መሰል ምንጻል ጥንሲ ክኽበር ዝፅውዓ ኣሽሓት ኣመሪካውያን ተቓውሞ የስምዓ ኣለዋ

ቀዳም ኣብ ርእሰ ከተማ ኣሜሪካ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተለወጠ ናይ ምንጻል ጥንሲ መሰላት ብምቅዋም ድምፆም ኣስሚዖም።

እቲ ን ኣስታት 50 ዓመታት ዝፀንሐ ምንጻል ጥንሲ ዝፈቅድ ዝነበረ ሕጊ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካብ ዝስረዝ ድሕሪ ክልተ ሰሙን እዩ እዚ ሰልፊ ተኻይዱ።

እቶም ተቓወምቲ "ኣይንምለስን ኢና" እናበሉ ኣብ ከባቢ ዋይት ሃውስ ዝተኣካቡ ኮይኖም ገሊኦም እውን ንብዓሎም ምስቲ ኣፍ ደገ ክኣስሩ ተራእዮም።

ብግምት 10,000 ዝዀኑ ሰባት ካብ መላእ ኣሜሪካ ከም ዝተኣከቡ እቶም ኣዳለውቲ ገሊጾም።

ጓል 33 ዓመት ሎረን ፒርስ ኣብቲ ሰልፊ ንኽትሳተፍ ካብ ዳላስ ኣስታት 2,100 ኪሎ ሜተር ተጓዒዛ እያ መፂኣ።

" ንዓይ ኣብ ሰብነትና ናይ ምውሳን መሰረታዊ መሰል ክኽበር ካብ ምቅላስ ዝበልፅ ጉዳይ የለን። እዚ ከዓ ማእሰርቲ ዘኸትል እንተድኣ ዀይኑ ድልውቲ እየ" ትብል።

ፒርስ ትነብረላ ግዝኣት ቴክሳስ ሓንቲ ካብተን ምንጻል ጥንሲ ዝተኸልከለለን 10 ግዝኣታት ኣሜሪካ እያ።

መብዛሕትኦም ምንጻል ጥንሲ ከም "ቅትለት" ዝቖፅርዎ ኣንጻር ምንጻል ጥንሲ ወፈራ ዘካይዱ ሰባት፡ ነቲ ብቤት ፍርዲ ዝተወሰነ ውሳነ ብታሕጓስ'ዮም ተቐቢሎምዎ።

ፒርስ ልክዕ ከምቶም ኣብ ዋይት ሃውስ ዝተኣከቡ ብዙሓት ሰባት ንፕረዚደንት ጆ ባይደንን ምምሕዳሩን እቲ መሰል ንክኽበር ዝያዳ ጻዕሪ ብዘይምግባሮም ከም ዝተበሳጨወት ትገልጽ።

ፕረዚደንት ባይደን ካብ ደለይቲ ለውጢ ንዘጋጠሞ ጸቕጢ ስዒቡ፡ ኽፍሊ ጥዕና ንምንጻል ጥንሲ ዝከላኸለሉ ቐንዲ መምርሒ ብዓርቢ ፈረሙ እዩ።

ስልጣን እቲ ፕረዚደንት ግን ድሩት 'ዩ፤ ንሕጊ ኮንግረስ ሓሊፉ ነቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘውጽኦ ሕጊ ከልዕሎ ኣይክእልን።

ፈጻሚት ዳይረክተር ወመንስ ማርች፡ ሬቸል ኦሊሪ ካርሞና፡ "ስልጣኑ ድሩት ከምዝኾነ ንፈልጥ ኢና፤ እንተዀነ ግን ብዝተኽኣለ መጠን ነቲ ስልጣን ክጥቀመሉ ኢና እንደልዮ" ትብል።

"ፕረዚደንት ባይደን ኣብታ ሃገር መሰል ምንጻል ጥንሲ ዝሕሉ ስጕምትታት ንኽወስድ ኢና እንጽውዖ ዘለና። ኣብ ስልጣኑ ኮይኑ ገለ እኳ ክገብር እንተዘይክኢሉ ኸኣ [ከማና] ናብ ጐደናታት ይውጻእ" ኢላ።

ካብ ቨርጂንያ ዝመጸት ጓል 56 ዓመት ሄለን ሚለር "ቅዋማዊ መሰል ክኽልከል እዚ ንፈለማ ግዜ እዩ። ንኣዋልድ ደቅና፣ ንደቅናን ንህይወትናን ክንብል ኢና ወፂና ዘለና" ትብል ሓቢራ።

ኣስታት 40 ሚልዮን ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዝቕጽል ሰሙናት ጀሚሩ ግልጋሎት ምንጻልጥንሲ ከምዝስእና ይግመት።

ኣብቲ ተቓውሞ ምስ ጓላ ሊሳ ዝተሳተፈት ሞሪስ፡ ነታ ጓል 16 ዓመት ዝኾነት ጓል ጓላ ክትብል ካብ ፐንሲልቫንያ ከምዝመጸት ትዛረብ።

"ከምቲ ኣነ ዝነበረኒ ዓይነት ምርጫ ኽህልዋ ይደሊ እየ" ትብል።

ጡረታ ዝወጸት ሞሪስ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንመሰል ምንጻል ጥንሲ ኣፍልጦ ክህብ ከሎ ጓል 26 ዓመት እያ ነይራ።

ብህይወት ክሳብ ዘላ እዚ መሰል ክቕየር ዝብል እምነት ከምዘይነበራ ብምሕባር "እታ ሃገር ናብ ግጉይ ኣንፈት ትጐዓዝ ከምዘላ ይስምዓኒ" ኢላ።