ኣልሸባብ ዝፈጸሞም መጥቃዕታት ንኢትዮጵያ ስግኣት ድዮም?

ቅድሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ፡ ቻነል ፎር ዝተባህለ ተሌቪዥን ዓዲ ኢንግሊዝ ኣብ ዝሰርሖ ጸብጻብ፡ ኮሎኔል ዴቅ ዓብዱላሂ ዝተባህለ ላዕለዋይ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማል፡ ኣልሸብ ካብ ዶብ ኢትዮጵያ ሰለስተ ኪሎ ሜትሮ ጥራይ ርሒቝ ከም ዝርከብ ተዛሪቡ።

“ልዑል ቍጽሪ ዘለዎ ሰራዊት ኣሎ፤ ብፍላይ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ስዒቡ ሓድሽ ሓይሊ ይምልምሉ ኣለው” ክብል እቲ ኣዛዚ ይዛረብ።

ቅድሚ ኣዋርሕ፡ ኣብ ወረዳ ኤልከሬ፡ ሂሎ ማዶው ኣብ ዝተባህለ ዓዲ ብዝተኻየደ ዳህሳስ፡ ኣብ ውሽጢ ጉድጓድ ዝተቐብሩ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣጽዋር ከም ዝተረኽቡ ተገሊጹ ነይሩ።

ብዛዕባ እዚ መጥቃዕቲ እንታይ ንፈልጥ?

ኣልሸባብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ 13 ሓምለ 2014 [ግእዝ] ዶብ ኢትዮጵያ ጥሒሱ መጥቃዕቲ ከፊቱ።

እቲ ናይ መጀመርታ መጥቃዕቲ፡ ባኩል ብዝተባህለት ግዝኣት ሃገረ ሶማልያ እዩ ጀሚሩ፤ ባኩል ካብ 18 ግዝኣታት ሶማልያ ሓንቲ እያ።

በዚ ሸነኽ ዝተኸፍተ መጥቃዕቲ፡ ዬድ፡ ወሻኮን ኣቶን ዝተባህላ ኣብ ዶባት ዝርከባ ሰለስተ ከተማታት ዝሸፈነ እዩ ነይሩ። እዘን ከተማታት ኣብ ውሽጢ ሶማልያ ዝርከባ ኰይነን፡ ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ኣዝየን ዝተጸግዓ እየን።

ስለዚ፡ ኣልሸባብ ናብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ምእታው ብሶማልያ ከም ዝሓለፈ መረዳእታታት የመልክቱ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ዝተኸፍተ መጥቃዕቲ፡ ኣልሸባብ ክልተ ጕጅለታት ከም ዘሳተፈን ካብ ሶማልያ ዘሳግር ሓደ ጕጅለ ከምኡ’ውን ናብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ካልእ ጕጅለ ከም ዝነበሮ ተገሊጹ።

ንኻልኣይ ግዜ ብሰኑይ 18 ሓምለ 2014 ዓ.ም [ግእዝ] ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ብሸነኽ ሶማል፡ ፌር ፌር ብዝተባህለት ዓዲ መጥቃዕቲ ከፊሩ። እዛ ቦታ፡ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ እትርከብ ንእሽቶ ሓውሲ ከተማ እያ።

ኣብ ጥቓ ከተማ ፌር ፌር ኣብ እትርከብ ላስቁሩ ዝተባህለት ከተማ’ውን ውግእ ተኻይዱ። ኣብዛ ከተማ ከቢድ ውግእ ዝተኻየደ ኰይኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ልዕሊ 80 ኣባላት ኣልሸባብ ከም ዝቐተለ ገሊጹ።

ኣብቲ ከባቢ፡ ኣብ ሞንጐ ኣባላት ፍሉይ ሓይልን እቲ ዕጡቕ ጕጅለን ውግእ ከም ዝተኻየደ ነበርቲ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

በሪስማ ኣብ ዝተባህለት ካልእ ከባቢ’ውን ውግእ ተኻይዱ ነይሩ። ብሓፈሻ፡ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ዝኣተው ዕጡቓት ኣልሸባብ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ዝተገብረ ውግእ 180 ዕጡቓት ከም ዝተቐትሉ፣ 13 መካይን ከም ዝዓነዋን ኣጽዋራት ከም ዝተማረኹን ይግለጽ።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ምስ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማል ብምዃን ስጕምቲ ይወስድ ምህላው ክገልጽ እንከሎ፡ ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ዝተነግረ ሓድሽ መጥቃዕቲ የለን።

ኣልሸባብ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተዳኺሙ’ዶ ተጠናኺሩ?

