ዝተረስዐ ህልቂት፡ ‘ስለ ምንታይ'ዮም ቀቲሎምና?’

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
“ንምንታይ ክቐትሉና ደልዮም? ስለ ምንታይ ቀቲሎምና?” ይብል ወዲ 83 ዓመት ውጻእ መዓት ህልቂት ሮማ ሂንታ ጌዮርገ።
እዋኑ፡ ካብ 1941 ክሳብ 1944 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም እዩ።
ኣብ ሞንጐ ሩባታት ዲኒስተርን ባግን ዝርከብ ግዝኣት ትራንስኒስትርያ ድማ ብንግስነት ሮማንያ ይመሓደር ነይሩ።
ሽዑ፡ ሂንታ ናብ ካምፕ ክውሰድ እንከሎ ጌና ወዲ ክልተ ዓመት ቈልዓ ነይሩ።
ንሱ፡ ብመንገዲ ጓል ሓፍቱ ኢዛቤላ ቲቤርያደ ኣቢሉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ኣብ ኩሉ ህላወይ ጸገም ዝገደፈለይ ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባ እቲ ጉዕዞ ንባዕሉ ብዙሕ ዝኽርታት የብለይን” ኢሉ።
ብሰንኪ ፖሊሲ ምጽናት ዓሌት ናዚ ኣስታት 11 ሚልዮን ሰባት ተቐቲሎም’ዮም።
ካብዚኦም እቶም ሓሙሽተ ሚሊዮን ኣይሁዳውያን ዘይኰኑ እዮም።
ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ ኣብቲ ህልቂት ካብ 250 ሽሕ ክሳብ 500 ሽሕ ሮማን ሲንቲን ከም ዝተቐትሉ ይገልጹ።
እዞም ግዳያት ግን ብዓቢኡ ተረሲዖም ይርከቡ።

ምንጪ ስእሊ, Delfin Lakatosz
ናዚያውያን፡ ጀርመናውያን ኣርያውያን እዮም፤ ስለዚ ድማ “ልዕለ ዅሉ ዓሌት ኢና" ኢሎም ይኣምኑ ነበሩ።
ገሊኦም ሰባት ብሰንኪ መንነቶም፣ ብጀነቲካዊ ወይ ባህላዊ መበቈሎም፣ ወይ ኵነታት ጥዕናኦም ብመዐቀኒታት ናዚ ተደለይቲ ኣይነበሩን።
እዚኦም ድማ ኣይሁድ፣ ኤዥያውያን (ጂፕሲስ)፣ ፖላንዳውያንን ተዛረብቲ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ኤውሮጳ ዝዀኑ ስላቭን ከምኡውን ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ስንክልና ዘለዎም ሰባት ይርከብዎም።
ካልኦት ግዳያት ድማ መሰኻኽር የሆዋ፣ ኣፍቀርቲ ሕደ ጾታ፣ ተቓወምቲ ኣቕሽሽቲ፣ ኮሚኒስት፣ ሶሻሊስት፣ ‘ኢማሕበራውያን’ (ናዚ ምስ ማሕበራዊ ስርዓታት ዘይሰማምዑ ጕጅለ ሰባት ንምምዳብ ዝጥቀሙሉ ቃል'ዩ) ከምኡውን ካልኦት ፖለቲካዊ ጸላእቲ ነይሮም።
መዓስከራት ሞት
"ኣደይ ኣብተን ናይ ከብቲ ባቡራት ኣብ ዝነበረ ጉዕዞ ደቃ ስኢና’ያ፤ ዋላ'ውን ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት፡ ኩሉ ተዘክሮ ጥራይ ኰይኑ ኣብ ዝተረፈሉ ገለ ክፋል ኣካላታ ንዘልኣለም ኣብኡ ዝጸንሐ ይመስለኒ" ይብል ጌዮርገ።
"ኣብቲ መዓስከር ቅድሚ ምብጻሕና'ውን እንታይ ይፍጸም ከም ዝነበረ ተረዲእናዮ ኢና። ብዙሓት ኣብ መንገዲ ሞይቶም። ከብቲ ንምጉዕዓዝ ኣብ ዝተዳለዋ ንኣሽቱ ባቡራት ብዙሓት ሞይቶም እዮም።"
