ኢትዮጵያ፡ ዕጡቓት ፋኖ ኣብ ሓደ ውዳበ ምጥርናፎም እንታይ ጽልዋ ይህልዎ?

ምንጪ ስእሊ, Asres Mare Damtie
ኣብ እዋን ደማዊ ኲናት ትግራይ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተሰሊፎም ዝተዋግኡ ዕጡቓት ፋኖ፡ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ብዝተፈላለየ ኣስማት ኣንጻር መንግስቲ ክቃለሱ ጸኒሖም'ዮም።
ሕጂ ድማ ኣብ ትሕቲ ሓደ ውዳበ ከም ዝተኣኻኸቡ ይገልጹ ኣለው።
ብዘመነ ካሴ ዝምራሕ ብሄራዊ ሓይሊ ኣምሓራ ፋኖን ብእስክንድር ነጋ ዝምራሕ ናይ ኣምሓራ ፋኖን "ብሓባር" ሓደ ጥርኑፍ ውዳበ ከምዝመስረቱ ኣፍሊጦም።
እቲ "ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ፋኖ (ኣፋብን)" ተባሂሉ ዝተጸውዐ ሓድሽ ጥርናፈ፡ "ካልኦት ሓይልታት ፋኖ" እውን ተዋሂዶም ዝመስረትዎ ምዃኑ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ናይቲ ጥርናፈ ኰይኑ ዝተመዘዘ ኣስረስ ማሬ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ዕጡቓት ፋኖ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዓሰርተታት ዝቐተለ፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ህጻናት ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ዝገበረ ግጭት ናብ ሳልሳይ ዓመት ኣብ ዝኣትወሉ ዘሎ እዋን እዮም ሓድሽ ውዳበ ምቛሞም ዘፍልጡ ዘለው።
መራሕቲ ውድብ ህዝባዊ ፋኖ ኣምሓራ ከም በዓል ካፕቴን ማስረሻ ሰጤ፡ ኮለኔል ፈንታው ሙሓባን እያሱ ኣባተን ዕጥቃዊ ቃልሶም ገዲፎም ምስ መንግስቲ ስምምዕ ከም ዝፈረሙ ዘፍለጠ ኣብዚ ሰሙን እዩ።
ዕጡቓት ፋኖ ምጥርናፎም ዘተ ሰላም ዘመቻችእ ድዩ ወይስ ነቲ ቃልሲ ዘሐይል?
ንልዕሊ ክልተ ዓመት ብዝተፈላለየ ኣወዳድባን ኣስማትን ምስ መንግስቲ ክቃለሱ ዝጸንሑ ዕጡቓት ፋኖ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ትሕቲ ሓደ ውዳበ ዝተኣኻኸቡ ይመስሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ንኣባላት ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዝህቦ መብርሂ፡ ምብትታን ዕጡቓት ፋኖ ከም ዕንቅፋት ዝርርብ ሰላም ክጠቅስ ጸኒሑ'ዩ። ሕጂ ዕጡቓት ፋኖ ሓደ ውዳበ ምቛሙ ነቲ ካብ ነዊሕ እዋን ብመንግስቲ ክለዓል ዝጸንሐ ብድሆ ዘወግድ ይመስል።
ግን ምጥርናፍ ዕጡቓት ናይ ብሓቂ ዘተ ሰላም ከቕርብ ድዩ? ወይስ ነቲ ተቓውሞ ንምድልዳልን ዘተ ንምድፋእን ጥራይ እዩ ዘገልግል?
