ፕረዚደንት ሶማልያ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ ወተሃደራት እንታይ ኢሉ?

ኣብ ኤርትራ ናይ ኣርባዕተ መዓልትታት ዑደት ድሕሪ ምፍጻም ብሰሉስ ናብ ሃገሩ ዝተመለሰ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ፡ ንገለ ወለዲ ናይቶም ንስልጠና ናብ ኤርትራ ከም ዝተላእኹ ዝተገለጸ ወተሃደራት ከምዘዘራረበ ተገሊጹ።

ብረቡዕ ምሸት ኣብ ገጽ ትዊተር እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝተዘርግሐ ሓጺር ቪድዮ፡ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ነቶም ወለዲ ክረኽብዎ ከምዝዓደሞም ይገልጽ።

“ኣብ ጽባሕ ዒድ ኣልኣድሓ ናብቲ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ መዓስከር ከይደ ንደቅኹም ሪአዮም፡ ምስኦም’ውን ጸንቢለዮ፣ ነቲ ስእልታት ሪኢኹምዎ ትኾኑ ኢኹም።

“ናይ ቴለፎን ካርድ መዐደጊ ዝኸውን ገንዘብ ሐዲገሎም፡ ቴለፎን ክድውሉልኩም ነጊረዮም ኣለኹ። ሎሚ ወይ ጽባሕ ይድውሉ ይኾኑ እዮም፡” ክብሎም ይስማዕ።

ወላዲ ከምዝኾነን ደቅን ደቅ-ደቂን ከምዘለዎ ዝዛረብ እቲ ፕረዚደንት ቃንዛ እቶም ወለዲ ከምዝርድኦ’ውን ይዛረብ።

“ደቅኩም ካብ ጎድንኹም ምስተፈለዩ፡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ እቲ ዝርከቡሉ ኩነታት ምስ ዘይፈልጡ፡ ዝስምዓኩም ቃንዛ ይርድኣኒ እዩ” ኢሉ።

ሓንቲ ካብ’ቶም ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉ ወለዲት ነቲ ፕረዚደንት ድሕሪ ምምስጋን ወዳ ብረቡዕ ከምዝደወለላ ተዛሪባ።

ካልእ ወላዲ’ውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ክነብዕ እንከሎ እቲ ፕረዚደንት ከጸናንዖን “ካልእ መዓልትታት ሓጎስ ይመጽእ ኣሎ” ክብሎን ኣብቲ ቪድዮ ይስማዕ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ካብ ቀዳም 9 ሓምለ ክሳዕ ሰሉስ 12 ሓምለ ናብ ኤርትራ ወግዓዊ ዑደት ከካይድ እንከሎ ኣብ መመረቕታ፡ ኣብ ኤርትራ ንሰለስተ ዓመታት ወተሃደራዊ ስልጠና ክወስዱ ከምዝጸንሑ ንዝተነገረሎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ሶማል ከምዝተሳተፈ ቴለቪዥን ኤርትራ ጸብጺባ።

ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ጉዳይ ናብ ኤርትራ ተላኢዀም’ዮም ዝተባህሉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማልያውያን ወተሃደራት ሓያሎ ክትዓት ከልዕል ጸኒሑ እዩ።

መንግስታት ሶማልያ ኮነ ኤርትራ ኣብቲ ጉዳይ ዝኾነ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢበን እየን ጸኒሐን ፕረዚደንት ሶማልያ ነበር መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ኣብ መወዳእታ ግንቦት ስልጣኑ ንሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ኣብ ዘረክበሉ ዝነበረ ኣጋጣሚ’ዩ ንፈለማ እዋን ካብ ዝተፈላለያ ሓይልታት ጸጥታ ሶማልያ ዝተዋጽኡ 5,000 ወተሃደራት ሶማል ኣብ ኤርትራ ስልጠና ክወስዱ ከም ዝጸንሑ ተዛሪቡ።

እቶም ኣብቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ፌደራል ብምዃን ከም ዝተሳተፉ ዝገልጽ ዝተፈላለየ ሓበሬታታት ክወጽእ እኳ እንተጸንሐ መንግስቲ ሶማልያ ክነጽጎ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።