እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ወተሃደራቱ ብቕልጡፍ ክምለሱ ምዃኖም ሓቢሩ
ትማሊ ሰኑይ ስልጣን ዝተረከበ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሼክ ማሕሙድ ኣብ ኤረትራ ዝርከቡ 5,000 ወተሃደራት ሶማልያ ብቕልጡፍ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምዃኖም ሓቢሩ።
ንሱ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ እቶም ወተሃደራት "ናብ ሃገሮም ተመሊሶም እጃሞም ከበርክቱ ምእንቲ" ከም ዝሰርሕ ተዛሪቡ።
ስልጣኑ ዘረከበ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ኣቐዲሙ ኣብ ዘስምዖ ቃል ካብ ዝተፈላለያ ሓይልታት ጸጥታ ሶማልያ ዝተዋጽኡ 5,000 ወተሃደራት ሶማል ኣብ ኤርትራ ስልጠና ክወስዱ ከም ዝጸንሑ ንፈለማ እዋን ብወግዒ ተዛሪቡ።
ንሱ ኣስዒቡ እቶም ወተሃደራት ስልጠንኦም ኣብ መፋርቕ ናይ ዝሓለፈ ዓመት እኳ እንተዛዘሙ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ሰፊኑ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ወጥሪ ክምለሱ ከም ዘይከኣሉ ሓቢሩ።
እቶም ወተሃደራት ንኽንደይ ግዜ ኣብ ኤርትራ ከም ዝጸንሑ ግና ኣየነጸረን።
ወተሃደራት ሶማልያ ኣብቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ፌደራል ብምዃን ከም ዝተሳተፉ ዝገልጽ ዝተፈላለየ ሓበሬታታት ክወጽእ እኳ እንተጸንሐ መንግስቲ ሶማልያ ክነጽጎ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።
ምክትል ሓላፊ ትካል ድሕነትን ጸጥታን ሶማልያ ዝነበረ ኣብዲሳላን ዩሱፍ ጉለድ፡ ኣብ መጀመርታ ናይ 2021 ምስ ሓንቲ ናይ ብሕቲ ራድዮ'ታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ወተሃደራት ሶማልያ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተወለዐ ኲናት ከም ዝተሳተፉን ኣስታት 400 ካብኦም ከም ዝቐተሉን ተዛሪቡ ነይሩ፡፡
ሚኒስተር ሓበሬታ ሶማልያ ዑስማን ኣቡበከር ዱቤ ግና፡ ነቲ ክሲ ነጺግዎ፡
እታ ሃገር ብሰንኪ ክሰጋገር ዝጸንሐ ምርጫ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ፖለቲካዊ ምትፍናን እያ ተሸሚማ ጸኒሓ።
ካብ 2012 ክሳዕ 2017 ፕረዚደንት ኮይኑ ዘገልገለ ማሕሙድ ሸኽ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ምርጫ ንፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ብምስዓር ዳግማይ ነታ ሃገር ክመርሕ ተመሪጹ ኣሎ።
ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ ብቴለቪዥን ብቐጥታ ካብ ቤተመንግስቲ ቪላ ሶማልያ ዝተመሓለለፈ መደብ ምርኽኻብ ስልጣን ኣፈጉባኤ ላዕለዋይን ታሕተዋይን ባይቶታት እታ ሃገርን ሓይልታት ምክልኻልን ተረኺቦም ነይሮም።
እቲ ወግዓዊ ጽንብል ኣብ ወርሒ ሰነ ክኻየድ ትጽቢት ይግበር።