ኤርትራዊ ቢንያም ታሽዓይ ወጺኡ ኣብ ቀጠልያ ማልያ ጸብለልታኡ ኣረጋጊጹ

ቢንያም ግርማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ 2024

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰንበት 07 ሓምለ ዝተኻየደት ታሽዓይ መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ፡ ኣብ ውሽጢ ትሮይስ ጀሚራ ኣብ ትሮይስ ዝተዛዘመት 199 ኪሎሜተር ርሕቀት ዝሸፈነት ኰይና፡ ልዕሊ 30 ኪሎሜተር ርብራብ ኣእማን ዘለዎ ጽርግያ ዝጠቓለለት ኣዝያ ሓያል መድረኽ’ያ።

ነዛ መድረኽ እቶም ኣብ ከምዚ ዓይነት ውድድር ዓቢ ተመኵሮ ዘለዎም ከም በዓል ማትዮስ ቫንደርፑል፡ ቶማስ ፒድኮክን ክዕወቱላ ከምዝኽእሉዩ ግምት ተዋሂብዎም ነይሩ።

ካብ ምጅማር ኣትሒዙ ሓያላት ስካቶታትን ትንፋስ ዘይህብ መጥቓዕትታን ዝተራኣየላ መድረኽ ኰይና ድማ ተሰኒዳ'ላ።

ኣብ መበል 85 ኪሎ ሜተር ኣብ ዝነበረ ነጥቢ ዘውህብ ውድድር፡ ንቢንያም ግርማይ ብነጥቢ ዘየሰክፉ ኣብ ካብቶም ኣብ ቅድሚት ዝነበሩ ተቐዳደምቲ’ዮም ነጥቢ ወሲዶም።

እቲ ብ216 ነጥቢ ቀጠልያ ማልያ ዝወነነ ቢንያም መወዳድርቱ ኰይኖም ዝስዕብዎ ንዘለዉ ከም በዓል ጃስፐር ፍሊፕሰን ጥራይ እናሓለወ ውድድሩ ክዛዝም ከምዝኽእል’ዩ ኣቐዲሙ ግምት ተዋሂቡ።

ቢንያም ግን ምስ ዘዝሃደምት ጕጅለ እናሃደመ ነቲ ኣቐዲሙ ዘመዝገቦ ክልተ ናይ መድረኽ ዓወት ክስልስ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዓት ዘለዉ ደገፍቱ ድማ ‘ሰልሶም’የ ሰልሶም ደኣ ይብሉኻ!’ እናደረፉ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ማሕበራዊ ሜድያ ትጽቢታቶም ከቃልሑ ክስምዑ ውዒሎም፤ ንሱ ድማ ብተደጋጋሚ ናብ ቅድሚት እናወጽአ ነታ ዝነበራ ጕጅለ ክዝርግሓ ተራእዩ - ዓወት ክረክብ ከምዝኽእ ድማ ኣመታት ሃበ።

በቶም ነቲ ውድድር ብቐጥታ ዘመሓላልፍዎ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ከኣ 'ቢንያም ኣቐዲሙ ብዘመዝገቦ ዓወት ኣይዓገበን ጽምኢ ዓወት የንጸባርቕ ኣሎ' ኢሎም ይገልጽዎ ነሮም።

ቢንያም ነታ ብጫ ማልያ ዝሓዘ ታደይ ፖጋቻ ዝነበራ ጕጅለ ቀዲሙ፣ ሻውዓይ ርእሱ ምስ ኣብ ቅድሚት ዝነበረት ሸሞንት ተቐዳደምቲ ዝሓዘት ጕጅለ ፍልልዩ ናብ ትሕቲ ሓደ ደቂቕ ኣውረዶ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ጸወታ ክዛዘም 10 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ተቐዳዳማይ ጋንታ ሊድል ትሬክ ቢልጂማዊ ጃስፐር ስትዩቨን ካብ ዓባይ ጕጅለ መሪሑ ብምውጻእ ፍልልዩ ናብ ዓሰርተ ካልኢት ኣብጺሕዎ። ኣብ መወዳእታ ሕንጻጽ ከይበጽሐ ግን ብድሕሪኡ ዝነበረት ጕጅለ ወሓጠቶ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝተገበረ ቅጽበታዊ ውድድር ኣንቶኒ ቱርጊስ ካብ ቶታል ኢነርጂ ቀዳማይ ከወጽእ እንከሎ፡ ነዚ መድረኽ ክዕወትሉ’ዮም ተባሂሎም ተገሚቶም ካብ ዝነበሩ ቶማስ ፒድኮክ ካብ ጋንታ ኢንዮስ ካልኣይ፡ ድሬክ ጊ ካብ እስራኤል ፕሪሜር ቴክ ሳልሳይ ኰይኖም ኣትዮም።

