እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስድራ ናይቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ እንታይ ይብሉ?
ስድራ ናይቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ እንታይ ይብሉ?
ግዚያዊ ፕረዚደንት ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ "ብሄራዊ ሓዘን፡ መርድእን ዝኽርን ሰማእታት ትግራይ" ካብ ትማሊ ኣትሒዙ ብወግዒ ከምዝተኣወጀ ኣፍሊጡ። ብዝሒ ስውኣት ካብ ምግላፅ ዝተቘጠበ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ "ካብቲ ተሰዊኡ ዘሎ ናይ ርብዒ ርብዒ እውን እንተዝስዋእ ረዚን እዩ፡" ኢሉ። እዚ ሎሚ ዝጀመረ ብሄራዊ ሓዘን፡ ንሰለስተ መዓልቲ ዝቕጽል ምዃኑ ይፍለጥ።