ቱር ዲ ፍራንስ፡ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ካልኣይ ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊቡ

ቢንያም ግርማይ ተዓዋቱ ሻሙናይ መድረኽ ቱር ዲ ፈራንስ ኮይኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሻሙናይቲ መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ ሓያለ ሓጸርቲ ዓቐበታት ዝነበረ 183.4 ኪሎሜተር ዘለዋ መድረኽ ኰይና ብቅጽበታዊ ውድድር ክትውዳእ ከምእትኽል’ዩ ኣቐዲሙ ግምት ተዋሂቡ።

እቲ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ከም ኣልማዝ ደሚቝ ዘሎ ኤርትራዊ ቢንያም ብዘእምን ብቕዓት ንዕኡን፡ ንጋንታኡን ንሃገሩን ካልኣይ ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊቡ።

ተቐዳዳማይ ጋንታ ኣልፒቺን ጃስፐር ፍሊፕሰንረ ንቢንያም ተኸቲሉ ካልኣይ ክኸውን እንከሎ፡ ኣርኖልድ ዲሊ ሳልሳይ ኰይኑ ኣትዩ።

ቢንያም ግርማይ ኣብዛ መድረኽ ብሓፈሻ ኣብ ቀጠልያ ማልያ 67 ነጥቢ ብምርካበ ነቲ ትማሊ ኣዋህሊልዎ ዝሓደረ 149 ነጥቢ ናብ 216 ክብ ብምባል ንቀጠልያ ማልያ ብገፊሕ ፍልልይ ኣውሒስዋ ኣሎ።

ኣብ መበል 60 ኪሎሜተር ኣብ ዝነበረት ነጥቢ ተውህብ ሕንጻጽ እቲ ኣቐዲሙ ሃዲሙ ዝውዓለ ጆናስ ኣብርሃምሰን ቀዳማይ ኰይኑ ብምእታው 20 ነጥቢ ክወስድ እንከሎ፡ ኣብ ዓባይ ጕጅለ ኣብ ዝተገበረ ቅጽበታዊ ውድድር ቢንያም ንዅሎም ብምርታዕ ሕንጻጽ ረጊጹ፤ ነቲ ንኻልኣይ ዝኣተወ ዝወሃብ 17 ነጥቢ ብምሕፋስ ነቲ ዘሕደሮ 149 ነጥቢ ናብ 166 ክብ ኣቢልዎ።

ኣብ መወዳእታ ቀዳማይ ብምውጽኡ 50 ነጥቢ ወሲዱ ከኣ ኣብ ቀጠልያ ማልያ ብድምር ብ216 ኣብ ቅድሚት ተቐሚጡ።

ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ 2024 ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተኻየደ መድረኻት ከም ቢንያም ገይሩ ዝደመቐ ተጻዋታይ የለን።

ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ቀዳማይ ብምውጻእ ኣብ ታሪኽ ቱር ዲ ፍራንስ ቀዳማይ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ሻዱሻይ መድረኽ’ውን ካልኣይ ብምውጻእ ቀሊል ዘይበሃል ዓወት ድሕሪ ምምዝጋብ እንሆ ነቲ ባዕሉ ኣመዝጊብዎ ዝጸንሓ ክብረ ወሰን ባዕሉ ብምምሕያሻ ኣብ ሻሙናይ መድረኽ’ውን ድንቒ ዝዀነ ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊቡ ኣሎ።

ብጫ ማልያ ሕጂ’ውን ኣብ ዝባን ኣደይ ፖጋቻ’ያ ዘላ፡ ጆናስ ኣብርሃምሰን ከኣ ማልያ ኣንበሳ ዓቐበት ሒዝዋ ኣሎ።

ኣብ ቀጠልያ ማልያ እቲ ሎሚ ካልኣይ ኰይኑ ዝኣተወ ጃስፐር ፍሊፕሰን ካብ ቢንያም ብ88 ነጥቢ ድሒሩ ብ128 ነጥቢ ካልኣይ ኰይኑ ይስዕቦ ኣሎ።

ወዲ 23 ዓመት ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ሓያለ ቅድሚ ሕጂ ተበጺሖም ዘይፈልጡ ዓወታት ብሽሙ ከመዝግብ ዝኽኣለ ድንቂ ተቐዳዳማይ ክኸውን በቒዑ'ሎ።

  • ኣብ ግራንድ ቱር [ጂሮ ዲ ኢታሊ ] ንመጀመርታ ግዜ ናብ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ኣፍሪቃዊ
  • ኣብ 2022 ኣብ ክላሲክ ውድድር ገንት ወቨልገን ቀዳማይ ብምውጻእ፡ ናይ መጀመርታ ተዓዋቲ ዝዀነ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ
  • ብኣዳለውቲ ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ ንተኸታተልቲ ሰለስተ ዓመታት ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ ዝተሰመየ እንኮ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ።

ቢንያም፡ ኣብ ለጥ ዝበለ ሜዳን ኣብ ንእስ ንእስ ዝበለ ኩርባታት ዘለዎ መወዳዳሪ ናይ ምዕዋት ልዑል ክእለት ዘለዎ ተቐዳዳማይ’ዩ።

እዚ ሎሚ ዘመዝገቦ ዓወት ንዕኡ፡ ንኤርትራ፡ ንጋንታኡ ኢንተርማርች ኣብ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ካልኣይ ናይ መድረኽ ዓወት ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።