ካብታ ቢንያም ዝነበራ ጕጅለ ኣብ ዝተገበረ ቅጽበታዊ ውድድር፡ ቢንያም ዶ እቲ ኣብ 2022 ጂሮ ዲ ኢታሊ መተሃላክኽቱ ዝነበረ ማትዮ ቫንደርፑል ይዕወት ብዙሓት ሃንቀው ዝበልዎ'ዩ ነይሩ።

ቢንያም ንማትዮ ዝርከቦም ሸውዓተ ተቐዳደምቲ ብምስዓር ታሽዓይ ኰይኑ ብምእታው፣ ንማትዮ ልክዕ ከምቲ 17 ግንቦት 2022 ኣብ ጂሮ ዲ ኢታሊ ብብቕዓት ስዒሩ ነቲ ዝነበሮ 216 ነጥቢ 8 ነጥቢ ወሲኹ ኣብ ቀጠልያ ማልያ ነጥቡ ናብ 224 ክብ ኣቢልዎ።

ኣብ ቀጠልያ ማልያ መተሃላልኽቱ ኰይኑ ዝስዕቦ ዘሎ ጃስፐር ፍሊፕሰን ሎሚ ነጥቢ ስለዘየመዝገበ ብ128 ነጥቢ ብ96 ነጥቢ ድሒሩ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይስዕቦ ኣሎ።

ኣብ ብጫ ማልያ ታደይ ፖጋቻ ብ35 ሰዓት 42 ደቂቕን 42 ካልኢት ቀዳማይ ክኸውን እንከሎ ሬምኮ ኢቨንሎፕ ብ33 ካልኢት ድሒሩ ካልኣይ ኮይኑ ይስዕቦ ኣሎ።

ጆናስ ኣብርሃምሰን ንማልያ ኣንበሳ ዓቐበት ብ33 ነጥቢ ዓቒብዋ ኣሎ፣ ታደይ ፖጋቻ ብ20 ነጥቢ ይስዕቦ።

ንመንእሰይ ንእትወሃብ ማልያ ከኣ እቲ ኣብ ብጫ ማልያ ካልኣይ ዘሎ ሬምኮ ኢቨንሎፕ ብ35 ሰዓት 43 ደቂቕን 14 ካልኢት ሒዝዋ ኣሎ።

ተቓዳዳማይ ክለብ ኢንተርማርች ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተኻየደ ንተወዳደርቲ ቅጽበታዊ ውድድር ምቹእ ኣብ ዝዀነ ሓሙሽተ መድረኻት ክልተ ግዜ ቀዳማይ፡ ሓንሳብ ካልኣይ ክልተ ግዜ ከኣ ታሽዓይ ብምውጻእ ንብዙሓት ዘገረመ ብቕዓት’ዩ ዘርኢ ዘሎ።

ኣብ ታሪኽ ቱር ዲ ፍራንስ እቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብቲ ውድድር ናይ መድረኽ ዓወት ከመዝግብ ዝኸኣለ ጸሊም ኣፍሪቃዊ’ዩ፤ ሓንሳብ ጥራይ ዘይኮነ ግን ክልተ ግዜ - ኣብ ሳልሳይ መድረኽን ኣብ ሻሙናይ መድረኽን።

ከምኡ ከኣ ኣብ ታሪኽ ቱር ዲ ፍራንስ ብነጥቢ ንዝመርሑ ተቐዳደምቲ እትወሃብ ቀጠልያ ማልያ ቅድሚ እዚ ዓመት ብዝዀነ ኣፍሪቃዊ ተወኒና ኣይትፈጥን’ያ፤ ነዚ በቒዕዎ - ቢንያም። እዚ ድማ ርእሱ ዝኸኣለ ሓዲሽ ታሪኽ'ዩ።

ተቐዳደምቲ ጽባሕ ኣዕሪፎም ሰሉስ ካብ ኦርሊን ናብ ሰይንት ኣማንድ ሞንትሮድ 187.3 ኪሎሜተር ዝሽፍን ውድድር ከካይዱ’ዮም።