እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ መቐለ እንታይ እዩ ኣጓኒፉ?
ብኣቆጻጽራ ግእዝ ባሕቲ ሕዳር ኣጋ ምሽት፡ ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ ማእከል ቤት ህንፀት (ቤት-ማእሰርቲ) ብዝተፈጠረ ጎንፂ ኣርባዕተ እሱራት ከም ዝተቐትሉን ካልኦት 9 እሱራትን 7 ኣባላት ፀጥታን ድማ ብፅኑዕ ከምዝቖሰሉን ዝገልጽ ሓበሬታ ሰንበት ምሸት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ትግራይ ተሰሚዑ።
ካብቲ ቤት ማእሰርቲ 125 እሱራት “ኣብ ልዕሊ ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ መጥቃዕቲ ፈጺሞም” ከምልጡ ከምዝፈተኑ እዩ እቲ ፀብፃብ ዝሕብር።
ኣካያዲ እቲ ቤት ህንፀት ኮማንደር ኣማኑኤል ፍስሃ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብቲ ቤት ህንፀት ፍርዲ ዝተዋሃቦምን ከምኡ እውን ፍርዲ ዘይረኸቡ ግን ክዓ ስሩዕ ክሲ ዝተመስረተሎምን ሰባት ከምዘለው ይሕብር።
እቲ ጎንፂ ዝተፈጥረ ኣብ መንጎ እቶም ቀትሪ ኣብ ሓለዋ ዝወዓሉን ምሸት መፂኦም ዝቕበሉ ሓለውቲ: ተሃነፅቲ ቆጺሮም ኣብ ዝረኻኸብሉ እዋን ምዃኑ ይግለፅ።
ኣብ ከይዲ ቆጸራ ካብ 14 ክሳብ 20 ዝኾኑ ሓለዋ ከምዝተሳተፉን፡ ተሃነፅቲ ነቶም ኣባላት ፀጥታ ናብ ውሽጢ ክኣትዉ ብምግባር ብደናጉል ወቒዖሞም ይብል ኮማንደር ኣማኑኤል።
ብድሕሪኡ እውን 125 ተሃነፅቲ ኣብ ውሽጢ ቀፅሪ እቲ ቤት ህንፀት ዝርከብ ሰለስተ ካንሸሎ ጥሒሶም ወፂኦም ዝበለ እቲ ኣዛዚ ኣብ ቅዲሚኦም ዝረኸብዎም ኣባላት ፀጥታ ደናጉል እናደርበዩ ጠቕሊሎም ክወፁ ከምዝፈተኑ ይዛረብ።
ሓይልታት ፀጥታ ካብቲ ዝነበርሉ ቦታ ንድሕሪት ኣንሳሒቦም ግን ድማ ጠያይቲ ናብ ሰማይ ገፅ ብምትኳስ ነቲ ጎንፂ ከህድኡ ከምዝፈተኑ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ይገልፅ።
ተሃነፅቲ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ልክዕ ከምዘይኮነን ብሕጊን ስርዓትን ጥራሕ ክዳነዩ ከምዘለዎም ብተደጋጋሚ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም እዩ ይብል ኮማንደር ኣማኑኤል።
እቲ ዘጋጠመ ጸገም ግን ብናይቲ ምምሕዳር ሸለልትነት ምምሕዳራዊ ጸገማትን ከም ዝተልዓለ ብዙሓት ይዛረቡ።
በቲ ጎንፂ ዘጋጠመ ሳዕቤን ዝገለፀ ኮማንደር ኣማኑኤል "ንቲ ዝተወሃቦም መጠንቀቕታ ቅቡል ብዘይምግባር ናይ መወዳእታ የዋፅአና እዩ ዝበልዎ ስጉምቲ ጥሒሶም ክብተኑ ሓሲቦም።
"ኣብቲ ከይዲ ምርግጋእ ንቶም 112 ተመጣጣኒ ስጉምቲ ብምውሳድ ኣብ ቁፅፅር ብምዓል ናብ ቦታኦም መሊስናዮም ኢና። ካልኦት 9 ውሱን መጉዳእቲ በፂሑዎም። 4 ድማ ንሕልፈት ተዳሪጎም" ኢሉ።
እቶም ተሃነፅቲ ናብ ቤት ምግብና ብምእታው ነቲ ቤት ምግብና ብምዕናው 12 ካራ: ከምኡ እውን ናይቶም ሰራሕተኛታት እንዳ ምግብና 9 ሞባይልን ኣብኡ ዝረኸብዎ 25 ሽሕ ብር መንዚዖም ከምዝወሰዱ ተዘሪቡ።
ብድሕሪ እቲ ብቐዳም ዘጋጠመ ጎንፂ ትማሊ ሰንበት እውን ውሱን ጎንፂ ብምጉህሃር ዝተወሰነ ባርዕ ብምፍጣሩ ማዕፆታትን መሳኹትን ዓንዮም እዮም።
