'ምስ ቀታሊ ወደይ ዘሕለፍክወን 4 ሰዓታት'፡ ኣደ ብዳዕሽ ዝተቐትለ ጋዜጠኛ

ኣካል ናይቲ ጕጅለ እስላማዊ መንግስቲ - ኣይኤስ [ዳዕሽ] ዝገብሮ ዘሎ ወፍሪ ሽበራ ብምዃን ንኣሜሪካዊ ጋዜጠኛ ጀምስ ፎሊ ንምቕታል ዝሓገዙ ኤልሻፊ ኤልሼኽን አሌክሳንዳ ኮተይን ኣብ ኣሜሪካ ተፈሪዶም እዮም።

ኣደ ጀምስ ድማ ምስ ኣሌክሳንዳ ኮተይ ገጽ ንገጽ ብምርኻብ ኣርባዕተ ሰዓት ምስኡ ኮፍ ኢላ ነይራ።

ኣብ ቨርጂንያ ዝሓለፈ ዓመት ዳያን ፎሊ ምስቲ ንወዳ ጨውዩ ንምቕታል ዝሓገዘ ሰብኣይ ኣብ ሓደ ዘይተገልጸ ክፍሊ ተራኺቦም ኣርባዕተ ሰዓታት ምስ ኣሕለፈት እዩ፡ ንምሉእ ዕድመኡ ማእሰርቲ ተፈሪዱ።

ናብቲ ክፍሊ ክትኣቱ ከላ ኣሌክሳንዳ ኮተይ ኣብኡ ነይሩ። ሰራሕተኛታት ኤፍ.ቢ.ኣይን ጠበቓታት ምክልኻልን እውን ምስኡ ነይሮም።

ኮፍ ምስ በለት ግን "ኣነን ንሱን ጥራይ ዝዀንና ኰይኑ ተሰሚዑና። ንሓድሕድና ተጠማሚትና 'ሰላም' ተባሃሂልና" ትብል።

"ቀሊል ነገር ኣይነበረን፡ ግን ኣገዳሲ ነይሩ። ጂም እውን ነዚ ክገብር ድልየቱ ምዀነ ነይሩ" ክትብል ወሲኻ ትገልፅ።

ጂም ማለት እቲ ኣሜሪካዊ ጋዜጠኛ ጀምስ ፎሊ እዩ።

ኣብ 2014 'ኣይሲስ ቢትልስ' ተባሂሉ ብዝፍለጥ ዋህዮ ግብረሽበራ ምስተቐትለ፡ መላእ ዓለም ብዛዕባ ባርባራዊነት ናይቲ ብእስላማዊ መንግስቲ ዝፍለጥ ጕጅለ ዳዕሽ ድምጹ ኣስሚዑ ነይሩ።

እቲ ጕጅለ ንሰፊሕ ክፋል ዒራቕን ሶርያን ኣሸቢሩ፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ኣረሜናዊ መግዛእቱ ክነብሩ ኣገዲድዎም።

ኣብቲ ካብ 2014-2017 ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ዓብላልነቱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ዝፍራሕ ጕጅለ ግብረሽበራ ኰይኑ።

ኣብ 19 ነሓሰ 2014 ብትዊተር ዝተመሓላለፈ ቕትለት ጄምስ፡ ኣብዚ ዘመን ካብ ዘለዉ ዝያዳ ዝፍለጡ ምስልታት ሓደ ኰይኑ'ሎ።

ጀምስ፡ ኣራንሺ ዝሕብሩ ምሉእ ክዳን ተኸዲኑ ኣብ በረኻ ተንበርኪኹ፡ ኣብ ጥቓኡ ድማ ምሉእ ጸሊም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝለበሰን ብዘስግእ መንገዲ ካራ ዝሓዘን ሰብኣይ ይርአ። ጀምስ ብካሜራ እናተቐድሐ ክሳዱ ተቐንጢቡ።

