እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ዋላ ጾምና ንሕደር ጥይት ኣይንደልን’ - ስድራቤት ስውኣት ትግራይ
ኣብ ትግራይ ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልታት ተኣዊጁ ኣብ ዘሎ ብሄራዊ መዓልቲ ሓዘን፡ ብዙሓት ብሞት ናይቶም ኣብቲ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ኲናት ሂወቶም ዝሰኣኑ ተጋደልቲ ሓይልታት ትግራይ ዝተሰመዖም ሓዘን ይገልጹ ኣለው።
ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣቡነ ማትያስ፡ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም’ዮም።
''ሎሚ ኣብ ትግራይ ሓዘን ዘይብሉ ገዛ ዳርጋ የለን። ዝሞቱ ደቅና ብህይወት እንተዝነብሩ ብዙሕ ታሪኽ ክጽሕፉ ይኽእሉ ነይሮም፤ እዞም ተስፋ ስድራቤት፣ ቤተክርስትያንን ሃገርን ዝነበሩ መንእሰያት ግና ብኣግኦም ተቖጽዮም'' ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፎም።
ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብዙሓት ስድራቤታት ሃለዋት ደቆም ንምፍላጥ ኣብ ሻቕሎት ምጽንሕኦም ዝፍለጥ’ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ሽምዓ ናይ ምብራህ ስነ ስርዓታት ዝተኻየዱ ኰይኖም፡ ቢቢሲ ድማ ኣብ ከተማታት ኣክሱምን ሽረን ንዝርከቡ ስድራቤታት ኣዘራሪቡ ነይሩ።
ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ነባሪ ከተማ ኣክሱም ወዱ ከም ዝተረድአ ብምግላጽ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ሓዘን’ዩ ዘሎ” ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ብመሰረት ባህሊ ህዝቢ ሓዘንተኛ ስድራቤት ዘጸናንዑ ኣብ ከባቢ ዝርከቡ ነበርቲን ኣዝማድን እዮም። ሕዚ ግን “ዘጽናዕንዕ የለን፤ ኩሉ ሓዘንተኛ’ዩ። ክበኪ’ዩ ዝኸድ እምበር ዘጽናዕናዕካ የለን” ኢሉ።
እቲ ወዱ ዝሰኣነ ኣቦ “ንሕና ሕዚ ዋላ ጾምና ንሕደር ጥይት ኣይንደልን። ስለዚ ናብ ሰላምና ኣቲና፡ ናብ ልምዓትና እንምለሰሉ” ግዜ ከም ዝደልዩን ዝተረፉ ደቁ ብሰላም ከምህርን ከባጽሕን ድማ ትምኒቱ ምዃኑን ኣመልኪቱ።
ንሰለስተ መዓልታት ተኣዊጁ ኣብ ዘሎ ብሄራዊ መዓልቲ ሓዘን ስዒቡ ኣብ መላእ ክልል ትግራይ ካብ ቀዳም ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልታት ንቡር ምንቅስቓስ ደው ኢሉ ሰባት ኣብ ስነ-ስርዓት ሓዘን ንምስታፍ ጥራይ’ዮም ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክንቀሳቐሱ ጸኒሖም።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ነባሪ ከተማ ሽረ ብወገኑ፡ ምስቲ ቅድሚ ሕዚ ዝተኻየዱ ኲናታት ስዒቡ ዝነበረ መርድእ ብምንጽጻር፡ እዚ ናይ ሕዚ “መዘግነኒ’ዩ በቃ፡ ከምዚ ተራእዩ ኣይፈልጥን” ይብል።
“ኣብ ሓደ ኣንጎሎ ዳርጋ ሰለስተ ኣርባዕተ” መርድእ ከም ዝተነገረ ብምግላጽ “ኣብ ሓደ ገዛ ሰለስተ ሰባት ዝተሰውእዎም ኣለዉ”
ኣብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ዘለዉ’ውን ኣብ ዳስ ኰይኖም’ዮም ዝርድኡ ዘለዉ።
“ደቅና ዝተሰውኡ፡ ካብ ዳስ ወጺና ዓድና ንኽንኣቱ’ዩ ነይሩ። ግን ካብታ ዳስ ወጺኦም ኣብታ ዳስ ድማ ተረዲእና” ይብሉ ከም ዘለዉ እቲ ነባሪ ሓቢሩ።
እቶም ተመዛበልቲ ለውጢ ከም ዘየለ እዮም ዝገልጹ።
“ሓንቲ ሰበይቲ ካብ ዝተዛረበቶ ቃል፡ ‘ክልተ ደቀይ መሪቐ እየ ሰዲደ። መሪቐ ክሰድድ ከለኹ ግን ፍትሕን ነጻነትን ትግራይ ንኽርእይ’ዩ ነይሩ’” ከም ዝበለት ብምጥቃስ እታ ኣደ እዚ ተግባራዊ ክኸውን ከም ትደሊ ገሊጹ።