ብዘይተማእከለ እዚ ዝምራሕ ምንቅስቓስ
ዶክተር ዳኒኤል (ስሙ ዝተቐየረ)፡ ኣብ ሰላምን ጸጥታን መጽናዕቱ ዘካየደ፡ ኣብ ንጥፈታትን ኣቃውማን ዕጡቓት ፋኖ ድማ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ኣሕቲሙ እዩ። ዕጥቃዊ ቃልሲ ዕጡቓት ፋኖ "ዝተፈላለዩ ጕጅለታት 'ሕቶ ኣምሓራ' ኢሎም ዝቘጽርዎ ሒዞም ካብ ታሕቲ ዝለዓሉ ምንቅስቓሳት" ከምዝነበሩ ይገልጽ።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ "ኣብ ኵሉ ቦታታት ብዙሓት ዝተፈላለዩ ጕጅለታት ከም ዝነበሩ" እቲ ተመራማሪ ይዛረብ። መሪሕነት ዕጡቓት "ማእከላይ ትእዛዝ ዘይብሉ"ን ከምኡ'ውን "ዘይተማእከለ" ምንባሩ እዩ ዝጠቅስ።
ተመራመርቲ ኣትርሳው ነጮን ያሬድ ደበበን ኣብ ለካቲት 2016 ኣብ ዘውጽእዎ ጽሑፍ፡ ትሽዓተ ዝተፈላለዩ ጕጅለታት ፋኖ ኣብቲ ዞባ ከም ዝንቀሳቐሱ ኣመልኪቶም ነይሮም። ኣብ መንጐ እዞም ሓይልታት ዘሎ ርክብ "ልሕሉሕ" ምዃኑን "መብዛሕትኦም ንኣሽቱን ብገዛእ ርእሶም ዝምርሑን" ከምዝዀኑ ይጠቕሱ።
ነዚ ሓሳብ ዝድግፍ ዶክተር ዳኒኤል፡ "'ሕቶ ኣምሓራ' ኣብ ዝብል ፍልልይ ዘይክልህልዎም ይኽእል እዩ። ግን ብኸመይ ክንስጕም፣ ብኸመይ ከነተግብሮ ንኽእል፡ እንታይ ዓይነት ፖለቲካውን ወተሃደራውን ስትራተጂ ሒዝና ኢና ንኸይድ ዘለና ኣብ ዝብል ፍልልይ ኣለዎም።"
ከምዚ ዓይነት መትከል ዝሓዘ ቃልሲ "መግለጺ ምንቅስቓስ ናዕቢ" ክብል ዝገልጾ ዶክተር ዳኒኤል፡ ብክልሰ-ሓሳብ ደረጃ ረብሓ ከምዘለዎ ይዛረብ። "ዘይተማእከለ፡ ልሕሉሕ ሰንሰለት ትእዛዝ ምስ ዝህልዎ፡ ብዘይ ዝዀነ ዝለዓለ ትእዛዝ ኣብ ዝዀነ እዋን ናይ ገዛእ ርእሶም ወተሃደራዊ ስርሒታት ከካይዱ ይኽእሉ። ኣብ ብዙሕ ቦታታት ስለዘለዉ ብመንግስቲ ዒላማ ናይ ምዃን ተኽእሎኦም'ውን ኣዝዩ ትሑት'ዩ" ይብል።
ብኣንጻሩ እዚ ኣገባብ እዚ ናብ "ዘይሓድነት" ከም ዘምርሕ ይምጕት። ብመሰረት ዶክተር ዳኒኤል፡ እቶም ጕጅለታት እንተዘይተጠርኒፎም "ብልዝብ ናብ ሰላም ምብጻሕ ኣዝዩ ከቢድ" እዩ።
ብተወሳኺ "ድሌቶምን ረብሓታቶምን ብንጹር ከም ዘይግለጹ" እውን ይውስኹ። እዚ ድማ "ቅልውላው ክውስኽን" እቲ ምንቅስቓስ "ክጭወን" ምኽንያት ከምዝዀነ ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Asres Mare Damtie
ስለምንታይ እዩ ዕጡቓት ፋኖ 'ንኽወሃዱ' ክንድዚ ግዜ ወሲዱ?
