ኣሜሪካ ኣብ ሶማልያ መጥቃዕቲ ኣየር ፈጺማ

ኣሜሪካ ኣብ ሶማልያ ኣንፃር እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ዝቐንዐ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝፈጸመት ተገሊፁ።

ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ዞባ ማእከላይ ሂራን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ዕጡቓት ኣልሸባብ ዘነፃፀረ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝፈጸመ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ፀብፂበን።

እቲ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ካብ መንግስቲ ሶማልያ ንዝቐረበ ጠለብ ስዒቡ ከምዝተፈፀመ ተሓቢሩ'ሎ።

ወተሃደራዊ እዚ ኣሜሪካ-ኣፍሪቃ ግን ነቲ ተፈፂሙ ዝብሃል ዘሎ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ዛጊት ዝሃቦ ርእይቶ የለን።

ሰበስልጣን ኣሜሪካ ከምዝሕብርዎ በቲ ኣብ ወርሒ ሰነን ሓምለን ዝተፈፀመ ክልተ ደብዳብ ነፈርቲ፡ 7 ጅሃዳውያን ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ተቐቲሎም ኣለዉ።

ብ15 ግንቦት 2022፡ ኣባላት ባይቶ ሶማልያ ኣብ ዘካየድዎ ምርጫ፡ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ድሕሪ ምዕዋቱ፡ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ኣል-ሸባብ ንምጥቃዕ ዝዓለመ ስርሒታት ንምድጋፍ፡ ኣስታት 600 ወተሃደራታ ናብ ሶማልያ ክትልኽ ምዃና ኣፍሊጣ ነይራ።

መበል 10ይ ፕረዚደንት ሶማልያ ኰይኑ ዝተመርጸ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ድማ፡ ነቲ ድሕሪ ምምራጹ ብቕጽበት ብኣሜሪካ ዝተወስደ ውሳነ ዳግመ-ምውፋር ወተሃደራት፡ ብሓጐስ ከም ዝቕበሎ ምግላፁ ይዝከር።

ኣልሸባብ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት መንግስቲ ዝፍፅሞ መጥቃዕቲ እናወሰኸ ካብ ምምፅኡ ብተወሳኺ ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ስግረዶብ መጥቃዕቲ ኣካይዱ እዩ።

ቅድሚ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ናይ ምፍጻም ታሪኽ ዘይነበሮ ኣልሸባብ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዶብ ሰጊሩ ብምእታው ምስ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማል ውግእ ከምዝኸፈተ ይንገር።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተኸፈተሉ 13 ሓምለ 2014 [ኣ.ግ] ​​ምስ ኣልቃዒዳ ርክብ ከምዘለዎ ዝዝረበሉ ኣልሸባብ፡ ሓያሎ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማል ከምዝቐተለ ገሊጹ ነይሩ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማል፡ ሙስጠፋ ዑመር ግና ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ብዝርከቡ ከባቢታት ዶብ ኣቢሎም ናብታ (ኢትዮጲያ) ካብ ዝኣተዉ ዕጡቓት ኣልሸባብ ልዕሊ 800 ከምዝተቐትሉ እዩ ኣፍሊጡ።

ሙስጠፋ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ብዘይካ'ቶም ዝተቐትሉ ዕጡቓት ኣልሸባብ ካልኦት ኣስታት ሚእቲ ኣባላት እቲ ጕጅለ'ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ሓቢሩ።

ቢቢሲ፡ እቶም ዕጡቓት ከምዝተቐተሉን ከምዝተትሓዙን ካብ ዘይሻራዊ ኣካል ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

ብተወሳኺ ድማ ሓደ ካብ መራሕቲ ናይቲ ጉጅለ ዝነበረ ሙክታር ሮቦው፡ ሚኒስተር ሃይማኖታዊ ጉዳያት ሶማልያ ኮይኑ ተመዚዙ'ሎ።

ንሱ፡ ኣብ ግዜ ስልጣን እቲ ዝወረደ ፕረዚደንት፡ ንጕጅለ ዕጡቓት ብምውዳብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣቱ ድሕሪ ምግባር፡ ንኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር'ዩ ጸኒሑ።

ጥሩፍነት ኣይገደፈን ተባሂሉ’ውን ክኽሰስ እንከሎ፡ ንማእሰርቱ ስዒቡ ብሰንኪ ዝተወልዐ ዓመጽ ልዕሊ 20 ሰባት ሞይቶም'ዮም።

ኣብዚ ቕነ ዝፀደቐሉ ሹመት፡ ነቲ ኣልሸባብ ዝኽተሎ ዘሎ ጥሩፍ ስነ-ሓሳብ ንምምካት ዝግበር ፈተነ ኮይኑ እዩ ዝረአ።