ኢጣልያ፡ መበቈል ጥልያን ዘለዎም ሰባት ዜጋታት ክዀኑ ዘኽእል ሕጊ ኣመሓዪሻ

መበቈል ኢጣልያ ዘለዎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኢጣልያ መበቈል ጣልያን ዘለዎም ሰባት ፓስፖርት ክረኽቡ ዝሕግዝ ሕጊ ኣጽዲቓ።

ድሕሪ'ዚ ኣዋጅ፡ ቅድሚ 17 መጋቢት 1861 - ኢጣልያ ዝተፈጠረትሉ እዋን - ኣብ ኢጣልያ ዝነብር ዝነበረ ጣልያናዊ ኣቦሓጎ ዘለዎ ሰብ ብመሰረት እዚ 'ሕጊ ሓረግ ወለዶ' ዜጋ ክኸውን ብቑዕ እዩ።

እቲ ብሰሉስ ባይቶ ዘጽደቖ ዝተመሓየሸ ሕጊ፡ እቶም ፓስፖርት ኢጣልያ ንምርካብ ዘመልክቱ ሰባት ብትውልዲ ኢጣልያዊ ዝነበረ ሓደ ኣቦሓጎ ወይ እኖሓጎ ክህሉዎ ይጠልብ።

መንግስቲ፡ ኣብ መንጎ ኢጣልያን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታታን ምትእስሳር ንምምሕያሽ፡ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማን ምሻጥን ፓስፖርት ንምክልኻል፡ ዝተደናጐዩ መመልከቲታት ንምስላጥን ጸጋታት ናጻ ንምግባርን ነቲ ሕጊ ከም ዝቐየረ ገሊጹ።

ካብ መወዳእታ 2014 ክሳዕ መወዳእታ 2024፡ ብዝሒ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታት ብ40% ወሲኹ፣ ካብ ከባቢ 4.6 ምልዮን ናብ 6.4 ምልዮን ከም ዝበጽሐ መንግስቲ ገሊጹ።

ክሳዕ መወዳእታ መጋቢት፡ መንግስቲ ቀዳመይቲ ምኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒ ነቲ ሕጊ ኣብ ዘተኣታተወሉ እዋን፡ ዜግነት ንምርግጋጽ ልዕሊ 60,000 ኣብ መስርሕ ሕጋዊ ምጽራይ ነይሮም።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ፡ እቲ ለውጢ፡ ቆንስላዊ ኣገልግሎት ዝሓሸ ክኸውንን ጸጋታት ናጻ ንምግባር ዝሕግዝን ምዃኑ ገሊጹ። በዚ መንገዲ'ዚ፡ እቶም ኣገልግሎታት ኣብቶም ምስ ኢጣልያ ሓቀኛ ርክብ ዘለዎም ሰባት ጥራሕ ከተኵር ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶንዮ ታጃኒ፡ እቲ መሰረታዊ ሕጊ "ኣይጠፍእን" ድሕሪ ምባል፡ ኢጣልያዊ ዘርኢ ዘለዎም ሕጂ'ውን ዜጋታት ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ገሊጹ፣ "ፓስፖርት ኢጣልያ ብዘይግቡእ ኣብ ጥቕሚ ከይውዕል ወይ ከይሽየጥ ንምክልኻል ንጹር ገደብ ክግበር እዩ፡" ኢሉ።

"ዜግነት ብዕቱብ ዝርአ ጉዳይ ክኸውን ኣለዎ፡" ኢሉ።

መበቈል ጥልያን ዘለዎም ኤርትራውያን፡ እታ ሃገር ጣልያናዊ መበቈል ንዘለዎም ድርብ ዜግነት ክህልዎም ዘኽእል ኣብ 1992 ምስ ኣጽደቐት፡ ካብ ሽዑ ጀሚሮም ዜግነት ኢጣልያ ንምርካብ ይጽዕሩ ከም ዘለዉ ቅድሚ ሕጂ ሮይተርስ ጸብጺቡ ነይሩ።

እቲ ቀንዲ ጸገሞም፡ ኢጣልያዊ መበቈል ከም ዘለዎም ዘረጋግጽ ወግዓዊ ሰነድ ከቕርቡ ዘይምኽኣሎም ምዃኑ ድማ ይፍለጥ።