ዕጡቓት ፋኖ ነቲ ፋሕ ኢሉ ዘሎ ሓይልታቶም ኣብ ትሕቲ ሓደ መሓውር ንምእታው ድርድር ከምዘካየዱ ብተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም። እዞም መስርሓት ዕዉታት እኳ እንተዀኑ፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ዝርርብ ዝፈሸለሉ ኣጋጣሚታት እውን ተራእዮም እዮም።
ዶክተር ዳኒኤል፡ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፋኖ ዝነበረ ፍልልይ ኣዝዩ ሰፊሕ ብምዃኑ፡ "ደም ዝጸምኡን ንሓድሕዶም ዝቃለሱን" ምዃኖም ይዝክር።
ባንታየው ሽፈራውን ጆን ኢሽያማን ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ብዛዕባ ሓድነትን ምክፍፋልን ዕጡቓት ፋኖ ኣብ ዘውጽእዎ ጽሑፍ፡ እቶም ጕጅለታት ኣብ "ስነ-ሓሳብን ፖለቲካዊ ዕላማን" ፍልልይ ከምዘለዎም ጽሒፎም ነይሮም።
ብእስክንድር ነጋ ዝምራሕ ኣፋሃድ "መንነት ኣምሓራ ምስ ኢትዮጵያውነት ዝተሓዋወሰ እዩ" ብምባል "ኣምሓራ ንነብሶም ካብ ኢትዮጵያ ፈልዮም ክርእይዋ የብሎምን" ኢሉ ከም ዝኣምን ጠቒሶም።
ኣረኣእያ ናይቶም ብተጻራሪ ወገን ዘለዉ ዕጡቓት፡ "ኣብ ብሄራዊ መንነት ኣምሓራ ሱር ዝሰደደ" ምዃኑ'ውን እቶም ጸሓፍቲ ኣመልኪቶም።
"እዚ ኣረኣእያ'ዚ፡ ኣብ ክንዲ ንሃገራውነት ኣምሓራ ከም መገዲ ዳግመ ህንጸት ኢትዮጵያውነት ዝርኢ፡ ንህላወን ረብሓን ኣምሓራ ቀዳምነት ዝህብ'ዩ" ክብል እቲ ክኢላ የብርህ።
እዚ "ኣምሓራ ወይ ኢትዮጵያውነት" ዝብል ክትዕ ሓደ ምንጪ ምፍልላይ ከምዝነበረ ይኣምን፤ እንተዀነ 'ዞባውነት' ዓቢ ብድሆ ምዃኑ እውን ይምጕት።
"ንመሓውር እቲ እዚ መን ክመርሖ ኣለዎ" ኣብ ዝብል ሕቶ'ውን ይንጸባረቕ ከምዝነበረ ይምጕት።
ሓላፊ ክፍሊ ርክብ ህዝቢ'ቲ ሓድሽ ውዳበ ኣቶ ኣስረስ "ውሽጣውን ግዳማውን ምትእትታዋት ነይሩ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Asres Mare Damtie
'ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ፋኖ' ብኸመይ ቈይሙ?
ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ፋኖ "ምውህሃድ ክልተ ውዳበታት" እዩ ዝብል ኣስረስ፡ "እቲ ዝተፈጥረ ውዳበ ጥምረት፡ ግንባር ወይ ኪዳን ዘይኰነስ፡ ምሉእ ብምሉእ ዝተዋሃሃደ ውዳበ እዩ" ይብል።
"ኣብዚ እዋን ካብ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ፋኖ ወጻኢ፡ ብደረጃ ጕጅለ ይዅን ብውልቀ ሰብ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ኣካል የለን። ንዅሉ ዘጠቓለለ ውዳበ ፋኖ ቈይሙ ኣሎ።"
ኣቃውማ ናይቲ ውድብ ክውሰን እንከሎ፡ ኣብ ክንዲ "ፖለቲካውን ወተሃደራውን ክንፊ" ምፍልላይ፡ "ንኽልቲኦም ኣብ ትሕቲ ሓደ ማዕቀፍ ዝመርሕ" ኣገባብ ከም ዝተመርጸ ገሊጹ። "ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኣብ ፖለቲካውን ወተሃደራውን መሪሕነት ናይ መወዳእታ ስልጣን ኣለዎ።"
ውህደት ዕጡቓት ፋኖ ንመስርሕ ግጭት ክቕይሮ ተኽእሎ ኣሎ ድዩ?
