ስሪላንካ፡ ቤተመንግስቲ ዝተቘጻጸሩ ተቓወምቲ 'መራሕቲ ክሳብ ዝወርዱ ኣይንወጽእን' ኢሎም

ሰልፈኛታት ስሪላንካ፡ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን እታ ሃገር ብወግዒ ካብ ስልጣኖም ክሳብ ዝወርዱ፡ ንመንበሪኦም ሒዞምዎ ከም ዝጸንሑ ገሊጾም።

ፕረዚደንት ጎታባታ ራጃፓክሳ 13 ሓምለ 2022 ክወርድ እየ ከም ዝበለ፡ ብቐዳም ኣፈ ጉባኤ ባይቶ እታ ሃገር ሓቢሩ ነይሩ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ድማ፡ እቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ከም ዝወርድ ኣረጋጊጹ ኢሉ።

ይዅን’ምበር እቲ ፕረዚደንት፡ ክሳብ ሕጂ ኣይተራእየን ዘሎ።

ምንጪታት ሰራዊት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ግን፡ ኣብዚ እዋን እቲ ፕረዚደንት ኣብ ማያት ስሪላንካ ኣብ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ እዩ ዘሎ ኢሎም።

ሓው፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ማሂንዳ ራጃፓክሳ’ውን ኣብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ከም ዘሎ ምንጭታት ገሊጾም።

ኣሽሓት ዜጋታት ንኣዋርሕ ድሕሪ ከካይድዎ ዝጸንሑ ተቓውሞታት፡ ብቐዳም ናብ ኮሎምቦ ብምኻድ እቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ክወርድ ጠሊቦም።

እቲ ፕረዚደንት፡ ጠንቂ'ቲ ኣብታ ሃገር ገኒኑ ዘሎ ሕጽረት መግቢ፡ ነዳድን መድሃኒትን ብዝዀነ ግዕዙይ ምሕደራ ቁጠባ ይንቀፍ።

ውልቃዊ መንበሪ ገዛኡ ብሓዊ ዝነደደ ቀዳማይ ሚኒስትር ራኒል ዊክርመሲንግ ብወገኑ፡ ድሕሪ’ቲ ብቐዳም ዝተኻየደ ተቓውሞ ካብ ስልጣን ከም ዝወርድ ገሊጹ።

ይዅን’ምበር እቶም ተቓወምቲ ኣብቲ እቶም መራሕቲ ዝበሉዎ እምነት የብሎምን።

“ቃልስና ኣየብቅዐን። [እቲ ፕረዚደንት] ክሳብ ብወግዒ ዘልግስ እዚ ቃልሲ ደውው አይነብሎን” ክብል መራሒ ተቓውሞ ተመሃሮ ላሂሩ ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ።

ሮይተርስ ዘዘራረቦ ተንታኒ ፖለቲካን በዓል ሞያ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ብሃቫኒ ፎንሴካ ብወገኑ፡ “እቶም ዝቕጽሉ ክልተ መዓልታት፡ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት እንታይ ተኸሲቶም ክንርኢ ንኸውን ዝብል ርግጸኛ ንምዃን ኣጸጋሚ’ዩ” ብምባል ክልቲኦም መራሕቲል “ካብ ስልጣን ዝወርዱ” እንተዀይኖም ምርኣይ ኣገዳሲ’ዩ ኢሉ።

ትማሊ ሰንበት፡ መራሕቲ ፖለቲካ እታ ሃገር ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ንኽህሉ ክዝትዩ ውዒሎም።

ወሃቢ ቃል ባይቶ ስሪላንካ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ሓድሽ ልፍንታዊ መንግስቲ፡ እቲ ፕረዚደንት ብወግዒ ድሕሪ ምውራዱ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ክምስረት ከም ዘለዎ ሓቢሩ።

ኣባል ባይቶ ገዛኢ ሰልፊ፡ እቲ ፕረዚደንት ዝዀነ ማሂንዳ ያፓ፡ ብቐንዱ ኮሮናቫይረስ ንቝጠባ እታ ሃገር ከም ዘናወጾ ተዛሪቡ።

“ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ከቢድ ዕንወት ስለ ዘውረደ፡ ኵሉ ገንዘብና ኣብ ክታበት ኢና ኣውዒልናዮ” ኢሉ።

ኣብቲ ብቐዳም ዝተኻየደ ተቓውሞ ብርክት ዝበሉ ሰባት ከም ዝቘሰሉ ይግለጽ። ኣብ ኮሎምቦ ዝርከብ ዓቢይ ሆስፒታል ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ሰለስተ ብጥይት ዝተሃርሙ ሰባት ከም ዝነበሩ ገሊጹ።

ዜጋታት እታ ሃገር፡ ሓጹር ሰይሮም ናብ መንበሪ ቦታታት እቶም መራሕቲ ቅድሚ ምእታዎም፡ ንኣዋርሕ ሰላማዊ ተቓውሞ ከካይዱ’ዮም ጸኒሖም።

እቶም ተቓወምቲ፡ ኣብ መሐንበሲ ገንኢ እቲ ፕረዚደንት ክሕንብሱን ከምኡ’ውን ኣብቲ ኣዝዩ ዘመናዊ ዝዀነ መንበሪ ገዛኡ ዝርከቡ ኣቑሑትን ካልኦትን ክወስድዎምን ዘርእዩ ምስልታት ወጺኦም ኣለው።

ብተወሳኺ፡ ውልቃዊ መንበሪ ገዛ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር'ውን ብሓዊ ኣቃጺሎምዎ። ንሱ፡ እቲ ብመንግስቲ ዝተዋህቦ መንበሪ ገዛ ንወግዓዊ ስራሕ ጥራሕ እዩ ክጥቀመሉ ጸኒሑ።