ደቂ ተባዕትዮ ኣብ መዓልቲ ክንደይ ግዜ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ይሓስቡ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ማሕበረሰባት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዕላል ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ልሙድ ኣይኰነን፤ እኳ ደኣስ ከም ነውሪ እዩ ዝቝጸር።
ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ምሕሳብ ከይተረፈ ዘሕፍሮም ገለ ሰባት ኣለዉ።
ስለዝዀነ ድማ ኣብ ማሕበረሰባት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣብ መዓልቲ ክንደይ ግዜ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ከምዝሓስቡ ንምርግጋጽ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ይኸውን።
ይዅን'ምበር ደቂ ተባዕትዮ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ብዙሕ ግዜ ከም ዝሓስቡ ንርዳእ ኢና።
ገለ ጸብጻባት፡ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሸውዓተ ካልኢት ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ከምዝሓሰቡ የመልክቱ።
ብዙሓት ሰባት ንነዊሕ እዋን እዚ ሓቂ ከምዝዀነ ክኣምኑ ስለዝጸንሑ፡ ሕጂ ዘይክጠራጠሩ ይኽእሉ።
እንተዀነ 'ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሸውዓተ ካልኢት ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ይሓስቡ እዮም' ዝብል ኣበሃህላ፡ ሓቂ ድዩ ወይስ ሓሶት? ሓዲኡ ምዃኑ'ኸ ብኸመይ ክነረጋግጾ ይከኣለና?
እዚ ኣሃዝ ሓቂ እዩ ኢልና ንእመን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሸውዓተ ካልኢት ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ምሕሳብ ማለት፡ ኣብ ሰዓት 514 ግዜ እዩ ዝኸውን ዘሎ። እዚ ድማ ኣብ እዋን ድቃስ ከይሓወሰ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣስታት 7,200 ግዜ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ንሓስብ ኣለና ማለት እዩ።
እዚ ብሓቂ ብዙሕ ድዩ? እወ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ይመስል። ኣብ ሓደ መዓልቲ ብዛዕባ ካልእ ዝኾነ ነገር ካብ ንሓስቦ ይዛይድ።
ስለዚ፡ ኣብዚ እነሆ ሓደ መሳጢ ሕቶ፤ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ብዝሒ ሓሳባት (ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ይኹን ካልእ) ከመይ ጌርና ክንቆጽሮ ንኽእል?
ክኢላታት ስነኣእምሮ፡ ሓሳባት ንምዕቃን ዝግበር ሳይንሳዊ ፈተነ 'ቅምሶ ተመኵሮ ምውሳድ' ይብልዎ። እዚ ሜላ እዚ፡ ሰባት ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ዝገብርዎ ንጥፈት ኣቋሪጽካ፡ ኣብቲ ዘለውዎ ቦታን ኣብታ ህሞት እቲኣን እንታይ ይሓስቡ ከምዘለዉ ክምዝግቡ ምሕታት የጠቓልል።

ምንጪ ስእሊ, Thinkstock
ካብ ኦሃዮ ስቴት ዩኒቨርሲቲ ቴሪ ፊሸርን መጽናዕታዊ ጕጅለኣን 'ክሊከርስ' ወይ ድማ ዝጥወቕ ፓድ ተጠቒሞም እዮም 'ቅምሶ ተመኵሮ ምውሳድ' ኣካይዶም።
