ደቀንስትዮ ስለምንታይ ቃንዛ ዝተሓወሶ ጾታዊ ርክብ ክጻወራ ይግደዳ?

ምንጪ ስእሊ, Rebecca Hendin / BBC Three
* እዚ ዛንታ ንገለ ሰባት ዘይምችእ መግለጺታት ዝሓዘ እዩ።
ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝወሃብ ጾታዊ ትምህርቲ ይዅን ኣብ ዕላላት ማሕበረሰብ ዝመሓላለፉ መልእኽትታት ዘመሳስሎም ነገር ኣሎ።
ጓል ኣንስተይቲ እንተዄንኪ ጾታዊ ርክብ ቃንዛ ኣለዎ።
ጾታዊ ርክብ ክትደምዪ እዩ ዝገብረኪ፤ እዚ እንተዘይኣኺሉኪ፡ ምናልባት ብጾታዊ ርክብ ብዝመሓላለፉ ሕማማት ክትሳቐዪ ኢኺ፣ ወይ ድማ ክትጠንሲ ኢኺ፡ እዚ ድማ ብቓንዛ ሕርሲ ዝዛዘም እዩ። ኣብ ቪድዮታት ሕርሲ እንርእየን ኣደታት ብኣውያት ዝናወጻ እምበር ብሓጐስ ዝተዓብላለ ኣይኰናን።
ኣወዳት ብዛዕባ ጥርዘውነ ክንገሮም እንከሎ፡ ኣዋልድ ስቕ ኢለን ንነብሰን ክድግፋ ይንገረን።
እዚ ድማ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ዘይምቹእ ስምዒታት ክትጽበ ኣለዋ ዝብል ሓሳብ ዘመልክት እዩ። እዚ ሓሳብ'ዚ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ርክብ ኣብ መጀመርታ ግዜ ጥራይ ዘይኰነስ ንዘልኣለም ገለ ቃንዛ ከምዘለዎ ክኣምና ገይሩ ይርከብ።
ብዙሓት፡ ኣካላት ፍርያት ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ ርሕሚ ብዝወጽእ ርእሲ ዕሸል ናብ ካልእ ነገር ክቕይር እንከሎ ብዘርእዩ ምስልታት ክጽመዱ እንከለዉ፡ ጾታዊ ርክብ ብኸመይ ባህ ዘብል ክኸውን ከምዝኽእል ግን ዝመሃረን ሰብ ዳርጋ የለን።
ጓል 24 ዓመት ጀስ፡ "ጾታዊ ርክብ ብዘይካ ቃንዛ ካልእ ክኸውን ከምዝኽእል ኣመት ኣይነበረንን" ትብል።
"ኣዝዩ ወጥሪ ስለ ዝስምዓኒ፡ ዝዀነ ሰብ ኣብ ውሽጠይ ክኣቱ ኣጸጋሚ ገይርዎ፤ እዚ ድማ ብዛዕባ ስምዒተይ ዝያዳ ክሓስብ ይገብረኒ ነይሩ። ጕድበ ንገለ ካልኢታት እንተተንኪፋ ጥርዘውነ ዝርከብ ይመስለኒ ነይሩ። እዚ ኣብ ጥርዘውነ ንኽበጽሕ እኹል ስለ ዘይነበረ፡ ኣባይ ዝዀነ ጌጋ ኣሎ ኢለ ሓሲበ። ጾታዊ ርክብ ከምዘቐንዝወኒ ተነጊሩኒ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ቃንዛ ስቕ ኢለ ተቐቢለዮ።"
ጀስ እቲ ቃንዛ ግድን ከምዘይኰነ ንኽትግንዘብ፡ ሓደ ትጉህ መጻምድቲን ከምኡ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ገለ ብውልቃ ዝገበረቶ ዳህሳስን ኣድልይዋ ነይሩ።
"ብሓቂ ሓሶት'ዩ" ድማ ትብል።
እዚ ዛንታ ኣብ ዝተዳለወሉ እዋን፡ ቭሎገር ሃና ዊተን ሓንቲ ካብተን ዕስራ ዓመት ዝዕድመኦም ዩትዩበራት እያ ነይራ። ንሳ እትርከቦም ዩትዩበራት ነቲ መድረኽ ተጠቒሞም ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ንደቂ ኣንስትዮ ብቕንዕና የዕልሉ ነይሮም።
"ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ቃንዛ ዝተሓወሶ ጾታዊ ርክብ ዝገብራሉ ምኽንያት ጾታዊ ርክብ ብባህሪኡ ቃንዛ ስለዘለዎ ኣይኰነን – ጽቡቕ ጾታዊ ርክብ ከመይ ገይርና ከም እንፍጽም ስለዘይተምሃርና'ዩ" ትብል ሃና ዊተን።
ብርግጽ ኣብ ገሊኡ ኵነታት፡ ቃንዛ ዘለዎ ጾታዊ ርክብ፡ ምልክት ከቢድ ጸገም ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።
ወሃቢት ቃል ሮያል ኮሌጅ ስነ-ወሊድን ሕክምና ማህጸንን ዝዀነት ስዋቲ ጃ፡ "ቃንዛ ርሕሚ ብሰንኪ ምጕሊ ወይ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማም፡ ኵምታረ ርሕሚ (ቫጂኒስመዝ) ወይ ብሰንኪ ላቴክስ ኮንዶም ወይ ሳሙና ዝመጽአ ቍጥዐ ክኸውን ይኽእል" ትብል።
