ቢንያም ግርማይ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ዝተዓወተ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ኰኾብ

ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ ዝተዓወተ ናይ መጀመርታ ኰኾብ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ ዝተዓወተ ናይ መጀመርታ ኰኾብ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ።

ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ መድረኽ ቱር ዲፍራንስ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ቀዳማይ ብምውጻእ ንውልቍ፡ ንጋንታኡን ንሃገሩን ኣህጉሩን ናይ መጀመርታ ናይ መደረኽ ዓወት ኣብ ቱር ዲፍራንስ ኣመዝጊቡ።

ኣብቲ ካብ ከተማ ኪካንዛ ናብ ቶሪኖ ዝተዘርገሓ 230.8 ኪሜ ዝንወሓቱን ብቅጽበታዊ ውድድር ከምዝውዳእ ግምት ተዋሂብዎ ዝነበረን ቅድድም፡ ቢንያም ግርማይ፡ንኮሎምብያዊ ፈርናንዶ ጋቪርያን ቤልጅማዊ ኣርኖድ ደ ሊን ሓሊፉ'ዩ ዓወት ኣመዝጊቡ።

ኵሉ ቅድሚ ውድድር ዝነበረ ዘረባ ካቨንዲሽ ክብረወሰን መበል 35 ናይ መድረኽ ዓወት ክጎናጸፍ ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ዝብል እዩ ነይሩ።

ዓወት ቢንያም ኣብ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ዓቢ ነጥበ-መቐይሮ ኰይኑ እዩ ተሰኒዱ። ቅድሚ ሕጂ ካልኦት ክልተ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ጥራይ እዮም ናይ መድረኽ ውድድር ተዓዊቶም ነይሮም። ክልቲኦም ግን ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን እዮም ነይሮም።

ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ቱር ዲፍራስን ንኻልኣይ ግዜኡ እዩ ዝሳተፍ ዘሎ። ኣብ 2023 ኣብ ራብዓይ መድረኽ ዘመዝገቦ ናይ ሳልሳይ ደረጃ ውጽኢት እቲ ዝበለጸ ብጸሊም ኣፍሪቃዊ ኣብ ቱር ዲፍራንስ ዝተመዝገበ ውጽኢት እዩ ነይሩ።

ትማሊ ድማ ባዕሉ ሒዝዎ ዝነበረ ክብረወሰን ብምምሕያሽ ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽከለታ ኣፍሪቃን ኤርትራን ሓድሽ ምዕራፍ ከመዝግብ ክኢሉ።

ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቢንያም ግርማይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ተዓዋቲ ገንት-ወቨልገም ከምኡ’ውን ኣብ 2022 ኣብ ጂሮ ዲ ኢጣልያ ኣብ መድረኽ ተዓዊቱ ምንባሩ ይፍለጥ። እዚ ናይ ትማሊ ግን ፍሉይን ታሪኻውን ምንባሩ ተዛሪቡ።

"ብመጀመርታ ቅድሚ ኵሉ ነገር ኣምላኽ ይመስገን። ቅድድም ብሽክለታ ካብ ዝጅምር ኣትሒዘ፡ ኣካል ዙር ፈረንሳ ክኸውን ሓሊመ ኣይፈልጥን’የ፡ ሕጂ ክኣምኖ ኣይከኣልኩን" ኢሉ።

“ኣብዚ ዙር ንኻልኣይ ዓመት'የ ዝሳተፍ ዘለኹ። ኣብ ኣፍሪቃ ክንሕበንን ኣካል ዓበይቲ ውድድራትን ክንከውን ኣለና። መላእ ጋንታይ እንቋዕ ሓጎሰኩም፡ ሕጂ ናትና ግዜ’ዩ። ኣነ ብጣዕሚ ሕጉስ እየ። እዚ ንኵሉ ኣፍሪቃ እዩ። ኣነ ሕጉስ እየ ዘሎኹ” ክብል ተዛሪቡ።

ወዲ 23 ዓመት ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ሓያለ ቅድሚ ሕጂ ተበጺሖም ዘይፈልጡ ዓወታት ብሽሙ ከመዝግብ ዝኽኣለ ተቐዳዳማይ ክኸውን በቒዑ'ሎ። ኣብ ግራንድ ቱር [ጂሮ ዲ ኢታሊ ] ንመጀመርታ ግዜ ናብ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ኣፍሪቃዊኣብ 2022 ኣብ ክላሲክ ውድድር ገንት ወቨልገን ቀዳማይ ብምውጻእ፡ ናይ መጀመርታ ተዓዋቲ ዝዀነ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይብኣዳለውቲ ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ ንተኸታተልቲ ሰለስተ ዓመታት ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ ዝተሰመየ እንኮ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ። ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ለጥ ዝበለ ሜዳን ኣብ ንእስ ንእስ ዝበለ ኩርባታት ዘለዎ መወዳዳሪ ናይ ምዕዋት ልዑል ክእለት ዘለዎ ተቐዳዳማይ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ወዲ 23 ዓመት ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ሓያለ ቅድሚ ሕጂ ተበጺሖም ዘይፈልጡ ዓወታት ብሽሙ ከመዝግብ ዝኽኣለ ተቐዳዳማይ ክኸውን በቒዑ'ሎ።

  • ኣብ ግራንድ ቱር [ጂሮ ዲ ኢታሊ ] ንመጀመርታ ግዜ ናብ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ኣፍሪቃዊ
  • ኣብ 2022 ኣብ ክላሲክ ውድድር ገንት ወቨልገን ቀዳማይ ብምውጻእ፡ ናይ መጀመርታ ተዓዋቲ ዝዀነ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ
  • ብኣዳለውቲ ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ ንተኸታተልቲ ሰለስተ ዓመታት ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ ዝተሰመየ እንኮ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ።

ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ለጥ ዝበለ ሜዳን ኣብ ንእስ ንእስ ዝበለ ኩርባታት ዘለዎ መወዳዳሪ ናይ ምዕዋት ልዑል ክእለት ዘለዎ ተቐዳዳማይ’ዩ።