እታ ጕጅለ ን283 ተምሃሮ ኮለጅ 'ክሊከርስ' ሂቦምዎም። እቶም ተምሃሮ ኣብ ሰለስተ ጕጅለታት ተኸፋፊሎም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ፡ ወይ መግቢ፡ ወይ ድቃስ ኣብ ዝሓስቡሉ እዋን ክጥውቑን ክምዝግቡን ተሓቲቶም።
በዚ ኣገባብ እዚ ድማ ሓደ ማእከላይ ሰብኣይ ኣብ መዓልቲ 19 ግዜ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ከምዝሓስብ እታ ጕጅለ መጽናዕቲ ክትፈልጥ ክኢላ። ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፋ ደቀንስትዮ ካብዚ ዝተሓተ ኣሃዝ ኣርእየን፤ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 10 ግዜ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ይሓስባ ነይረን።
ይዅን እምበር፡ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ብዛዕባ መግብን ድቃስን እውን ዝያዳ ሓሳባት ነይርዎም፤ እዚ ኸኣ ምናልባት ደቂ ተባዕትዮ ብሓፈሻ ዝያዳ ንዘይጽኑዕ ኵነታት ንዝምልከት ድፍኢት ከምዝዀኑ ይሕብር። ወይ ድማ ዝዀነ ዘይንጹር ስምዒት ከይተረፈ ከም ሓሳብ ክቖጽርዎ ዘሎ ተኽእሎኦም ዝለዓለ እዩ። ምናልባት እውን ገለ ውህደት ናይ ክልቲኡ ክኸውን ይኽእል።
እቲ መሳጢ ጉዳይ፡ እቲ ኣብ ቁጽሪ ሓሳባት ዝነበረ ዓቢ ፍልልይ እዩ።
ገለ ሰባት ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ጥራይ ከም ዝሓስቡ ክዛረቡ እንከለዉ፡ እቲ ዝለዓለ መልሲ ዝሃበ ሰብ ግን 388 ግዜ ከምዝሓሰቡ መዝጊቡ። ብፍላይ እቲ ዳሕረዋይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ደቓይቕ ጾታዊ ሓሳብ የአንግድ ነይሩ።
ይዅን እምበር፡ እቲ መጽናዕቲ ዘደናግር ረቛሒ ነይርዎ። እዚ ድማ 'ኣይሮኒክ ፕሮሰዝስ' ዝበሃል መስርሕ ኰይኑ፡ ብቐሊል ኣገላልጻ፡ ሰባት ብዛዕባ ዝዀነ ነገር ንኸይሓስቡ ክንገሮም እንከሎ፡ ክርስዕዎ ብዝፈተኑ መጠን ብዛዕባኡ ዝያዳ ክሓስቡ ዘሎ ተኽእሎ የመልክት።
ተሳተፍቲ እቲ መጽናዕቲ እውን እዚ ኵነታት ኣጋጢምዎም እዩ።
ብተመራመርቲ መጠወቒ ተዋሂብዎም ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ (ወይ መግቢ ወይ ድቃስ) ክሓስቡ እንከለዉ ጠዊቖም ክምዝግቡ እዮም ተሓቲቶም።
ነቲ መጠወቒ ኣብ ኢዶም ሒዞም፡ ኵሉ ግዜ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ከይሓስቡ ኣበርቲዖም ኣብ ዝጽዕሩሉ እዋን፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝሓስቡሉ እዋን ነቲ መጠወቒ ምጽቃጥ ከይርስዑ ኣበርቲዖም ክጽዕሩ ነይርዎም።
እቲ 388 ግዜ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዝሓሰብ ሰብ፡ ግዳይ ናይቲ ሜላ መጽናዕቲ ኰይኑ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።
ዊልሄም ሆፍማንን መሳርሕቱን ድማ ካልእ ኣገባብ ተጠቒሞም ተመሳሳሊ መጽናዕቲ ኣካይዶም።
እዚ ኣገባብ'ዚ፡ ዓበይቲ ወለንተኛታት ተሳተፍቲ'ቲ መጽናዕቲ ስማርትፎናት ክሕዙ ምግባር ዘጠቓልል ነይሩ።
እተን ስማርትፎናት፡ ንሓደ ሰሙን ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ግዜ ብዘይ መደብ ነቶም ተሳተፍቲ ምልክት ክህባ ዝተዳለዋ ነይረን።
ብሃንደበት ምልክት ክወሃቦም እንከሎ ድማ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝሓሰብዎ ነገር ክምዝግቡ ተሓቲቶም። እዚ ዝተገብረሉ ምኽንያት፡ እቲ ሓላፍነት ምዝካር ንመሳርሒ ብምሃብ፡ ኣእምሮ ተሳተፍቲ ዝያዳ ነጻ ክኸውን ዕድል ይህብ እዩ ዝብል ነይሩ።