ኣብ ሶማልያ፡ ንኣልሸባብ ንምምካት ዝተዋፈረ ሓይሊ ሕብረት ኣፍሪቃ - ኣሚሶም፡ ካብታ ሃገር ዝወጽኣሉ መደብ ተግባራዊ ይገብር ምህላው ይንገር።

ኢትዮጵያ እትርከበን ወተሃደራት ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሓዘ ኣሚሶም፡ ምስቲ ዕጡቕ ጕጅለ ዘካይዶም ውግኣት ከም ዝነከዩ ነቲ ዞባ ዝከታተል ፋይሰል ሮብለ ይዛረብ።

ኣልሸባብ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብኽልተ ምኽንያታት ዓቕሙ ከጠናኽር ክኢሉ’ዩ ኢልካ ምግማት ከም ዝክኣል’ውን ይጠቅስ።

ፕረዚደንት ሶማልያ ነበር መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ - ፎርማጆ፡ ሽሞም ብፍላይ ምስ ኣል ኢቲሓድ ብተደጋጋሚ ዝለዓል ሰበ ስልጣን ነይሮምዎ’ዮም ተባሂሉ ይንቀፍ።

ኣል ኢቲሓድ፡ ብ1990ታት ኣልሸባብ ቅድሚ ምፍጣሩ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ዝፍጽም ዝነበረ ዕጡቕ ጕጅለ እዩ።

ፎርማጆ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ብዙሓት ኣባላት እቲ ጕጅለ ኣብ ውሽጢ ምምሕዳር መንግስቲ ከም ዝነበሩ’ውን ይዝረብ።

ኣልሸባብ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ታሪኽ ዝለዓለ ቝጽሪ ዘለዎም ተዋጋእቲ ከም ዝመልመለ ዝገልጽ ፋይሰል፡ ቅድሚ ሕጂ 10 ሽሕ ዘይመልእ ዕጡቕ እዩ ዘለዎ ተባሂሉ ይግመት'ኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ልዕሊ 30 ሽሕ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጹ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ንኦብነግ ሓዊሱ ኣልሸባብ ንምቅላስ ዝተወደበ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማል ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ከካትዕ ጸኒሑ’ዩ።

ብሰንኪ እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝለዓሉ ግጭታት፡ ብዙሓት ምስ ስሩዕ ሰራዊት ዝመዓራረ ዕጥቅን ኣወዳድባን ዘለወን ክልላት እቲ ፍሉይ ሓይሊ ከፍርሳኦ ኣለወን ይብሉ ነይሮም።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ዝለዓሉ ክትዓት፡ ፕረዚደንት ክልል ሶማል ሙስጠፌ ነቲ ፍሉይ ሓይሊ ኣመልኪቱ ዝህቦም ርእይቶታት ኣብ ልዕሊ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ዝነበረ እምነት ክጐድል ገይሮም’ዮም ክብል ፋይሰል ይዛረብ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ዶብ ክልል ሶማል ዝነበረ ሰራዊት ቍጽሩ ምንካዩ፡ ኣልሸባብ ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ደፊሩ ንኽጽጋዕ ምቹእ ኵነታት ከም ዝፈጠረ ይጠቅስ።