እቲ ቪድዮ "መልእኽቲ ንኣሜሪካ" ዝብል ኣርእስቲ ተዋሂብዎ ነይሩ።

ድሕሪ 7 ዓመት፡ እቶም ኣባላት እቲ ዋህዮ ግብረሽበራ ዝነበሩ ብሪጣንያውያን ንወዲ 33 ዓመት ኣ'ሻፊ ኣ'ሼኽን ወዲ 38 ዓመት ኣሌክሳንዳ ኮተይን ኣብ ቅትለት ኢድ ስለዘለዎም ኣብ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ተፈሪዶም።

ኣ'ሼኽ ብዓርቢ ኣብ ቨርጂንያ ተፈሪዱ። ኣብ ሚያዝያ ኮተይ ንዕድመ ልክዕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ።

ኣደ ጀምስ ዝኾነት ዳያን ድማ ምስ ኣሌክሳንዳ ኮተይ ተራኺባ። እተን ምስኡ ዘሕለፈተን ኣርባዕተ ሰዓታት፡ ንዓኣ፡ እምነት፡ ይቕረታን ከምኡ’ውን ድሕሪ ሞት ወዳ ትሰርሖ ዘላ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ጅሆታት ሓራ ምውጻእ ዘለዋ ተወፋይነትን ዘረጋግጽ እዩ።

ጀምስ ኣብ 2012 ኣብ ሶርያ ቅድሚ ምጥፍኡ፡ ከም ነርስ ኮይና ትሰርሕ ዝነበረት ዳያን፡ ወዳ ኣብ ዝጠፍኣሉ እዋን ንሰሙናት ስርሓ ገዲፋቶ ነይራ።

ጀምስ ስራሕ ጋዜጠኛ እናሰርሐ ክጭወ መጀመርታኡ ኣይነበረን።

ኣብ መጋቢት 2011 ጀምስን ካልኦት መሳርሕቱን ኣብ ሊብያ ብስርዓት ኮሎኔል ሙዓመር ጋዳፊ ተጨውዮም'ኳ እንተነበሩ፡ ድሕሪ 44 መዓልታት ግን ተፈቲሖም እዮም። ኣብዚ ዳሕረዋይ ግዜ ግን መወዳእትኡ ዝተፈልየ ኰይኑ።

ዳያን፡ ንኣዋርሕ ደሃይ ወዳ ኣይሰምዐትን።ኣብ መወዳእታ ሕዳር ግን ካብቶም ጨወይቲ ኢመይል ተላኢኹላ።

እቲ ጕጅለ ግብረሽበራዊ፡ እቶም ስድራ ጀምስ ንኽምለስ እንተደልዮም፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ነቶም ቀንዲ እሱራት ኣስላም ክፈትሕ ወይ 100 ሚልዮን ዩሮ ክኸፍል ክገብሩ ከምዘለዎም ሓቢሩ።

ሰሙናትን ኣዋርሕን ሓሊፉ፤ እቶም ስድራቤት ግን ጀምስ "ክሳብ በዓል ልደት ናብ ገዛኡ ክምለስ" ተስፋ ከምዝነበሮም ዳያን ትሕብር።

ዳያን፡ ስድራቤታ ምስቲ ጕጅለ ከይደራደር ብመንግስቲ ኣሜሪካ ከምዝተነግሮም ትገልጽ። ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ባዕሎም ነቲ በጃ ከተኣኻኽቡ እንተፈቲኖም ከምዝኽሰሱ እውን ኣፈራሪሕዎም ነይሩ። እቲ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ግን ነዚ ይነጽጎ።

ኣሜሪካ ብነፈርቲ ዝፈጸመቶ ደብዳብ ስዒቡ፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ኣዋርሕ፡ ስድራቤት ፎሊ ጀምስ ከምዝቕተል ዘፈራርሕ ካልእ መልእኽቲ በጺሕዎም።

"ብሰንኪ እታ ሃገረኪ ኣብ ልዕሌና ትፍጽሞ ዘላ በደል ክቕተል እዩ" ይብል እቲ መልእኽቲ።

ጸኒሑ ጀምስ ከምዝተቐትለ ካብ ሓደ ጋዜጠኛ ምስ ሰምዐት "ገለ ሕሱም ቀልዲ መሲሉኒ ነይሩ" ክትብል ተዘክሮኣ ትገልጽ።

ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ኣሜሪካ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ እቲ ከም መራሒ ናይቲ ጉጅለ ዝረአ ዕጡቕ መሓመድ እምዋዚ ተቐቲሉ። ኤልሸኽን ኮተይን ግን ከይተታሕዙ ጸኒሖም።

