እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተስፋ ግዳያት ኲናት ትግራይ ዘፀልመተ ምዅላፍ መርማሪ ኮምሽን ሕቡራት ሃገራት
እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ተወሊዑ፡ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ዝቐዘፈን፡ ሚልዮናት ዘመዛበለን ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘኸተለ ደማዊ ኲናት ትግራይ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ ሕዳር 2022 ብስምምዕ ፕሪቶርያ ምስተገትአ፡ ጉዳይ ፍትሕን ተሓታትነትን ክረጋገጽ’ዩ ዝብል ልዑል ተስፋ እዩ ነይሩ።
ኣብቲ ኲናት፡ ብዅሎም ተፃባእቲ ወገናት ንዝተፈጸመ ገበናት ከጻሪ ዝቘመ ዓለምለኸ ኮምሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት፡ ዕድመ ስልጣኑ ንኽናዋሕ ዝነበረ ምሕጽንታ ብዘይ ፍረ ምትራፉ ንብዙሓት ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ ጥቅምቲ 2023፡ ኣብ ጀኔቫ ዝተጋብአ ዋዕላ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ እቲ መርማሪ ጕጅለ፡ እቶም ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ተፈጺሞም ዝበሃሉ ገበናት ኲናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንምጽራይ ዝተዋህቦ ግዘ ንኽሕደስ ዝቐረበ ሕቶ ኣይተቐበልኦን።
እዚ ከኣ እቲ ብዅሎም ወገናት ዝተፈጸሙ ገበናት ብዘይሻራዊ ኣካል ዝምርመረሉን፡ ገበነኛታት ናብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ዝቐርቡሉን መስርሕ ኣይክህሉን እዩ ንዝብል ስክፍታ ዘራጉድ እዩ።
ብሰንኩ እቶም ‘ሓደ መዓልቲ ፍትሒ ክንረክብ ኢና!’ ብዝብል ሃንቀው ዝብሉ ዝነበሩ ግዳያት፡ ተስፋኦም ከምዘፀልመተ ይግለፅ።
“ህይወተይ ባዕለይ ከጥፍኣ ኣይፀልእን!”
ማርዳ* ካብተን ኣብ ኲናት ትግራይ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝዀና ደቂኣንስትዮ ኰይና፡ ኣብ ሕዳር 2020 (2013 ግእዝ) ሰራዊት ኤርትራን ፍሉይ ሓይልን ዕጡቓት ፋኖ ክልል ኣምሓራን ንምዕራብ ትግራይ ኣብ ዝተቘጻጸሩሉ፡ ህይወታ ንምድሓን ክትሃድም እንከላ ምስ ስድራኣ ስለዝተጣፍአት ኣብ መገዲ ብሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ፋኖን ብጕጅለ ከም ዝተዓመፀት ንቢበሲ ትገልጽ።
“ሻቡ ጓል 17 ዓመት ነይረ፤ ሽድሽተ ኰይኖም ዓሚጾምኒ። ንሰሙን መመላእታ እናጸረፉን እናወቕዑን ክዕምጹኒ ቀንዮም” ትብል።
ማርዳ ኣብ ልዕሊኣ ብዝተፈፀመ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ በሰላኡን ስነ-ልቦናዊ ስምብራቱን ኣዝዩ ስለዝሃሰያ ሰሪሓ ክትበልዕ ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ ትርከብ።
ቢሮ ጥዕና ትግራይ፡ 120 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ከም ዝተዓመጻን ካብዚአን እተን 5 ሚእታዊት ኣብ ደመን ኤችኣይቪ ከም ዝተረኸበን ንቢቢሲ ገሊጹ።
ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ’ውን፡ ካብ ሕዳር ክሳብ ታሕሳስ 2022 ኣብ ዘሎ እዋን ጥራይ 852 ጉዳያት ጾታዊ ዓመጽ ተመዝጊቦም፤ ተመሳሳሊ ገበናት ይቕጽል ምህላዉ ሰራሕተኛታት ትካላት ሰብኣዊ መሰል ይገልጹ።
