ብማዕበል በጻሕቲ ዝዘቕበበት ከተማ መእተዊ ከተኽፍል ጀሚራ

ከተማ ቨኒስ

ምንጪ ስእሊ, Alamy

ፍሉጣት ከተማታት ዓለም፡ በጻሕቲ ንምስሓብ ዓቕመን ዘፍቅደለን ኩሉ ዓይነት መወዓውዒ ክገብራ ይራኣያ።

ንጽባቐአን ዝገልጽ ውቁብ ስእልታት፡ ፖስተራትን ኣብ ዝተሓትመ መጽሄታትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ምዝርጋሕ ንቡር ስራሕ ኣመሓደርቲ ከተማታት እዩ።

ኪኖ'ዚ ሓሊፈን'ውን ንዕዳጋ መወዓውዒ ሰልዲ እናሰልዓ ተፈላጥነተን ብምዕባይ ቱሪዝም ከማዕብላ ወትሩ ምስተንቀሳቐሳ እየን።

እዛ ዝበዝሐ ክፋላ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ዝተደኮነት ታሪኻዊት ከተማ ግን ብማዕበል በጻሕቲ ዘቕቢባ ዓቕላ ስለ ዝጸበባ ንክትረግጻ ጥራይ ክፍሊት ክትሓትትን ሰብ ከይኣትዋ ገንዘብ ከፊላ ከተወዓውዕን ተገዲዳ ትርከብ።

ኢጣልያዊት ከተማ ቨኒስ ብልዕሊ 100 ንኣሽቱ ደሴታት ዝቖመት ኰይና ብቅርስን ቅርጽን ህንጻታታን ስነጥበብን እትፍለጥ ኮኾብ በጻሕቲ ዓለም እያ።

እዛ ዳርጋ ኩሎም ጎደናታታ ከናለታት ማይ ዝዀነት ከተማ ፍሉጣት መራኽብ ዙረት (ክሩዝ) ከየላገስኣ ዘይሓልፋ ምዃና ይንገረላ።

ብዝሒ ነበርታ ኣስታት 55 ሽሕ ጥራይ'ኳ እንተዀነ፡ መዓልታዊ ኣስታት 100 ሽሕ ገያሾ ከም ዝበጽሑዋ ጸብጻባት የረድኡ። ዓመታዊ ኸኣ ኣስታታ 20 ሚልዮን በጻሕቲ ናብታ ከተማ ይውሕዙ።

ስለዚ ድማ'ያ ካብዚ ዓመት'ዚ ጀሚራ ነቲ ውሕጅ ገያሾ ንምግታእ መእተዊ ክፍሊት ክትሓትት ተገዲዳ ዘላ።

በቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ንፈለማ እዋን ን29 መዓልታት ዝተወሰነ ክፍሊት ዝተተባብዐት "ከተማ ከናለታት' ኣብ ዝመጽእ ዓመት ናይ ክፍሊት መዓልታት ከተናውሕ ምዃና ኣፍሊጣ'ላ።

ካብ 18 ሚያዝያ ክሳብ 27 ሓምለ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ኣቐዲሞም መእተዊ ትኬት ዝቖርጹ በጻሕቲ $4.41 ዶላር ክኸፍሉ፡ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ንዝቖርጹ ግን ልዕሊ ዕጽፊ ክኸፍሉ ክግደዱ እዮም።

ዓርቢን ቀዳመ-ሰንበትን፡ ከምኡ'ውን ህዝባዊ በዓላትን ካብቶም ብክፍሊት ናብታ 'ተንሳፋፊት ከተማ' ዝእተወሎም መዓልታት እዮም ክዀኑ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

በዚ መሰረት፡ ካብ 14 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሚኦም ብሞባይሎም ከፊሎም መረጋገጺ ፍሉይ ኮድ (QR) ብምጽዓን ኣብ ዝተሓተትሉ እዋን ከርእዩ ክግደዱ እዮም።

ኣብ ኣፍደገ እታ ከተማ ናይ ፍተሻ ነቚጣ (ኬላ) ክህሉ ግን ኣይኰነን።

ኣብ ክንድኡ፡ ተቖጻጸርቲ ኣብ ኣብ ማእከል ከተማ ኣብ ዝዀነ ቦታ፡ ኣብ መመላለሲ ጃልባታት፡ መዋፈሪ ባቡራትን ካልእ ህዝባዊ ቦታታትን ሃንደበት ከም ዝኸፍልኩም መረጋገጺ ክሓትኹም ይኽእሉ።

