ሃገራዊት ጋንታ ብሽክለታ ኤርትራ ናብ ፈረንሳ ኣቕኒዓ

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብ ኤርትራ ምፍናው እናተገበረላ

ምንጪ ስእሊ, Yemane Gebremeskle

መግለጺ ስእሊ, ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብ ኤርትራ ምፍናው እናተገበረላ

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት፡ 6 ተቐዳደምቲ ሓቚፋ ኣብቲ ካብ 18 ክሳብ 28 ነሓሰ ኣብ ፈረንሳ ንመበል 58 ግዜ ዝካየድ ቱር ዲ ላቫኒር ንምስታፍ ናብ ኣውሮጳ ኣቕኒዓ ኣላ።

ብኣሰልጣኒኣ ሙሴ ኣስሄል እትእለ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ትሕቲ 23 ዓመት፡ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ተሸለምቲ ወርቅን ብሩር መዳልያን ዝኾኑ ንያት ርእሶምን ሚልክያስ ቅዱስን፡ ከምኡ ኸኣ ሴላ ወልደሚካኤልን ካብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ከምኡ'ውን ምሰ ጋንታ ኩቤካ ዝወዳደሩ ኤፍሬም ገብረህይወትን ናሆም ዘርኣይን ምስ ፕሮ ታች ኮንቲነንታል ቲም ዝቐዳደም መሓሪ ተወልደ ኸኣ ኣብ ደገ ካብ ዝጻወቱ ተጻወትቲ ወሲኻ፡ ኤርትራ ብሓፈሻ ብ6 ተቐዳደምቲ ክትወዳደር እያ።

ንያት ርእሶምን [ሓዉ ንገዲም ተቐዳዳማይ ሜሮን ርእሶም] ሴላ ወልደሚካኤልን ኣባላት ክለብ ቴሌ ክኾኑ እንከለዉ ሚልክያስ ቅዱስ [ሓዉ ንፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ] ኣባል ጋንታ ኣስቤኮ እዩ።

ኣብቲ ብዕለት 18 ነሓሰ 4 ኪሎሜትር ብዝሽፍን መፈለሚ ‘ፕሪሉድ’ ዝጅምር ውድድር ተቐዳደምቲ ብሓፈሻ ኣብ 10 መድረኻት 1137 ኪሎ ሜትር ብምሽፋን ዕለት 28 ክዛዘም እዩ።

ኣብዚ ውድድር ኤርትራ ትርከበን 24 ሃገራውያን ጋንታታትን ሰለስተ ክለባት ፈረንሳን ክሳተፋ እየን።

እዚ ውድድር እተን ናይ መወዳእታ ሰለስተ መድረኻት ተረርቲ ዓቐበት ዘለወን ኮይኑ ንተጻወትቲ ኣዝዩ ክብድህ ከምዝኽእል ብኣጋ ተገሚቱ ኣሎ።

ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ እታ እንኮ ኣብዚ ውድድር ትሳተፍ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ እያ።

ኣብዚ ውድድር ሃገራውያን ጋንታታት ጀርመን፤ ኦስትርያ፣ ኣውስትራልያ፣ ቤልጂም፣ ኮሎምብያ፣ ኢጣልያ፣ ካዛኪስታ፣ ፈረንሳን፣ ሕቡራት መንግስታ ኣመሪካ፣ ካናዳን ዝርከብኣን 24 ሃገራውያን ጋንታታት ክሳተፋ እየን።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዓበይትን ብናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ጸብለል ብምባል ቀዳመይቲ ብምዃን ኣብ ምምራሕ ትርከብ'ያ።

ኣብ 1961 ዝጀመረ ቱር ዲ ላቫኒር መድረኻቱ ምስ ቱር ዲ ፈራንስ ዝመሳሰል ኮይኑ፡ ንትሕቲ 23 ዓመት ዕድሚኦም ተቐዳደምቲ ዕድል ንምሃብ ዝካየድ ውድድር እዩ።

ተቐዳዳማይ ሕብረት ሶቬት ነበር ሰርጄ ሱኮርቸንኮቭ እቲ እንኮ ኣብዚ ውድድር ክልተ ግዜ ዝተዓወተ ምዃኑ ሰነዳት ይሕብሩ።

እዚ ተቐዳዳማይ ኣብ 1978 ከምኡ ኸኣ 1979 ነቲ ውድድር ከምዝተወተሉ ይፍለጥ።

ኣብ 2019 ንቱር ዲ ፍራንስ፣ ኣብ 2021ኸኣ ንጂሮ ዲ ኢታሊ ዝተዓወተሉ ኮሎምብያዊ ኢጋን በርናል ኣብ 2017 ንቱር ዲ ላቫኒር ተዓዊትሉ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።