እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መቐለ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምልጡ ካብ ዝፈተኑ እቶም ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም
ካብቲ ኣብ ትግራይ ዝዓበየ ቤት ማእሰርቲ ከተማ መቐለ ከምልጡ ካብ ዝፈተኑ እሱራት እቶም ኣርባዕተ ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ።
እቲ ክስተት 01 ሕዳር 2016 ኣ.ግ (ዝሓለፈ ቀዳም) ከምዝጋጠመን፡ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ 125 እሱራት “ኣብ ልዕሊ ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ መጥቃዕቲ ፈጺሞም” ከምልጡ ከምዝፈተኑ ቴሌቪዥን ትግራይ ጸብጸባ።
ብቀዳም ኣብ መንጎ ሓለውቲ ናይቲ ቤት ህንጸት ዞባ መቐለ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝዓበየ ቤት ማእሰርቲ እታ ከተማን እሱራትን ጎንጺ ከምዘጋጠመ ዝገልጹ ጸብጻባት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሖም ነይሮም።
ቴሌቪዥን ትግራይ ንሓላፊ እቲ ቤት ማእሰርቲ ኮማንደር ኣማኑኤል ፍስሃ ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርገሐቶ ሓበሬታ “ድሕሪ ሰዓት 11፡30 (ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) . . . ኣብ ምርኽኻብ ተሃነጽቲ ንዝነበሩ 20 ፖሊስ ብምውቃዕን ናይ ሰለስተ ብሎክ ማዕጾ ብምስባርን” ክሃድሙ ከምዝፈተኑ ጸብጺባ።
እቶም እሱራት ካብ ክሽነ እቲ ቤት ማእሰርተ ካራሩን ሞባይልን ብምውሳድ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ክሃድሙ ኣብ ዝፈተኑሉ እቶም 112 ኣብ ቁጽጽር ከምዝወዓሉን “እቶም 4 ግና ከየምልጡ ብዝተወሰደ ስጉምቲ ህይወቶም ከምዝሓለፈ” እታ ማዕከን ዜና ነቲ ኣተሓባባሪ ብምጥቃስ ኣቃሊሓ።
በቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ኣባላት ፖሊስ ከቢድ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ድማ ቀሊል መጉዳእቲ ከምዘጋጠመ እውን ተገሊጹ።
ኣብ ትግራይ ድሕሪ እቲ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት፡ መጠን ዝፍጸሙ ገበናት ኣዝዩ ከምዝወሰኸ ጸብጻባት ቢቢሲ የመልክቱ።
ብፍላይ ብዕጥቂ ተሓጊዙ ዝግበር ዘረፋን ቅትለትን ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ከምዝበጽሐ ነበርቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ክልል ዝፍጸም ገበን ስርቂ ኣዝዩ ከምዝወሰኸን ስግኣት ጸጥታ ከምዘሎን ዝገለጸ ኮይኑ “ናይ ውልቀ ኣብያተ ማእሰርቲ” ምህላዎም ምጥቃሱ ዝዝከር እዩ።
እቲ ብቐዳም ኣብ መንጎ ፖሊስን ከምልጡ ፈቲኖም ዝተብሃሉ እሱራትን ዘጋጠመ ጎንጺ ትማሊ ሰንበት እውን ቀጺሉ ከምዝነበረን ባርዕ ሓዊ ከልዕሉ ከምዝፈተኑን ቴሌቪዥን ትግራይ ጸብጺባ።