‘መጥቃዕቲ ድሮን ዝፈጠሮ ፍርስራስ ናይ ረድኤት መኪና ሃሪሙ’ - ፕሮግራም መግቢ ዓለም

ምንጪ ስእሊ, WFP/TWITTER VIDEO
ኣብ ትግራይ፡ ረድኤት ጽዒና እትጉዓዝ ዝነበረት መኪና ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ መጥቃዕቲ ድሮን ብዝተፈጠሮ ፍርስራስ ከም ዝተሃርመትን መራሒ እታ መኪና ከም ዝቘሰለን እቲ ትካል ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሎሚ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ብ25 መስከረም [2022] ንጉሆ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣብ ጥቓ ወረዳ ዛና መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተፈጸመ ሓበሬታ በጺሑና’ዩ” ክብል ተዛሪቡ።
እቲ ትካል፡ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ምቕራብ ከም ዝሕግዝ ይፍለጥ።
እቲ ክልተ ዓመት ክመልኦ ቀሪቡ ዘሎ ኲናት፡ ምኽንያት ሞት ኣሽሓት ካብ ምዃን ሓሊፉ ሚልዮን ህዝቢ ንህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ክቃልዑ ገይሩ'ሎ።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ፡ በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን “እታ መኪና ዓንያ’ያ፤ መራሒ መኪናን ካልኦትን ድማ ቘሲሎም” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ወሃቢ ቃል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ግን “ፍርስራስ መጥቃዕቲ ድሮን ንመራሒ መኪና ፈኲስ መጉዳእቲ፤ ነታ መኪና ድማ መጠናዊ ጉድኣት በጺሑዋ ኣሎ” ክብል ተዛሪቡ።
እታ መኪና፡ ብሰንኪ ኲናት ኣብ ውሽጢ ትግራይ ንዝተመዛበሉ ሰባት ረድኤት ተብጽሕ ከም ዝነበረት ተገሊጹ።
ክልተ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ድማ፡ እቲ ክስተት ከም ዘጋጠመ ብምርግጋጽ፡ ምስልታት እታ ጉድኣት ዝበጽሓ መኪና ናብ ሮይተርስ ልኢዀም።
እቲ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ሃዲኡ ዝነበረ ኰናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዳግም ከም ዝተወልዐ ይዝከር።
እቲ ትካል፡ ኣብ ትግራይ ከምኡ’ውን ጐረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝርከቡ ኣስታት 13 ሚልዮን ሰባት “ህጹጽ ሓገዝ መግቢ” ከም ዘድልዮም ይገልጽ።
ብዛዕባ እቲ ኲናት ዘለው ምዕባለታት
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ እቲ ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ምቁራጽ ተጻብኦ ኣብቒዑ፡ ኣብቲ ዞባ ዳግም ኲናት ከምዝተወለዐ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከበድቲ ውግኣት ይካየዱ ከም ዘለውን ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ከም ዘሎን ይግለጽ።
እዚ ኲናት፡ ዳግም ቅድሚ ምውልዑ ንኽልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ንምሽምጋል ኣዋርሕ ዝወሰዱ ጻዕርታት'ኳ እንተተገብሩ፡ እቲ ደማዊ ኲናት ደው ከብል ዘኽእል ውጽኢት ግን ኣይተረኽበን።
ኲናት ትግራይ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ስፊሕ ምፍንቓልን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ እዩ።
ብሰንኪ'ቲ ኲናት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣደዳ ጥምየት ክዀኑ እንከለዉ፡ ንዓጸቦ ዝተቓልዑ'ውን ውሑዳት ኣይኰኑን።
ብፍላይ ኣብታ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ እትርከብ ክልል ትግራይ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት፡ ባንኪ፡ ተሌፎን፡ መብራህቲን መጓዓዝያን ብምቍራጹ ነበርቲ እታ ክልል ንሕሰም ተቓሊዖም ይርከቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







