ኢትዮጵያ፡ 'ፖለቲካ፡ ናብ ጫካ ይድፋእ ኣሎ' ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና

ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ንኣስታት 30 ዓመታት ዝጸንሐ ፍሉጥ ፖለቲከኛ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና፡ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ካብቲ ቅድሚ ሽድሽተ ዓመት ዝነበሮ ሰለማዊ ኵነታት ርሒቝ፡ ናብ ዕጥቅን ቃልስን የመርሕ ከምዘሎ ተዛሪቡ።
ፕ/ር መረራ፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ብፍላይ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ዘሎ እዋናዊ ኵነታት ብምጥቃስ እዩ ሻቕሎት ዝገለፀ።
ንሱ፡ ብፍላይ "ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘሎ ቅልውላው" ብዝምልከት፡ ምስ ፕረዚደንት ክልላዊ መንግስቲ እቲ ክልል ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ንምዝርራብ፡ ምስ ካልኦት ፖለቲከኛታት ትመሓዝዮም ብደብዳበ ከምዝሓተቱ ገሊፁ።
"ኣብ ኵሉ ቦታታት ዝፍጸም ዘሎ ቅትለትን ህልቂትን፡ ሰባት ካብ ገዛኦም ወጺኦም ብሰላም ዝምለሱሉ ኵነታት ስለዘየለ፡ ነቲ ሓፈሻዊ ኵነታት ቅልውላው ኮፍ ኢልና ክንዕዘብ ኣብ ዘይንኽእለሉ ደረጃ በፂሕና።"
ፕሮፌሰር መረራ እቲ ቅልውላው "በብእዋኑ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ" ብምባል ሻቕሎቱ ብምግላጽ "ኣብዚ ዓመት ሃገራዊ መረጻ ስለዝካየድ፡ ብሓቂ ናብ ዝበኣሰ ፀገም ክንኣቱ ኢና" ኢሉ።
ናብ ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ብደብዳበ ሕቶ ዘልዓለሉ ምኸንያት ድማ ብዙሓት፡ "ስለምንታይ ስቕ ኢልኩም" ኢሎም ስለ ዝሓተትዎ ከምዝዀነ ኣስሚሩሉ።
"ካብ ፕሮፖጋንዳ ወጻኢ፡ ዝበዝሐ ክፋል ኦሮምያ፡ ከምኡ'ውን ዝበዝሐ ክፋል ኢትዮጵያ ዘሎ ኵነታት . . . ዝገደደ እምበር ዝሓሸ ኣይኰነን" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ንኦነግን ኦፌኮን ሓዊሱ 10 ሃገራውንን ክልላውን ውድባት ዝሓቘፈ 'መድረኽ' ፡ "ካብ ተራ ዓጃቢነት ንላዕሊ ተሳትፎ" ክህልዎምን፡ ናይ ሎሚ ዓመት መረጻ ናጻ፡ ፍትሓውን ተኣማንነትን ዘለዎ ንክኸውን፡ ዝጠልቡ ቅድመ ኵነታት ኣቕሪቡ ነይሩ።
እዞም ነዚ ደብዳበ ዝፀሓፉ ክልተ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ዋላ'ኳ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ሃገራዊ መረጻ ከም ዝሳተፉ እንተገለፁ፡ ካብቶም 7 መሰረታዊ ቅድመ ኵነት ዘቐመጡ ሒደት እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽእዎ መግለፂ፡ እቲ ዝሓለፈ ሻድሻይ ሃገራዊ መረጻ "ሕጋዊ ጉልባብ ንምሃብ ዝተገብረ ፖለቲካዊ ስልቲ እዩ ነይሩ" ክብሉ ብምንቃፍ፡ "ናጻ፡ ፍትሓውን ንዅሉ ዝሓቍፍን፣ ውጽኢቱ ድማ ተኣማንነትን ብህዝቢ ቅቡልነት ዝነበሮ" ከምዘይኰነ ገሊፁ።
ፕሮፌሰር መረራ፡ ኣብ ገጠራት ክልል ኦሮምያ፡ ተሽከርከርቲ "ካብ ቀንዲ ጽርግያታት ወጺአን" ክንቀሳቐሳ ዘይምኽኣለን ከም መርኣያ ናይቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ከምዝዀነ ጠቒሱ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ "ሰፊሕ ግጭት" ይካየድ ከምዝነበረ ዝገለፁ እቶም ተቓወምቲ፡ ሕጂ እቲ ግጭት "ናብ ከባቢታት ኣርሲን ሃረርጌን" ይዝርጋሕ ከምዘሎ ኣመልኪቶም።
መንግስቲ ብወገኑ፡ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት ኣብቲ ዘቖሞ ሃገራዊ መድረኽኽ ምምኽኻር ሓዊሱ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዘተ ክሳተፉ ከምዝተዓደሙ ብምግላፅ፡ "ኣፍደገ ዘተ" ክፉት እዩ ክብል ይስማዕ።
