'ፌስቡክ ምስ ከፈትኩ፡ ሬሳ ኣቦይ ርእየ'

ምንጪ ስእሊ, FISEHA ADUGNAW MINTESNO
ሕዳር 2018 ተማሃራይ ዩኒቨርሲቲ እዩ ነይሩ። ሃንደበት ፌስቡክ ምስ ከፈተ ሬሳ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣቡኡ ረኣየ።
ካብዚ ንላዕሊ ዘስካሕክሕ እንታይ ኣሎ? ሞቲ ደረጀ፡ ሽዑ ወዲ 19 ዓመት ጥራይ እዩ ነይሩ።
"እንታይ’ሞ ክብለኩም፡ በቃ ፈዚዘ ተሪፈ”ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ካብ ሽዑ ጀሚራ ኢትዮጵያ ኣብ ዕግርግር እያ ትርከብ። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሰላም የለን። ነዚ ስዒቡ: ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘስካሕክሑን ዘደንጽዉን ምስልታት ክጥቅዑ ልሙድ እዩ።
ባእስን ጎንጽን ዝጽሕትሩ መልእኽትታት’ውን ኣብኡ ይዝርግሑ እዮም። ብዙሓት እቲ መልእኽቲ ‘እወ ኣይፋልን’ ክብሉ ይካትዑ። ሕነ ንምፍዳይ እዩ ዘለዓዕል።
ደለይቲ ፍትሒ፡ፌስቡክ ሓደገኛ መልእኽትታት ብእዋኑ ከወግድ ምሕጽንታ ኣየቋረጹን። ፌስቡክ ግን ኣይሰምዐን። ወይ ድማ ኣይግድሶን ነይሩ።
ንኣብነት፡ ሞቲ ደረጀ ሬሳ ኣቡኡ ኣብ ፌስቡክ ርእዩ እቲ ዛንታ ኣብኡ ደው ኣይበለን። ካልኦት ብዙሓት ሰባት ኣብ ፌስቡክ ስእሊ ኣቡኡ ይጥቅዕዎ ከምዘለዉ ከየስተብሃለሉ ኣይተረፈን። ተመሳሳሊ ምስሊ ንመዓልታት ብሰፊሑ ተዘርጊሑ።
ኣብኡ፡ ኣቦ ሞቲ ኣባል ባይቶ እዩ ነይሩ። ኣመሓዳሪ ዩኒቨርሲቲ እውን ነይሩ። ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ናዕቢ ምስ ተላዕለ ፖለቲካዊ ቅንጸላ ተገይሩሎም። ኣብቲ እዋን፡ እቲ ከባቢ እቲ ብዙሕ ቅትለታት ዝፍጸመሉ ቦታ እዩ ነይሩ።
“ኣቦይ ምስ ቀተሉ ዝስዕስዑ ዝነበሩ ይመስሉ። ከምኡ ምርኣይ ኣዝዩ ዘሕምም እዩ” ይብል ሞቲ።
ሞቲ ካብ ዝረኣዮም ዘስካሕክሑ ምስልታት ቢቢሲ 15 ክዕዘብ ክኢሉ። ነዚ ምስልታት ከወግድ ድማ ንፌስቡክ ደጋጊሙ ለሚኑ።
ብመሰረት ሕጊ ፌስቡክ፡ ከምዚ ዓይነት ምስሊ ብስድራቤት እንተተሓቢሩ ብቕልጡፍ ይእለ እዩ። ብተግባር ግን እዚ ኣይተፈጸመን።
"ፌስቡክ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ኣይግደስን"

ምንጪ ስእሊ, FISEHA ADUGNAW MINTESNOT
ሞቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሬሳ ኣቡኡ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ረኣየ፡ እቲ ስእሊ ክእለ እንተሓተተ’ኳ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት’ውን እንተዀነ፡ ኣብ ፌስቡክ ከምዘሎ ገሊጹ።
ገለ ምስልታት ጥራይ እዮም "እዚ ምስሊ ዝርብሽ እዩ" ዝብል መጠንቀቕታ ዘለዎም።
“ሓድሓደ ግዜ ኣዝየ ስለ ዝጭነቕ ስም ኣቦይ ኣእትየ እደሊ። ኣእምሮይ ብእኡ ተረቢሹ ክኸውን ኣለዎ” ይብል ሞቲ።
ቢቢሲ ኣብ ጉዳይ ሞቲ ርእይቶ ክህብ ንወናኒ ፌስቡክ ሜታ ሓቲቱ፡ መልሱ ድማ እቲ ምስሊ ኣንጻር ፖሊሲ ፌስቡክ እንተዘይኮነ’ኳ፡ ስድራቤት እንተሓቲቶም ከምዚ ዓይነት ምስልታት ይእለዩ እዮም ዝብል እዩ።
