ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ዝተፀምበሮ 'ቤት ምኽሪ'፡ መዋጽኦ ይፈጥርዶ ይኸውን?

ምንጪ ስእሊ, TIGRAI TV/SCREEN
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰለስተ ዓመታት፡ ትግራይ ገለ ዘይተለምዱ ክስተታት ከተተኣናግድ ጸኒሓ ኣላ።
ብሰንኪ እቲ ደማዊ ኲናት፡ ብህዝቢ ዝተመርፀ ዕላዊ ቤት ምኽሪ የለን፤ ካብዚ ዝተበገሰ ድማ፡ 'ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እንታይ ክመስል ኣለዎ' ዝብል ዛጊድ የዘራርብ ኣሎ።
ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንዅሉ ዘሳተፈ 'ሓቋፋይ' ክኸውን ትፅቢት ተገይሩሉ'ኳ እንተነበረ፡ ከምኡ ኣይኰነን ተባሂሉ እዩ ብተዓዘብቲ ዝንቀፍ።
ውድብ ህወሓት፡ ስልጣን ከመቓርሕ ፍቓደኛ ከይኰነ ተሪፉ፡ ንገለ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ፣ ተወከልቲ ዲያስፖራን ደገፍቲ 'ምሁራንን'፡ ከምኡ'ውን፡ ክልተ ተወከልቲ ውድብ 'ባይቶና ዓባይ ትግራይ' ሒዙ፡ ካቢነ ኣጣዪሱ።
እንተዀነ፡ እቲ ክልተ ዓመት ሓሊፉዎ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ብዝተፈላለዩ ውሽጣውን ግዳማውን ብድሆታት፡ ብኽልተ እግሩ ጠጠው ኢሉ ማሕበራዊ ሰረት ክፈጥር ኣይከኣለን።
እቶም ካብ መስርሕ ምጥያስ'ቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ጀሚሮም ዝተቓወሙ ብሄራዊ ውድባት፡ ንዓርሶም ኣግሊሎም ዝፀንሑ ዀይኖም፡ ሕዚ ድማ ኣብ ቅድሚት ኰይኖም ዝመርሑዎ ቤት ምኽሪ ተጣይሱ ኣሎ።
እዚ ንዶ/ር ደብረፅዮን ዝመርሖ ህወሓት ዘግለለ ተባሂሉ ዝንቀፍ ምትእኽኻብ - እንታይ እዩ ዕላማኡ?
ጀነራል ፃድቃን ብተደጋጋሚ ዝረኣየሎም መድረኻት
እቲ ኣብ ምጥያስ ዝርከብ ሓድሽ ቤት ምኽሪ፡ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ብተደጋጋሚ ዝተርኣየሎም መድረኻት ሓሊፉን፡ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ፍሑኽ እናበለ ዝመፅአን እዩ።
እቲ ጀነራል፡ ኣብቶም ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ዝሳተፉሎም መድረኻት መበገሲ-ሓሳብ ጽሑፍ ከቕርብ፣ ንዝለዓሉ ሕቶታት ምላሽን ርእይቶን ክህብ ተራእዩ እዩ።
ካብተን ፀቒጡ ርእይቶ ዝህበለን ኣርእስቲ ድማ፡ ሓንቲ ዝደጋግማ ድርኺት ኣላ፤ 'ኣብ ትግራይ ሓደ ውድብ ዝዕብልሎ ፖለቲካ ደው ክብል ኣለዎ' ዝብል ይርከቦ።
'ናይ ሓሳብ ብዙሕነት የድልየና እዩ፤ ኣፈላላይ ዝፃወር ፖለቲካ ክንሃንፅ ኣለና።'
ንብዙሓት ተዓዘብቲ፡ እዚ ማለት ነቲ ፖለቲካ ትግራይ ዳርጋ ንኣስታት ፍርቂ ክፍለ ዘበን ዝተቘፃፀረ- ህወሓት ዒላማ ዝገበረ ርእይቶ እዩ።
ነባር ተጋዳላይ ህወሓት- ጀነራል ፃድቃን፡ ኣባል 'ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ኣዘዝቲ ሰራዊት' ኰይኑ፡ ኲናት ትግራይ እንተመርሐ'ኳ፡ ናብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝኣተወ ብኢደ-ኣዙር ንዲያስፖራ ዝተወሃበ ውክልና ሒዙ እዩ።