ፕረዚደንት ሙስጠፌ፡ ሕጂ፡ ብዛዕባ ኣድላይነት ፍሉይ ሓይሊ እንዛተየሉ ግዜ ኣይኰነን ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“ኣብ ኢትዮጵያ ክህሉ ብዛዕባ ዘለዎ ኣወዳድባ ጸጥታ ካልእ ግዜ እንተተዘራረብና እዩ ዝሓይሽ። ሕጂ ግን፡ ብቐንዱ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ሃገር ከጥፍእ ንዝመጽአ ሓይሊ ይምክቶ’ዩ ዘሎ” ኢሉ።

ሓያለ ማዕከናት ዜና፡ ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ክፍጽም ከም ዝኽእል መረዳእታታት ነይሮም’ዮም ይብላ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነዚ ዝኸውን ምድላው ኣይገበረን ተባሂሉ ይንቀፍ።

ፋይሰል ከም ዝብሎ፡ ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምኽፋቱ ቅድመ ምድላው ይገብር እዩ። እዚ ድማ፡ ንኲናት ዝሕግዙዎ ትሕተ ቕርጺ ምጽናዕን ምድላውን ዘጠቓልል እዩ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ ግን፡ ዋላ'ኳ ዓለምለኸ ትካላት ረድኤት ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ክፍጽም ከም ዝኽእል ሓበሬታ እንተሃቡ መንግስቲ ኣይተዳለወሉን ይብል ፋይሰል።

ኣቶ ሙስጠፌ ግን ነዚ ነቐፌታ ኣይቕበሎን።

“ኣልሸባብ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ናብ ክልል ሶማል ንምእታው ጻዕሪ ይገብር ነይሩ’ዩ። እናተኸላኸልና ኢና ኣፍሺልናዮ። ግን ክኣ ኣብ ዝዀነ ዓለም ዝዀነ ዓይነት ምዝንጋዕ ኣይህሉን ማለት ኣይኰነን። እቶም ሕጂ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሎም ከባቢታት ከተማታት ዶብ ሶማልያ ኰይኖም፡ ኣልሸባብ ልዕሊ ሓደ ኪሎ ሜትሮ ሓሊፎም ኣይኣተወን” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ወሲኹ፡ ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ካብ ዝኸፈተሎም ኣርባዕተ ከባቢታት ኣብ ሰለስቲኡ ተመኪቱ፤ ነቲ ሓደ ጥራይ ከም ዝሓለፎ ብምግላጽ ነዚ’ውን ስጕምቲ ተወሲዱዎ’ዩ ክብል ተዛሪቡ።

 ስለዚ፡ ኣልሸባብ ንኢትዮጵያ ስግኣት ድዩ?

ኢትዮጵያ፡ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ንኢትዮጵያ ስግኣት ከም ዝዀነ ብምግላጽ እያ ካብ 2006 ጀሚሩ ናብ ሶማልያ ንምእታው ወሲና።

ኣብቲ ግዜ፡ ሰልፍታት ተቓውሞ ኢትዮጵያ ነዚ ውሳነ ክቃወሙዎ እንከለው፡ ብዙሓት ሶማልያውያን ድማ ከም ወራር ስለ ዝርኣይዎ ተቓዊሞምዎ ነይሮም።

ድሕሪ እዚ ኢትዮጵያ ንኽልተ ዓመታት ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ወፍሪ ክትገብር እንከላ፡ ኣብቲ እዋን እናሓየለ ዝመጽእ ዝነበረ ሕብረት እስላማዊ ኣብያተ ፍርዲ ጸላኢ ኢላቶ ነይራ።

ኣብቲ ግዜ፡ ኢትዮጵያ “መደበይ ኣዐዊተ’የ” እንተበለት’ውን ንዕኡ ስዒቡ ኣልሸባብ ዝተባህለ ጕጅለ እዩ ተፈጢሩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ኣሚሶም ካብ ዘለዋ ተሳትፎ ብተወሳኺ፡ ብዝተፈላለዩ መገዲታት እቲ ጕጅለ ናብ ኢትዮጵያ ንኸይኣቱ ክትከላኸሎ ጸኒሓ እያ።

