ስደት ኣብ ስደት፡ ብኸመይ ትዕወት? ኤርትራዊ ሮቤል ተመኵሮኡ የዘንቱ

ሮቤል ብርሃነ

ምንጪ ስእሊ, Robel

መግለጺ ስእሊ, ሮቤል ብርሃነ

ሓያለ ኤርትራውያን መንእሰያት፣ ኣብታ 'ኣደ ድኻን ስደተኛን' ብምባል ዝገልጽዋ፡ ብዂናት ሓድሕድ ትሕመስ ዘላ ሱዳን ተሰዲዶም፡ ክሰርሑ፡ ክመሃሩን ዝሓሸ ዕድልን ኣማራጺታት ክህባና ይኸእላ እየን ናብ ዝበልወን ሃገራት ንምስጋር ንመስርሕ ቪዛ ክጽበዩን ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ እዩ።

ክልተ ዓመቱ ዘሕለፈ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ድሕሪ ምውልዑ ግን፡ ብዙሓት ሓዲግ ተቐርቂሮም ግዳያት ዝዀኑ ስደተኛታት ናብ ዓዶም ክምለሱ ተገዲዶም።

ብዙሓት'ውን ናብታ ኣሽሓት ዶላራት ከፊሎም ንሂወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ዝሃደሙላ ሃገሮም ምምላስ ውሕስነት ስለዘይተሰምዖም ናብ ደቡብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ዩጋንዳን ዳግማይ ዝተሰደዱ ብዙሓት እዮም።

ብዙሓት ካብዞም ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ ኣብቲ ዝበጽሕዎ ዓዲ ናብራ ስደት ንምስዓር ኣብ ዝተፈላለየ ስርሓት ተዋፊሮም ይርኣዩ።

ሮቤል ብርሃነ ሓደ ካብኣቶም ኰይኑ፡ ካብታ ን 6 ዓመታት ዘዕቆበላ ሱዳን ዝነበሮ ኵሉ ራሕሪሑ ክወጽእ'ዩ ተገዲዱ።

ሮቤል ናብ ሱዳን ድሕሪ ምስዳዱ ብዝነበሮ ሞያ ቪድዮን ስእልን ናይ ባዕሉ ስቱድዮ ከፊቱ ናብራኡ ይመርሕ ነይሩ።

ኲናት ሱዳን ክሳብ ዝነቱግ ድማ ብሰላም ወፊሩ ይኣቱን ካብ ሰብ ከይተጸበየ ናብራኡ ይመርሕን ነይሩ።

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሱዳን ብፍላይ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ዓመታት ተሰዲዶም ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ብኵነታት ስደት ከይተሳዕሩ ንዝረኸብዎ ዕድል ተጠቒሞም ሃብትን ንብረትን ዓበይቲ ትካላትን ዘፍረዩ ብዙሓት ምንባሮምን ብሰንኪ ኲናት ተመሳሳሊ ዕጫ ከም ዝገጠሞም ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ተዘንትዩ እዩ።

ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ዳዓመ-ሰሪዕን ዝተልዐ ኲናት ግን ኣሽንኳይዶ ንስደተኛ ንኣማኢት ኣሽሕት ሱዳናውያን'ውን ካብ ቤት ንብረቶም ኣመዛቢሉ ግዳይ ሞትን ስደትን ስለዝገበሮም፡ ሮቤል ካልኣይ ስደት ክውስን ግድን ነበረ።

ነቲ ሽዑ ሃንደበት ዝተፈጥረ ስንባደ ብምዝካር ድማ፡ "ኣነ ኲናት ርእየ ኣይፈልጥን'የ ግን ናይ ከተማ ኲናት ድማ ኣብ ገዛኻ ከለኻ ጠያይት ስለዝዘንበካ ክብደቱ ክገልጾ ኣይከእልን እየ። አሽንኳይ ንብረትካ ነብስኻ'ውን ከተውጽእ ኣይትኸእልን ኢኻ፡" ብምባል ሂወትካ ቀቢጽካ ኢኻ ትነብር ይብል።

እቲ ኲናት እናጻዕጸዐ ከምዝኸይድ ዝዀነ ግምት ስለዘይነበሮ ተስፋ ከይቈረጸ'ኳ እንተ ተጸበየ ኣይከምዝሓሰቦን። "ሎሚ'ዶ ይሓይሽ ወይ ኲናት ይቋረጽ ኢለ፣ ካብ ገዛውቲ ናብ ገዛውቲ እናቀያየርኩን እናተሓባእኩን ኣብ ካርቱም ጸኒሐ።ይዅን እምበር እቲ ኲናት ደው ኣይበለን። መቸም ኣምላኽ ይመስገን ብሰላም ወጺና፡" ክብል ነቲ ጸልማት እዋን ይዝክር።