ኣብዚ ጉዳይ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ መሻርኽቱ ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን፡ ክኽሰሱ እንከለዉ፡ ሓይልታት ትግራይ’ውን ኣብ 2021 ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገስገሱሉ እዋን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን ብምፍጻም ይኽሰሱ እዮም።
ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ሕዳር ንከተማ ሸዋሮቢት ኣብ ዝተቘጻጸርሉ፡ ሓንቲ ጓል 50 ዓመት ሰበይቲ ብሓይልታት ትግራይ ድሕሪ ምዕማጻ ርእሰ ቅትለት ከም ዝፈጸመት፡ ወኪል ቤት ጽሕፈት ፖሊስ እታ ከተማ ኮማንደር ኣሕመድ መሓመድ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።
እታ ሰበይቲ “ሽዱሽተ ሰባት ምስ ዓመጽዋ፡ ከመይ ኢለ ገጽ ወደይ ክርኢ’’ ብምባል ብገመድ ተሓኒቓ ነብሰ ቅትለት ፈጺማ” ይብል።
ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን፡ ኣብ መፈለምታ እቲ ኲናት “ዋላ ሓደ ሲቪል ሰብ ኣይተቐተለን” እኳ እንተበለ ሰራዊቱ ኣብ ትግራይ ካብ ዝፈጸሞም ገበናት ኣብ ማሕበረ ዴጐ ዝተፈፀመ ቅትለት ሓደ ኣብነት እዩ።
ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ ወተሃደራዊ ክዳን ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተኸደኑ ዕጡቓት ኣብ ከተማ ማሕበረ ዴጎ ሓደ ጕጅለ መሪሖም ናብ ሓደ ደንድስ ገደል ብምውሳድ፡ ሲቪል ንዝተኸደኑ ብውሑዱ 15 ሰባት ብጃምላ ከም ዝቐተሉ ኣብ 2021 ኣረጋጊጹ’ዩ።
እቶም ወተሃደራት፡ ነቶም ግዳያት ብጥይት እናቐተሉ ናብ ገደል ከጽድፍዎም፡ ብቋንቋ ኣምሓርኛ በቶም ግዳያት ክቕይዑ ተራእዮም።
ብኻልእ ወገን ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ቀራሮ ትርከብ ቍሸት ኩመል ነባሪት ዝዀና በዓልቲ ጸጋ ዕድመ ጓል 85 ዓመት ወይዘሮ ግደይ ደስታ፡ ከወንተይ ዝብልኦም ክልተ ሓረስቶት ደቀን 08 ሕዳር 2013 [ግ] ኣብ ቅድሚ ዓይነን ብወተሃደራት ኤርትራ ከም ዝተቐተሉ ንቢቢሲ ይገልፃ።
“...ኣታ ሓደኦም ግደፉለይ እሞ እታ ሓንቲ ጥይት ንዓይ ትኹን፡ እቶም ደቀይ ክልተ ጥራይ’ዮም ኢለ ለሚነዮም። ሕዚ ኣነ ዘልዕለኒ የብለይን…ክልቲኦም ምስ ጠፍኡ ፍትሒ ክረክብ እየ ኢለ ተጸብየ፡ ሕዚ ‘ውን እጽበ ኣለኹ…” ይብላ።
ኵሎም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ወገናት ነቲ ኣብ እዋን ኲናት ዝተፈጸመ ገበናት ብትሪ እኳ እንተነጸግዎ፡ መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ነዞም ግዳያት ፍትሒ ንክረኽቡ ከጣጥሕ ብዙሕ ትጽቢት ተነቢሩሉ ነይሩ። እንተዀነ፡ ብዙሓት ግዳያት እቲ ኲናት፡ ነዚ ኵነታት “ክልተ ሞት” ኢሎም ይገልጽዎ።
ማርዳ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝወረዳ መዓልታዊ ቃንዛ ተወሲኽዎ ብሂወት ምንባር የፅልኣ፣ ኣብ ልዕሊኣ ንዝተፈፀመ ግህሰት ፍትሒ ዘይምርካባ ድማ ዝያዳ የጕህያን የቐንዝዋን።
ሲስተር ሙሉ መስፍን፡ ኣብ ኲናት ትግራይ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ንዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ማእኸል ‘ዋን ስቶፕ ሰንተር’ ሕክምናውን ስነ ልቦናውን ኣገልግሎት ትህብ ኣላ።
