ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ብዘስካሕክሕ መገዲ ዝተቐተሉ ተጋሩ ስድረኦም እንታይ ይብሉ?

ኣይተ ከሓሰ፡ "እቲ ናብ ሓዊ ደፊኦም ዘእትውዎ ሰብ፡ ፀጋይ ነጋ ይበሃል። መሓዛይ'ዩ። እዚ ተግባር ብ23 ለካቲት'ዮም ፈፂሞሞ። ፀጋይ ኣቦ ሓንቲ ቘልዓ እዩ። ናብ ጓሉን በዓልቲ ገዝኡን እናተመልሰ'ዩ ተቐቲሉ። ናብቲ ቦታ ክኸዱ ዝኸኣሉ ሰባት ንስድራና ስእሊ ኣርእዮምና፡ ብኸምዚ ከኣ ከምዝተቐተሉ ፈሊጥና" ይብል።

ከሓሰ፡ ቅትለት መሓዝኡ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ቅድሚ ምዝርግሑ'ዩ መርድእ ተነጊርዎ። ዳሕራይ ከኣ ነቲ ብመርድእ ዝሰምዖ ጭካነ ዝመልኦ ቅትለት ብቪድዮ ከምዝረኣዮ ንቢቢሲ ገሊፁ።

ብህይወቱ ብሓዊ ዝተቓጸለ ውልቀሰብ መን እዩ?

ኣብቲ ቪድዮ እቲ ብሂወቱ እናሃለወ ናብ ሓዊ ዝተደርበየ ግዳይ፡

"አረ በይዛኹም" ኢሉ ክምሕፀን ይርአ።

እቶም ኣምሓርኛ ዝዛረቡ ወተሃደራዊ ክዳን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ክልል ደቡብን ዝለበሱ ወተሃደራት ድማ፡

"ኣቃፅልዎ ንሕና'ውን ከምዚ ኢና ተቓፂልና" ክብሉን ካልእ ንእዝኒ ዘደንጹ ቃላት ክዛረቡን ይስምዑ።

ብ11 መጋቢት 2022 ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ ዞባ መተከል፡ ቀበሌ ኣይሲድ ንሰባት ብሂወቶም ብሓዊ ከቃፅልዎም ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስተዘርገሐ በቲ ጭካነ ብዙሕ ሰብ ተቖጢዑን መዘራረቢ ዓለም ኮይኑን ቀንዩ።

ኣብቲ 5 ደቒቕን 42 ካልኢትን ዝንውሓቱ ቪድዮ፡ ወተሃደራዊ ዩኒፎርም ዝተኸድኑን ሲቪልን ብጉጅለ ኮይኖም፡ ነቲ "በይዛኻቱም ሕደጉኒ" ኢሉ እናተማሕፀነ ብሃልሃልታ ብሓዊ ዘንድዱዎ ንዝነበሩ ሰብ፡ ብሞባይሎም እናቐረፁ ይረኣዩ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዞባ መተከል ናይ ይሕለፍ ፈቓድ ሒዞም ናብ መንበሪ ገዝኦም ይምለሱ ንዝነበሩ ሰለማውያን ሰባት፡ 'ብኢደ ወነነኖም' ከምዝቐተሉ ብምርመራ ኣፍሊጡ'ዩ።

ወሃቢቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ነዚ ተግባር ንዝፈፀሙ ሰባት ናይ ምፅራይ ስራሕቲ ከምዝተጀመረ ንቢቢሲ ገሊፁ።

ስድራን መቕርብን እቶም ግዳያት እንታይ ይብሉ?

ኣይተ ከሓሰ፤ እቲ ብሓዊ ዝተቓፀለ ዓርኩ ፀጋይ ነጋ፡ ኣብ ከተማ ዳንጉር ወረዳ ሰዳል (ፀጋማይ ክንፊ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ) ብንግዲ ይመሓደር ከምዝነበረን ካብ ዝሓለፈ 21 ሓምለ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት እዚ ዓመት፡ ኣብ ዞባ መተከል ቤት ማእሰርቲ ግልገል በለስ ንሸውዓተ ወርሒ ተኣሲሩ ከምዝፀንሐን ይገልፅ።

