ዕጡቓት ኣልሸባብ፡ ኣብ ሓደ ሆቴል ሞቃድሾ 10 ሰባት ቀቲሎም

ዕጡቓት ኣልሸባብ ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማሊያ ሞቛድሾ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆቴል ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ዓሰርተ ሰባት ከምዝሞቱ ሰበ ስልጣን ድሕነት እታ ሃገር ገሊጾም።

 እቶም ዕጡቓት ቅድሚ ናብ ቀጽሪ እቲ ሆቴል ኣትዮም ተኹሲ ምኽፋቶም ኣብ ደገ ክልተ ነተጉቲ ከምዘፈንጀሩ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

 እቲ መጥቃዕቲ ተጀሚሩ ድሕሪ ቅሩብ ሰዓታት ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ላዕለዋይ ደብሪ ሆቴል ሓያት ከምዝተሓብኡ’ውን እቲ ጸብጻብ የመልክት።

 ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኣብቲ ሆቴል ኣዕሪፎም ንዝነበሩ ብዙሓት ኣጋይሽን ሰራሕተኛታትን ከምዘድሓኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

 “ሓይልታት ጸጥታ ንመጥቃዕቲ እቶም ኣብ መደቀሲ ክፍልታት ዓሪዶም ዝነበሩ ራዕዳውያን ናይ ምትህድዳእ ስራሕ ሰሪሖም። መብዛሕቲኦም’ኳ ዝድሓኑ እንተኾኑ ሸሞንተ ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉ ግን ተረጋጊጹ’ሎ” ክብል ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ዝኾነ መሓመድ ዓብዲከድር ገሊጹ።

 ናብ ኣልሸባብ ጸግዒ ከምዝሕዝ ዝዝረበሉ ዌብሳይት፡ እቶም ዕጡቓት ናብቲ ሆቴል ብሓይሎም ኣትዮም ብኣልማማ ተኹሲ ከምዝኸፈቱ ጸብጺቡ።

 እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ሆቴል ሓያት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ሶማልያ ብብዝሒ ዝራኸብሉ ቦታ ከምዝኾነ’ዩ ዝግለጽ።

 ትሽዓተ ሰባት ጉድኣት በጺሕዎም ካብቲ ሆቴል ከምዝተወሰዱ ሓላፊ ኣገልጉሎት ኣምቡላንስ ሞቛድሾ ዓብዲከድር ዓብዱራሕማን ንሮይተርስ ገሊጹ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዘዋወሩ ዘለዉ ዘይተረጋገጹ ምስልታት ካብቲ ሆቴል ትኪ እንዳተኸኸን ዝረአ ዀይኑ፡ ቡም ዝብል ድምጺ ድማ ይስማዕ።

 “ክልተ ኣብ መኪና ዝተጻወዱ ፈንጅታት ንሆቴል ሓያት ኣብ ዕላማ ኣእትዮመን” ክብል ፖሊስ ንሮይተርስ ሓቢሩ።

 እቲ ፖሊስ ኣብ ዝሃቦ ቃል “እቲ ሓደ ፈንጂ ኣብ ጥቓ እቲ ሆቴል ክፍንጀር እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ንማዕጾ ናይቲ ሆቴል ወቒዑ። እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ እቲ ሆቴል ከምዘለዉ ኢና ንኣምን” ኢሉ።

 እቲ መስ ኣል ቃዒዳ ምትእስሳር ከምዘለዎ ዝዝረበሉ ኣልሸባብ፡ ምስ መንግስቲ ፌደራል ሶማልያ ቀጻልነት ኣብ ዘለዎ ጎንጺ ተጸሚዱ ይርከብ።

 ኣልሸባብ፡ ዝበዝሕ ከባቢታት ደቡብውን ማእኸላይን ሶማልያ ዝተቖጻጸረ ኮይኑ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ኣብቶም ብመንግስቲ ሶማልያ ተታሒዞም ዝነበሩ ከባቢታት ጽልዋታቱ ኣሐይሉ ይርከብ።

 ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ ምስ እቲ ጉጅለ ዝምድና ዘለዎም ዕጡቓት ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሶማልያን መጥቃዕቲ ዝፈነዉ ኮይኖም ኣልሸባብ ምናልባት ስትሬተጅኡ ቀይሩ ከይኸውን ዝብል ሻቕሎት ፈጢሩ’ሎ።

 እቲ ትማሊ ኣብ ሞቛድሾ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ ኮይኑ ዝተመረጸ ሓሰን ሸኽ መሓመድ፡ በትረ ስልጣን ካብ ዝዓትር ንድሓር ንፈለማ እዋን ምዃኑ ተገሊጹ።