ምኽትል መራሒ ኣልሸባብ ነበር ሙኽታር ኣባል ካቢነ ሚኒስትራት ሶማልያ ኰይኑ

ምኽትል መራሒን ወሃቢ ቓልን እስላማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ኣል-ሸባብ ዝነበረ ሙኽታር ሮቦው ኣባል ካቢነ ሚኒስትራት ሶማልያ ብምዃን ተሸይሙ።

ሮቦው ኣብ ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራት ሶማልያ ሚኒስተር ጉዳያት ሃይማኖት ኰይኑ እዩ ተመሪጹ ዘሎ።

ንሱ፡ ኣብ ግዜ ስልጣን እቲ ዝወረደ ፕረዚደንት፡ ንጕጅለ ዕጡቓት ብምውዳብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣቱ ድሕሪ ምግባር፡ ንኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ'ዩ ጸኒሑ።

ጥሩፍነት ኣይገደፈን ተባሂሉ’ውን ዝተኸሰሰ ኰይኑ፡ ንማእሰርቱ ስዒቡ ብሰንኪ ዝተወልዐ ዓመጽ ድማ ልዕሊ 20 ሰባት ሞይቶም።

ኣብ 2015 ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ ምኽንያት ብምግባር፡ ካብ ኣልሸባብ ተፈልዩ፤ ናይ ባዕሉ ዕጡቕ ጕጅለ'ውን ኣቚሙ ነይሩ።

ኣብ ሓደ እዋን፡ ኣሜሪካ ንስም ሙኽታር ሮቦው ኣብ ዝርዝር ናይቶም ብግብረ ሽበራ ዝድለዩ ሰባት ኣስፊራቶ ምንባራ ይዝከር።

ንዝሓዞ ኣካል 5 ሚልዮን ዶላር (4 ሚልዮን ፓውንድ) ክትህብ ቃል ኣትያ ዝነበረት ኣሜሪካ፡ ነዚ ውህብቶ ኣብ 2017 ሰሪዛቶ።

ሎሚ ሚኒስተር ሃይማኖታዊ ጕዳያት ኰይኑ ምምዛዙ፡ ኣንጻር ኣልሸባብ ስነ-ሓሳባዊ ኲናት ከም ምእዋጅ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ካልኦት ግን ኣባል መሪሕነት ናይቲ ምስ ኣልቓዒዳ ርክብ ዘለዎ ጕጅለ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንዝፈጸሞም ገበናት ንምሽፍፋን ዝተወሰደ ስጕምቲ ከምዝኾነ ይኣምኑ።

ነቲ ብደረጃ ዓለምለ ዝድገፍ ፌደራላዊ መንግስቲ ዝቃወም ኣልሸባብ፡ ኣብ ሶማል ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ኣብ ምፍጻም ይርከብ።

ንኸም ኢትዮጵያ ዝበላ ጎረባብቲ ሃገራት'ውን ዒላማ ክገብር ይረኣይ ኣሎ።