ተቐናቐንቲ መንግስታት ሊብያ ‘ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ግን ይተሓጋገዙ’ ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ንሊብያማብ ክልተ መቒሎም ዘመሓድሩ ዘለዉ ክልቲኦም ተጻባእቲ መንግስታት፡ ኣብዚ ወሪዱ ዘሎ ጸገም ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ይተሓጋገዙ ከምዘለዉ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
ክልተ ግድባት ድሕሪ ምፍራሶም ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ደርና ዘጋጠመ ውሕጅ ልዕሊ 5300 ሰባት ቀቲሉ ኣሎ።
በቲ ሓደጋ ብውሑድ 10 ሽሕ ሰባት ሃለዋቶም ዝጠፍአ ኮይኑ ዓሰርተታት ኣሽሓት ተፈናቒሎም።
ሓደ በዓል መዚ ሕቡራት ሃገራት ከምዝገለጾ፡ ምብራቓውን ምዕራባውን መንግስታት ሊብያ ዓለም ለኻዊ ሓገዝ ዝሓተቱ ኮይኖም፡ ንሓድሕዶም እውን ይተሓጋገዙ ኣለዉ።
ኣብ ዓለምለኻዊ ትካል ን ስደተኛታት ዝሰርሕ ታውሂድ ፓሻምስ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት “ክልቲኦም መንግስታት ኣገልግሎትን ሓገዝን ከቕርበሎም ንማሕበረሰብ ዓለም ሓቲቶም እዮም” ኢሉ።
“መንግስቲ ሃገራዊ ሕብረት (ምዕራባዊ መንግስቲ) ሓጊዙናን ንመላእ እታ ሃገር ብምውካል ሓገዝ ሓቲቱን እዩ። ምስቲ ኣብ ምብራቕ ዘሎ መንግስቲ እውን ይተሓጋገዝ ኣሎ።”
ብተወሳኺ ሓገዝ ክውስኽን ቀልጢፉ ክበጽሕን ብምሕታት “ነዚ ንምፍጻም ገንዘብ የድልየና” ኢሉ።
ድሕሪ ናይ ነዊሕ እዋን መራሒ እታ ሃገር ነበር ሙዓመር ገዳፊ ኣብ 2011 ካብ ስልጣን ምውጋዱ እታ ሃገር ኣብ ክልተ መንግስታት ዝተኸፈለት ኮይና፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ብዝካየዱ ውግኣት ክትሕመስ ጸኒሓ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብዱል ሓሚድ ድበይባህ፡ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ትሪፖሊ ማእከሉ ዝገበረ መንግስቲ ሃገራዊ ሕብረት ይመርሕ።
ኣብ ምብራቕ ዘሎ ኦሳማ ሓማድ ድማ ነቲ ብወከልቲ ህዝቢ ዝፍለጥ ተናሓናሒ መንግስቲ ብቐዳማይ ሚኒስተርነት የገልግል። እንተለኾነ ናይ ብሓቂ ስልጣን ዘለዎ እቲ ንሃገራዊ ሰራዊት ሊብያ ዝመርሕ ጀነራል ኸሊፋ ሓፍተር ከምዝዀነ ብዙሓት ይዛረቡ።
ጀነራል ኸሊፋ ሃፍታር ድሕሪ እቲ ሓደጋ ሓገዝ ክህቡ ምስዝመጹ ወተሃደራዊ ልኡኻት ግብጺ ተዘራሪቡ ኣሎ።
ላዕለዋይ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮከር ተርክ፡ ድሕሪ እቲ ሓደጋ ዝተፈላለዩ ጕጅለታት ሊብያ ክተሓባበሩ ጸዊዑ።
ፖለቲካል ኤዲተር ሊብያ ኦብዘርቨር ዝዀነ ዓብዱልቓድር ኣሳድ፡ ኣብ ሊብያ ክልተ ተነሓናሕቲ መንግስቲታት ምህላዎም ኣብ ጻዕሪታት ምድሓን ህይወት ዕንቅፋት ከምዝፈጠረ እዩ ዝገልጽ።
ኣብ ደርና ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ንምድሓን ይግበር ኣብ ዘሎ ምርብራብ፡ ሊብያውያን ሰብ ሞያ፡ ካብ ግብጽን ቱኒዝያን ብዝመጹ ሰብ ሞያ ኣለሻን ምድሓንን፡ ቱርኪ ብዝመጹ 160 ሰብሞያ፡ ካብ ኢጣልያን ስጳኛን ብዝተለኣኹ ኣጥፋእቲ ሓውን ተሓጊዞም ይሰርሑ ኣለዉ።
ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ዓለምለኸ ፈደሬሽን ቀይሐ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን፡ ቶማሶ ደላ ሎንጋ፡ ኣብቲ ሓደጋ ዝኣተዉ ሰባት ብህይወት ክርከቡሉ ዝኽእሉ ግዜ ይውዳእ ከምዘሎ ተዛሪቡ።
“እቲ ሰባት ብህይወት ክርከቡሉ ዝኽእሉ ዕድል ሰዓቱ እናተወድአ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፤ ግን ተስፋ ኣለና” ኢሉ።
ጕጅለ ቀይሕ ወርሒ ሊብያ ብወገኑ እቲ ሓደጋ “ደብዳብን ምንቅጥቃጥ ምድርን ብሓደ ግዜ ዘጋጠመሉ” ከምዝመስል ገሊጹ።
ወዲ 52 ዓመት ኡሳማ ኣል ሁሳዲ እቲ ዘሰቅቕ ውሕጅ ካብ ዘጋጥም ጀሚሩ ንበዓልቲ ገዝኡን ሓሙሽተ ደቁን ኣብ ምድላይ ይርከብ።
ኡሳማ “ብእግረይ እናዘርኩ ክደልዮም ቀንየ. . . ናብ ኵሎም ሆስፒታላትን ኣብያተ ትምህርትን ከይደ፤ ዕድል ግን ኣይገበርኩን” ክብል ንወኪል ዜና ሮይተርስ ተዛሪቡ።
“ዛጊድ ካብ ናይ ኣቦይ ቤተሰብ 50 ሰባት ስኢንናዮም ኣለና፤ ኣብ መንጎ ምጥፋእን ምሟትን ምዃኑ እዩ።”
በቲ ውሕጅ ናይ ዝተቐተሉ ልዕሊ 80 ግብጻውያን ሬሳ ናብ ሃገሮም ተላኢኹ ኣብ ከባቢኦም ምዝተቐበሩ ሚኒስትሪ ስደተኛታት እታ ሃገር ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