እቲ ውጽኢት ምስቲ ካብ ፊሸርን መሳርሕታን ዝረኸብዎ ብቐጥታ ዝወዳደር ኣይነበረን። ምኽንያቱ ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዘመዝገቦ ቁጽሪ ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ግዜ ጥራይ እዩ።
እንተዀነ፡ ንጹር ዝዀነ ነገር እንተሃልዩ፡ ሰባት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሸውዓተ ካልኢት ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ይሓስቡ እዮም ዝብል ጽውጽዋይ ኣዝዩ ዝወሓደ ምዃኑ እዩ።
ተሳተፍቲ፡ ኣብ ፍርቂ ሰዓት ኣብ ኣስታት 4 ሚእታዊት ኣጋጣሚታት ጾታዊ ሓሳብ መዝጊቦም፤ እዚ ድማ ኣብ መዓልቲ ኣስታት ሓደ ግዜ ይኸውን፤ ምስቲ ኣብ መጽናዕቲ ፊሸር ዝተገልጸ 19 ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ትሑት እዩ።
ካብ መጽናዕቲ ሆፍማን እቲ ብሓቂ ዘሰንብድ፡ ጾታዊ ርክብ ኣብ ሓሳባት ተሳተፍቲ ብተዛማዲ ኣገዳስነት ዘይብሉ ምዃኑ እዩ።
ተሳተፍቲ ብፍላይ ክሳብ ሰዓት 5 ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ፡ ብዛዕባ መግቢ፡ ድቃስ፡ ውልቃዊ ጽሬት፡ ማሕበራዊ ርክብ፡ ዕረፍቲ ግዜን ቡንን ዝያዳ ከምዝሓሰቡ ኣመልኪቶም።
ቲቪ ምርኣይ፡ ኢመይልን ካልእ ዓይነት ማሕበራዊ መራኸቢታትን ምፍታሽ እውን ካብ ሓሳባት ጾታዊ ርክብ ዝዛይድ እዩ ነይሩ።
ብሓቂ ሓሳብ ጾታዊ ርክብ ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ማለት እውን ከባቢ ፍርቂ ለይቲ ጥራይ እዩ ዓብላሊ ኰይኑ፤ ኣብቲ ሰዓት'ቲ እውን እንተኾነ ድሕሪ ድቃስ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እዩ ተሰሪዑ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሆፍማን ዝተጠቐመሉ ኣገባብ እውን እንተዀነ ካብቲ 'ኣይሮኒክ ፕሮሰዝስ' ናጻ ኣይነበረን። ምኽንያቱ፡ ተሳተፍቲ ኣብ ገለ እዋን ኣብ መዓልቲ ነቲ ክሓስብዎ ዝጸንሑ ነገር ክምዝግቡ ከም ዝሕተቱ ይፈልጡ ነይሮም። እዚ ድማ ንገለ ሓሳባት ካብ መጠን ንላዕሊ ናብ ምእንጋድ ክመርሕ ይኽእል እዩ።
ብኻልእ ሸነኽ፡ ሰባት ምሉእ መዓልቲ ጾታዊ ሓሳባት ከም ዝነበሮም ምእማን ሕፍረት ክስምዖም ገይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ እዚ እንተዀይኑ ድማ እቶም ተሳተፍቲ ትሑት ጸብጻብ ኣቕሪቦም ክኾኑ ተኽእሎ ኣሎ።
ስለዚ፡ ዋላ'ኳ እቲ ሓደ ማእከላይ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሸውዓተ ካልኢት ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ይሓስብ እዩ ዝብል ጽውጽዋይ ብርእሰ እምነት ክንነጽጎ እንተኸኣልና፡ ብሓቂ ክንደይ ግዜ ንሓስብ ዝብል ግን ብርግጸኛነት ክንፈልጦ ኣይንኽእልን።
ምናልባት ኣብ መንጎ ሰባት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሓደ ሰብ ከከም ኵነታቱ ኣዝዩ ክፈላለ ይኽእል።
ሰባት ኣብ መዓልቲ ክንደይ ግዜ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ከምዝሓስቡ ንምዕቃን ዝግበር ጻዕሪ ድማ ኣብ ሓሳባት ለውጢ ከስዕብ ይኽእል።
ሓሳባት፡ ተፈጥሮኣዊ ኣሃዳዊ መለክዒ የብሎምን ዝብል ኣተሓሳስባ እውን ጥበብ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ። ሓሳብ፡ ከም ርሕቀት ብሴንቲሜተር፡ ሜተርን ኪሎሜተርን ክንዕቅኖ እንኽእል ጉዳይ ኣይኰነን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







