርካብ ፈተሻን ሃደንን ይካየድ ከምዘሎ ወሲኾም ገሊጾም።

ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ነባሪ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈፀመሉ ምኽንያት "ነቶም ካብ ከተማ ባህር ዳር ናብ ቤት ማእሰርቲ ወልዲያ ዝተሰጋገሩ እሱራት ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ነበርን ብእዋናዊ ጉዳይ ዝተኣሰሩ መናእሰይን ንምፍታሕ ዝዓለመ ክኸውን ይኽእል እዩ" ኢሉ።

እቶም ዕጡቓት ነቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዘጥቅዑሉ እዋን ተረኛ ሓለውቲ ካብ ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ እቶም ሰለስተ ቀሊል መቑሰልቲ ከምዘጋጠሞምን ዝሞተ ሰብ ከምዘየለን ሓደ ነቲ ቤት ማእሰርቲ ቅርበት ዘለዎ ሰብ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቶም ነቶም እሱራት ዘፍትሑ ዕጡቓት ንገለ ካብቶም ሓለውቲ ቤት ማእሰርቲ ጨውዮም ድሕሪ ምውሳድ ዓርቢ ወጋሕታ ከምዝፈነውዎም እቲ ምንጪ ሓበሬታና ወሲኹ ገሊፁ።

ነበርቲ እታ ከተማ ከምዝብልዎ፡ ኣብታ ከተማ ካብ ዘሎ ፖሊስ ብተወሳኺ ሓይሊ ብተና ኣድማ፣ ፌደራል ፖሊስን ሓይልታት ምክልኻልን ኣብታ ከተማ እንተነበሩ’ኳ ነቲ መጥቃዕቲ ግን ደው ከብልዎ ኣይከኣሉን።

ዕጡቓት ፋኖ ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ድሕሪ ምኻዶም እታ ከተማ ካብ ዓርቢ ንግሆ ጀሚራ ናብ ንቡር ምንቅስቓሳ ከም ዝተመለሰት ዝሓበሩ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ መጓዓዝያን ካልኦት ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላትን ኣብ ስራሕ ከምዘለዉ ኣረዲኦም።

ቢቢሲ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ብተደጋጋሚ ናብ ሰበስልጣን እቲ ክልልን ዞባን ዝደወለ ኮይኑ ክሰምረሉ ግን ኣይከኣለን።

ብፍላይ ናብ ብሕቲ (ውልቃዊ) ተለፎናት ሓላፍቲ ፖሊስ ዞባ ሰሜን ወሎን ቤት ማእሰርቲ ወልድያን ብተደጋጋሚ ደዊልና ስልኮም ኣይተልዓለን።

መንግስቲ ፌደራል ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ዓመት ንፍሉይ ሓይሊ ክልላት ኣፍሪሱ ናብ ካልኦት መሓውራት ፀጥታ ክወሃዱን ካልኦት ዕጡቓት ዕጥቆም ክፈትሑን ዘሕለፎ ውሳነ ስዒቡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘይምርግጋእ ከምዝፈጠረ ይፍለጥ።

ኣብ ትሕቲ ህጹጽ ኣዋጅ ኣብ እትርከብ ክልል ኣምሓራ ድማ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት መንግስትን ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ጎንጺን ኲናትን ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ዕጡቓት ፋኖ ብዘይካ’ቲ ምስ ሰራዊት ፌደራልን ሓይልታት ጸጥታ ክልል ኣምሓራን ዘካይድዎ ግጭት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ማእሰርቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙን ንሰበስልጣን መንግስቲ ዒላማ ከምዝገብሩን ክግለጽ ፀኒሑ’ሎ።

መንግስቲ ፌደራል ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣትሒዙ ሰራዊቱ ናብቲ ክልል ብምውፋር ብኸቢድ ኣጽዋርን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ነቲ ዕጡቕ ጉጅለ ከጥቅዕ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

ብሰንኪ ኣብ’ቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ ግጭት ከኣ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝሞቱ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ውድብ ሃገራትን ኣብ ዘውጽእዎም ጸብጻባት ኣመልኪቶም ኣለዉ።