ኣብ መወዳእታ ኣብ 2018 ብኣሜሪካ ብዝድገፍ ምልሻ ኩርዳውያን ኣብ ሶርያ ተማሪኾም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣሜሪካ ክኣትዉ ተገይሮም።

ስድራቤታት ናይቶም ዝተጨውዩ፡ እቶም ክልተ እሱራት ኣክንዲ ናብ ጓንታናሞ በይ ዝለኣኹ፡ ኣብ ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ንኽፍረዱ ድፍኢት ገይሮም።

ኮተይ፡ ምስ ጭውያ፡ ስቅያትን ምቕንጣብ ክሳድን ዝተኣሳሰር ሸሞንተ ክስታት ገበነኛ ምዃኑ ኣሚኑ፡ ከም ኣካል ናይቲ ስምምዕ ምስ ስድራቤታት እቶም ግዳያት ክራኸብ ተሰማሚዑ።

ዳያን እውን ነቲ ርክብ ተቐቢላቶ።

ዳያን፡ ምስ እቲ ንወዳ ንምቕታል ሓጊዙ ተባሂሉ ዝተፈርዶ ኣብታ ንእሽቶ ክፍሊ ተራኺባ። ኣተኲራ ክትጥምቶ ከላ፡ ዝያዳ "ማዕረ" ከምዝኾኑ ተሰሚዕዋ።

"ንዓይ ምናልባት ዘፍርሕ እዩ ነይሩ፡ ብርግጽ ግን፡ ውሑስ ምዃነይ ስለ ዝፈልጥ፡ ድሕሪ ሕጂ ድማ ክጎድኣኒ ስለ ዘይክእል፡ ገለ ሓይሊ ተሰሚዑኒ" ትብል።

"ድሮ እቲ ዝኸፍአ ሰራሕ ፈጺሙ ንዝፈትዎ ሰብ መንዚዑኒ እዩ" ብምባል እውን ዝተሰምዓ ትገልጽ።

ኣብተን ብሓባር ዘሕለፍወን ኣርባዕተ ሰዓታት፡ እቲ ሕጂ ዕድመኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሕልፍ ዝተፈርዶ ኣባል ግብረሽበራ ኮተይ ከምዘሕዘና ትዛረብ።

"እቲ ንሱ ዘጥፍኦ ሰናይን ከም በዓል ጀምስ ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ኣብ ሶርያ ዝነበረ ስለዝተገደሱን ነቲ ሓቂ ንዓለም ክሕብሩ ስለዝደለዩን ከምዝዀነ ክርዳእ ኣለዎ" ትብል።

ኮተይ ስቕ ኢሉ ሰሚዑ ድሕሪኡ ብዛዕባ ገዛእ ስድራኡ እውን ተዛሪቡ።

"ካብ ኣምላኹ ይቕረታ ክረክብ ክጽሊ ከምዝቐነየ ነጊሩኒ። ስእሊ ስድራኡ ኣርእዩኒ፡ ድሕሪ ደጊም ዘይርእዮም ንኣሽቱ ቈልዑ ኣለውዎ። ከምኡ ምግባሩ፡ ጽልእን ፕሮፖጋንዳን ብምኽታሉ ክንደይ ከምዘጥፍአ ከምዝግንዘብ ገይሩኒ። ኣሕዚኑኒ"

ሬሳታት ናይቶም ንሱን ውዲተኛታቱን ዝቐተልዎም ጅሆ ኣበይ ከም ዝቕበርዎም ግን ኣይነገራን።

ሎሚ እውን እንተኾነ ሬሳታቶም ኣይተረኽበን።

"ከምኡ'ውን ይቕሬታ ኣይሓተተንን። ኣኽብሮት ነይርዎ፡ ብዛዕባ ጣዕሳ እውን ይዛረብ ነይሩ" ኮይኑ ግን ፈጺሙ ይቕሬታ ኣይሓተተን ትብል።

