ስለምንታይ'ዩ ናብ ወርቂ 'ጉያ ጉያ' ዀይኑ ዘሎ?

ወርቂ እተማርፅ ህንዳዊት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዋጋ ወርቂ ንመጀመርታ ግዜ ንሓደ ኦውንስ ልዕሊ 5000 ዶላር ኰይኑ፣ እዚ ድማ ኣብ 2025 ካብ ዝነበሮ ልዕሊ 60 % ክብ ክብል ዝተራእየሉ ታሪኻዊ ምዕባለ ምዃኑ ድማ የዛርብ ኣሎ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኔቶን ብዛዕባ ግሪንላንድ ዘሎ ወጥሪ ስዒቡ፡ ፋይናንሳውን ጂኦፖለቲካውን ዘይርጉጽነት እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እዩ።

ፖሊሲ ንግዲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንዕዳጋታት ዓለም እውን ቅልውላው ኣእትዩሉ ኣሎ።

ብቀዳም 24 ጥሪ 2026 ካናዳ ምስ ቻይና ንግዳዊ ስምምዕ እንተገይራ ኣብ ልዕሊ ካናዳ 100% ቀረጽ ክገብር ምዃኑ ኣፈራሪሑ።

ወርቅን ካልኦት ክቡራት ማዕድናትን፡ ኣውፈርቲ ኣብ ዘይርጉጽነት ዝገዝእዎ ውሑስ ዕቋር ንብረት ኰይኖም ይረኣዩ።

ዓርቢ 23 ጥሪ 2026፡ ብሩር ንመጀመርታ ግዜ ንሓደ ኦውንስ 100 ዶላር በጺሑ፡ እዚ ድማ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ዳርጋ 150% ወሰኽ ኣርእዩ።

ጠለብ ክቡር ማዕድናት፡ ብኻልኦት ዝተፈላለዩ ረቛሒታት እውን ዝፅሎ ዘሎ ይመስል።

ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ዝቕባበ ዋጋታት፡ ምድኻም ዶላር ኣመሪካ፡ ብማእከላይ ባንክታት ዓለም ዝካየድ ዕድጊ፣ ከምኡ'ውን ፈደራላዊ ባንክ ኣመሪካ ኣብዚ ዓመት መሊሱ ወለድ ክንኪ ከም ዝኽእል ይግመት።

ሰባት ስለምንታይ ዓይኖም ናብ ወርቂ ገጾም ዘይሮም?

ቍጠባዊ ስክፍታታት ዋጋ ወርቂ ክብ ንኽብል ዝፀሉ'ኳ እንተኾነ፡ ኣውፈርቲ ወለድ ክቕንስ እዩ ኢሎም ኣብ ዝኣመንሉ እዋን ክውስኽ ይኽእል እዩ።

ትሑት ወለድ ማለት፡ብተለምዶ ንኸም ቦንድ ዝኣመሰሉ ወፍሪታት ትሑት ትርፊ ማለት እዩ።

ስለዚ ኣውፈርቲ ናብ ከም ወርቅን ብሩርን ዝኣመሰሉ ማዕድናት ይቋመቱ።

ፈደራል ሪዘርቭ ኣመሪካ ኣብ 2026 ቀንዲ ወለዱ ክልተ ግዜ ክንኪ ብሰፊሑ ይግመት።

"ገንዘብ ኣብ [መንግስታዊ ቦንድ] ምቕማጥ ድሕሪ ሕጂ ዋጋ ስለዘይብሉ፡ ሰባት ናብ ወርቂ ገጾም ይጥምቱ፤ እቲ ምትእስሳር ኣንጻራዊ እዩ" ይብል ኣሕመድ ኣሲሪ፡ መጽናዕታዊ ስትራተጂስት ኣብ ፐፐርስቶን።

ኣብ ህንዲ ከተማ ቻንዲጋር ንምርኢት ዝቐረቡ ወርቂ ባርታት።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ህንዲ ከተማ ቻንዲጋር ንምርኢት ዝቐረቡ ወርቂ ባርታት።

ኲናታት ዩክረይንን ቓዛን፡ከምኡ'ውን ዋሽንግተን ንፕረዚደንት ቬነዝዌላ ኒኮላስ ማዱሮ ምሓዛ'ውን ዋጋ ወርቂ ክብ ክብል ደሪኹ'ዩ።

ፋይናንሳዊ ዕዳጋታት ኣዝዩ ምስ ዝወድቕ፡ ሃንደበት "ጉያ ናብ ወርቂ " ክፍጠር ይኽእል እዩ።

ኣብኡ ድማ፡ መንግስታትን ውልቀ ኣውፈርትን ሓዊሱ፡ ብዙሓት ዓደግቲ፡ ነቲ ክቡር መዓድን ክገዝኡ ይደልዩ ይብል ዶክተር ፊሊፕ ፍላይርስ ዝተባህለ ምሁር ታሪኽ ቍጠባ ካብ ዩኒቨርሲቲ ቤልፋስት።