ኣይተ ከሓሰ፡ ብ 23 ለካቲት ምስ ካልኦት ተጋሩ ነፃ ተባሂሉ ተፈቲሑ፡ ናብ በዓልቲ ገዝኡን ጓሉን ክምለስ እንከሎ፡ ፍሉይ ፍቓድ ስለዘድሊ ናብ ዳንጉርን ባምዛን ንዝኣትዉ ፈቓድ ተፃሒፍሎም፡ ብኣካላት ፀጥታ ተዓጂቦም ብሓንቲ ኣውቶብስ ናብ ገዝኦም ይምለሱ ከምዝነበሩ የረድእ።

"ኣብ መገዲ፡ ኣይሲድ ኣብ ዝበሃል ከባቢ፡ ንፀጋይን ነቶም ምስኡ ኣብ ኣውቶብስ ዝነበሩ ተጋሩን፡ ኣብ ቻይና ካምፕ ካብ ዝርከብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ኣውፂኦም ወሲዶም ረሺኖሞም" እዩ ይብል።

ኣብ ትግራይ ወረዳ ዓድዋ፣ ጣብያ ላኺዓ ቁሸት ዳሞ ከምዝውለዱ ዝገልፅ ኣይተ በሪሁ ገብረሚካኤል ብወገኑ፡ ምስ ወዲ 40 ዓመት ሓው ኣቡኡ ኣይተ ገብረመድህን፡ ኣብቲ ከባቢ ጠለ በጊዕን ከብትን ብምርባሕ ይናበሩ ከምዝነበሩ ይገልፅ።

ኣይተ በሪሁ፡ ሓው ኣቡኡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብቲ ከባቢ ወረዳ ጉባ ቀበሌ ባምዛ ከምዝነበረን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 20 ሓምለ ብዝነበረ ጃምላዊ ማእሰርቲ ተወለድቲ ትግራይ ብኮማንድ ፖስት ክእሰሩ እንከለው ከምዘምለጠን ይዛረብ።

ኣይተ በሪሁ፡ "ብጣዕሚ ዘሰቅቕ ነገር እዩ። ሽዑ ትግራዋይ ክእሰር ኣለዎ ስለዝተብሃለ፡ ኩሉ ትግራዋይ ተሃዲኑ። ንሸውዓተ ወርሒ ምስ ኣሰርዎ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፈቲሐምዎ። ምስ ተፈትሑ ናብቲ ግድብ ብሓለዋ ኢኹም ትኸዱ ተባሂሎም ነይሮም። ግና ንሓወቦይ ሓዊሱ ብህይወቶም ብሓዊ ከምዘቃፀልዎም ኣርዲኦምኒ። ምስተፈትሐ 'ክንራኸብ ኢና' ኢሉ ደዊሉለይ ነይሩ፡ ክንራኸብ እናተስፈኹ ኣብ መገዲ ኣቕርየሞ" ኢሉ።

ካልእ ኣብ ዞባ መተከል ቀበሌ ባምዛ ተወሊዱ ዝዓበየ ነባሪ ቀበሌ ባምዛ ኣበበ ታረቀኝ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ስድርኡ ብኮማንድ ፖስት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተኣሰሩን ኣብቲ ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ድማ ክልተ ኣሕዋቱ ብሓዊ ተቓፂሎም ከምዝተቐተሉን ንቢቢሲ ገሊፁ።

"ብ 20 ሓምለ፡ . . .ካብ ሓደ ገዛ ሽድሽተ ኣባላት ስድራ፡ ኣብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲርና። ካብኡ ክልተ ወርሒ ምስ ገበርና ንዓና ፈቲሖምና። ንምንኣስ ሓወይ፣ ምዕባይ ሓወይ፣ ኣቦይን ግና ናብ ኣብ ግልገል በለስ ናብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ወሲደሞም። ካብኡ ብ30 ሕዳር መሊሶም ኣሲሮምኒ፤ ኣብ ግልገል በለስ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣባላት ስድራይ ተራኺብና" ይብል።

ኣበበ፡ ተወለድቲ ትግራይ ምስ ካልኦት እሱራት ከይራኸቡ ንበይኖም ከምዝተገለሉን፡ ኣብ ሓደ ገዛ ኣስታት 100 ተዳጒኖም ከምዝነበሩነ ዝዝክር ኮይኑ፡ ብ 21 ጥሪ ግና፡ 'ክልተ ኣሕዋቱ' ኣትሪፎም ንኣባላት ስድርኡ ከምዝፍትሕዎም ይዛረብ።