እታ መጽለሊት ኣሽሓት ዝነበረት ሱዳን ዜጋታታ መጽለሊ ደልዮም ዝስደዱላ ሃገር ካብ ትኸውን ናብ ሳልሳይ ዓመቱ ይኸይድ'ኳ እንተሃለወ መራሕታ ግን ነቲ ኵነታት ንምቕያር ክሳብ ሕጂ ቅሩብነት ዘለዎም ኣይመስሉን።

እቲ ኣብ ማእከል ከተማ ካርቱም ዝተጀመረ ኲናት ድማ ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣስፋሕፊሑ ይርከብ።

ካልእ ብድሆ ኣብ ካልእ ሃገር

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካብ ኲናት ሱዳን ዘምለጠ ሮቤል ፈለማ ናብ ደቡብ ሱዳን እዩ ኣምሪሑ። ጁባ ከምቲ ዝተጸብዮ ስለዘይኰነሉ ግን ድሕሪ 2 ሳምታት ናብታ ብወረ ጥራይ ዝፈልጣ ዝነበረ ካምፓላ ዩጋንዳ ከምርሕ ከምዝወሰነ ይገልጽ።

ፈለማ ኵሉ ነገር ኣቕሊሉ ብምርኣይ ምስቲ ዓዲን ኣነባብራን ቀልጢፉ ክወሃህድ ተጸብዩ ከም ዝነበረ ይገልጽ። ከምኡ ግን ኣይጸንሖን፤ "ከም ናትና ሞያ ብብዝሒ ብምንባሩ ቀልጢፈ ክለምዶ እየ ኢለ ሓሲበ ግን መንገዲ ዝሕብረካ ይዅን ዝድግፈካ ስለዘየለ ክሳብ ተስፋ ዝቘረጽኩሉ ኵነታት ብምንባሩ 7 ኣዋርሕ ስቕ ኢለ ተዓዚበ፡" ይብል።

ኣብ ካምፓላ ኣዝዮም ብዙሓት ኣብ ሞያ ስእሊን ቪድዮን ዝተዋፈሩ፣ ስቱድዮታት ዝኸፍቱ ፍሉጣትን ዕዉታትን ኤርትራውያን ከምዘለዉ እዩ ዝንገር።

ሮቤል ነቲ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዩጋንዳ ዝገጥሞም ብድሆ ክገልጽ እንከሎ፡ "ንስደተኛ ዝኸውን ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕድላት የለን፣ ዩጋንዳውያን ድማ ዋላ ትሑት መሃያ እንተተኸፍሉ፡ ዓዶም ብምዃኑ ኣተኣኻኺሎም ብቐሊሉ ክነብሩ ይኸእሉ እዮም። ኤርትራውያን ግን ኣብ ዘይዓዶም ዋላ 100 ዶላር ንወርሒ'ውን እንተተኸፍሉ ሂወቶም ክመርሑ ከቢድ እዩ፡" ብምባል የረድእ።

እቲ ኣብ ካምፓላ "ብዝተወሰኑ ኤርትራውያን" ከም ዝርአ ዝግለጽ "ቀይዲ በተኻዊ ኣካይዳ፣ ንሓድሕድካ ባእስን ዕግርግርን ካልእ ዘየድሊ ተግባራትን"፡ ርኢኻ እቲ ካብ ቤተሰቦም ዝለኣኸሎም ገንዘብ "ንኸይሰርሑን ብዛዕባ ርእሰ ዕብየትን ትምህርትን ከይሓስቡ ካብ ዝድርዀም ረቛሒታት ሓደ" ምዃኑ ብዙሓት ስክፍታኦም ክገልጹ ይስማዕ እዩ።

ሮቤልን ከምኡ ዝኣመሰሉ ሓኾትኮት ኢሎም ርእሶም ክኢሎም ዝነብሩ ስደተኛታትን ግን፡ ነቲ ርእይቶ ምሉእ ብምሉእ'ኳ እንተዘይነጸግዎ ኣብ ዩጋንዳ ዘሎ ኣነባብራ ነቲ መንእሰይ ከምዝብድሆ፣ ምስተን ኣቐዲሞም ተሰዲዶም ዝረኣዩወን ሃገራት ብምንጽጻር ይገልጹ።

"ብተዛማዲ ሱዳን ትሓይሽ ነይራ።ብውሑዱ ንእሽቶ ናይ መግቢ ትካል ጌርካ ትነብር ኢኻ። ሓቢርካ ሸር ጌርካ ምንባር'ውን ስለዝነበረ ናብራ ደሓን ነይሩ፡" ድሕሪ ምባል "ናብቲ ኵሉ ሰብ ዝሓልሞ ካናዳ እንተኼድካ'ውን ጥዑም ስደት ዝብሃል የለን። ስለዚ ኣብቲ ዝመልኮ ናይ ካሜራን ሰእልን ሞያ ስቱድዮ ብምኽፋት፡ ናይ መርዓ መካይን'ውን ብምክራይ ነዛ ናይ ካምፓላ ሂወት ንሓልፋ ኣሎና፡" ይብል።