ኣብ ወርሒ ሰነ 1936 ዓ.ም፡ ናዚ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት 'መኸተ ኣንጻር ዕግርግር ጂፕሲ' ኣጣይሹ።
እቲ ኣብ ሙኒክ ዝተጣየሸ ቤት ጽሕፈት፡ ኣብ ልዕሊ ሲንቲን ሮማን ንዝተኻየደ "ውጽኢት ዓሌታዊ-ስነ-ህይወታዊ መጽናዕቲ ክግምግም" ሓላፍነት ተዋሂብዎ ነይሩ።
ኣብ 1938 ዓ.ም ክኣ፡ ሲንቲን ሮማን ናብ መዳጐኒ መዓስከራት ክዳጐኑ ጀሚሮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ልክዕ ከም ኣይሁዳውያን ሲቪላዊ መሰሎም ተነፍገ። ህጻናት ሮማን ሲንቲን ካብ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ተኣጊዶም፣ ሰራሕተኛታት ድማ ስራሕ ክረኽቡ ኰነ ዝነበሮም ክዕቅቡ እናተጸገሙ ኸዱ።
ሮማ ዝበሃሉ፡ ሰበኽሳግም ህዝቢ ኰይኖም መበቆሎም ካብ ሰሜናዊ ምዕራብ ህንዲ ከም ዝዀነ ዝእመን ብዙሓት ቀቢላታት ወይ ሃገራት ዝሓቖፉ’ዮም።
መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ጀርመን ዝሰፈሩ ሮማውያን ድማ፡ ካብ ምድሪ ሲንቲ ምዃኖም ይግለጽ።
ንዘመናት ተሳቕዮም እዮም። ስርዓት ናዚ’ውን ንሮማውያን ከም ኢማሕበራውያንን ትሕቲ ጀርመናውያን ገይሩ ስለ ዝርእዮምን ነቲ ምግፋዕ ቀጸሎ።
"ዝግደሰልና ሰብ ኣይነበረን፤ እቲ ዝኸፍአ ግና ኣዝዮም ጸሊኦምና" ይብል ጌዮርገ።
ኣብ ኦሽዊትዝ ዝርከብ መዓስከር ጂፕሲ
ብ1943፡ ሰፊሕ ከባቢ ናይ መዓስከር ኦሽዊትዝ-ቢርከናው፡ ነቶም ዝተሰጉ ሲንቲን ሮማን መዳጎኒ ኮነ።
ቁጽሪ እሱራት ኣስታት 23 ሽሕ ከም ዝነበረ ይግመት።
ብዙሓት፡ ግዳይ ሕክምናዊ ፈተነታት ክኾኑ እንከለው፡ ካልኦት ድማ ብድኻም ሞይቶም ወይ ኣብቲ ናይ ጋዝ ክፍልታት ተቐቲሎም።
እቲ ካምፕ ኣብ ነሓሰ 1944 ፈሪሱ።
መብዛሕትኦም እሱራት ተቐቲሎም ወይ ናብ ካልእ መዓስከራት ተሰጋጊሮም።
ኣብ መወዳእታ ብውሑዱ 21 ሽሕ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ተቐቲሎም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሂንታ ጌዮርገን እቶም ብህይወት ዝተረፉ ኣባላት ስድርኡን ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ካብቲ መዓስከር ሞት ምስ ተመልሱ፡ ኣብ ሮማንያ ዝነበረ ኣባይቶም ዓንዩ ወይ ብኻልእ ሰብ ተታሒዙ ጸኒሑዎም።
"ሰብኣውነትና ገፊፎምዎ፤ እቲ ዝኸፍአ ግን ሕጂ’ውን ታሪኽና የሕድጉና ኣለው። ኣብዚ ግዜ እዚ ብዙሓት ቆልዑ እንታይ ከም ዘጋጠመ ኣፍልጦ የብሎምን። ደርፊ ናይተን እናደረፋን እናነብዓን ዝዝክርኦ ኣዴታቶም ጥራይ እዮም ዝሰምዑ።"
"ደርፍታትና ነቲ ኣብ ካምፕታት ዝነበረ ስቓይ፣ ነቲ ኣዕናዊ ዝነበረ ዘይትጻወሮ ኩነታት ዝሓዙ’ዮም። ሓመድ፡ ጥሜት፡ ቁሪ፡ ግቡእ መጽለሊ ዘይምርካብ፣ ቀስ እናበለ ናብ መሪር ሕማማት ዘምርሐ” ኩነታት ከም ዘዘንትው ይገልጽ።
ሱር ዝሰደደ ጽልኢ
ዶክተር ባርባራ ዋርኖክ፡ ኣላይት ኣብ ለንደን ዝርከብ ላዕለዋይ ቤተ መጻሕፍቲ ህልቂት ዊነር እያ።