በዚ መሰረት፡ ኣብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ብምክትል ፕረዚደነትት፡ ዘፈር 'ህንፀት ዲሞክራስን ዘይምእኩል ምሕደራን' ይመርሕ ኣሎ።
ብነባር-መሪሕነት ህወሓት [hard core] ኰነ በቶም ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ፡ ከም ስግኣት ዝረአ ጀነራል ፃድቃን፡ ኣብ ኣፈጣጥራ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ጀሚሩ፡ ኣፈላላያት ነይሩዎ እዩ።
ስለዚ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 'ኣማኻሪ ካውንስል' ብዝብል ዝተጣየሰ ኣካል ብድሕሪት ዘሎ ሰብ ኰይኑ፡ ካብቶም ተቓወምቲ-ብሄራዊ ውድባት'ውን ድጋፍ ዘለዎ ይመስል።
እንተዀነ ሓደ ካብኣቶም፡ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ኣብ መባእታዊ መድረኻት እቲ ልዝብ ዝሳተፍ'ኳ እንተነበረ፡ ገለ ኣካይዳኡ ብምንቃፍ፡ ካብዚ ቤት ምኽሪ ኣመንጒዩ ንዓርሱ ኣግሊሉ ምስ ፀንሐ፤ተመሊሱ ኣትዩ ኣሎ።
ሓላፊ ክፍሊ ርክብ ህዝብን ሚድያን ውድብ ሳልሳይ ወያነ፡ ብርሃነ ኣፅበሃ፡ ኣብ ድሕረ-ኲናት ትግራይ፡ 'ትግራይ ባዕላዊ ስርዓት-መንግስቲ ስኢና'ያ' ዝብል መርገፂ ዘለዎ ዀይኑ፡ እዚ ሓድሽ ምትእኽኻብ፡ ዀን ዶኾን ነቲ ዝተፈጥረ ሃጓፍ ንእሽቶ ይዓብስ ዝብል ተስፋ ኣለዎ።
ዳርጋ ኵሎም እቶም ብሄራዊ ውድባት ካብ ተሳትፎ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ንዓርሶም ምግላሎም ዝዝከር እዩ።
"እንተዀነ፡ ተፈትወ ተፀልአ፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ባጀት'ቲ ክልል ዘፅድቕን ዝቕበልን ኰይኑ፡ ሕጊታት ዘውፅእን ዘተግብርን ከም ምዃኑ መጠን፡ ንዕኡ ዝከታተል፡ 'ግዝያዊ ቤት ምኽሪ' ክጣየስ እናተቓለስና መፂእና ኣለና" ይብል።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ንተቓወምቲ ውድባት፣ ሲቪክ ማሕበረሰባትን ካልኦት ይምልከተና እዩ በሃልትን ሓዊሱ፡ ኣብ ሓደ ምርድዳእ በፂሑ ዝነበረ ምትእኽኻብ፡ ተዓንቂፉ ከምዝነበረ ይኣምን።
ካቢነ'ቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ካብቲ ቃለ ጉባኤን ውሳነን ወፃኢ፡ ነቲ ካውንስል፡ 'ኣማኻሪ ቤት ምኽሪ' ዝብል ስያመ ሂቡ ስርሑን ተፀዋዕነቱን'ውን ካብቲ ምርድዳእ ዝተገብረሉ ወፃኢ ገይሩ ክቐውም ከምዝገበሮ፡ ብርሃነ ኣፅበሃ ይዛረብ።
"በዚ ምኽንያት ሳልሳይ ወያነ ትግራይ 'እዚ ልክዕ ኣይኰነን' ኢሉ ስለዝኣመነ- ካብቲ መስርሕ [ኣባልነት] ርሒቑ፤ ኣብ ደገ ዀይኑ ቃልሲ እናካየደ ፀኒሑ" ይብል። ክልተ ሰለስተ ግዜ ድማ ናይ ተቓውሞ ደብዳበ ፅሒፉ።
ሕዚ ግን ናብቲ 'ግዝያዊ ቤት ምኽሪ' ዝብል ስያመ ረኺቡ ዘሎ ምትእኽኻብ፡ ብዝተግበረሉ ፃውዒት ዳግም ተፀምቢሩ ኣሎ።
"ናብኡ ክንምለስ ዝገበረና፡ እቲ ቤት ምኽሪ በቲ ንሕና እንደልዮ ቅርፂ ተስተኻኺሉ ስለዝመፅአ እዩ" ብምባል፡ ገሊኦም ምሉእ ንምሉእ ገሊኦም ድማ ብኸፈል ከምዝተዓረዩ ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, DW
እቶም ዘካትዑ ጉዳያት እንታይ እዮም?