ወርቂ ኣብ 2025 እወን ብሉጽ ዕቤት እዩ ኣርእዩ ነይሩ፤ ካብ 1979 ጀሚሩ ዝዓበየ ዓመታዊ መኽሰብ ዘርአየ፡ ኣውፈርቲ ናብ ክቡር ማዕድናት ስለዝጓየዩ እዩ።

ፋይናንሳዊ ዕዳጋታት ብቐረጽ ትራምፕ ዝተበገሱ ስክፍታታትን ምስ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝተኣሳሰሩ ኣክስዮናት ልዕሊ ዓቐን ዋጋ ከይህልዎምን ኣብ ዝስግኡሉ ዘለዉ እዋን፡ ወርቂ ሓድሽ ክብረወሰን ሒዙ ኣሎ።

ኣብ ጕጅለ ሃብታማት ዓለም- 'ዌልዝ ክለብ'- ዋና ስትራተጂስት ኢንቨስትመንት ሱዛና ስትሪተር፡ ኣብዚ ቀጻሊ ፖለቲካዊ ዘይርጕጽነት፡ ጠለብ ወርቂ "ደረት ዘይብሉ ይመስል" ትብል።

"ናብቲ ዘብረቕርቕ ውሑስ ዕቛር ጉያ ክውስኽ እንከሎ፡ ዋጋ እቲ ክቡር ማዕድን ድማ ክብ እናበለ ይሓድር ኣሎ" ትብል።

ስትሪተር፡ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ካናዳ ዝገበሮ ስግኣት ቀረጽ ስግኣት ዘስዓቦ ንግዳዊ ወጥሪ ብምጥቃስ፡ "ንኣውፈርቲ ከምዘሰናበደ" ገሊጹ።

ውሑስ ዕቛር

ኵሉ ኣብ ወርቂ ወፍሪ ዝገብር ሰብ ነቲ ቍሳዊ ክቡር ብረት ይዕድግ ማለት ግን ኣይኰነን።

ገለ ኣውፈርቲ ገንዘቦም ኣብ ፋይናንሳዊ ፍርያት ከም ብወርቂ ዝድገፍ ኦንላይን ገንዘብ (ETFs) የእትዉዎ።

"ወርቂ 'ውሑስ' ወፍሪ'ዩ ግን ሓደጋ ዘይብሉ ማለት ኣይኮነን" ይብል ፍላይርስ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2020፡ ለበዳ ኪቪድ-19 ኣብ ዝተበገሰሉ እዋን፡ ዋጋ ወርቂ ወሲኹ፡ ኣብታ ዓመት መጋቢት ግን ክወርድ ጀሚሩ።

"ኣብ ፋይናንሳዊ ንብረትን ምርግጋእ ፖሊሲን ዘሎ እምነት ከንቈልቁል ምስ ዝጅምር፡ ወርቂ ከም ቀንዲ ገንዘባዊ ማዕድን መጀመርያ ኣወታዊ ምላሽ ክህብ ይኽእል'ዩ" ትብል ኣኒታ ራይት፡ ቻርተርድ ፋይናንሳዊ ፕላነር ኣብ ሪብል ወልዝ ማነጅመንት።

ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ወርቃዊ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ቱታንካሙን፡
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ወርቃዊ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ቱታንካሙን፡

ካብቲ ካብ ጥንታዊት ግብጺ ዝመጸ ወርቃዊ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ቱታንካሙን፡ ክሳብ ወርቃዊ ሽቓቕ ኣሳንተ ኣብ ጋናን ከምኡ'ውን፡ ወርቃዊ ዝፋናት ቤተ መቕደስ ፓድማናብሃስዋሚ- ህንዲ፡ እቲ ማዕድን ብታሪኽ ሃይማኖታውን ተምሳሌታውን ኣገዳስነት ሒዙ ጸኒሑ እዩ።

ሓደ ካብቲ ዓቢ ስሕበት ወርቂ ብተዛማዲ ብብዝሒ ዘይርከብ ምዃኑ እዩ።

ዛጊድ ኣስታት 216,265 ቶን ናይቲ ማዕድን ጥራይ ከምዝተዓደነ ማሕበር ንግዲ ቤት ምኽሪ ወርቂ ዓለም ይሕብር።

እዚ ድማ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ኦሎምፒክ-ውድድር ዝተሰናድአ መሐንበሲታት ንምምላእ እኹል እዩ።