ንሳ ኣብ 2021 ቢቢሲ፡ ኣብ ሕብረተሰበን ናይ ባህሊ ለውጢ ንምምጻእ እጃመን ምስ ዘበርክታ ካብ መላእ ዓለም ዝሓረየን 100 ጸለውትን ኣተባባዕትን ደቂ ኣንስትዮ ዝተሰምየት እያ።
ሲስተር ሙሉ፡ ውሳነ ምቍራጽ መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ ንሞራል ግዳያትን ሰብ ሞያን ዝሰብርን፡ ተመሳሳሊ ግፍዕን ዓመጽን ንክፍፀም ዕድል ዝህብን ከም ዝዀነ ትገልፅ።
ናጻ ኮምሽን ምርመራ ሕቡራት ሃገራት ናብታ ሕመረት እቲ ደማዊ ኲናት ዝዀነት ትግራይ ብምእታው ምርመራ ከካይድ ዝገበሮ ጻዕሪ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይምፍቃዱ፡ ብርሕቐት’ዩ ክሰርሕ ጸኒሑ።
ሲስተር ሙሉ፡ “ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ፡ ልዕሊ ዅሉ ፍትሒ እየን ዝደልያ። እዚ ምርመራ ክጅመር እንከሎ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ጾታዊ ዓመጽን ግፍዕን ደው ንክብል፡ ፍትሒ ንኽርከብ፡ ‘ብኣና የብቅዕ’ ብዝብል እየን ቃለን ዝህባ ነይረን” ትብል። እንተዀነ ብሰንኪ ዝወረደን በደል ርእሰ ቅትለት ዝፈጸማ ከም ዘለዋ ትሕብር።
“ካብተን ፈለማ ዝተቐበልናየንን እተን ቃለን ዝሃባን፡ ርእሰ ቅትለት ዝፈጸማን ብሕማም ዝሞታን ኣለዋ። እዘን ግዳያት፡ ንዓለም ዝተሰምዐ ቃለን ተሰሚዑ ፍትሒ ኣብ እዋኑ እንተዝወሃብ ነይሩ፡ እዚ ዝጠፍአ ህይወት ምደሓነ ነይሩ። እቲ ውሳነ ንዓና’ውን ሞራልና ዝሰብር እዩ” ትብል።
ምቍራፅ ነፃ ኮምሽን ምርመራ ንምንታይ?
ኣብ ካሊፎርኒያ በዓልሞያ ሕጊ ኣይተ ኢሳይያስ ሃይለማርያም፡ እቲ ኮሚሽን ንግዳያት ማእከል ዝገበረ፡ ቀንዲ ዓለምለኻዊ ገበናት ዝበሃሉ ከም ምጽናት ዓሌት፡ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ዘይሻራዊ ዝዀነ ምጽራይ ክገብር ዕማም ከም ዝነበሮ ብምሕባር፡ እዚኦም ዓለምለኻዊ ገበናት ስለዝዀኑ፡ እቲ ፍርዲ ዝህብ ትካል’ውን ዓለምለኸ ቤት-ፍርዲ ከም ዝዀነ ይገልፅ።
እቲ ዓለምለኻዊ ትካል “እኹል ሪሶርስን ዓቕምን ስለዘለዎን ብግዳያት ግፍዒ ስለዝእመንን፡ ተጻርዩ ፍርዲ ኣብ ዝወሃበሉ፡ እቲ ፍርዲ ተፈጻሚ ክኸውን ፖለቲካዊ ድልውነት ክህሉ ዘኽእል ከም ዝነበረ ድማ ይሕብር።
ካብ መፈለምታ ምቛም ነጻ ኮሚሽን ምርመራ ሕቡራት ሃገራት ብምቅዋም፡ እቲ ኮምሽን ባጀት ከይስለዓሉን ዝገብሮ ምርመራ ከቋርጽን ብወግዒ ክሰርሕ ዝጸንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ፕሪቶርያ ምስ ህወሓት ዝኸተሞ ስምምዕ ሰላም፡ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ንዝተፈፀሙ ግህሰት መሰላት ጉዳይ ፍትሕን ተሓታትነትን ባዕሉ ብዘቘሞ መሰጋገሪ ፍትሒ ፍታሕ ከም ዝገብረሎም መጕቱ። እዚ መርገጽ ድማ፡ ኣካል ስምምዕ መንግስቲ ፈደራልን ህወሓትን ኰይኑ፤ እንተዀነ ብግብሪ ፍትሒ ንምርግጋጽ ዝተገብረ የለን ብምባል፡ ተጸበይቲ ፍትሒ የማርሩ።
በዓል ሞያ ሕጊ ኣይተ ኢሳይያስ፡ “ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተጣየሸን ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመወለን ኮምሽን ስግግር ፍትሒ ኢትዮጵያ ሓደገኛ፡” ከም ዝዀነ የረድእ።
“ፖለቲካዊ ሹመኛታትን ናይ ጥቕሚ ጐንፅን (conflict of interest) ዘለዎም ‘ዮም። ምኽንያቱ እቲ ገበን ፈጺሙ ተባሂሉ ዝጥርጠር መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን፡ ናይ ባዕሎም ገበን ባዕሎም ከጻርዩ ዕድል ምሃብ እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ጉድኣት ዝወረዶም ተጋሩ ግዳያት ዘይኣምንዎ ትካል ስለዝዀነ ውጽኢታዊ ኣይኸውንን እዩ ” ይብል።
