ግጭት ሱዳን፡ ቀንዲ ምዕባለታት 5ይ መዓልቲ

ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ተወርዋሪ ወሃብ ደገፍ ሓይልታትን ክካየድ ዝቐነየ ውግእ ሎሚ ረቡዕ'ውን ቀጺሉ ውዒሉ'ሎ።

ኣብ ከባቢ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱምን ኣብ ጥቕኡ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ እዚ ሰራዊት ሱዳን ከቢድ ተዂሲ ከምዝወዓለ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ነቲ ሓሙሻይ መዓልቱ ሒዙ ዘሎ ግጭት ንምፍታሕ ሰለስተ መራሕቲ ሃገራት ዞባ ኢጋድ ናብ ካርቱም ክኸዱ ትጽቢት ይግበር።

እንተኾነ ግን ብሰንኪ'ቲ ዝካየድ ዘሎ ጽዕጹዕ ውግእ ፕረዚደንት ጂቡቲ ኢስማዒል ዑመር ገለ፡ ኬንያዊ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶን፡ ደቡብ ሱዳናዊ መዘናኦም ሳልቫ ኪርን ዛጊት ናብታ ሃገር ከምዘይኣተዉ ይፍለጥ።

ቀንዲ ምዕባለታት 5ይ መዓልቲ እዞም ዝስዕቡ እዮም።

ሓድሽ ምቁራጽ ተጻብኦታት

ኣንጻር ሰራዊት ሱዳን ዝዋግኡ ዘለዉ ብሌ/ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምርሑ ሓይልታት ን24 ሰዓታት ዝጸንሕ ሓድሽ ስምምዕ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ተበጺሑ ከምዘሎ ሓቢሮም ኣለዉ።

እንተኾነ ግን፡ ድሕሪ'ቲ ሰዓት 6፡00 (ካርቱም) ምሸት ክጅምር ዝተባህለ ምቁራጽ ተጻብኦታት ድምጺ ተዂሲ ምስምዑ እቲ ስምምዕ ከምዘይጸንዐ ዘርኢ'ዩ።

ብወገን'ቲ ብጀነራል ዓብዱል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ብዛዕባ'ቲ ሓድሽ ተዂሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ዝተዋህበ መግለጺ የለን።

ትማሊ ምሸት ክጅምር'ዩ ተባሂሉ ዝነበረ ተመሳሳሊ ምርድዳእ ከምዝፈረሰን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ውግእ ከምዝቐጸለን ይዝከር።

ሲቪላውያን ካብ ከተማ ካርቱም ክወጹ ጀሚሮም

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሲቪላውያን ካብ ርእሰከተማ ካርቱም ይሃድሙ ከምዘለዉ ጸብጻባት ሓቢሮም።

መሰኻኽር ዓይኒ ከምዝበልዎ፡ ሰባት ብመካይንን ብእግርን ካብታ ብውግእ ትሕመስ ዘላ ከተማ ክወጹ ተራእዮም።

ትማሊ ተበጺሑ ዝነበረ ናይ 24 ሰዓታት ምቁራጽ ተዂሲ ድሕሪ ምፍራሱ'ዮም ብዙሓት ነበርቲ ካብታ ከተማ ዝወጹ ዘለዉ።

ሃገራት ወጻኢ'ውን ዜጋታተን ካብ ሱዳን ከውጽኣ ይሸባሸባ ከምዘለዋ ተገሊጹ።

ዛጊት ጃፓንን ታንዛንያን ኣብ ሱዳን ዘለዉ ዜጋታተን ንምውጻእ ይዳለዋ ከምዘለዋ ሰብመዚ እተን ሃገራት ተዛሪቦም።

ሓይልታት ምክልኻል ጃፓን ኣብታ ሃገር ንዘለዉ 60 ዜጋታት ጃፓን ምውጻእ ሓንቲ ነፋሪት ኣዳልዩ ኣሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ታንዛንያ ብወገኑ፡ ኣብ ካርቱም ንዝርከቡ ተመሃሮ ዝርከብዎም 210 ዜጋታቱ ዘውጽኣሉ ኩነታት ይግምግም ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣውሮጳዊት ሃገር ጀርመን ወጢናቶ ዝነበረት ዜጋታት ናይ ምውጻእ ስርሒት ግን ብሰንኪ ዘይርጉእ ኩነታት ክትስርዞ ተገዲዳ ነይራ።