ሕጂ ሃገራት ምዕራብ ብኻልኦት ዕማማት ኣብ ዝተጸመዳሉ ግዜ፡ ወሰን ኢትዮጵያ ሰጊሩ ንምእታው ዘኽእሎ መጥቃዕታት ከፊቱ ኣሎ።

“ኣልሸባብ፡ ናብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 80 ኪሎ ሜትሮ ሰሊዅ ንምእታው ከምኡ’ውን ኣብ ክልላት ሶማልን ኦሮሚያን ዘለው እምባታት ንምሓዝ ፈተነ ምግባሩ ኣነኣኢስካ ዝርአ ኣይኰነን። ኣመራርሓ እቲ ክልል ንኣልሸባብ መኪትናዮ ኢና እንተበለ’ውን፡ ኣጥፊአዮ እየ ክብል ኣይክእልን። ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ተውርድ ነይራ፤ ሕጂ ግን ትከላኸል ኣላ፡” ይብል ፋይሰል ሮብለ።

ኣልሸባብ ኣብ ዝዀነ ቦታ ምስ ዝኣቱ፡ ንመንእሰያትን ዓበይቲ ዓድን እዩ ዝምልምል፤ ነቲ ህዝቢ ድማ ካብ መንግስቲ ዘይረኸቦ ኣገልግሎታት ብምምላእ ቅቡልነት ዝረኽበሉ ናይ ባዕሉ ስትራተጂ ይኽተል፡ ክብል እቲ ተንታኒ የብርህ።

እቲ ሰልጢኑ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ሓይሊ፡ “ሙጃሂዲን ኢትዮጵያ” ዝብል ስያመ ዝተዋህቦ ጕጅለ ሽበራ ከም ዝዀነ ኣቶ ሙስጦፌ ተዛሪቡ።

“እቲ ኵነታት ኣሻቓሊ’ዩ”

ኣልሸባብ፡ ቅድሚ ሕጂ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸክ ማሕሙድ ኣብ ስልጣን እናሃወለ ሰለስተ ፈተነ ቅትለት ገይሩሉ’ዩ።

ሕጂ ዳግም ናብ ስልጣን ምስ ተመልሰ ምስ ኢኮኖሚስት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ ኣንጻር እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ዝግበር ቃልሲ ቀዳምነት ዝህቦ ጕዳይ ምዃኑ ገሊጹ።

ፋይሰል፡ ኣልሸባብ ሓባራዊ ጸላኢ ክልቲአን ሃገራት ከም ዝዀነ ይዛረብ።

“ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣለዋ፤ ሶማልያ ድማ ከባብያዊ ፍልጠት ኣለዋ። ስለዚ እዘን ሃገራት ብሓባር እንተሰሪሐን ተስፋ ኣለወን። እንተዘይኰይኑ ግን፡ ኣልሸባብ ካብ ክልቲአን ሃገራት ሓሊፉ ስግኣት እቲ ዞባ ክኸውን እዩ፡” ይብል።

ኣቦ መንበር ኦብነግ ኣቶ ዓብዱራሕማን መሀዱ፡ “እቲ ኵነታት ኣሻቓሊ’ዩ” እንተበለ’ውን ድልየት ኣልሸባብ ግን ኣብ ክልል ሶማል ክዕወት’ዩ ኢሉ ኣይኣምንን።

“ድጋፍን ቅቡልነትን ህዝቢ ክልል ሶማል ኣይህልዎን፤ ምኽንያቱ ህዝቢ ሶማል ጽኑዕ ሃይማኖትን ባህልን ዘለዎ ህዝቢ እዩ። ንኸምዚኦም ዝበሉ ሓደሽቲ ኣስተምህሮታት ኣይግዛእን'ዩ” ኢሉ።

ይዅን’ምበር፡ “መንግስታት ክልልን ፌደራልን [ኢትዮጵያ] ከምኡ’ውን ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላት፡ እዚ ክስተት ዕሽሽ ክብልዎ የብሎምን። ካብ ደገ ዝመጽአ መጥቃዕቲ ስለ ዝዀነ ኵሉ ክተሓባበር ኣለዎ” ይብል።