ትሬቨር ኖዋ ደቡብ ኣፍሪቃ ንኸፋልጥ ክኽፈሎ ዝተሓሰበ 1.7 ሚልዮን ደላር ቁጥዐ ፈጢሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኮሜድያን ትሬቨር ኖዋ ደቡብ ኣፍሪቃ ማእከል ስሕበት ቱሪዝም ንኽትከውን ናይ ምውዕዋዕ ስራሕ ንኽሰርሕ 1.7 ሚልዮን ዶላር ንክኽፈሎ ዝቐረበ ሓሳብ ኣብታ ሃገር ቁጥዐ ፈጢሩ።
ሚኒስተር ቱሪዝም ደቡብ ኣፍሪቃ ፓትሪሽያ ዴ ሊሌ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ኣብ ዘስምዐቶ መደረ፡ ትሬቨር ኖዋ ኣብቲ 5 ደቒቕ ዝንውሓቱን ንደቡብ ኣፍሪቃ ዘላልይን ቪድዮ ንኽርከብ ገንዘብ ክኽፈሎ ከምዝተወጠነ ኣፍሊጣ።
ብዙሓት ኣባላት እቲ ባይቶ ድማ ነቲ ውጥን ተቓዊሞሞ። ናይ ህዝቢ ገንዘብ ከመይ ኢሉ ንትሬቨር ይኽፈሎ ዝብል ተቓውሞ’ዮም ኣልዒሎም።
ሚኒስተር ቱሪዝም ደቡብ ኣፍሪቃ ብወገና፡ እቲ ገንዘብ ካብ ህዝቢ ዘይኮነስ ካብ ናይ ቱሪዝም ቢሮ ናይ ውልቀ ንግዲ ካውንስል ዝርከብ ከምዝኾነ ገሊጻ።
እቲ ትካል ንሰብ ብርኪ ጉዕዞን ቱሪዝምን ደቡብ ኣፍሪቃ ዝውክል’ዩ።
ገለ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እቲ ውዕሊ ውጽኢታዊ ክኸውን ከምዘይኽእል ርእይቶም ይህቡ ኣለው።
ካልኦት ድማ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ብሕጽረት ገንዘብ ይቃለሱ ኣብዝርከቡሉ ግዜ ከምዚ ዝበለ ውዕሊ ምእታው ግቡእ ከምዘይኮነ ነቒፎም።
“መንግስቲ ኣብ ዘይረብሕ ነገር ገንዘብ ከባኽን ኣይንደልዮን ኢና። እቲ ይኹን እቲ ሓደ ዝምልከተና ጉዳይ ኣይኮነን።
"ሃገርና ኣብ ቅልውላው እያ ዘላ። ኤሌትሪክ የለን። ስራሕ የለን። ስለዝኾነ ንትሬቨር ኖዋ ከመይ ኣቢሉ 33 ሚልዮን ራንድ [1.7 ሚልዮን ዶላር] ይወሃቦ። ትሬቨር ኖዋ ንደቡብ ኣፍሪቃ እንታይ ገይሩ” ክብል ሓደ ወሃቢ ርእይቶ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጽሒፉ።
ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ሆሊዉድ ዓብይ ዝና ዝወነነ ትሬቨር ኖዋ መወዓውዒ እንተሰሪሑ ኣብ ቱሪዝም ደቡብ ኣፍሪቃ ኣሰተዋጽኦ ከምዝህልዎ ተኻቲዑ።
ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ዜግነት ደቡብ ኣፍሪቃን ስዊዝን ዘለዎም ትሬቨር ኖዋን ሮጀር ፌደረርን ብሓባር ኮይኖም ስዊዘርላንድ ማእከል ስሕበት በጻሕቲ ዓዲ ንኽትከውን ዘኽእል ናይ ምውዕዋዕ ስራሕ ክሰርሑ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