ኣመሪካ'ውን "ብሰንኪ ዘይንጹር ኩነታት ጸጥታ" ዜጋታታ ናይ ምግዓዝ መደብ ከምዘይብላ ኤምባሲ'ታ ሃገር ኣብ ካርቱም ሓቢሩ'ሎ።

እንተኾነ ግን፡ ሰባት ኣብ ኣባይቶም ክጸንሑ ዝያዳ ውሕስነት ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ብምግላጽ፡ ክወጹ ክብሉ ንሓደጋ ከይቃልዑ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣጠንቂቑ።

ሆስፒታላት ካርቱም ይዕጸዉ ኣለዉ

ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም ዘለዋ ሆስፒታላት ብሰንኪ'ቲ ዝቕጽል ዘሎ ረጽሚ ክዕጸዋ ይግደዳ ከምዘለዋ ሓካይም ይሕብሩ ኣለዉ።

ካብተን 59 ሆስፒታላት እታ ከተማ ሓሙሽተ ጥራይ ይሰርሓ ከምዘለዋ ሓደ ላዕለዋይ ሓኪም ንቢቢሲ ገሊጹ።

ሓደ ካብ ኣወሃሃድቲ ሕብረት ሓካይም ሱዳን ዝኾነ ዶ/ር ኣሕመድ ዓባስ፡ ስርዓተ-ጥዕና ናይታ ኣስታት 10 ሚልዮን ነበርቲ ዘለዋ ከተማ "ካብ ምፍራስ ንላዕሊ" ኮይኑ'ሎ ኢሉ።

እተን ተኸፊተን ዘለዋ 5 ሆስፒታላት'ውን፡ ናይ ኦክስጅን ከምኡ'ውን ናይ ሞትን ሕየትን መድሃኒታት ዓቢ ሕጽረት ኣጋጢምወን ኣሎ።

እቶም ኣብአን ዘለዉ ሓካይምን ተሓጋገዝቶምን ብዘይዕረፍቲ ክሰርሑ ተገዲዶም ስለዘለዉ እቲ ኩነታት ልዕሊ ዓቕሞም እናኾነ ይኸይድ ኣሎ።

ክትክእዎም ዘለዎም መሳርሕቶም ብሰንኪ ምዕጻው ድልድላት፡ ስእነት መጓዓዝያን፡ እናገደደ ዝኸደ ተዂሲን ክሕግዝዎም ዘይምኽኣሎም'ዩ ዶ/ር ዓባስ ዝገልጽ።

ወተሃደራት ግብጺ ካብቲ ዝጸንሕዎ መዓስከር ግዒዞም

ብጀነራል ሕመድቲ ዝምርሑ ሓይልታት ነቶም ኣብ ከተማ ሜሮወ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ሱዳን ዝጸንሕዎም ወተሃደራት ግብጺ ከምዘግዓዝዎም ሓቢሮም።

እቶም 'ዳዕም ኣልሰሪዕ' ብዝብል ዝፍለጡ ሓይልታት ብትዊተር ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ እቶም ወተሃደራት "ኩሎም ድሓን" ከምዘለዉ ብምግላጽ፡ "ዕድል ኣብ ዝተረኽበሉ" ከረክብዎም ከምዝደልዩ ጠቒሶም።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱል ፋታሕ ኣል-ሲሲ፡ ኣብ ሱዳን ዘለዉ ወተሃደራት ሃገሩ ንስልጠና ዝኸዱ ምዃኖም ብምግላጽ፡ ጸግዒ ናይ ዝኾነ ወገን ከምዘይወስዱ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ተዛሪቡ ነይሩ'ዩ።

ብጀነራል ዳጋሎ ዝምርሑ ሓይልታት ኣብቲ ኣብ ከተማ ሜሮወ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ሱዳን ወተሃደራት ግብጺ ከምዝጸንሕዎም ዘርኢ ቪድዮ ምዝርግሑ ይፍለጥ።

“ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ነዞም ሓይልታትና ከነውጽኦም ተስፋ እገብር” ክብል ኣል-ሲሲ ንኣዘዝቲ ሰራዊቱ ገሊጹ ነይሩ።

ግብጺ ኣብ “ውሽጣዊ ጉዳያት” ሱዳን ኢዳ ከምዘይተእቱ ዝገለጸ እቲ ፕረዚደንት፡ “ተዂሲ ደው ንኸብሉ ንምትብባዕ ናይ ዕርቂ ተበግሶ" ክወስድ ከምዝኽእል ጠቒሱ።