ሕጂ ድማ ስእሊ ሬሳ ኣቦ ሞቲ ተዘርጊሑ ኣሎ።
ዋላ እኳ ፌስቡክ ሓደ ስድራ እንተተወኪስዎ ይኣሊ እየ እንተበለ፡ ሜታ ግን ነዚ ንምግባር ግቡእ መገዲ ኣየቐመጠን።
ሜታ ግን ከምዚ ዓይነት ኩነታት ምስ ዘጋጥም ስድራ ዝሕብርሉ መንገዲ የዳሉ ከምዘሎ ይዛረብ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ መድረኻት፡ ከምዚ ዓይነት ትሕዝቶ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።
ብፍላይ ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ናብ ሰባት ዝመፅእ ዘስካሕክሕ ምስሊ ብዓቢኡ ወሲኹ እዩ።
ኣብ 2011፡ ተቖጻጻሪ ቦርድ ፌስቡክ፡ እቲ ኩባንያ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝፍጠር ግጭታት ዘስፋሕፍሕ ናይ ጽልኢ ዘረባ ‘ ዘርጊሑ ዶ ኣይዘርገሐን’ ዝብል፡ ብናጻ ኣካል ክምርመር ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ይኹን እምበር እዚ መፅናዕቲ ኣይተገበረን። ቢቢሲ፡ ንሜታ ካምፓኒ ዝቐረቡ ለበዋታት ንምንታይ ኣብ ግብሪ ከምዘይወዓለ ሓቲቱ።
ውፅኢታዊነት ከምዚኦም ዝበሉ ገምጋማት ይርአ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላፅ ፡ እቲ ወሃቢ ቃል ቅድሚ ሕዚ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰሩ ገምጋማት ከምዝተገበረ ጥራሕ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሜታ ብኽልተ ኢትዮጵያውያን ተኸሲሱ ነይሩ።
ከሰስቲ፡ ፌስቡክ ዝጥቀመሉ ናይ ኢንተርነት ኣልጎሪዝም ጽልእን ግርጭትን ከም ዝዝርጋሕ ገይሩ፤ ንሳቶም ድማ ከም ዝተጎድኡ እዮም ዝገልጹ።
ብኣንጻሩ ሜታ ኣብ ምቁጽጻር ትሕዝቶ ብዙሕ ጻዕሪ ከም ዝገብር ይገልጽ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኢላ ፋክት ቼክ ሮሆቦት ኣያሌው፡ እቲ ኩባንያ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ክሳብ ክንደይ ከምዝበጽሐ ኣብ ሕቶ ኣእትዩዎ።
"ብወገነይ እቲ ትካል ብዛዕባ ኢትዮጵያ ብዙሕ ዝግደስ ኣይመስለንን" ይብል።
“እቲ ኩባንያ ንኢትዮጵያ ቆላሕታ ሂቡዋ ይብል። ክሳብ ክንደይ ኣቓልቦ ከም ዝሃበ ግን ኣይንፈልጥን፤ ግደ ሓቂ መርመርቲ ትሕዝቶ ካብ ኬንያ እምበር ካብ ኢትዮጵያ ኣይኮኑን ዝሰርሑ ዘለዉ።”
ሓደገኛ ትሕዝቶ ካብ ፌስቡክ ክእለ ነዊሕ ግዜ ከምዝወስድ እውን ኣብሪሁ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
"ቁጥዐ ዘለዓዕል"
ሮሆቦት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተጠቐዐ ዝኾነ ቪድዮ ይጠቅስ።
እቲ ቪድዮ ተወላዲ ትግራይ ብህይወቱ ክቃጸል ዘርኢ እዩ።
"መጀመርታ፡ እቲ ነቲ ትሕዝቶ ዝከታተል ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ስርዓት፡ ነቲ ቪድዮ ባዕሉ ከውጽኦ ነይርዎ" ይብል ሮሆቦት።
“ሓበሬታ ምስ ቀረበ እውን፡ ቀልጢፉ ክለዓል ነይርዎ፤ እቲ ቪድዮ ግን ንሓያሎ ሰዓታት ጸኒሑ።”