ሓላፊ ክፍሊ ህዝባዊ ርክባት ኣፋብን ዝዀነ ኣስረስ፡ ምቛም ሓደ ውድብ "ብፖለቲካውን ወተሃደራውን መዳይ ርኡይ ለውጢ ከምጽእ'ዩ" ይብል።
ሓደ ካብቲ ዝጠቐሶ ረብሓታት ድማ፡ ምቛም እቲ ትካል "ኣረኣእያ ሓይልታት ፋኖ ዝቕይር" ምዃኑ እዩ።
"ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ሓይልታት፡ ካብ ርሑቕ ዘለዉ ምዕራባውያን፡ ከምኡ'ውን ካልእ ዝምልከቶን 'ጉዳይ ኣለኒ' ዝብልን ነዚ ቃልሲ ዝርእየሉ መነጽር ፍጹም ክቕየር'ዩ" ኢሉ።
"ንማሕበረሰብ ዓለም መንግስቲ ክንከውን ዕድል ከምዘለና ብንጹር ዘርኢ'ዩ፤ ኣብ ቃልሲ ክንዕወት ከለና ንሃገር ዝእመንን ሓላፍነት ዝስከምን መሪሕነትን ውዳበን ከምዘለና'ዩ ዘመልክት" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ብተወሳኺ ኣብቶም ዕጡቓት "ሓድሽ ምትብባዕ ክፈጥርን" ከምኡ'ውን "ህዝቢ ኣብ ቃልሲ ዘለዎ እምነት ክውስኽን'ዩ" ኢሉ።
ምንቅስቓስ ሓይልታት ፋኖ ዘጽንዐ ዶክተር ዳኒኤል ግን ከምዚ ዓይነት መደምደምታ ካብ ምብጻሕ ይቝጠብ።
"ኣብ መጻኢ [እንታይ ከም ዝኸውን ክንርኢ ኢና] - እቲ ኣካይዳ ዝቕየር ኣይመስለንን። ኣብ ዘለዎ ክቕጽል ይኽእል'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ 'እቲ ወፍሪ ከምዚ'ዩ' ብምባል ሓባራዊ ወተሃደራዊ ስርሒታት ከካይዱ ጸኒሖም እዮም።" ሕጂ ካልእ ክገብርዎ ዝኽእሉ ነገር ዘሎ ኣይመስለንን" ክብል ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Asres Mare Damtie
ከምዚ ዓይነት ዕጥቃዊ ቃልስታት ውጽኢታዊ ንኽኸውን "ብሓደ ማእከል ክቈጻጸር ኣለዎ" ዝብል ምጕት ዘለዎ ዶክተር ዳኒኤል፡ ሓይልታት ፋኖ "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገጠር" ከምዘሎ ይምጕት።
ብተወሳኺ እቶም ሕጂ ዝተዋሃሃዱ ጕጅለታት "ናይ መወዳእታ ዕጡቓት ፋኖ" እዮም ዝብል እምነት ከምዘይብሉ እዩ ዝገልጽ። ከጋጥሞም ዝኽእል ዝተፈላለዩ ብድሆታት ከምዘለዉ'ውን ይዝርዝር።
"[ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጎደናታት] ዝምታ ይካየድ ኣሎ፣ ሰባት ኵሉ ግዜ ይጭወዩ ኣለዉ፣ ግብሪ ኣብ ጐደና ይኽፈል ኣሎ። መካይን ይቃጸላ ኣለዋ። ኣብ መሬት ዘለዉ ሰባት ተጸጊሞም ኣለዉ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, EBC
ኣብ ትሕቲ ውዳበ ምጥርናፍ ዕድል ዘተ ክብ ክብል ይገብር'ዶ?
ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ፋኖ ምስ መንግስታዊ በዓል መዚ ልምዓት (ኢጋድ)፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን ወከልቲ ይዘራረቡ ኣለዉ።
ንውድብ ህዝቢ ፋኖ ኣምሓራ ዝመርሐ እስክንድር ነጋ እውን ቅድሚ ሕጂ ምስ ወከልቲ እተን ትካላት ዝርርብ ከምዝተኻየደ ኣረጋጊጹ ነይሩ።
ስምምዕ እቲ ምስረታ ዝተኸታተለ ዶክተር ዳኒኤል፡ እቶም ናብ መንግስቲ ዝተመልሱ መራሕቲ ነዚ ስምምዕ ክኽተሉ ዝኽእሉ እኳ እንተዀኑ፡ እቶም መስርሕ ምፍታሕ ኣጽዋርን ዳግመ ውህደትን ዝገብሩ ዘለዉ ዕጡቓት ግን ኣብ ዘለዉዎ ክጸንሑ እዮም ዝብል እምነት የብሉን።
እቲ ግጭት ናብ ዘተ ሰላም ክመርሕ ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ ከምዘይበጽሐ እዩ ዝገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