ሓንቲ ካብተን ሮቤል ዘካርየን ናይ መርዓ መካይን

ምንጪ ስእሊ, ሮቤል ብርሃነ

ናብራ ስደተኛታት ኣብ ዩጋንዳ

ኣብታ ንስደተኛታት ክፉት ፖሊሲ ከምዘለዋ ዝንገረላ ዩጋንዳ፡ ውሑዳት ዘይኰኑ ኤርትራውያን መንእሰያት ነብሰ ቕትለት ክፍጽሙ ይስማዕ እዩ።

ናብዚ ዘምርሖም ድምር ናይ ዝተፈላልዩ ምኽንያታት ክኸውን ከምዝኸእል ርዱእ'ኳ እንተዀነ፡ ካብቲ ውልቃውነት ዝዓብለሎ ናይ ጽምዋ ናብራ ዝነቐለ ክኸውን ከምዝኸእል ሮቤል ይገልጽ።

"ኣነ ዝብሎ ክብደት ናብራን ጽምዋን እዩ፣ ብተወሳኺ ኣብ ዩጋንዳ ዘሎ ስደተኛ ተሓባቢርካ ናይ ምንባር ባህሊ ስለዘይብሉ በይኑ እዩ ሂወቱ ዝሓልፎ፣ በይኑ ኣብ ጭንቀት ምስ ኣተወ በይኑ ይውስን እሞ ቅኑዕ ወይ ጌጋ ውሳነ ድማ ይወስድ።

"[ኣነ ዝፈልጦ] ክሳብ 8 ዝዀኑ ኤርትራውያን ነብሰቅትለት ፈጺሞም፣ግን ክንደይ ከርተት ሓሊፍካ ከተብቅዕ ንእሽቶ ነገር ጎዲላትኒ ኢልካ ሂወትካ ከተጥፍእ ግቡእ ኣይኰነን። ክርድኣኩም ንዝኸእል ጸገምኩም ኣካፍሉ ክብሎም እደሊ፡" ብምባል ምኽሩ ይልግስ።

ሮቤል ኵሉ ዘጥረዮ ራሕሪሑ ጥራይ ኢዱ'ኳ እንተተሰደደ ኣብ ሂወት ውረድ ደይብ ዘይንሰል ኣካል ጕዕዞ ወዲሰብ እዩ ኢሉ ብምእማን ንዝገጠሞ ፈተና ብትዕግስትን ተስፋ ዘይምቝራጽን ክስዕሮ ተቓሊሱ።

"ምስ ዕድልካ ምምራር ጽቡቕ ኣይኰነን ስለዚ ኣምላኽ ይመስገን ብዘለኒ ዕጉብ እየ፣ ትማሊ ኣብ ሱዳን ዝነበርኩዎን ሕጂ ዘለኹዎን ኣዝዩ በበይኑ እዩ፤ ግና ኣብ ሎሚ ክነብር ስለዘለኒ ንድሕሪት ዝጥምተሉ ምኽንያት የለን።በቃ ሂወት ትምህርቲ ስለዝዀነት ተማሂረሉን ዓብየሉን ክወጽእ ጥራይ እየ ዝደሊ፡" ይብል።

ሮቤል ብርሃነ

ምንጪ ስእሊ, Robel

ብተወሳኺ...

ንመንእሰያት "ኣብ ሂወት ገንዘብ ምስኣን ዋላሓንቲ ኣይኰነን፣ ተስፋ ምስኣን ግን ኵሉ ምስኣን እዩ ክብሎም እደሊ። ሕማም'ውን ንናይ ምሕሳብ ከእለትካ ክሳብ ዘየዳኸሞ ምንም ኣይኮነን፣ ዝዀነ ሰብ ተስፋ ክቘርጽ እዩ ዘይብሉ ምኽንያቱ ብሂወት ከለኻ ምማት ስለዝዀነ ተስፋ ኣይትቝረጹ፡" ይብል።

ብተወሳኺ፡ "ነንሕድሕድና ክንደጋገፍ፡ ነቶም ኣብ ከባቢ ተሸጊሮም ንርእዮም ይዅኑ ስነኣእምሮኣዊ ጸገማት ዝገበሩ ወገናትና ብዘለና ዓቕሚ ክንሕግዝ ሕልናዊ ግዴታ ክሰመዓና ኣለዎ፡" ብምባል ለበዋኡ የቕርብ።