እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መራሕቲ ሰለስተ ጐረባብቲ ሃገራት ጀነራላት ሱዳን ንኸዘራርቡ ካርቱም ክኣትዉ እዮም
መራሕቲ ሰለስተ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ናብ ካርቱም ኣትዮም ነቶም ክልተ ተነሓናሕቲ ጀነራላት ኲናት ክዘራረቡ ትጽቢት ይግበር ከምዘሎ ተገሊጹ።
በዚ መሰረት፡ መራሕቲ ሃገራት ኬንያ፡ ደቡብ ሱዳንን ጅቡቲን ሎሚ ካርቱም ክኣትዉ ትጽቢት ይግበር።
ኣብታ ሃገር ንሓሙሻይ መዓልቲ ውግእ ይቕጽል ኣሎ።
ተሳተፍቲ እቲ ጐንጺ፡ ን24 ሰዓታት ዝጸንሕ ተዅሲ ደው ምባል ከምዝተሰማምዑ'ኳ እንተገለጹ፡ ኣብ መንጐ ስሩዕ ሰራዊት እታ ሃገርን ሓይልታት ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልን፡ ዝካየድ ዘሎ ምልውዋጥ ተዅሲ ከምዝቐጸለ ነበርቲ ሓቢሮም።
ክልቲኦም ጀነራላት፡ ትማሊ ካብ ሰዓት 18፡00 ድሕሪ ቀትሪ [6፡00 ኣጋ ምሸት] ጀሚሩ ን24 ሰዓታት ተግባራዊ ዝኸውን ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝበጽሑ በብወገኖም ገሊጾም ነይሮም።
ንቢቢሲ ዘዘራረቡ ነበርቲ፡ ኣብ ከባቢ ወተሃደራዊ ኮማንድ ፖስትን መዓርፎ ነፈርትን ካርቱም ሓዊሱ ኣብ መንበሪ ከባቢታት ተዅሲ ክስማዕ ከምዝሓደረ ገሊጾም።
ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ ዊልያም ሩቶ ካብ ኬንያ፡ ሳልቫ ኪር ካብ ደቡብ ሱዳንን እስማዒል ዑመር ገለ ካብ ጅቡቲን ኣብ ካርቱም ዝገብርዎ ጻዕሪ ምሽምጋል፡ ክሳብ ክንደይ ውጽኢታዊ ክኸውን እዩ ዝብል ሕቶ ፈጢሩ ኣሎ።
ኣብ ሱዳን፡ ኣገልግሎት ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝተቛረጸሉ፡ እቶም መራሕቲ ሃገራት ብኸመይን መዓስን ናብ ካርቱም ከም ዝኣትዉ'ውን ኣይተነጸረን።
ኣቐዲመን ግብጽን ደቡብሱዳንን ነቶም ኣብ ሱዳን ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ከዘራርባ ፈቲነን ነይረን።
ክልቲአን ሃገራት ናይ ምልዛብ ሕቶ ዘቕረባ'ኳ እንተዀና፡ ብዛዕባ እዚ ፈተነ፡ ካብ ተዋጋእቲ ሓይልታት ዝተባህለ ነገር የለን።
መራሕቲ ክልቲኡ ተዋጋእቲ ሓይልታት፡ ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃንን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ነንበይኖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ትማሊ ሰሉስ ብኣቈጻጽራ ሰዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ካብ ሰዓት 18፡00 [6፡00] ኣጋ ምሸት ኣትሒዙ ን24 ሰዓታት ተግባራዊ ዝኸውን ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝበጽሑ ገሊጾም ነይሮም።
ይዅን እምበር፡ እዚ ተዅሲ ደው ምባል ኣይተተግበረን። መራሕቲ ሰለስቲአን ሃገራት ምስ ክልቲኦም ጀነራላት ናብ ካርቱም ምስ ኣተዉ ዝካየድ ዝርርብ ናብ ምቍራጽ ተዅሲ ከብጽሕ ከምዝኽእል ሕብረት ኣፍሪቃ ተስፋ ይገብር።
ክሳብ ሕጂ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ሃገራት ዓረብን ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት ፍልልያቶም ብዘተ ክፈትሑ ብተደጋጋሚ ጸዊዖም'ኳ እንተነበሩ፡ እቲ ውግእ ግን ይቕጽል ኣሎ።
ሊግ ዓረብን ኣሜሪካን ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምምላስ ዝርርብ ክጅምሩ ኣለዎም ኢሎም።
ኣብ ሓምሻይ መዓልቲ ግጭት ሱዳን፡ ብውሕዱ 200 ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ፡ ብዝሒ ዝቘሰሉ ድማ ብኣሽሓት ከምዝቝጸር ኮሚተ ሓካይም ሓቢሩ።
ነበርቲ ካርቱም፡ ኣገልግሎት ማይን ኤሌክትሪክን ዝተሓረሙ ኰይኖም፡ ካብ ገዛኦም ክወጹ ኣይከኣሉን። ብዙሓት ካብኣቶም ኣብ ገዛኦም ዝብላዕ ከም ዝሰኣኑ ገሊጾም።