እቲ በዓል ሞያ ሕጊ ከም ቀንዲ ነጥቢ ዘልዕሎ፡ ጉዳይ ስልጣን ቤት-ፍርድን ልኡላውነት ሓንቲ ሃገርን እዩ።
“ኣብዚ ገበን እዚ መንግስቲ ኤርትራ ተሓታቲ’ዩ። ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ስለዝዀነት ግና ኢትዮጵያ ንኤርትራ ንምኽሳስ ናይ ቤት-ፍርዲ ስልጣን የብላን። ስለዚ ንኤርትራ ክኸስስን ተሓታቲ ክገብር ዝኽእልን ካልእ ዓለምለኻዊ ትካል ክህሉ ኣለዎ። ስለዚ እቲ ቀንዲ ፀገም ስግግር ፍትሒ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ናይ ቤት-ፍርዲ ስልጣን ብኸመይ ክፍታሕ ኣለዎ ንዝብል መልሲ የብሉን። እዚ ዓይኖም እናርኣዩ ምፍራሞም ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ። ብኻልእ ወገን ድማ ዓለምለኻዊ ምጽራይ እንተተገይሩ፡ እቲ ጀኖሳይድ’ውን ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ክህልዎ እዩ” ብምባል፡ ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌት ከም ኣብነት የልዕል።
ንሓደ ዓመት ዝጸንሐ ኮምሽን ምርመራ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተፈጸሙ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ካብ ምቅላዕ ብተወሳኺ፡ ኢትዮጵያ ኣብ “ኣዝዩ ሓደገኛ” ደረጃ ከም ትርከብን "ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ዝፍጸሙ ከበድቲ ገበናት ክቕጽሉ ከም ዝኽእሉን” ኣብ ጥቅምቲ 2023 ስግኣቱ ገሊጹ’ዩ።
እቲ ምጽራይ ስለዘይተወድአ ግና እቲ ሓላፍነት ክናዋሕ ከም ዝነበሮ ኣይተ ኢሳይያስ ይገልጽ።
ዳይሬክተር ትካል ኢሮብ ኣኒና ሪታ ካሕሳይ፡ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ባይቶ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣኼባታት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ዓበይቲ መድረኻት ዓለምን ተረኺባ ፍትሕን ተሓታትነትን ክሰፍን ክትሰርሕ ፀኒሓ እያ።
ናፃ ኮምሽን ሕቡራት ሃገራት ዕድመ ስልጣኑ ንኽናዋሕ ክልተ ግዘ ናብ ጀነቫ ብምኻድ፡ ኣብ ኣኼባ ቤት-ምኽሪ ዝተሳተፈት ሪታ፡ ብመንግስቲ ዝቘመ መሰጋገሪ ፍትሒ፡ ንኣብነት ሰራዊት ኤርትራ ንዝፈጸሞ ገበን ተሓታቲ ክገብር ዘይኽእል ምዃኑ ኣልዒላ’ያ።
‘ኤርትራ ፈታዊትና እያ። ኤርትራ ዝፈጸመቶ ግህሰት እንተሃልዩ ምስ ኤርትራ ኴንና ክንፈትሖ ኢና’ ዝብል መልሲ ሂቦምና ትብል።
ኣብቲ ንሳ ዝተሳተፈትሉ ኣኼባ፡ ዝበዝሐ ትዅረቶም ኣብ ጉዳይ ኲናት ዩክረይን-ሩስያ ከም ዝነበረን፡ ኣብ ጉዳይ ዕድመ ስልጣን እቲ ኮምሽን፡ ተወከልቲ ኢትዮጵያ ፀቕጢ ንምፍጣር ካልእ ጐድናዊ ኣኼባ ከም ዝገበሩን ትገልጽ።
በዓልሞያ ሕጊ ኣይተ ኢሳይያስ፡ እቲ ፖለቲካውን ስትራተጂያውን ረብሓታት ዓለም ከም ዘሎ ኰይኑ፡ ናጻ ኮምሽን መርመራ ሕቡራት ሃገራት ስልጣኑ ንኸይናዋሕን ን ዝተፈጸሙ ገበናት ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ከይወሃቦምን ደረኽቲ ዝበሎም ምኽንያታት የረድእ።
“ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝወለዶ ትካል’ዩ። ስለዚ ንፖለቲካዊ ሕድገት ቦታ ስለዝህቡ፡ ኣብ ተጋሩ ዝተፈጸመ በደል ዓው ኢሎም ክዛረቡ ዘይምኽኣሎም ከቢድ ጸገም’ዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ናይ ረብሓ ጐንፂ እዩ። ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣመራርሓ ህወሓት ብሚኒስትር ፍትሒ እታ ሃገር ምሕረት ስለዝተገበረሎም፡ ህወሓት ንባዕሉ ከድሕን ዓለምለኻዊ ምጽራይ ክግበር ኣይደለየን ዝብል ሻቕሎት ይስማዕ’ዩ” ይብል።
ዳይረክተር ኢሮብ ኣኒና ሪታ፡ እቲ ኮምሽን ስልጣኑ ከብቅዕ ምውሳኑ፡ ውድቀት ትካል ሕቡራት ሃገራት ቤት-ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ዘርኢ’ዩ ዝብል መርገፂ ክትሕዝ ደሪኹዋ ኣሎ።
“ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝከላኸልን ብዛዕባ ሰብኣውነት ዝሻቐልን ትካል ምዃኑ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ድሌት ሃገራት ከም ዘጨንቘም’ዮም ኣርእዮምና” ትብል።
ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መርማሪ ጕጅለ ስልጣኑ ከይሕደስ ዝወሰዶ ውሳነ ዘሕፍር ክብል’ዩ ተቓዊምዎ።
ምኽትል ዳይረክተር ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣፍሪቃ ላቲሽያ ባድር፡ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብቲ ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ኣኼባ ቤት-ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ምዝሕታሉ፡ ኢትዮጵያ ንኣጀንዳ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ምሉእ ብምሉእ ንኽትጥሕሶ ዝደረኸን ግዳያት ዘስካሕክሕ ግፍዒ ተስፋ ንክቘርጹ ዝገበረን ምዃኑ ገሊጻ እያ።
እዚ ውሳነ “ኣብ ግዳያት ከቢድ ጽልዋ ከምዘለዎ ዝገልጽ ኣይተ ኢሳይያስ ሃይለማርያም፡ “እዚ ምፅራይ እንድሕር ዘይተወድአ፡ ገበን ዝፈፀመ ኣካል ገበን ፈፂሙ ከምልጥ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመርሖ መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ እንተ ቀጺሉ፡ ግዳያት ምስክር ቃሎም ኣብ ዝህብሉ ተወሳኺ ሕነ ምፍዳይ ኣብ ልዕሊኦም ክፍጸም ዝገብር፣ ተሓታትነት ከምዘየለን ንቐፃሊ ሕማቕ ኣብነት ዝኸውንን ኣብ ዝዀነ ማሕበረሰብ ገበናት ንኸይድገም ውሕስነት ዘይህብን’ዩ” ብምባል፡ ሞያዊ ርእይቶ ይህብ።
ዳይረክተር ሂየማን ራይትስ ዎች ቲራና ሓሰን፡ ዕድመ ስልጣን ዘይምንዋሕ ነቶም ተስፋኦም ኣብ ልዕሊ እዚ ኮምሽን ዝገበሩ ግዳያት “ከቢድ ጽፍዒት’ዩ” ክትብል ኰኒናቶ።
መፃኢ ዕጫ ግዳያት’ከ?
ኣይተ ኢሳይያስ ሃይለማርያም፡ ዋላ’ኳ እቲ በቲ ኮምሽን ክካየድ ዝጸንሐ ምርመራ እንተተቛረጸ ጉዳይ ፍትሕን ተሓታትነትን ተዓፅዩ ማለት ከምዘይኰነ ይገልጽ።
“እቲ ፋይል ብሕቡራት ሃገራት’ውን ክኽፈተሉ ዝኽእል ዕድል ክህሉ ይኽእል እዩ። ብኻልእ ወገን ኣብ ኣውሮጳ 10 ዝዀና ዓለምለኻዊ ስልጣን ቤት-ፍርዲ ዘለወን ዓድታት ስለዘለዋ፡ ክሲ ምምስራት ዝከኣለሉ ሰፊሕ ዕድል ኣሎ።
ንኣብነት፡ ኣብ ቤልጂየም ክሲ ናይ ምቕራብ መስርሕ ተጀሚሩ’ዩ፤ ኣብ ፈረንሳይን ጀርመንን’ውን ይከኣል እዩ። ኣብ ኣሜሪካ’ውን ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነትን ብውልቀ ሰብ ደረጃ ወይ ጕጅለ ምኽሳስ ዝከኣለሉ ዕድላት ኣለዉ፤ ውልቀ ጠበቓታትን ሰብሞያን ብምቝጻር’ውን ዝኸስሱን ዘጻርዩን ኣካላትን ብዙሕ ዝስራሕ ስለዘሎን፡ እዚ ጉዳይ እዚ ከም ዘይተዓጸወ ክፍለጥ ይግባእ” ይብል።