እቲ ነባሪ ከም ዝገልጾ ተማሪኾም ተወሲዶም ክዀን ይኽእሉ እዮም ኢሎም ዘይቀበጹ ስድራቤታት ኣለዉ።
“ኣብ ህይወት ዘመነይ ሰለስተ [ኲናት] ይርእይ ኣለኹ” ይብል ክሳዕ 1983 ዝተኻየደ፡ ኢትዮ-ኤርትራ ሕዚ ድማ ንክልተ ዓመት ዝጸንሐ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ብምጥቃስ። “መጨረሽትኡ እንታይ’ዩ” ክብል ድማ ይሓትት።
ካልእ ኣብ ሃገራ ኣብቲ ብሄራዊ ስነ-ስርዓት ሓዘና ክትገልጽ ካብ ኣመሪካ ዝመጸት ንግስቲ ተወልደ ክልተ ኣሕዋታ ከም ዝተሰውኡ ንቢቢሲ ሓቢራ።
"ኣብዚ ሰሙን መቐለ፡ መላእ ትግራይ ብሓዘን'ዩ ተወሪሩ ዘሎ" ብምባል መብዛሕትኦም ዝተሰውኡ መናእሰይ፡ ሙሩራትን ንሃገር ክጠቕሙ ዝኽእሉን ምዃኖም ትገልጽ።
"እዚ መስዋዕቲ'ዚ ምእንቲ ህዝቢ ትግራይ፡ ምእንታና'ዩ. . . ብጣዕሚ ዘሕዝን'ዩ። ውሽጥኻ ግን ትሕርን።"
ወሲኻ'ውን መንግስቲ፡ ብእዋኑን ብግቡእን ኵነታት ነቲ መርድእ ክገልጽ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ጠቒሳ። ንሳ እዚ ዝበለት ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ደሃይ ኣሕዋታ ንምፍላጥ ብምንክርታታ እዩ።
ቅድሚ እዚ ብሄራዊ ስነ-ስርዓት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ መርድእ ናይቶም ኣብቲ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ኲናት ዝሞቱ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ንቤተሰቦም ብዝተፈላለየ መንገዲ ክንገር ከም ዝጸንሐ ይዝረብ።
ብዘይስሩዕን ብዝተወሰነ ድማ ስሩዕ ብዝመስል መንገዲን ክንገር ድሕሪ ዝጸንሐ መርድእ፡ ኣብ ከተማ መቐለን ካልኦት ዝተፈላለዩ ከባቢታትን ትግራይ፡ ግፍዒ ወይ ኣገወል ተባሂሉ ዝፍለጥ ስርዓተ ካልኣይ ቀብርን ፍትሓትን ብብዝሒ ክካየድ ቀንዩ'ዩ።
እንተዀነ ሰብ መዚ እቲ ክልል፡ መርድእ ብስሩዕ መንገዲ ብዘይምንጋሮምን ብምድንጓዮምን ስድራቤታት ንጭንቀትን ምንግልታዕን ተቓሊዖም ዝብል ወቐሳ ክቐርበሎም ምጽንሑ ይፍለጥ።
ኣብቲ ኣብ ሞንጎ ፌደራል መንግስቲን ሓይልታት ትግራይን ዝተኻደ ደማዊ ኲናት ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት ብዝምልከት ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ወግዓዊ መረዳእታ ኣይተወሃበን።
በቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተጋፊሑ ዝነበረ ደማዊ ኲናት፡ ካብ ክልቲኡ ወገን ብዙሓት ከም ዝሃለቑ ጸብጻበት ይሕብሩ።
ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዝወጹ ሓበሬታታት፡ ካብ ፍርቂ ሚልዮን ክሳብ ሓደ ሚልዮን ዝበጽሑ ሰባት ከም ዝሞቱ የመልክቱ።
ኣብቲ ኲናት ብወገን ትግራይ ክንደይ ተጋደልቲ ከም ዝተቐትሉ ንግዚኡ’ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ከተማታት ትግራይ ዘንጸላለወ ሓዘን ግን ከቢድ ምዃኑ’ዮም እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ዝገልጹ።
ምስቲ ኲናት ብዝተኣሳሰር፡ እታ ንኽልተ ዓመት ኣብ ዕፅዋ ዝነበረት ትግራይ፡ ብጃምላዊ ቕትለት፣ ብጥሜትን ብሰአን ሕክምናን ልዕሊ ፍርቂ ምልዮን ህዝቢ ከምዝሃለቐ ፀብፃባት ይሕብሩ።
እቲ ኲናት ብውዕል ፕሪቶርያ ጠጠው እንተበለ'ኳ፡ ዛጊድ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ኣብ ግዝያዊ መፅለሊ ዝርከቡ ዀይኖም፡ ግዝኣታዊ ሓድነት እቲ ክልል ናብ ንቡር ከምዘይተመልሰን ይግለፅ።