ኣበበ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ግልገል ዝተረፉ፡ ኣሕዋቱ ሮቤል ታረቀኝን ገብረማርያም ገብረመድህንን፡ ከም ባህጉ መሊሱ ኣይረኣዮምን።

"ክልቲኦም ኣሕዋተይ ምንኣስ ሓወይ ሮቤልን (19)፣ ምዕባይ ሓወይ ገብረማርያምን (30) ናብ መንበሪ ገዛና እናመፅኡ፡ ካብ መገዲ ስለዝመለሱዎም፡ ደዊሎም 'መሊሶምና'ዮም ኣይንመፅእን ኢና' ኢሎምና።

ክልቲኦም ኣሕዋቱ፡ ኣካል እቲ ብምስሊ ዝወጽአ፡ ብ23 ለካቲት 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ቅትለት ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ግና፡ ብህይወቱ እንከሎ ዝተቓጸለ ሓደ ሰብ ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ።

ካልእ ግዳይ፡ ሰራሕተኛ ግድብ ህዳሰ

ብ23 ለካቲት፡ ምስ ካልኦት ናብቲ ግድብ ዝምለስ ዝነበረ ተጋሩ፡ ሓደ ሰራሕተኛ እቲ ግድብ'ውን ብሓዊ ተቓፂሉ ከምዝተቐተለ፡ መቕርብን መሳርሕትን እቲ ግዳይ ኣይተ ሓየሎም* ንቢቢሲ ገሊፁ።

ኣይተ ሓየሎም ህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ካብ ዝጅምር 2004 ኣቆፃፅራ ግእዝ ጀሚሩ ክሳብ 2013 ብሞይኡ ዘገልገለ እንትኾን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ምስ ካልኦት መሳርሕቱ ተጋሩ ነበርቲ'ቲ ክልል፡ ጃዊ ኣብ ዝበሃል በረኻ ከምዝተኣሰሩ ይሕብር።

"ናይ 'ጁንታ ተሓባበርቲ' ኢሎም ኣብኡ ዘለዉ ሰራዊት ምክልኻል ጃዊ ኣብ ዝበሃል በረኻ ኣሲሮምና። ልዕሊ 30 ሰባት ኢና ነይርና፤ ኣብ ክልተ ጉጅለ ከፊሎም ኣሲሮምና፤ እቶም ምሳይ ዝነበሩ ኩሎም ኢንጂነራት'ዮም። ሕማቕ ኣተሓሕዛ እዩ ነይሩና፣ ጥጥቖ ዕፉንን ስርናይን እዮም ዝህቡና ነይሮም። ካብኡ፡ እታ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ፍትሒ ዞባ መተከል ከምዘሳቐዩና ምስ ረኣየት 'እዚ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል'ዩ ናብ ዓለም ከሕልፎ እየ' ምስበለቶም፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ግልገል በለስ ብምዝውዋር ናብ ፖሊስ ጣብያ ኣቕሪቦምና" ይብል።

ንርእሱ ካብቶም ቤት ፍርዲ ናፃ ኢሉ ዘሰናበቶም ሓደ ከምዝኾነ ዝዛረብ ኣይተ ሓየሎም፡ ደሕንነት ስለዘይተሰምዖ ስርሑ ክገድፍ ከምዝመረፀን መሳርሕቱን መቕርቡን ግና ኣብቲ ዘሕዝን ፍፀመ ብሓዊ ተቓፂሉ ከምዝተቐተለን ገሊፁ።

ኣይተ ሓየሎም፡ "ናፃ ምስ ተብሃልና፡ ንድሕነተይ ስለዝሰጋእኹ ስርሐይ ገዲፈ ናብ ቤተሰበይ መፂአ፤ ንሳቶም ግን ናብቲ ግድብ እናኸዱ ኣብ ኣይሲድ ምስ በፅሑ ቀቲሎሞም። ምስ ሳሊኒ ዝሰርሕ ዝነበረ ዘሚካኤል ገብረጨርቆስ ኣብ ኣይሲድ ብሓዊ ኣቃፂሎም ቀቲሎሞ" ይብል።

ካልኦት ኣብ ዙርያ'ቲ ግድብ ዝነብሩ ዝነበሩ፡ ብኣካል ዝፈልጦም 10 ተጋሩ'ውን፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ከምዝተቐተሉ ስም ዝርዝሮምን ኩነታቶም ብምግላፅ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ብሓፈሻ፡ ስድራን መቕርብን እቶም ግዳያት፡ ብ 23 ን 28ን ለካቲት 2014 ዓ.ም ግእዝ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ኣስታት 30 ተጋሩ ብሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ካብ ገገዝኦም ተሃዲኖም ከምዝተረሸኑ ንቢቢሲ ገሊፆም።