ንመወዳእታ ግዜ ክፈላለዩ ከለዉ፡ "ክልተና ይቕረ ንበሃሃለሉ እዋን ከምዝፍጠር ተስፋ ይገብር ኢለዮ" ትብል ዳያን።

ንሱ ግን ተደናጊሩ ከምዝጠመታ ትዝክር፡ "ኣነ ይቕረ ንኽብለኪ ዝፈጸምክዮ ዝኾነ ይዅን ነገር የለን" ኢልዋ።

"ዋላ ሓንቲ ይቕረ ክብለለይ ዝግባእ ነገር ከምዘየለ እፈልጥ እየ፡ ኣብታ ህሞት ግን...እንድዒ" መግለጺ ቃላት ክትደሊ ኣቋሪጻ።

"በቃ ከም ሰባት መጠን፡ ኵላትና ፍጹም ከምዘይኰንና ተሰሚዑኒ። ኵላትና እንጣዓሰሉ ነገር ንፍጽም ኢና።"

"እንተጸሊአዮም ተዓዊቶም ማለት'ዩ። ካብቲ ነቲ ዝፈትዎ ወደይ ዘርኣይዎ ባህሪ ዝተፈለኹ ክኸውን እንተዘይክኢለ ንዓይ’ውን ምርኽቲ ይገብሩኒ ኣለዉ። ስለዝዀነ ድማ ኣንጻር ከምኡ ዓይነት ስምዒት ንኽህልወና ክንጽሊ ይግባእ።"

"ናብ ይቕረታ ዝወስድ ከቢድ ጕዕዞ'ዩ፡ ዝተወድአ'ውን ኣይኰነን ግን ኣነ ዝምነዮ'ዩ" ክትብል ትዛረብ።

ድሕሪ ቅትለት ጀምስ ኣብ ዝነበሩ ሰለስተ ሰሙናት፡ ዳያን ሕጂ ንህይወታ ዕላማ ዝህባ ነገር ጀሚራ እያ።

መንግስቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ጅሆ ተታሒዞም ንዝርከቡ ኣሜሪካውያን ንምሕጋዝ ዝያዳ ጻዕሪ ንኽገብር ዝጣበቕ፡ ጀምስ ደብሊው ፎሊ ሌጋሲ ፋውንዴሽን መስሪታ።

እዚ ስርሓ ፖለቲካዊ ሓይሊ ሂቡዋ እዩ። ካልኦት ስድራቤታት ናይቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ንዳያን "ዘይትዕገት" ክብሉ ይገልጽዋ።

ዳያን፡ እዚ ኵሉ ግን ስቓያን ስቓይ ስድራኣን ከምዘይክሕስ ትኣምን እያ።

ኣባላት ስድራቤት ካልኦት ግዳያት ግን፡ ኣቀራርባ ዳያን ከምዘይቕበልዎ ይገልጹ።

ጓል ዴቪድ ዝኾነት ቢታንያ ሄይንስ፡ ኣብ ሚያዝያ ኤልሼኽ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ "ኣነ ፈጺመ ይቕረ ኣይክብሎምን እየ፡ በዚ ድማ ሰላመይ ረኺበ ኣለኹ" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ ነይራ።

ብመሰረት እቲ ሰበስልጣን እንግሊዝ ኣሕሊፎም ክህብዎም ከለዉ ዝተቐመጠ ቅድመ ኵነት፡ ኮተይ ይዅን ኤልሼኽ ናይ ሞት ፍርዲ ኣይወሃቦምን እዩ።

"በዚ ሕጕስ እየ። ኣብቲ ዝተረፈ ዕድሚኦም ብዛዕባ ዝገበርዎ ነገር ክሓስቡ ኣለዎም" ትብል ዳያን።

"ናጽነቶም፡ ዜግነቶምን ስድራቤቶምን ኣይረኽቡን፡ ጽልኦም ኣይሰዓረን።"