ከይከፈልካ እንተ ተተሓዝካኸ? ዝብል ሕቶ ከመጸኩም ይኽእል ይኸውን።

ምድጓን የለን! ግና ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክወሃብ ምዃኑ'ዮም ሰብመዚ እታ ከተማ ወጢኖም ዘለዉ።

ኣብቲ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ክሳብ ሓምለ ዝተኻየደ ፈተነ፡ እታ ከተማ ኣስታት 2.4 ሚልዮን ዶላር ብክፍሊት ኣታዊ ረኺባ።

እቲ 'ዘየተሓድር ኣየማሲ' ዘስምዕ ፖሊሲ ነቶም ከይሓደሩ ዝምለሱ በጻሕቲ ጥራይ ዒላማ ዝገበረ ኰይኑ፡ ኣብ ሆቴላትን መዕረፊ ኣጋይሽን መሕደሪ ክፍሊ ዝሓዙ ካብቲ ክፍሊት ናጻ'ዮም።

ከንቲባ ቨኒስ ሉዊጂ ብሩኛሮ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ስጉምቲ በጻሕቲ ኣብ ሓደ መዓልቲ ነታ ከተማ ከየዕለቕልቑዋ ንምግእታእ ዝዓለመ ኮይኑ "ንቨኒስ ዝግባኣ ክብሪ ዝህብ'ዩ" ይብል።

እንተዀነ፡ እቲ መስርሕ መሸጣ ትኬትን ነቲ ውጥን ንምውዕዋዕ ዝወጽአን ገንዘብ ማዕረ እቲ ኣታዊ ምዃኑን ዘይምዃኑን ከረጋግጽ ከም ዝደሊ'ዩ እቲ ከንቲባ ዝዛረብ።

እቲ ውጥን ዛጊት ሰለስተ ሚልዮን ዩሮ ከምዝወድአ ማዕከናት ዜና ኢጣልያ የመልክታ።

ተቓወምቲ ኣባላት ባይቶ እታ ከተማ ብወገኖም፡ እቲ ተበግሶ ከም ዝፈሸለን ንመዓልታዊ ዋሕዚ በጻሕቲ ክድርትን ከዛንቕን ከም ዘይክኣለ ይምጉቱ።

ካብ መእተዊ ክፍሊት ዝርከብ ኣታዊ ካብ 5 ሚልዮን ዩሮ ናብ 10 ሚልዮን ክብ ንምባል ዝወጽአ ውጥን ንቨኒስ ናብ ቤተመዘክር" ዝቕይር'ዩ ክብል ተቓዋሚ ኣባል ባይቶ ጂዮቫኒ ኣንድርያ ማርቲኒ ይነቅፍ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ትካል ባህልን ትምህርትን ሕቡራት ሃገራት፡ ዩኔስኮ፡ ኣብ መዝገብ ኣብ ሓደጋ ዝርከብ ዓለምለኻዊ ቅርስታት ክትኣቱ ኣለዋ ክብል ገሊጹ ነይሩ።

ክሊማዊ ለውጢ ዘንቀሎ ምዕልቕላቕ ማይን ማዕበል ቱሪዝምን ነታ ከተማ ናብ ክትወጾ ዘይትኽእል ሓደጋ የምርሓ ከም ዘሎ'ዩ እቲ ትካል ዘጠንቅቕ።

ኣብ 2021 እዋን፡ ዓበይቲ መራኽብ ዙረት (ክሩዝ) ከም ቀደመን ናብ ውሽጢ ታሪኻዊ ከርሲ እታ ከተማ ከይኣትዋ ምእጋደን ይፍለጥ። እቲ ውሳነ ሓንቲ መርከብ ኣብ ወደብ ናይታ ከተማ ድሕሪ ምግጫዋ'ዩ ተወሲዱ።

መራኽብ ዘስዕብኦ ብከላ'ውን ንመሰረት እታ ከተማ ይብሕጕጐ ከም ዘሎ ተሓለቕቲ ይምጉቱ።