ቢቢሲ ነዞም ቅትለታት ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

ክልላዊ መንግስቲ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣብዚ ጉዳይ ብወግዒ ዝሃቦ መግለፂ የለን። ኮምሽነር ኮምሽን ፖሊስ ክልል ቤንሻንጉል ሃሮን ዑመር፡ ኣብ ዞባ መተከል ብኣካላት ፀጥታ መንግስቲ ዝተፈፀመ ቅትለት ሓቂ ምዃኑ'ኳ እንተኣረጋገጸ፡ "መተከል ወይ ግልገል በለስ ብኮማንድ ፖስት ስለዝምራሕ፡ ምርመራ ይካየድ ስለዘሎን ነዚ ገበን ዝፈፀሙ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይውዕሉ ስለዘለዉን፡ ምሉእ ሪፖርት ምስ ቀረበ ኢና መግለፂ ክንህብ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል፡ ካብ 2020 ጀሚሩ እቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ፖሊስ ፌደራል፣ ፍሉይ ሓይሊ ክልላትን ዝተጣየሰ ኮማንድ ፖስት ክመሓደር ፀኒሑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2021 ወርሒ መስከረም ድማ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ናብቲ ዞባ ከምዝተዋፈረ ይፍለጥ።

መርመራ'ቲ ገበናት ኣብ ምንታይ ደረጃ ይርከብ?

ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ፡ ንትግራይ ሚድያ ሃውስ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕተት፡ "ሰብ ዓይኑ እናርኣየ ምስ ህይወቱ ከም መሰንከቲ ዕንፀይቲ ናብ ሓዊ ምእታው ማለት እንታይ ማለት'ዩ? እዚ ኣረማውያን'ኳ ዘይገብርዎ ተግባር'ዩ። ከምዚ ዓይነት ተገይሩ ኣይፈልጥን። እዚ ካብ ልክዕ ዝሓለፈ ጭካነን ፅልእን'ዩ፡" ብምባል፡ ነቲ ዘስካሕክሕ ቅትለት ኮኒነሞ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፡ ነቲ ቅትለት ካብ መስርሕ ቤት ፍርዲ ወፃኢ ብተሳትፎ ሓይልታት ፀጥታ መንግስትን ካልኦትን ከምዝተፈፀመ ብመርመራ ኣረጋጊፁ'ዩ።

መግለፂ እቲ ኮሚሽን፡ ብ23 ለካቲት 2014 ብከቢድ ብረት ዝተደገፉ ዕጡቓት፡ ንኣባላት ሓይልታት ፀጥታ መንግስትን ሰለማውያን ሰባትን ምስቀተሉ፡ ኣካላት ፀጥታ መንግስቲ ካብ ከተማ ግልገል በለስ ተበጊሶም ናብ ማንኩሽን ባምዛን ኣብ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ሰለማውያን ሰባት ተፍትሽ ከም ዘካየዱ ይሕብር።

ኣብቲ ተፍትሽ፡ "ሓንቲ ወተሃደራዊት ሬድዮ ርክብን ልዕሊ 40 ሽሕ ብርን ስእልታትን" ከምዝተታሕዘን፡ ሓደ ካብቶም ብበትሪ ዝተወቕዐ ጥርጡራት፡ "እወ ኣብቲ ከባቢ ዝተወሰደ መጥቃዕቲ ኢድና ኣለዎ፤ ኣብ ባምዛን ግልገል በለስን ሰባት ኣለዉ" ኢሉ ምዝራቡንእቲ ኮምሽን ይገልፅ።

ናብቲ ግድብ ዝኣትው ሰራሕተኛታት፣ ነበርቲ እቲ ከባብን ካብ ካልእ ከባቢ ዝመፅእ ሰብን ኩሉ፡ ብኣካላት ፀጥታ መንግስቲ ተዓጂቡ ከምዝኣቱ'ዮም ነበርቲ ዝገልፁ።