ቅድሚ ሕጂ ፕሮፌሰር መረራ፡ ምስ መንግስቲ ኣብ ዝግበር ዘተ ክሳተፍ ከምዘይደሊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣነጺሩ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን፡ እንታይ ተቐይሩ ንዝብል ሕቶ ቢቢሲ፡ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ". . . ንኸም መርዓ ዝኣመሰለ ነገር ኣይኰነን ክንዕደም ንደሊ፡ ልዝብ ግን ኣቢና ኣይንፈልጥን" ኢሉ።
". . . ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባት ተኣኪቦም ይውዕሉ እዮም። ኣብዚታት ዘይንሳተፍ፡ ብዙሕ መኽሰብ ስለዘይብሉ እዩ፡ ካብ ዘተ ስለዝሃደምና ኣይኰነን፣ ናብቶም መድረኻት እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ክዛረብ እዩ ዝመፅእ። እቶም ዝተረፍና ከም ንፉዓት ተምሃሮ ሕቶታት ንሓትት እሞ ምላሽ ይህብ፣ ድሕሪኡ ንፍደስ።"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
'ፖለቲካ ናብ ጫካ ይሃድም ኣሎ'
"ፖለቲካ ኢትዮያ ናብ ጫካ ተደፊኡ'ዩ" ዝበል ፕሮፌሰር መረራ፡ ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ምጽባብ 'ፖለቲካዊ ሃዋህው' ዘስዐቦ ምዃኑ ይገልፅ።
"ፖለቲካዊ ሃዋህው እናጸበበ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ነቲ ፖለቲካዊ ቃልሲ በቲ ንደልዮ መንገዲ፡ ኵነታትን ደረጃን [ክንፍጽሞ] ኣይንኽእልን ኢና። ዝበዝሕ ግዜ፡ ዝእሰሩን ዝድፍኡን ደገፍትናን ኣባላትናን እዮም፤ ነቶም ዝእሰሩ ኣባላት ተቓወምቲ ምግቢ ንምቕራብ እውን ኣጸጋሚ እዩ።"
ንኣስታት 7 ዓመታት ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘይተገብረ እውን ጠቒሱ።
"ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ገለ ቦታታት ንንቀሳቐስ ነይርና። ሰባት ክውሕዙ ጀሚሮም ነይሮም፣ መንግስቲ ሰንቢዱ ይመስለኒ። ኣሽንኳይዶ ሰላማዊ ተቓውሞ፡ ሰባት ኣብ ገዛኦም ዝዀነ ነገር ክገብሩ ይፅገሙ ኣለዉ።"
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከባ ጨንፈር ኣብያተ ጽሕፈቶም፡ ምዕጻዉ ንምንቅስቓሶም ከም ዝዓገቶም እውን ገሊፁ።
ፕሮፌሰር መረራ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ቅድሚ ሽዱሽተ ወይ ሸውዓተ ዓመት፡ መብዛሕትኡ ጫካታት ኦሮሚያ ሰላማዊ እዩ ነይሩ። ከባቢታት ኣምሓራ ኣብ ከምዚ ዓይነት ተዅሲ ምሉእ ብምሉእ ኣይኣተወን ነይሩ። [ሕጂ ግን] ፖለቲካ ዝያዳ ግጭት ኰይኑ'ሎ" ክብል ወሲኹ ተዛሪቡ።
"ኣብ ፖለቲካዊ ስርዓት ተስፋ ዝሰኣኑ መንእሰያት ኣበይ ከምዘለዉ ፍሉጥ እዩ፣ ኣብ ገለ ቦታታት ብኣማኢት ኣሽሓት... ብጸቕጢ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ኣብ ኦሮምያን ኣምሓራን። እቲ ጸገም ናብኡ እዩ ዘምርሕ ዘሎ።"
ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን፡ ብረት ዘልዓሉ ዕጡቓት ጕጅለታት- ኦነግን ፋኖን- ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ዀይኖም፡ ኣብተን ክልላት ሰላምን ቅሳነትን ጠፊኡ፣ ህዝቢ ድማ ኣደዳ ጥይትን ድሮንን ኰይኑ ተባሂሉ ይግለፅ።
እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ኣብዚ ሻብዓይ ሃገራዊ መረጻ ክካየደሉ ትፅቢት ዝግበረሎ ዘሎ ዓመት፡ እቲ ብውዕል ፕሪቶርያ ደው ኢሉ ዝነበረ ደማዊ ኲናት ትግራይ'ውን፡ ዳግም ከይውላዕ ልዑል ስግኣት ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