ሳልሳይ ወያነ፡ ኣብ ከይዲ ምጥያስ እዚ 'ካውንስል'፡ ሰለስተ ቀንዲ ኣካታዕቲ ዛዕባታት የልዕል።
ንኣብነት ይብል- ብርሃነ፤ 'ስራሕን ሓላፍነትን እቲ ቤት ምኽሪ ንፕረዚደንት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ይከታተል፤ ይቈፃፀር' ዝብል ዝነበረ ውሳነ፡ ናብ 'ነቲ ፕረዚደንት የማኽር' ዝብል ተቐዪሩ ከምዝነበረ ይዝክር።
ንሱ ከምዝብሎ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ንሓደ ፕረዚደንት ከማኽሩ ናብ ቤት ምኽሪ ኣይኣትውን።
"እዚ ናትና-ናይ ተቓወምቲ ውድባት- 'ማንዴት' ኣይኰነን፤ የማኽር ዘይኰነስ፡ 'ይከታተል፣ ይቈፃፀር፡ ጥፍኣት ኣብ ዝሰርሐሉ እዋን ድማ ይቐፅዕ'-ዝብል እዩ። ብሓፂሩ 'ናይ መአረምታ ስጕምቲ ዝወስድ' ጠንካራ ቤት ምኽሪ ክኸውን እዩ ድሌትና" ኢሉ።
እቲ ካልኣይ ዛዕባ ድማ፡ ተፃዋዕነት እቲ ካውንስል ዝምልከት ኰይኑ፡ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ደንቢ ዝወፅአ፡ ተፀዋዕነቱ ንፕረዚደነት'ቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝብል ከምዝነበረ የዘኻኽር።
ሳልሳይ ድማ ዕድመ-ፃንሒት እቲ ካውንስል ዝምልከት ኰይኑ፡ 'ካቢነ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣድላይ ኣብ ዝዀነ ግዜ ይብትኖ' ይብል- እቲ ደንቢ።
ተፀዋዕነቱ ኰነ ዕድመ እቲ ካውንስል፡ ብዝምልከት ኣብቲ ደንቢ ዝቐረበ፡ 'ልክዕ ኣይኰነን ኢልና ተቓዊምና' ይብል ብርሃነ።
ብምዃኑ'ውን ተፃዋዕነቱ ንህዝቢ፣ ንሕጊን ነቲ ካቢንን ክኸውን፡ ዕድሚኡ ድማ ዕድመ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክኸውን ብዝብል ስለዝተመሓየሸ፡ 'ንዝተገብረልና ዳግማይ ፃውዒት ተቐቢልና ተመሊስና ኣቲና'- ይብል።
ካብ ክልላዊ ቤት ምኽሪ ብምንታይ ይፍለ?