ንኣዋርሕ ተኣሲሮም ዝነበሩን ናፃ ተባሂሎም ምስ ተፈትሑ፡ እሞ ድማ ብቐጥታ ብኣካላት ፀጥታ ተዓጂቦም ዝኸዱ ዝነበሩ እዞም ተወለድቲ ትግራይ፡ ብኸመይ በቲ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ይጥርጠሩ?፣ "ብኸመይ'ከ 'ወተሃደራዊ ሬድዮ ርክብን ልዕሊ 40 ሽሕ ብርን ስእልታትን' ክሕዙ ይኽእሉ?" ዝብል ሕቶ ካብ ቢቢሲ ዝተሓተተ ዳይሬክተር ክልላዊ ክትትልን ምርመራን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣይተ ይበቃል ግዛው፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ንሕድሕዶም ዘይፋለጡ መሰኻኽር ዓይኒ ኣዘራሪቦም ሓበሬታ ከምዝኣከቡ ገሊፁ።

"ብ23 ለካቲት ኣብ ልዕሊ'ቲ ብኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ተዓጂቡ ዝኸይድ ዝነበረ ሲቪል ዝሓዘ መኪና ዝተፈፀመ መጥቃዕትን [ብድሕሪኡ] ኣካላት ፀጥታ ዝወሰዱዎ ዘይሕጋዊ ስጉምትን ኣመልኪቱ ሓበሬታ ሂቦምና። ካብዚ ወፃእ እቶም ግዳያት ካብ ቤት ህንፀት ዝወፅሉ ሰዓት፣ ድሕሪኡ ናብ መኪና ተሳፊሮም ናብቲ እቲ ተግባር ዝተፈፀመሉ ቦታ ብኸመይ በፂሖም ዝብል ሓበሬታ የብሎምን። እቶም ግዳያት ኣብ ቤት ህንፀት ዝነበሩን ካብኡ ክወፅኡ ከለው ካብ ቤት ማእሰርቲ ዞባ መተከል ናይ ይሕለፍ ወረቐት ሒዞም ዝጓዓዙ ዝነበሩን፣ ፍተሻ ክግበር እንከሎ ሓይልታት ፀጥታ ሬድዮ፣ ገንዘብን ኣልባሳትን ረኺብና ምባሎም'ዮም ሓበሬታ ሂቦምና" ኢሉ።

ኣብ ቀፃሊ መንግስቲ ምርመራ ገበን ክካየድ እንከሎ፡ ነዚታት ከጻርይ ከምዘለዎ ይኣምን።

"ዝኾነ ኾይኑ ግና እዞም ግዳያት ሒዞምዎ ዝተባህለ ነገር፡ ይሓዙ ኣይሓዙ፣ ገንዘብ ሃለዎም ኣይሃለዎም፡ እቲ ዝተፈፀመ ቅትለት ዘስካሕክሕ፣ ዘይሕጋዊ፣ ዘሕዝንን ምዃኑ ዝቕይሮ ነገር የለን" ክብል ምላሽ ሂቡ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ፡ "ነዚ ፀገም ዝፈጠረ ዝኾነ ይኹን ኣካል፡ መንግስቲ ስጉምቲ ክወስድ'ዩ ኢልና፤ ዝምልከቶም ኣካላት ፀጥታ ይሰርሕሉ፡ የፃርዩ'ለዉ። ነዚ ፀገም ዝፈጠሩ ሰባት ካብ ኣካላት ፀጥታ ወይ ካብ ካልኦት ከባብታት እንተልዮም፡ ናይ ምፅራይ ስራሕ ሽዑ ንሽዑ'ዩ ተጀሚሩ" ብምባል፡ እቲ ምርምራ ኣብ ከይዲ ከምዘሎ ንቢቢሲ ገሊፁ።

ድሒሩ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ኣሎ ድዩ?

ሙሉጌታ የማነ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ዞባ መተከል ወረዳ ጉባ ባንዛ ኣብ ትበሃል ከባቢ፡ ተወሊዱ፡ ዓብዩ።

ወዲ 68 ዓመት ወላዲ ኣብኡ ኣይተ የማነ ማሰ ገብረእግዚኣብሄር ብ 1976 ኣቆፃፅራ ግእዝ'ዮም ናብ ክልል ቤንሻንጉል ከይዶም፤ ባምዛ ከም መንበሪ ክትጣየሽ እንከላ፡ ነታ ቁሸት ካብ ዘጣየሱ እንትኾኑ፡ ሓዳር መስሪቶምን ቆልዑ ወሊዶምን፡ ጥሪት ብምፍራይን ብንግድን ንኣስታት 40 ዓመታት ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣቦ'ዮም።