ኮማንደር ኣማኑኤል፡ "መበገሲ እቲ ናዕቢ እንታይ እዩ?" ንዝብል "ኣብ ሓፂር እዋን ዝብፃሕ ኣይኮነን: እቲ ስጉምቲ ግን ጌጋ ከምዝኾኑ ንኽርድእዎ ምስቶም ተሃነፅቲ ዘተ ኣካይድና ኢና። ሕዚ ናብ ሰላማዊ ኩነታት ተምሊሱ ኣሎ" እንትብል ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዘካየዶ ቃለ መሕተት ተዛሪቡ።
እቲ ናዕቢ ስለምንታይ ተበጊሱ? ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ድዩ? ዋላስ ምስ ኣተሓሕዛን መነባብሮን ተሃነፅቲ ዝተኣሳሰር ድዩ ዝብሉን ካልኦት ተዛሚዶም ንዝለዓሉ ሕቶታት መልሲ ክህቡ ዝተሓተቱ ኮማንደር ኣማኑኤል "ኣብ ሓፂር ግዜ ኢና ዘለና: ክሳብ ሕዚ እቲ ናይ ምርግጋእ ስራሕቲ ኢና ንሰርሕ ዘለና: ተፃርዩ ዕልባት ክርከብ ኢና ንሰርሕ ዘለና" ብምባል ይምልስ።
እቶም ኣብቲ ናዕቢ ዝተቐተሉ ስሩዕ ማህደር ስለዘለዎ ዝፍለጡ እዮም ዝበሉ እቶም ኣተሓባባሪ ሬሳኦም ናብ ዝምልከቶ ቦታ ከምዝተወሰደን እቲ ከይዲ ተጠቓሊሉ ስድራ መወቲ ሬሳ ክወስዱ ከምዝግበር ኣፍሊጦም።
ስድራ መወቲ ዛጊድ ብዕሊ ስለዘይትነገሮም ረኺብካ ምሕታት ኣይተኻኣለን።
ስድራኦም ዝተኣሰርዎም ከ እንታይ ይብሉ?
ድሕሪ እቲ ናዕቢ ብርክት ዝበሉ ስድራ ተሃነፅቲ ኩነታት ስድራኦም ረኺቦም ከረጋግፁ ኣብ ኣፍደገ ቤት ህንፀት ሪጋ ሒዞም ክጽበዩ ይረኣዩ።
ህንፃ ገብረመድህን ኣብቲ ቤት ህንፀት ዝርከብ ስድራኡ ኩነታት ክፈልጥ መፂኡ ሪጋ ሒዙ ነይሩ።
"ኣብ ቤት ህንፀት ባርዕ ተላዒሉስ ከምልጡ ዝፈተኑ 4 ተቐቲሎም ዝብል ሰሚዐ እየ መፂኤ: ሓቅነቱ ንምፍላጥ ናብ ውሽጢ ክኣቱ ሪጋ ሒዘ ይፅበ ኣለኹ" ይብል።
"እቲ እሱር ግቡኡ ክፈልጥ ኣለዎ:: ዝተኣሰሩ እውን መሰሎም ክኽበር ይግባእ" ይብል።
ብመሰረት ርእይቶ ህንፃ: እቲ ዘጋጠመ ፀገም ብናይቲ ምምሕዳር ሸለልትነት እዩ ብምባል ይግምት።
‘’ኣቐዲሞም እንታይ ክመፅእ ዝኽእል ብምባል ጥንቃቐ ክገብሩ ይግበኦም ነይሩ። ምስ ኮነ ግን እቲ እሱር እውን ናይ ባዕሉ ጭንቀት ክህልዎ ይኽእል: ክፍተት ብዝረኸበ ክሃድም ስለዝደሊ ኣብቲ ኣተሓሕዛ ጥንክር ክብል ኣለዎ" ይብል::
መንእሰይ መኮነን ካልኣዩ ድማ ምስ ኣሓቱ ኣብቲ ቤት ህንፀት ዝርከብ ስድራኡ ረኺቡ ክወጽእ ረኺብናዮ።
"ወዲ ሓፍተይ ክርኢ እየ መፂኤ። ደሓን እዩ ዘሎ። እቲ ኩነታት ምስ ሰማዕኹ ብጣዕሚ ስሕተት እዩ: ዘይግበር እዮም ገይሮም: ኮይኑ ግና ሓውና ደሓን ምህላዉ ኣረጋጊፀ ኣለኹ"።
ዙፋን ግደይ እውን ሓንቲ ካብቶም እቲ ናዕቢ ምስ ተሰምዐ ምሒር ተሻቒሎም ሃለዋት ስድራኦም ከረጋግፁ ናብቲ ቤት ህንፀት ዝመፅኡ እያ።
"ደሓና እዩ ረኺብዮ ኢና ግን ብዙሕ ኣየውጋዕናን" ትብል።
መንግስተኣብ ተኽላይ ሓዉ ክርኢ ከምዝመፀን ብሰላም ከምዝተራኸቡን ይገልፅ:: "ዓይኒ ንዓይኒ ተረኣኢና ኢና: እኹል ግዜ ስለዘይተወሃበና ግን ብዛዕባ እቲ ኩነታት ብዙሕ ኣየዋጋዕናን። ብጣዕሚ ፈሪሕናን ሰጊእናን ነይርና ምስ ረኸብናዮ ግና ደስ ኢሉና። 'ዳሐን ኢና ዘለና ኣይትሻቐሉ' ኢሉና" ይብል።
ኣብ ቤት ህንፀት መቐለ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት እሱራት ብዘበገስዎ ብርቱዕ ባርዕ ሓያል ናዕቢ ተፈጢሩ ምንባሩ ይዝከር።