መንግስቲ ፈደራል፡ ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት ንምምላስ ብውዕል ፕሪቶርያ ከምዘይግደድ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, PM OFFICE
መንግስቲ ፈዴራል ህወሓት ሕጋዊ ሰብነቱ ዳግም ንኽረክብ ብውዕል ፕሪቶርያ ዝግደደሉ ኵነታት ከምዘይህሉ ኣፍሊጡ።
ኮሚዩኒኬሽን ፈዴራል መንግስቲ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት ኣግባብ ብዘለዎን ብኣሰራርሓ ሃገራዊ መረፃ ቦርድን ጥራይ መዕለቢ ክረክብ ዝግበኦ ጉዳይ እዩ” ኢሉ።
ህወሓት ካብ ቦርድ መረፃ ዝረኸቦ 'ኣግብብነት ኣለዎ' ዝበሎ ሕጋዊ ሰብነት ክቕበልን እቲ ምስሕሓብ በዚ ከብቅዕን ድማ ኣተሓሳሲቡ።
ህወሓት ብመሰረት እቲ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ሕጊ መረጻ፡ ንክምዝገብ ኣድላይ ዝበሃል ትሕብብር ከምዝገበረን ናብ ቦርድ መረ ደብዳበ ምጽሓፉን መንግስቲ ፌደራል ይገልጽ።
“መንግስቲ ፈዴራል ጉዳይ ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት መዕለቢ ንክረክብ ልዕሊ ዝግበኦ ጻዕሪ ገይሩ እዩ” ብምባል፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ክገብሮ ካብ ዝግብኦ ንላዕሊ ከይዱ፡ ምስቲ ውድብን ቦርድ መረጻን ተኸታተሊ ዝዝርብ ምክያዱ እውን ኣዘኻኺሩ።
ቦርድ መረጻ ብመሰረት እቲ ዝተመሓየሸ “ሕጊ መረጻ ኢትዮጵያ፣ ምዝገባ ውድባት ፖለቲካን ስነ-ምግባርን” ንህወሓት ብ3 ነሓሰ 2016 [ግ] ብፍሉይ ኵነታት ምምዝጋቡ ይዝከር።
እቲ ውድብ ግን 'ሕጋዊ ሰብነቱ ንክምለሰሉ' ጥራይ ከምዝሓተተ ብምግላጽ ነቲ ዝተወሃበ ዓይነት ፍቓድ ኣይተቐበሎን።
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ዝወጽአ ሓድሽ ኣዋጅ፡ ብዛዕባ ምምላስ ቅድሚ ሕጂ ዝተሰረዘ ሕጋዊ ሰብነት ዝጠቅስ ዓንቀጽ ስለዘይብሉ ህወሓት ዘቕረቦ ሕቶ ቅቡል ከምዘይኮነ እዩ ዝገልጽ።
መሪሕነት ህወሓት ንኽልተ ተመቒሉ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ኰይኑ፡ ነቲ ‘ከም ብሓድሽ ምዝገባ” ብዝብል ዝተወሃበ ሕጋዊ ሰብነት ክልቲኦም ጕጅለታት ህወሓት ኣይተቐበልዎን።
ድሕሪ ምፍራም ውዕል ፕሪቶርያ፡ ንኣስታት ሓደ ዓመትን ፈረቓን ሕጋዊ ሰብነት እቲ ውድብ ከካትዕ ዝፀንሐ ኰይኑ፡ ቦርድ መረጻ ብኣቦመንበር እቲ ውድብ ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት ንዝቐረበ ሕቶ ምምዝጋብ እዩ ምላሽ ሂቡ።
ምክትል ኣቦ ወንበር ህወሓትን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣቶ ጌታቸው፡ ንደቡብን ምብራቕን ትግራይ ዘግለለ ንምዕራብን ትግራይ ድማ ዘየሳተፈ ዝግበር ‘ጉባኤ’ ናይ ምክያድ ምንቅስቓስ ኰነ ነቲ ውድብ ናይ ምምዝጋብ ሕቶ ኣግባብ ከምዘይብሉ ይገልፅ።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ “እቲ ህወሓት ናብ ቦርድ መረጻ ዘቕረቦ ሕቶ ምዝገባ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ዘይፈልጦ፤ ንሕና ድማ ነዚ ምዝገባ ኢልና ዝፈረምናዮ ዝዀነ ዓይነት ሰነድ እንከይሃለወ ውልቀሰባት ብጕጅለ ተወዲቦም ዝገበርዎ ዘይግቡእ ተግባር እዩ” ብምባል ከምዝተቓወሞ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