ሙሉጌታ ወላዲኡን ካልእ ዓርኩን ንዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ከምዝተኣሰሩ ብድሕሪኡ'ውን "ንስኻትኩም'ውን ደቂ ተጋሩ ኢኹም ብዝብል ወፍሪ፡ ፈለማ ኣብ ግልገል በለስ ንሸሞንተ ወርሒ ኣሲሮም ነፃ ኢኹም ኢሎም ፈቲሖሞም ከብቅዑ ቦታ ቀይሮም ኣብ ኣሶሳ ኣሲሮሞም" ይብል።

ሙልጌታ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ 28 ለካቲት ወላዲ ኣቡኡ ኣይተ የማነን ካልእ መሓዝኡን ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣሶሳ ተፈቲሖም ናብ መንበሪ ገዝኦም ከምዝተመለሱን፡ ንፅባሒቱ ግና ብኣካላት ፀጥታ መንግስቲ ብዘሰካሕክሕ ኩነታት ከምዝተቐተሉን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ብዕለት 28 ተፈቲሑ፡ 'ኣይትምፃእ ፅናሕ' እናበልናዮ፡ 'ኣነ ሽማግለ እየ፡ ናበይ እሞ ክኸይድ እየ' ኢሉ ንገዛ መፂኡ 'ዝወደይ ብሰላም ኣትየ እየ' ኢሉ ስልኪ ደዊሉለይ። ንፅባሒቱ ዕለት 29 ሰዓት 3፡00 ናይ ምሸት ግና ንገዛ መፂኦም ንደልየካ ኢና ኢሎም ወሲደሞ። ብዕለት 29 ከኣ ሓሪዶም ደርብዮሞ፡ ክሳብ ሕዚ ሬስኡ ኣይተላዕለን። ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ጉምዝ ኣልዒልና ንቕበሮ እንተበሉ'ውን፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ መከላክያን ፌደራልን ሬሳ ከይለዓል ከልኪሎም" ይብል።

ብ28 ለካቲት 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ቤት ማእሰርቲ እቲ ክልል ዝተፈትሑ ካልኦት ተጋሩ'ውን ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ ኣካል ፀጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘስካሕክሕ ኩነታት ከምዝተረሸኑን ሬስኦም ንከይለዓል ከምዝተኸልከለን ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርትን ስድራ ግዳያትን ገሊፆም።

ኮምሽነር ኮምሽን ፖሊስ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ኣይተ ሃሮን ዑመር፡ ካብ ዝተፈላለዩ ቤት ማእሰርቲ እቲ ክልል ብፍላይ ድማ ካብ ኣሶሳ ዝተፈትሑ ብዙሓት ተጋሩ ገና ዘይተፈትሑ'ውን ከምዘለዉ ይገልፅ።

ኣብ ጉዳይ'ቶም "ብኣካላት ፀጥታ መንግስቲ ተሓሪዶም ሬሳኦም ከይለዓል ተኸልኪሎም"፡ ዝተብሃሉ ግዳያት ንዘቕረብናሉ ሕቶ እንትምልስ ድማ፡ "እዚ ጉዳይ ብዝርዝር ስለዘይንፈልጦ፡ ኣብ ዙርያ እዚ ብዙሕ ንምዝራብ ንፅገም ኢና" ዝብል ምላሽ ሂቡና።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ ብወገኑ፡ ብፍሉይ ኣብቶም 'ተሓሪዶም ሬስኦም ከይለዓል ዝተኸልከሉ' ዝተብሃሉ፡ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ብምግላፅ፡ ኣካላት ፀጥታ መንግስቲ ግና ብዘይ ምኽንያት ነዚ ክፍፅሙ ኣይኽእሉን ኢሉ።

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ ኣብ ከተማ ኣሶሳ፣ ኣልምሃል፣ ግልገል በለስ፣ ማንኩሽ፣ ባምዛ፣ ቋንኩሮን ካልኦት ከባብታትን ዝነብሩ ተጋሩ ኣብ ግዘ ስርዓት ደርግ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ 1977 ዓ.ም ኣቆፃፅራ ግእዝ ዘጋጠመ ድርቂ'ዮም ናብቲ ከባቢ ተሰዲቶም ናብራ መስሪቶም ብምርባሕ ጥሪትን ንግድን ክመሓደሩ ፀኒሖም።