ብሰንኪ ንኽልተ ዓመት ዝዘለቐን ሰፊሕ ዕንወት ዘስዐበን ደማዊ ኲናት ትግራይ፡ እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ መንግስቲ ክፈርስ ተገዲዱ እዩ።
ብቐንዱ ብድፍኢት ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን፡ ብቐጥታ ድማ ብሽምግልና ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተበፅሐ ውዕል ፕሪቶርያ ብዙሓት ኣካታዕቲ ጉዳያት ዝሓዘ ዀይኑ፡ ካብኣቶም ሓደ ነቲ ቅድሚ-ኲናት ዝነበረ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣፍልጦ ዘይምሃቡ እዩ።
'ህወሓትን መንግስቲ ፈደራልን ብዘካይድዎ ፖለቲካዊ ዘተ' ኣሳታፊ ሓበራዊ መንግስቲ ከጣይሱ፡ ይእዝዝ።
በዚ መሰረት፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተጣየሰ ዀይኑ፡ ክልተ ዓመቱ ኣቑፂሩ 'ለንቀይ-ለንቀይ' እናበለ ይርከብ።
ፕረዚደንት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኰይኑ ዝተሸመ ኣቶ ጌታቸው፡ ምክትል ኣቦ መንበር እቲ ውድብ'ኳ እንተነበረ፡ እቲ ነባር ኣመራርሓ ህወሓት ዝደለዮ ኣይኰነን፤ ክልተ ሰለስተ ግዜ ተቓውሞ ኣስሚዑ እዩ።
እዚ ድማ ከይዱ ከይዱ፡ ፈራምን ዘይፈራምን ውዕል ፕሪቶርያ-ብዝብል፡ መሪሕነት እቲ ውድብ ንኽልተ ዝተመቕለ ኰይኑ፡ መበል 50 ዓመቱ ብውሽጣዊ ቅልውላው ተዓጂቡ ኣሕሊፉዎ።
መንግስቲ ፈደራል፡ ኣብቲ ግዝያዊ መንግስቲ ዝዀነ ተሳትፎ'ኳ እንተዘይገበረ፡ ንኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕረዚደንት ገይሩ ዝሾመን ዘፅደቐን- ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ እዩ።
ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ብርሃነ ኣፅበሃ፡ እቲ ዝቘመ ቤት ምኽሪ፡ ነቲ ብውዕል ፕሪቶርያ ተሳኢኑ ዝበሎ 'ስርዓተ-መንግስትነት' ዝምልስን፡ እቲ ክልል ናብ ስሩዕ መንግስታዊ ስርዓት ዝሃንፀሉ መገዲ ዝፀርግን- ኢሉ ይኣምን።
"ኵሎም ሕቶታት በዚ ክምለሱ እዮም ኢልና ኣይንኣምንን" ዝብል ብርሃነ፡ እንተዀነ እቲ ስሩዕ መረፃ ክሳብ ዝካየድ፡ ናብኡ ዝመርሕ ጥጡሕ ባይታ ንምፍጣር፡ ከም መቃለሲ መድረኽ ክጥቀምሉ ከምዝደልዩ ተዛሪቡ።
ኣወቓቕራ እቲ ቤት ምኽሪ
ኣቦ መንበር ውድብ ናፅነት ትግራይ ዶ/ር ደጀኔ መዝገበ- ምክትል ኣቦ መንበር እቲ ቤት ምኽሪ ኰይኑ፡ ኣብ ትግራይ ስሩዕ መረፃ ተኻዪዱ ሕጋዊ ቤት ምኽሪ ክሳብ ዝጣየስ፡ ኣብ እዋን እዚ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ እቲ ዝለዓለ ክልላዊ ኰነ ፌደራላዊ ፖሊሲ ናይ ምፍፃም ሓላፍነት ዘለዎ፡ እዚ 'ካውንስል' ክኸውን እዩ ይብል።
"ቀንዲ ዕማማት ናይቲ ቤት ምኽሪ፡ ዕማማት ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እዩ፤ ንኣብነት ውዕል ፕሪቶርያ ምትግባር፣ ሰላምን ፀጥታን ውሑስ ምግባርን ንመረፃ ጥጡሕ ባይታ ምፍጣርን ይርከቡዎም" ኢሉ።
ብዛዕባ ኣወቓቕራ እቲ ካውንስል ብዝምልከት ዝተፈላለዩ ውጥናት ቀሪቦም ምንባሮም፡ ህወሓት ልዕሊ 50 ሚእታዊት እንተዘይተዋሂቡኒ ኢሉ ከምዝዓንቀፀ ኣረዲኡ።