"ኣብ ውሽጢ ጐሎ ዘጋጥም ቃንዛ ካብ ሕማም ጐሎኣዊ ነድሪ፡ ኢንዶሜትሪዮሲስ፡ ፋይብሮይድ ወይ ቍጥዐ መዓንጣ ክብገስ ይኽእል።"
ኣብ እዋን ወይ ድሕሪ ጾታዊ ርክብ ብዛዕባ ቃንዛ ዝጭነቕ ሰብ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪሙ ክኸይድ ወይ ናብ ክሊኒክ ጾታዊ ጥዕና ክበጽሕ ድማ እታ ክኢላ ትላቦ።
ግን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ግላስኮ ላዕለዋይ ተመራማሪት ዶክተር ኪርስቲን ሚቸል፡ "ንቃንዛ'ውን ምሉእ ዝርዝር ስነ-ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ምኽንያታት ኣሎ፡" ትብል።
ዶክተር ኪርስቲን ሚቸል፡ ደራሲት ናይቲ ኣብ 2017 ዝተኻየደ መጽናዕቲ እያ። ብመሰረት'ዚ መጽናዕቲ እዚ፡ ዳርጋ 10 ሚእታዊት ካብተን ካብ 16 ክሳብ 24 ዓመት ዝዕድመአን ጾታዊ ርክብ ዝፍጽማ ደቂ ኣንስትዮ ዓባይ ብሪጣንያ ብቐጻሊ ቃንዛ ዝተሓወሶ ጾታዊ ርክብ የጋጥመን። እዚ ቃንዛ እዚ ጾታዊ ርክብ ብቐጻሊ ንልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ወይ ልዕሊኡ ዘጋጥም እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Rebecca Hendin / BBC Three
"ሓንቲ መንእሰይ ከምቲ እትደልዮ ዓይነት ጾታዊ ርክብ ዘይትፍጽም እንተዀይና፡ ብግቡእ እንተዘይረሲና፡ ብዛዕባ እተስተማቕሮ ወይ ዘየስተማቐረቶ ነገር ክትዛረብ ርእሰ እምነት እንተስኢና፡ ሽዑ ጾታዊ ርክብ ቃንዛ ክህልዎ ይኽእል'ዩ።"
"መብዛሕትኡ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝያዳ ንርውየት ትሑት መሰል ከምዘለወን ኰይኑ ይስምዐን። ሓደ ሓደ ግዜ ጾታዊ ርክብ ቃንዛ ስለዘለዎ ንደቂ ኣንስትዮ ከምኡ'ዩ ኢለን ይሓስባ" ትብል እታ ዶክተር።
ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ተመራማሪት ሳራ ማክለላንድ፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ስለ ምንታይ ትሑት ጾታዊ ዕግበት ከምዘጋጥሞም ክገልጹ ሓቲታ።
እቶም ደቂ ተባዕትዮ ከም ስልቹዋትን ምላሽ ዘይህባ መጻምድትን ዝኣመሰሉ ነገራት ከልዕሉ እንከለዉ፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ግን ብተደጋጋሚ "ቃንዛ" ዝብል መልሲ እየን ሂበን።
ሓንቲ ናይዚ ተመኵሮ ዘለዋ፡ ሕጂ ድማ መሰል ርውየት ደቂ ኣንስትዮ ዳግማይ ከተሐይል ተስፋ እትገብር ጓል ኣንስተይቲ ኪም ሎልያ እያ። ኣሰናዳኢት ናይ ሓደ ናይ ኦንላይን ኣገልግሎት ጾታዊ ርክብ ዝዀነት ሎልያ፡ ዘይምቹእ ጾታዊ ርክብ ናይ ግድን ኣካላዊ ጸገም ዘይኰነስ፡ ናይ ቃላት ጸገም ምዃኑ'ያ ትኣምን።
"ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ቃንዛ ክስምዐን እንከሎ ቃንዛአን ክገልጻ ዘይክእላ ኰይኑ ክስምዐን ይኽእል እዩ፤ ጠንቂ ናይዚ 'ኣዋልድ ክረኣያ እምበር ክስምዓ የብለንን' ዝብል ሕብረተሰባዊ ትምህርቲ'ዩ" ትብል ኪም።
"ቃንዛ ምስ ዝብርኽ፡ ደቂ ኣንስትዮ መብዛሕትኡ ግዜ ገለ ጸገም ከምዘሎ ይሓስባ፡ እዚ ድማ ኣብ መጻምድተን ጽልዋ ከየሕድር ይሰግኣ። ጠንቂ እቲ ቃንዛ ባዕለን ከምዝዀና ይስምዐን፣ ብእኡ ድማ ይሓፍራ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ደቂ ኣንስትዮ መንቀሊ ቃንዛአን ኣካላተን ውሕስነት ዘይብሉ ብምዃኑ ከምዝዀነ ይስሕታ እየን።"
ዳግማይ ናይ ምቾትን ውሕስነትን ስምዒት ንምምስራት፡ መጻምድቲ ሓደ ስጕምቲ ንድሕሪት ክምለሱ ዶክተር ሚቸል ተተባብዕ።

ምንጪ ስእሊ, Rebecca Hendin / BBC Three




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







