ሱዳን፡ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ተስፋ ቅሂሙ

ኣብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ካርቱም፡ ብኣቈጻጽራ ሰዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ካብ ሰዓት 18፡00 [6፡00] ኣጋ ምሸት ኣትሒዙ ክጅምር ትጽቢት ዝተገበረሉ ተዅሲ ደው ምባል፡ ብሰንኪ ከቢድ ተዅስን ደብዳብ ነፈርትን ቅሂሙ።

ኣብቲ ብመንበሪ ኣባይቲ ዝተኸበበን ኣብ ማእከል እታ ከተማ ዝርከብን ጥቓ ዋና ቤት-ፅሕፈት ሰራዊት ውግእ ከም ዝነበረ ድማ ተገሊጹ።

እቶም ተዋሳእቲ'ዚ ውግእ ዝዀኑ ክልቲኦም ተነሓናሕቲ ጀነራላት፡ ን24 ሰዓታት ሰብኣዊ ምቍራፅ ተጻብኦ ክገብሩ ተሰማሚዖም ነይሮም።

ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዝጀመረ ውግእ፡ ዛጊድ 200 ሰባት ተቐቲሎም፤ ኣሻሓት ድማ ቆሲሎም ኣለዉ።

ብሰንኪ እዚ ኣብ መንጐ ሰራዊት እታ ሃገርን ሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ-ድጋፍን (RSF) ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ነበርቲ ሕጽረት መግብን ማይን ኣጋጢምዎም።

ወሃቢ-ቃል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ “ኣብ ካርቱምን ካልኦት ከባቢታትን ሓዊሱ ኣብ ሱዳን ውግእ ይቕፅል ኣሎ። እቲ ውግእ ከም ዝሃድአ ዘርእይ ምልክት የለን” ኢሉ።

ሓንቲ ነባሪት ካርቱም፡ ኣብ ገዛኣ ዝስተ ማይ ከም ዘይብላ ንቢቢሲ ገሊጻ።

ስድራኣ ካብ ዝትኰስ ጥይት ንምህዳም ኣብ ንእሽተይ ኮረድዮ ተፀቓቒጦም ከምዘለዉ ትገልጽ ታሪቕ፡ ሓንቲ ጥርሙዝ ማይ ጥራይ ከም ዝተረፋን፡ ንሳ'ውን ነቲ ወዲ ክልተ ዓመት ወዳ ከም ትዕቅባን ተዛሪባ።

“ዝበዝሕ ሰባት ሃንደበት ብዝትኰሱ ዓረራትን ሚሳይላትን ኣብ ገዛኦም እንከለዉ እዮም ሞይቶም። ስለዚ ኣብ ገዛ ካብ ከም መሳዅቲ ዝኣመሰሉ ተቓላዕቲ ቦታታት ምርሓቕ ዝሐሸ እዩ” ኢላ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካርቱም፡ ሓደ ተመሃራይ ብዝተተኰሰ ጥይት ተቐቲሉ።

ኣብ ጥቓ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝርከብ ሓደ ህንጻ ኣዕቍቡ ዝርከብ ተመሃራይ ሕጊ ሞሳብ ሻሪፍ፡ “ንተመሃሮ መግቢ ንምርካብ ንኸይድ ነይርና፡ ሰለስተና ኢና ነይርና። ካብኡ፡ ንሱ ኣብ ኣፍልቡ ተወቒዑ፡ ክንሕግዞ’ኳ ኣይከኣልናን” ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

ሓደ ብማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐን ቢቢሲ ዘረጋገፆን ልጣፍ ፈይስቡክ፡ እቲ ሬሳ ካብቲ ቦታ ምውፃእ ስለዘይተኽኣለ እዩ፡ ኣብ ቀጽሪ'ቲ ዩኒቨርሲቲ ተቐቢሩ።

ስናይፐራት፡ “ዝዀነ መብራህቲ ንዝሓዘ ሰብ ዒላማ ከም ዝገብሩ” ድማ ሓቢሩ።

እቲ ምቍራፅ ተጻብኦ ተግባራዊ ክኸውን ፍርቂ ሰዓት ኣብ ዝተረፈሉ፡ ኣብ ምብራቓዊ እታ ከተማ ዝነበሩ ሰለስተ ኣሕዋት ብደብዳብ ከም ዝተቐተሉ ዝሰምዑ ነበርቲ ካርቱም ኣብ ስምባደ ጥሒሎም ኣለዉ።

ነበርቲ፡ ሰዓት 18፡00 ኣጋ ምሸት ተዅሲ ብረት ድሕሪ ምስመዖም እዮም፡ ካብቲ ዝወዓልዎ ጾመ ሮሞዳን ኣፍጢሮም። መሰኻኽር ዓይኒ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ከተማ ትርከብ ባህሪ፡ ነፋሪት ትዝንቢ ከምዘላ ገሊጾም።

ካልእ ነባሪት ካርቱም ድማ፡ ደው ምባል ተዅሲ ተግባራዊ ክኸውን ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ እውን ተዅሲ ከቢድ ኣጽዋራት ከም ዝቐፀለ ንቢቢሲ ሓቢራ።

ኣብ ሰዓታት ንግሆ፡ ገዝኣ ብሚሳይላት እናተወቕዐ እንከሎ፡ ምስ ወዲ ሓደ ዓመት ወዳ ከምዘምለጠት ድማ ተዛሪባ።

ቀይሕ መስቀል፡ እቲ ተዅሲ ዋላ’ኳ ኣብ ዝቕፅሉ 24 ሰዓታት ደው እንተበለ፡ ሰላማውያን ሰባት ሓገዝ ክረኽቡ ግን እኹል ከምዘይኰነን፡ መሓውር ጥዕና ክፈርስ ከምዝቐረበን ኣፍሊጡ።

እቲ ጕጅለ ሰብኣዊ ረድኤት፡ ካብቶም ኣብታ 10 ሚልዮን ሰባት ዝነብሩላ ከተማ ኣብ ገዛኦም ጅሆ ኰይኖም ዘለዉ ብዙሓት ርድኡና ዝብሉ ደወላት ተሌፎን ይቕበል ከምዘሎ ገሊጹ። መብዛሕትኦም ብዘይ ሓይሊ መብራህቲ ናብራ ንምቕጻል ይቃለሱ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ሓዊሱ ኣብ ካልእ ቦታ ሱዳን እውን ውግእ ይካየድ ኣሎ።

ሓላፊ ረዲኤት ሕቡራት ሃገራት፡ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዝተጠቕዑን ጾታዊ መጥቃዕቲ የጋጥሞም ከምዘሎን ኣጠንቂቝ።

“እዚ ተቐባልነት የብሉን፤ ደው ክብል ይግባእ፡” ኢሉ።

እዚ ውግእ ኣብ መንጐ እሙናት ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃንን፡ ብመሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ- ሕሜቲ ዝምራሕ ሓይሊ ህጹጽ ድጋፍን እዩ ዝካየድ ዘሎ።