እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምብጻሕ ፕረዚደንት ማሕሙድ ዝቐልዖ ህላወ ኣሽሓት ወተሃደራት ሶማልያ ኣብ ኤርትራ
ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ጀሚሩ ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን፡ ነቶም ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ኤርትራ ታዕሊም ክወስዱ ዝጸንሑ ዝተባህሉ ወተሃደራት ሃገሩ ኣመሪቑ።
ኣብቲ ብሰንበት ዝተኻደ ዕለተ ምምራቕ፡ ተዓለምቲ ምርኢት ወተሃደራዊ ሰልፊ ከካይዱ እንከለው፣ እቲ ፕረዚደንት’ውን ነቶም ወተሃደራት "ኣብ ምምዝዛም ስልጠና ምብጻሕኩም እንቋዕ ሓጐሰኩም" ከም ዝበሎም ተገሊጹ።
እቲ መመረቕታ ኣበይ ከምዝበረ ግን ብንጹር ዝተገልጸ የለን።
እቲ ሓድሽ መራሒ ሶማልያ ብሰኑይ'ውን ናብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ብምብጻሕ ምስቶም ኣብ ባጽዕ ዝስልጥኑ ዘለዉ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ሃገሩ ተራኺቡ።
ኣብቲ ብፕረዚደንት ኤርትራ ተሰንዩ ዘካየዶ ምብጻሕ፡ ብጃላቡ ዝተዓጀበ ወተሃደራዊ ምርኢት ባሕረኛታት ሶማልያ ተዓዚቡ።
ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ጉዳይ ናብ ኤርትራ ተላኢዀም’ዮም ዝተባህሉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማልያውያን ወተሃደራት ሓያሎ ክትዓት ከልዕል ጸኒሑ እዩ። እዚ ኣጋጣሚ ስነሰርዓት ምረቓ'ኸኣ ነዚ ኣካታዒ ዝጸንሐ ጉዳይ ህላወ ወተሃደራት ሶማልያ ኣብ ኤርትራ መዕለቢ ገይሩሉ'ሎ።
እዚ ብፍላይ ድሕሪ ምጅማር ኤርትራ ዝተሳተፈትሉ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ሶማልያ ኣብ ሞንጐ ፖለቲከኛታትን ስድራቤት ደሃዮም ዘይተፈልጠ ወተሃደራትን ከቢድ ወጥሪ ተላዒሉ ምንባሩ ይዝከር።
ተቓወምቲ ፕረዚደንት ነበር መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፡ እቶም ወተሃደራት ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ብምልኣኽ ኣብ ኲናት ክሳተፉ ገይሩ ኢሎም ክነቕፍዎ እንከለው፡ ነዚ ስዒቡ ብዙሓት ኣደታት ሶማልያ ብዛዕባ ደቀን ክሓታ ጀሚረን።
ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሓይልታት ትግራይን ወተሃደራት ሶማልያ ኣብ ጐኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኰይኖም ኣብቲ ኲናት ተሳቲፎም’ዮም ዝብል ስምዕታ ከቕርቡ ጸኒሖም’ዮም። እንተዀነ፡ መንግስቲ ሶማልያ ነዚ ክነጽጐ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ድሕሪ ዝተኻየደ ምርጫ ካብ ስልጣን ዝወረደ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፡ ስልጣኑ ከረክብ እንከሎ ሓሙሽተ ሽሕ ወተሃደራት ሃገሩ ኣብ ኤርትራ ስልጠና ይወስዱ ከም ዘለው ነቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ኣረጋጊጽሉ።
ብዛዕባ እዞም ወተሃደራት እንታይ ተባሂሉ ነይሩ?
ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ ስልጠና ዝወሰዱ ወተሃደራት ሶማልያ ኣብ ኲናት ትግራይ ተሳቲፎም’ዮም ይብል።
እዚ ባይቶ፡ ኣብ ዙርያ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ትዅረት ኣብ ዝገበረ ጸብጻቡ እቶም ኣብ ስልጠና ዝነበሩ ወተሃደራት ኣብቲ ኲናት ከም ዝተወስዱን ኣብ ከተማ ኣክሱም ከም ዝነበሩን ዝገልጹ መረዳእታታት ከም ዝረኸበ ይጠቅስ።
ምኽትል ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ሶማልያ ዝነበረ ዓብዱሰላም ጉለድ ብወገኑ፡ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ስልጠና ዝወሰዱ ስልጠናኦም ዝወድኡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሶማላውያን ወተሃደራት ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት ከም ዝተሳተፉን ብዙሓት ከም ዝሞቱን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ ነይሩ።
ይዅን’ምበር፡ ኣብቲ እዋን ሚኒስተር ሓበሬታ ሶማልያ ዝነበረ ዑስማን ኣቡከር ዱቤ እቲ ዝቐርብ ዝነበረ ክስታት ብምንጻግ፡ ወተሃደራት ሃገሩ ኣብቲ ኲናት ኣይተሳተፉን ምባሉ ይዝከር።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ’ውን፡ ነዚ ክሲ ከም ዝነጸጎ ጸብጻብ ቡሉምበርግ የመልክት።
ምረቓ ወተሃደራት ሶማልያ
ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት፡ ኣብ ስነ ስርዓት ምረቓ ወተሃደራት ሃገሩ ከም ዝተረኽበ ተሌቪዥን ኤርትራ ሓቢራ።
ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል’ውን፡ ካብ ሞንጐ እቶም ተመረቕቲ ንሰለስተ ዓመታት ታዕሊም ክወስዱ ዝጸንሑ ወተሃደራት ከም ዝርከብዎም ብምግላጽ ዝተፈላለዩ ኣሳእል ኣብ ትዊተር ጠቂዑ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ወተሃደራት ታዕሊም ከም ዝወድኡ፡ እንታይ ዓይነት ስልጠና ከም ዝወሰዱ፡ መዓስ ናብ ኤርትራ ከም ዝኸዱን መዓስ ናብ ሃገሮም ከም ዝምለሱን ዝምልከት ብወግዒ ዝተገልጸ ነገር የለን።
ተሌቪዥን ኤርትራ ንኣዛዚ ሰልጠንቲ ጠቒሳ ኣብ ዝዘርግሓቶ ጸብጻብ ግን፡ “ሰልጠንቲ ዝቐሰምዎ ትምህርቲ ኣብ ምርግጋጽ ሓያልን ጥምርትን ሶማልያ ክሰርሕሉ” እዮም ኢላ።
ፕረዚደንት ነበር ፋርማጆ’ውን፡ እቶም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ወተደራት ሶማልያ፡ “ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ምስ ሰራዊት ሶማልያ ተጸንቢሮም ንኣልሸባብ ክዋግኡ’ዮም” ኢሉ ነይሩ።
ኣብ ወርሒ ግንቦት ስልጣን ዝተረከበ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ'ውን፡ ኣብ ኤርትራራ ዝርከቡ 5,000 ወተሃደራት ሶማልያ ብቕልጡፍ ናብ ሃገሮም ክምለሱ'ዮም ኢሉ ነይሩ።
ዝምድና ኤርትራ ሶማልያን
5 መስከረም 2018 ኣብ ኤርትራ ዝተራኸቡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሶማልያን ነበር መሓመድ ዓብዱላሂ ፎርማጆን ሓቢሮም ንምስራሕ ስሉሳዊ ስምምዕ ምኽታሞም ይዝከር።
እቲ ስሉሳዊ ስምምዕ፡ ጂኦግራፍያዊ፡ ታሪኻዊ፡ ባህላውን ሃይማኖታውን ሓባራዊ ረብሓታት ሰለስቲአን ሃገራት ዘማእከለ ከም ዝኾነ እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ኣመልኪቱ ነይሩ።
በዚ መሰረት፡ እቲ ስምምዕ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ባህላውን መዳያት ክሓብራን፡ ዞባዊ ጸጥታን ደሕነትን ውሑስ ንምግባር ሓቢረን ክሰርሓን ዝጥምት እዩ።
እቲ ዝተኸተመ ስምምዕ፡ ሕድሕድ ናጽነት፡ ልኡላውነትን ዶባዊ መትከላትን ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልን ብምኽባር ዝተገብረ ምዃኑ እቲ ኣብቲ እዋን ዝተወሃበ መግለጺ የመልክት።