በዚ ምኽንያት፡ እቲ ብበዓል ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤልን ወይዘሮ ፈትለወርቂ ገ/ሄር [መንጀሪኖን] ዝምራሕ ጕጅለ፡ ካብቲ ከይዲ ርሒቑ ይርከብ።
ብሓፈሻ እቲ ቤት ምኽሪ 152 መናብር ይህልዉዎ - ይብል እቲ ምከትል ኣቦ መንበር፡ ዶ/ር ደጀኔ።
በዚ መሰረት፡ ሲቪክ ማሕበረሰባት 9 መናብር፡ ውድብ ህወሓት 10 መናብር፡ ኣርባዕተ ብሄራዊ ውድባት [ሳልሳይ ወያነ፣ ውናት፣ ባይቶናን ዓሲምባን] ነፍስወከፎም ሸሽዱሽተ መናብር፡ ከምኡ ድማ ክልተ ካልኦት ከባብያዊ ውድባት [ኣክሱማዊን ዓሲምባን] ሰሰለስተ መናብር፣ ሰራዊት ድማ 6 መናብር ክረኽቡ ብዝብል ከምዝተዋቐረ የረድእ።
ዝተረፈ ድማ፡ ካብ ሕድሕድ ወረዳታት ትግራይ ሓደሓደ መሪፀን ክውክላ [ወይ ድማ ካብቲ ቅድመ-ኲናት ኣባላት ቤት ምኽሪ ዝነበሩ ክካተቱ] 38 መናብር ተዋሂቡወን ኣሎ።
እቲ ሓደ መወዳእታ ምርድዳእ ዝተፈጥረሉ፡ ዝዀነ ውድብ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ድምፂ ከይረክብ ዝብል ኰይኑ፡ ብፍላይ ብስም ምሁራትን ሲቪክ ማሕበረሰባትን ድርብ ውክልና - 'ዳብል ሪፕረዘንቴሽን' ከይህሉ ጥንቃቐ ከምዝግበር ዶ/ር ደጀነ ሓቢሩ።
ካብ ዲያስፖራን ገለ ዓበይቲ ዓድን ኣብቲ ቤት ምኽሪ ሒደት መናብር ከምዝረኽቡ ዝተሓበረ ዀይኑ፡ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ኣብዚ ሲቪላዊ ምሕደራ ዝካተትሉ ምኽንያት ናይ ብዙሓት ሕቶ ዀይኑ ኣሎ።
ዶ/ር ደጀኔ ከምኡ ዓይነት ሕቶታት ከምዘሎ ዝኣመነ ዀይኑ፡ እቲ ክልል ኣብ ዘይስሩዕ ምሕደራ ስለዘሎ፡ ናታቶም ምእታው ብኣወንታ መልክዑ ከምዝረአ፡ እንተዀነ፡ 'ሻራዊ ፖለቲካዊ መርገፂ ዝሓዘ ኣዛዚ' ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ከምዘይከውን ኣብሪሁ።
'ህወሓት' ዘይብሉ ሓድሽ ቤት ምኽሪ
እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ኣብ ባይታ ማሕበራዊ ሰረት ክተክል ዘይከኣለ ተባሂሉ ይንቀፍ።
ንገለ ሹመኛታት ኣልዒሉ ብኻልኦት ክትክእ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ ካብቲ ብዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት ተቓውሞ ከምዝገጠሞ ይዝከር።
በዚ መሰረት፡ ንከተማ መቐለ ሓዊስካ፡ ገለ ከተማታት ብኽልተ ከንቲባታት ዝመሓደራ ዀይነን፡ ኣብ ማሕበራዊ ግልጋሎትን ምውሓስ ፀጥታን እቲ ክልል ገዚፍ ሃጓፍ ተፈጢሩ ከምዘሎ ፀብፃባት ይሕብሩ።
ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሓይልታት ፀጥታ፡ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ንፌደራል መንግስቲ 'ኢድ ዝነስእ፤ ጠላም' ኢሎም ዝኸስዎ ዀይኖም፡ ኣብ ገለ ጣብያታት ማዕከናት ዜና ብጉልበት ክኣትዉ ፈቲኖም ኣለዉ።
እዚ ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ ናይ ደገ ኢድ ኣእታውነት ከይዕድምን፡ ናብ ፀጥታዊ ቅልውላው ከየምርሕን ሰፊሕ ህዝባዊ ሻቕሎት ዓሲሉ ኣሎ።
እዚ ከምዚ እናሃለወ እዩ፡ በቶም ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ድጋፍ ዘለዎ ህወሓት ዘይሳተፈሉ፡ ምጥያስ ሓድሽ ቤት ምኽሪ ዝስማዕ ዘሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







