ልእኽቲ እስራኤል ካብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ተሰጕጓ

ምንጪ ስእሊ, @WALLANEWS
ልኡኽቲ እስራኤል ሻሮን ባር-ሊ፡ ካብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ተሰጒጓ።
ንሳ ንእስራኤል ክትውክል ፍቓድ ስለ ዘይተዋህባ ካብቲ ጉባኤ ክትወጽእ ከም ዝተገብረ ወሃቢ ቃል ሕብረት ኣፍሪቃ ገሊጹ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርገሐ ቪድዮ፡ እታ ልእኽቲ ካብቲ ዋዕላ ብሓይልታት ጸጥታ ተሰንያ ክትወጽእ የርእይ።
ወሃቢ ቃል እስራኤል ድማ ንምስጓግ እታ ሚኒስተር፡ ንሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃን ኣልጄርያን ነቒፉ።
እስራኤል ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘለዋ ቦታ ምኽንያት ክትዕ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።
መኽፈቲ ዓመታዊ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሳለጠሉ እዋን ሓደ ኣባል ጸጥታ ናብታ እስራኤላዊት ልእኽቲ ቀሪቡ ከዘራርባ ኣብቲ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ይረኣይ።
ድሕሪኡ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ምክትል ዳይረክተር ጀነራል ዝዀነት ባር-ሊ በቲ ኣባል ጸጥታ ተዓጂባ ወጺኣ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ሊዮር ሓያት ‘‘ ኣምባሳደር ሻሮን ባር-ሊ፡ ናይ ተዓዛባይ ፍቓድን መእተዊ ካርድን እናሃለዋ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ዝካየድሉ ኣዳራሽ ክትወጽእ ዝተገበረሉ ኲነት፡ እስራኤል ብጽኑዕ እያ እትምልከቶ’’ ክብል ምግላጹ ታይምስ ኦፍ እስራኤል ጸብጺባ።
ኣብ ድሕሪት እቲ ፍጻመ ኣልጄርያን ደቡብ ኣፍሪቃን ምህላወን ዝሓበረ እቲ ወሃቢ ቃል ‘‘ብጽልኢ ተደፊአን’’ ነቲ ተግባር ፈጺመን ክብል ነቒፉ።
ኣፈኛ ሕብረት ኣፍሪቃ ግና ወ/ሮ ባር-ሊ ከይተዓደመት ከም ዝኣተወትን ‘‘ክትወጽእ ከም ዝተሓተተትን’’ ብምሕባር እቲ ዕድመ ንኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣለሊ ኣድማሱ ከም ዝነበረን ንካልእ ሰብ ኣሕሊፍካ ምሃብ ከም ዘይከኣልን ምግላጹ ወኪል ዜና ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።
ኣብ 2021 ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሃማት ንእስራኤል ናይ ተዓዛብነት ቦታ ዝሃበ ኰይኑ፡ ፍልስጤማውያን ኣፍሪቃ ደጊማ ትሓስበሉ ብምሕታቶም ነቲ ጉዳይ ዝርእይ ኮሚቴ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተጣይሹ እዩ።
ነቲ እስራኤል ዘቕረበቶ ክሲ ዝነጸገ ወሃቢ ቃል ደቡብ ኣፍሪቃ ቦታ ተዓዛብነት እስራኤል ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ገና ዕልባት ኣይረኸበን ምባሉ ሮይተርስ ገሊጹ።
እቲ ክለይሰን ሞንየላ ዝተባህለ ደቡብ ኣፍሪቃዊ በዓል ስልጣን "ሕብረት ኣፍሪቃ ንእስራኤል ናይ ተዓዛብነት ቦታ ንሃባ'ዶ ኢሉ ክሳብ ዝውስን፡ እታ ሃገር ኣትያ ክትዕዘብ ኣይትኽእልን’’ ኢሉ።
ካብ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ እስራኤል ምስ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዋ ርክብ ክተሐይል ጻዕሪ ትገብር ኣላ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ፕረዚደንት ቻድ ኢድሪስ ደቢ ኢታኖ፡ ኣብ ቴል ኣቪቭ ኤምባሲ ንምኽፋት ኣብ እስራኤል ተረኺቡ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