እቲ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ጀርመን ዝነበረ ማሕበራዊ ምግላልን ሕጋዊ ሽፋን ዝተዋህቦ ኣድልዎን፡ ናዚ ንማሕበረሰብ ሮማ ዒላማ ንኽገብር ኣዝዩ ከምዘቕለሉ ትዛረብ።
"ኣብ መጀመርታ ከም ሓደ መልክዕ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝጸንሐ ጽልኢ ዝመልኦ ስጉምትታትን ኣተሓሳስባታትን እዩ ነይሩ። ናዚ ክኣ ኣብቲ ዝጸንሐ ሕጊ ተወሳኺ ይሃንጹ ነይሮም። ሮማ ክኣ ኣብ ውሽጢ ጀርመን ኣዝዩ ዝተገለለ ክፋል እዩ ነይሩ" ትብል።
ዶክተር ዋርኖክ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ብዛዕባ ህዝቢ ሮማ ወግዓዊ ሰነዳት ከም ዘይነበረ እውን ትሕብር።
"ብዛዕባ እቲ ቁጽሪ ብዙሕ ዘይርጉጽነት ኣሎ። ገሊኦም ኣብ መዓስከራት ሞት ተቐቲሎም፤ ብዙሓት ክኣ ብጃምላዊ ተኹሲ - ብፍላይ ኣብ ግዝኣታት ሶቭየት - ሞይቶም። ኣብቲ ጃምላዊ መጥቃዕቲ ሰራዊት ጀርመን ሓዊሱ፡ ኢንስትዝግሩፐን (ጋንታ ሞት ናዚ ጀርመን) ከምኡ'ውን ናይቲ ከባቢ ተሓባበርቲ ተሳቲፎም"።
ድሕሪ እቲ ኲናት፡ ብኡንብኡ፡ ብዙሓት ላዕለዎት ኣመራርሓ ናዚ ተታሒዞም ብወተሃደራዊ ኣብያተ ፍርድን ኣብ ቤት ፍርዲ ኑረምበርግን ተፈሪዶም።
ኣብዞም ክስታት ግን፡ ዋላ ሓደ ሕብረተሰብ ሮማ ብምቕታል ኣይተኸሰሰን።
ናዚ መብዛሕትኡ ግዜ "እቶም ዝኣሰሩዎም ህዝቢ ሮማ ገበነኛታት እዮም" ይብሉ ነይሮም።
ዝተሓደሰ ፍርሒ
ንጌዮርገ፡ ንሱን ማሕበረሰቡን ኣብታ ሃገር ከም ‘ወጻእተኛ’ ዘጋጠሞ ኣድልዎ፡ ኣብ ስርዓት ናዚ ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይነበረን።
ድሕሪ ውድቀት ሕብረት ሶቭየት፡ ጌዮርገ ካብ ሮማንያ ወጺኡ ናብ ጀርመን ከይዱ።
ኣብኡ ምስ ኣተወ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ግን፡ ኣብ 1992 ኣረሜናዊ መጥቃዕቲ ጽልኢ ወጻእተኛታት ኣጋጢሙዎ።
እዚ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1992 ብናዕቢ ሮስቶክ-ሊክተንሃገን ዝፍለጥ መጥቃዕቲ ኰይኑ፡ ካብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣትሒዙ ኣብ ጀርመን ዝልዓል ዝነበረ እቲ ዝኸፍአ ዓመጽ የማናውያን እዩ ነይሩ።
ኣኽረርቲ ኣብ እዋን እቲ ናዕቢ ንስደተኛታት ዒላማ ብምግባር፡ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ዝነብሩሉ ህንጻታት ኣእማን፡ ናይ ነዳዲ ቦምባታት ይድርብዩ ነይሮም።
"ተካኢ ናይቲ ክንድዚ ዝኣክል መከራ ዘምጽኡ ህዝቢ ተመሳሳሊ ተግባር ከፈጽሙ ምርኣይ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ደቅና ካብ ጽልእን ቁጥዐን ዝሓሸ ይግብኦም" ይብል ሂንታ ጌዮርገ።
ሓድሽ ወለዶ
ወለዶ ናይ'ቶም ዝተረስዑ ግዳያት እቲ ህልቂት፡ ኣብ ስቓይ ወለዶም ዘለዎም ተገዳስነት እናዓበየ መጺኡ ኣሎ።