ወሃቢ ቃል ሜታ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ፌስቡክን ኢንስታግራምን እንታይ ይፍቀድን ዘይፍቀድን ዝብል ጽኑዕ መምርሒ ከምዘለዎም ገሊጹ።
ጽልኢ ዝመልኦ ዘረባን ኣካታዒ ትሕዝቶን ኣንጻር ሕጊ ስለዝኾነ፡ ከምዚ ዓይነት ትሕዝቶ ንምእላይ ኣብ ሓይሊ ሰብን ቴክኖሎጂን ብዙሕ ወፍሪ ይገብሩ ከምዘለዉ ጠቒሱ።
"ኣብዚ፡ፍልጠትን ክእለትን ዘለዎም ሰራሕተኛታት ቆጺርና፡ ሓደገኛ ትሕዝቶታት ንምቁጽጻር ብሰፊሑ ዝዝረቡ ቋንቋታት ሃገርና ከም ኣምሓርኛ፡ ኣፋን ኦሮሞ፡ ትግርኛን ሶማልኛን - ዓቕምና ንምምዕባል ጻዕርታት ምግባር ቀጺልና ኣለና።"
ናብ ዘስካሕክሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣቓልቦ ህዝቢ ንምስሓብ ጽቡቕ እኳ እንተኾነ፡ ከምዚ ዓይነት ትሕዝቶ ንገለ ውልቀሰባት ወይ ጉጅለታት ብምውቃስ ቁጥዐ ከለዓዕል ይኽእል እዩ።
ካብዚ ሓሊፉ እቲ ትሕዝቶ ብኣሽሓት ወይ ብሚልዮናት ኢትዮጵያውያን ስለ ዝረአ፡ ኣዕናዊ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል እዩ።
ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዓበ ኩናት ትግራይ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ብዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ዝተዛዘመ ይመስል።
ብሰንኪ እዚ ኲናት፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝሞቱ ዝግመት ኮይኑ፡ ዝበዝሑ ሞት ምስ ቅትለት ዝተኣሳሰር፣ ጥምየትን ሕጽረት ሕክምናን ከም ዝሞቱ ይግመት።
ኲናት ትግራይ ጠጠው እንተበለ ‘ኳ፡ ክልል ኦሮምያ ግን በቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ናዕቢ ይናወጽ ኣሎ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብተደጋጋሚ ዝረአ ዘደንጹ ጥቃዓት፡ ንዕርቂን ምርግጋእን ዕንቅፋት ክፈጥር ከምዝኽእል ደለይቲ ፍትሒ ይሰግኡ።
“ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝልጠፍ ትሕዝቶ ክኣምኑ ይኽእሉ፤ ስለዚ፡ ሰፊሕ ኣሉታዊ ምስልታት ንመስርሕ ሰላምን ዕርቅን ብርግጽ ከጓትቶ ይኽእል እዩ” ይብል ሮሆቦት።
ሕጂ ወዲ 23 ዓመት ዝኾነ ሞቲ፡ ኣብ ስእልን ቪድዮግራፊን ሞያ ብምስዓብ ርጉእ ህይወት ክሕሉ ይጽዕር ኣሎ፡ ብዛዕባ ሕሉፍ ህይወቱ ዝገልጽ ሰነዳዊ ፊልም ድማ የዳሉ ኣሎ።
"ነቲ ዘጋጠመኒ መሰረት ብምግባር፡ ናይ ገዛእ ርእሰይ ዛንታ ክነግር ግዜኡ ሕዚ'ዩ ዝመስለኒ፡ እንተተዓዊተ ድማ ለውጢ ከምጽእ እኽእል'የ" ኢሉ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርጋሕ ዘስካሕክሕ ምስልታት ክሳብ ምቁጽጻር ዘይተገብረሎም ግን፡ እቲ ዝስምዖ ሕሰም ክቕጽል ምዃኑ ይዛረብ።
“ምስ ኲናት ብዝተኣሳሰር ኣብ ፌስቡክ ይኹን ኣብ ካልእ ቦታ ሬሳ ኣብ ዝረኣኹሉ እዋን፡ ሓደ ሰብ ከምዚ ኣነ ዝተሰመዐኒ፡ ክስምዖ እዩ ኢለ ስለ ዝሓስብ ኣዝየ ይሓዝን”።
"እዚ ድማ ብዙሕ ይጎድኣኒ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







