ህወሓት ካብ ዝዀነ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ተኣጊዱ- ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ

ኣርማ ህወሓት

ምንጪ ስእሊ, TPLF

ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ ውሽጢ ሽድሽተ ወርሒ ኣፍልጦ ዘለዎ ጠቕላላ ጉባኤ ከካይድ ብዘይምኽኣሉ፡ ሕጋዊ ጥሕሰት ፈፂሙ ብዝብል ንሰለስተ ወርሒ ዝዀነ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ከይገብር ኣጊዱ።

እቲ ሎሚ ዕለት 6 የካቲት 2017 ዓ.ም ዝወፅአ ደብዳበ፡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ዝተገብረ ኣኼባ ሃገራዊ ቦርድ መረፃ መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ዝሕብር ኰይኑ፡ እቲ ውድብ ብፍሉይ ኩነታት ካብ ዝምዝገብ ኣትሒዙ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዘለዎን ጠቕላላ ጉባኤ ከካየድ ዝተውሃቦ ተደጋጋሚ መተሓሳስብን መጠንቀቕታን ዕሽሽ ብምባል ሽድሽተ ወርሒ ከምዝሓለፎ ይገልፅ።

እቲ ውድብ ነቶም ጥሕሰታት ኣሪሙ፡ ብመሰረት ዓንቀፅ 18(2) ኣዋጅ መረፃ ፣ እቲ ኣዋጅ ስዒቡ ዝወፀ ደንብታት፣ ውሳነታትን ትእዛዛትን ቦርድን ኣኽቢሩ፣ ጉባኤ ንኽካየድ ዘድሊ ምድላዋት ንቦርድ ብፅሑፍ ምስ ሓበረ ጥራይ፣ እዚ እገዳ ክለዓል ከምዝኽእል'ውን እቲ ቦርድ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እንተዀነ፡ ህወሓት ኣብ ውሽጢ ዝቕፅሉ ሰለስተ ኣዋርሕ "ኣራሚ ስጉምቲ" እንተዘይወሲዱ፤ እቲ ቦርድ ምዝገባ እቲ ውድብ ንሓዋሩ ክስርዝ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

መበል 14 ጉባኤ ህወሓት

ምጅማር ኲናት ትግራይ ስዒቡ፡ 'ኣብ ጐነፃዊ ምንቅስቓስ ተሳቲፉ' ብዝብል፡ ካብ ሕጋዊ ፖለቲካዊ ውድብ ተሰሪዙ ዝፅንሐ ህወሓት፡ ብመሰረት ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2016 ዓ.ም (ግእዝ) ከም ሕጋዊ ውድብ ዝተመዝገበ ዀይኑ፡ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ክገብርን፡ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ጠቕላላ ጉባኤ ከካይድን ካብ'ቲ ቦርድ ተኸታተልቲ ደብዳበታት ከምዝተፅሓፎ ዝዝከር እዩ።

እቲ ብፍሉይ ብኢድኣእታውነት ሚኒሰተር ፍትሕን፡ ፖለቲካዊ ውሳነ መንግስቲ ፌዴራልን፡ መሊሱ ሕጋዊ ዀይኑ ዝተመዝገበ ውድብ፡ ከም ሓድሽ ሰልፊ ዘይኰነስ፡ 'ነባር ሕጋዊ ሰብነቱ ክምለሰሉ' ብምሕታት ኣብ መጀመርታ ነቲ ምዝገባ ኣይተቐበሎን ነይሩ።

እንተዀነ፡ ነቲ ምዝገባ ብዕሊ እንተዘይተቐበለ'ኳ፡ እቲ ብደብፅዮን ገ/ሚካኤል [ዶ/ር] ዝምራሕ ፍንጫል፡ ብናይ ባዕሉ ሓፈሻዊ ኮሚሽን ቁፅፅር ኰነ ብቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ዘይረኸበ ኣብ 13 ነሓሰ 2017 ዓ.ም [ግእዝ] ጠቕላለ ጉበኤ ምክያዱ ዝዝከር እዩ።

ኣፍልጦ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዝሰኣነ ጉባኤ ህወሓት፡ ነቶም ንዓርሶም ዘግለሉ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝርከቦም ኣባላት ማእከለይ ኮሚቴ ካብ ኣባልነት ብምእጋድ፡ ሓደስቲ መራሕቲ መሪጹ ዛዚሙ ነይሩ።

እቲ ብደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ወገን ህወሓት ዘካየዶ "መበል 14 ጉባኤ" ሕጋዊነት ዘይብሉ ምዃኑ ብምግላፅ፡ ዝተውሃቦ ናይ ሽድሽተ ወርሒ ናይ ግዜ ገደብ ከይሓለፈ ሕጋዊ ጉባኤ ከካይድ ፡ እቲ ቦርድ ብ17 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ኣጠንቂቑ ምንባሩ ጠቒሱ ኣሎ።

እቲ ኣብ መንጎ ብደብረጽዮን ገ/ሚካኤልን [ዶ/ር] ኣቶ ጌታቸው ረዳን ዝምርሑ ክልተ ጉጅለታት ህወሓት፡ ጉባኤ ዘካየደን ዘየካየደን ብዝብል ዝቐፀለ ፖለቲካዊ ወጥሪ እናዓረገ ዝመፅአ ዀይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተመታት ትግራይ ክልቲኦም ክንፊታት ነናይ ርእሶም ሹመት ክህቡን ህዝባዊ ግልጋሎት ክሰናኸልን ተስተውዒሉ ፀኒሑ።

እቶም ዘይሻራዊ መርገፂ ሒዞም ክቕፅሉ ትፅቢት ዝግረበረሎም ዝነበረ 'ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ'፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብ'ጥልመት' ብምኽሳስ፡ ነቲ 'ጉባኤ ዘካየደ ክንፊ ኢና ንድግፍ' ብዝብል ዘውፅእዎ መግለፂ ስዒቡ፡ እቲ ፖለቲካዊ ወጥሪ ናብ ጐንፂ ከየምርሕ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

ደብረፅዮንን ፈትወርቅን

ምንጪ ስእሊ, TPLF

እዚ ከምዚ እናሃለወ እዩ፡ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ሕጋዊ መስፈርታት ዘየማለአን፡ ግቡእ መስርሕ ዘይተኸተለን ምዃኑ ደጊሙ ብምርግጋፅ፡ እቲ ውድብ ኣብ ውሸጢ ሰለስተ ወርሒ ጌግኡ ኣሪሙ ደብዳበ ክጽሕፍን፡ ተዓዘብቲ እቲ ጉባኤ ኣብ ዝተረኽብሉ ሕጋዊ ጠቕላላ ጉባኤ ከካይድን ወሲኑ ዘሎ።

ደማዊ ኲናት ትግራይ ስዒቡ፡ ህወሓት ብሃገራዊ ባይቶ እታ ሃገር ከም ጉጅለ-ግብረ ሽበራ ተበይኑ ዝፀንሐ ዀይኑ፡ ብውዕል ፕሪቶርያ መሰረት ሰለማውን ሕጋውን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ክገብር ብዝብል 22 መጋቢት 2023 እቲ ብይን ከምዝተልዓለለ ዝዝከር እዩ።