ካብዚ እቲ ዝበዝሕ፡ ቴክኖሎጂ ዕደና እናማዕበለን ሓደስቲ ማዕድናት ምስ ተረኽቡን፡ ካብ 1950 ጀሚሩ ዝተዓደነ እዩ።

'ዳህሳስ ጂኦሎጂ ኣመሪካ' ከም ዝግምቶ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ቀረብ ናይቲ ማዕድን ሓፍ ክብል እኳ እንተ ተገመተ፡ ገና ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ ዕቑር ወርቂ ካልእ 64 ሽሕ ቶን ወርቂ ክዕደን ከምዝኽእል ይሕብር።

ዕቝር ሃብቲ

ብዙሓት ሰባት ንወርቂ ከም ዘተኣማምን መገዲ ሃብቶም ንምኽዛን ምርኣዮም ዝገርም ኣይኮነን።

ዋጋ ኣቑሑት ወርቃዊ ስልማትን ኣብ ውሽጢ ሃገር መብዛሕትኡ ግዜ ብሰንኪ ምዝንባል ዓለማዊ ፋይናንሳዊ ዕዳጋታት ኣይጽሎን እዩ።

"ወርቂ ክትውንን ከለኻ፡ ከምቲ ቦንድ ወይ ድማ ናይ ሓደ ኩባንያ ንኣፈጻጽማ ዝድርኸሉ ምስ ዕዳ ካልእ ሰብ ዝተኣሳሰር ኣይኰነን" ይብል ዓለምለኻዊ ሓላፊ ትካላዊ ዕዳጋታት ኤቢሲ ሪፋይነሪ ኒኮላስ ፍራፐል።

"ኣብ ኣዝዩ ርግጸኛ ዘይኮነ ዓለም ናይ ብሓቂ ጽቡቕ ዕቝር ንብረት'ዩ።"

ዝኾነ ዓቢ ወፍሪ ግን ኣብ ምሕረት ተግባራት ዓበይቲ ፋይናንሳዊ ተጻወትቲ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ፍላይርስ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወሰኸ ዋጋ ወርቂ ብምጥቃስ፡ "ማእከላይ ባንክታት መንግስቲ ወርቂ ብምዕዳገን ዝድረኽ ዘሎ እዩ ዝብል ጥርጣረ ኣለኒ" ይብል።

መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እዋን ዘይርጕጽነት ካብ ወፍሪ ምዕሩይነት ኣብ ዝረሓቑሉ እዋን ዕቑር ሃብቶም ንምድልዳል ወርቂ ብጅምላ ይገዝኡ።

ኣብ መጻኢ

እንተዀነ ወርቂ ኵሉ ግዜ ዋጋኡ እናወሰኸ ይሓድር ማለት ኣይኰነን።

እዚ ማለት ኣብቲ ክቡር ማዕድን ዘይተኣደነ ወፍሪ ምግባር'ውን ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል እዩ።

"ዕዳጋታት ምስ ሃድኡ፡ መንግስታት ድማ ናብ ልቦም ምስ ተመልሱ፡ ሰባት መሊሶም ንወርቂ ሕቘኦም ክህቡ ስለዝኽእሉ፡ኣብ ወርቂ ጥራይ ምትኳር ሓደገኛ ስትራተጂ'ዩ" ይብል ፍላይርስ።

"ከምቲ ኣብ ወርቂ ወፍሪ ዝኣመሰሉ ነገራት፡ ንመፃኢ ካልእ ምሕሳብ'ውን የድሊ።"

ኣብ ብዙሕ ባህልታት ወርቂ ኣብ እዋን በዓላት ወይ ኣብ ጽምብል ከም ህያብ ይወሃብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ብዙሕ ባህልታት ወርቂ ኣብ እዋን በዓላት ወይ ኣብ ጽምብል ከም ህያብ ይወሃብ

እንተዀነ ወርቂ ንግዲ ጥራይ ኣይኰነን ዝውህለል፤ ንኣብነት ኣብ ከም ትግራይን ኤርትራን ወርቂ ከም ባህላዊ መጋየፅን፡ ንመርዓን ደርዓን ብሰፊሑ እዩ ዝውዕል።

ብተመሳሳሊ ኣብ ከም ቻይናን ህንድን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ሃገራት ድማ፡ ኣብ ሓድሽ ዓመትን ካልኦት ዓበይቲ በዓላትን ወርቂ ንውህብቶን ሃብቲ ንምውህላልን ብሰፊሑ ኣብ ረብሓ ከምዝውዕል መረዳእታታት የመልክቱ።