ኣብ ኦሪገን ጠፊኦም ብዛዕባ ዝተባህሉ ኤርትራውያን ኣትሌታት እንታይ ንፈልጥ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንኤርትራ ወኪሎም ኣብ ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ዓለም ንምስታፍ ናብ ኣሜሪካ ግዝኣት ኦሪገን ተላኢዀም ዝጸንሑ'ሞ "ጠፊኦም" ካብ መንጐ ዝተባህሉ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ኣትለታት፡ እቶም ሰለስተ ንውድድር ናብ ካልኦት ሃገራት ከም ዝኸዱ ተገሊጹ።
ኣብ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ንምስታፍ ካብ ዝተላእኩ ጕጅለ ኣትለቲክስ ኤርትራ፡ ናብ ሃገሮም ከይተመልሱ ኣብ ኣሜሪካ ዝተረፉ ኣትለታት ኣለው ዝብሉ ጸብጻባት ይወጽኡ ኣለው።
እንተዀነ፡ ኬፒቲቪ፡ ሪጅስታር-ጋርድን ኬዚን ዝተባህሉ ማዕከናት ዜና እቶም ጠፊኦም ተባሂሎም ዝነበሩ ኣትሌታት ከም ዝተረኸቡ ንፖሊስ ዩኒቨርሲቲ ኦሪገን ብምጥቃስ ጸብጺቦም።
ብመሰረት ጸብጻብ ማዕከናት ዜና እቲ ከባቢ፡ ፈደሬሽን ኣትሌቲክስ ኤርትራ ኣድራሻ እቶም ኣትለታት ረኺበ ኢለ ናብ ፖሊስ ዩኒቨርሲቲ ኦሬገን ሪፖርት ገይሩ ኣሎ።
ይዅን’ምበር፡ ድሕረ ገጽ ፖሊስ ግዝኣት ኦሬገን፡ ሽም እቶም ሓሙሽተ ኤርትራውያን ኣትሌታት ኣብ ዝርዝር ዝጠፍኡ ውልቀሰባት ኣስፊሩዎ ይርከብ።
እቶም ዝጠፍኡ ዝተባህሉ ኵሎም ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝዀኑን እቲ ሓደ ኣሰልጣኒ ከም ዝዀነን ከኣ ይሕብር።
ወዲ 44 ዓመት ኣሰልጣኒ በርሀ ኣስገዶም፡ ፊልሞን ዓንደ፡ ሃብቶም ሳሙኤል፡ መርሃዊ መብራህቱን የማነ ሃይለስላሰን ሽሞም ኣብ ዝርዝር ጠፊኦም ዝእለሹ ዘለው ውልቀሰባት ሰፊሩ ይርከብ።
ካብዚኦም እቶም ክልተ፡ መርሃዊ መብራህቱን ሃብቶም ሳሙኤልን ኣብ ውድድር ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት ንምስታፍ ናብ ኮሎምቢያ ከም ዝኸዱ ምንጭታት ቢቢሲ ገሊጾም።
እዞም ደቂ 18 ዓመት ዝዀኑ ኣትለታት፡ ሽሞም ኣብ 3 ሽሕን 5 ሽሕን ሜትር ውድድራት ትሕቲ 20 ዓመት ከም ዝሳተፉ ኣብ ዝሕብር ዝርዝር ወግዓዊ ድሕረ ገጽ ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ዓለም ሰፊሩ ይርከብ።
ኣትሌት የማነ ድማ፡ ኣካል ዲያመንድ ሊግ ዝዀነን ኣብ ከተማ ስዊዘርላንድ ዝዀነት ሎውዛን ኣብ ዝካየድ ውድድር ንምስታፍ ከም ዝኸይድ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, LIVINGTON ABRHAM
ቅድም ክብል ፖሊስ ኦሬገን ኣድራሽኦም ኣይተረኽበን ካብ ዝበሎም ኣባላት ጕጅለ ኣትሌቲክስ ኤርትራ ዝዀኑ፡ በርሀ ኣስገዶምን ፊሊሞን ዓንደን ግን ክሳብ ሕጂ ኣበይ ከም ዝኣተው ኣይፍለጥን።
ኤርትራ ኣብ ውድድር ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ዓለም 10 ኣትለታት ከተሳትፍ እንከላ፡ ኣትለት የማነ ሃይለስላሴ ኣብ ውድድር መሰናኽል ሰለስተ ሽሕ ሜትሮ ሻብዓይ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።
መርሃዊ መብራህቱ ኣብ መጻረዪ ውድድር ሓሙሽተ ሽሕ ሜትሮ ክወድቕ እንከሎ፡ ሃብቶም ሳሙኤል ኣብ 10 ሽሕ ሜትሮ መበል 17 ደረጃ ሒዙ።
ፊልሞን ዓንደ ድማ ኣብ ማራቶን ንኽወዳደር ተመዝጊቡ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