ጓል ጓል ሓፍቲ ሂንታ ጌዮርገ ኢዛቤላ ቲቤርያደ፡ ስድራቤታ ብስነ ሓሳብ ኒዮ-ናዚ ዝተቓነየ ዳግማይ መጥቃዕቲ ኣብ ዘጋጠሞም እዋን'ውን ኣይተወልደትን ነይራ።
ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ ካልኣይ ኲናት ዓለምን ናዚን እኳ እንተተመሃረት፡ ስቓይ ሮማ ግን ከም ዝተገደፈ ትዛረብ።
ሕጂ፡ ኣብ ሮማንያ እያ ትነብር።
ፍትሒ ትደሊ ስለ ዝነበረት፡ ሰብኣዊ መሰላትን ኣህጉራዊ ሕግን ክትመሃር ወሰነት።
"ሓደስቲ ወለዶታት ክርድእዎ ዘይክእሉ ዛንታታት ይነግሩና ነይሮም" ክትብል ቲቤርያደ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
"ኣቦ ሓጐታተይ፣ ኣኮታተይን ካልኦት ብዙሓት ሰባትን ተመሳሳሊ ተመኩሮ ከም ዘለዎም ፈሊጠ። ሮማ ስለ ዝዀኑ ጥራይ ናብ መዓስከራት ሞት ተዳጒኖም። እቲ ሓድሽ ወለዶ ብዛዕባ እዚ ሓበሬታ የብሉን።፡ መንእሰያት ድማ ሳሕቲ’ዮም ምስ ሕሉፍ ህይወቶምን ሱሮምን ዝተኣሳሰሩ። ገሊኦም'ውን ሮማ ምዃን ኣዝዩ ጌጋ እዩ ኢሎም ይቖጽርዎ" ትብል።
ኢዛቤላ ቲቤርያደ ኣብ ሓደ Dikh he na bsiter (ርኣዩ፤ ኣይትረስዑ) ዝተባህለ ትካል መንእሰያት ሮማ ትሰርሕ።
እዚ ድማ ኣብ እዋን ናዚ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ሮማ ዘጋጠመ ወጽዓ ንምዝካርን ግንዛበ ንምፍጣርን ዝሰርሕ ትካል እዩ።
ቲቤርያድ መንእሰያት ሮማ ከምኡ'ውን ካልኦት ብዛዕባ ህልቂት ናዚ ዝያዳ ክፈልጡ ትደሊ።
በዚ ኣቢሉ፡ “ካልኦት ነቲ ዝመጽኣትሉ ሕብረተሰብ ተደናጋጽነት ክህልዎም ክገብር’ዩ ዝብል ተስፋ” ኣለዋ።
እዚ ንምጉልባት ዝገብሩ ኣህጉራዊ ጻዕርታት እውን ኣለው።

ምንጪ ስእሊ, Delfin Lakatosz
ኣብ 2015 ዝወጽአ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ሕጂ’ውን መሰል ህዝቢ ሮማ ዝግህስ ዘሎ ወገናውነትን ኣድልዎን ንምምካት ሓያልን ዝጭበጥን ፖለቲካዊ ተወፋይነት ክህሉ ጸዊዑ ነይሩ።
ባይቶ ኤውሮጳ እውን ብ2015፡ መዓልቲ ዝኽሪ ህልቂት ናዚ ሮማ ክህሉ ኣጽዲቑ።
ግዳያት ህዝቢ ሮማ እውን ኣብ መዓልቲ ዝኽሪ ናዚ ምስ ካልኦት ግዳያት ብሓባር ይዝከሩ።
"ብሓደ ለይቲ ብዙሕ ክንቅይር ኣይንኽእልን። ግዜ፡ ቆራጽነትን ብዙሕ ጻዕርን ይሓትት። ተቐባልነትን ምጽውዋርን የድልየና" ትብል ቲቤርያደ።
ወሲኻ፡ "ባህልናን ታሪኽናን ቋንቋናን ብሓባር ከነብዕል ኣለና። ብዛዕባ ንሓድሕድና [ሕማቕ ነገር] ምዝራብ ኣቋሪጽና ብሓባር ክንዘራረብ ኣለና” ኢላ።
ውጻእ መዓት ኣኮ ቲቤርያድ ሂንታ ጌዮርገ ሕጂ ኣብ ሮማንያ ክራይዮቫ ይነብር ኣሎ።
"ኩሎም መንእሰያት ሮማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ክኸቱን ንሕና ዘይከኣልናዮ ኩሉ ክመሃሩን ከፈጽሙን እደሊ” ክብል ተምኒቱ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







