ግጭት ሱዳን፡ ርእሰከተማ ካርቱም ብድምጺ ተዂሲ ትናወጽ

ኣብ መንጎ ተቐናቐንቲ ሓይልታት ጸጥታ ብቐዳም ዝተወልዐ ውግእ ንሳልሳይ መዓልቲ ቀጺሉ ውዒሉ።

ርእሰከተማ ካርቱም ሎሚ'ውን ብድምጺ ተዂሲ ክትናወጽ ውዒላ'ላ። ብፍላይ ኣብ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ጽዕጹዕ ውግእ ይካይድ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ዛጊት ኣስታት 180 ሰባት ከምዝተቐትሉን፡ ልዕሊ 1,800 ከምዝቖሰሉን ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ቮልከር ፐርዝስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ሱዳን መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ እቲ ሕብረት ጆሰፕ ቦረል ገሊጹ።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝኾነነ ቦረል፡ ብዛዕባ ነቲ ኣምባሳደር ዝበጽሖ መጥቃዕቲ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ብሰኑይ ኣብ ዝወዓለ ረጽሚ ሓደ ሆስፒታል ከምዝተሃርመን ዕንወት ከምዝወረዶን ዝገለጸ እቲ ማሕበር፡ እቲ ስጉምቲ ንዓለምለኻዊ ሕጊ ዝጥሕስ'ዩ ክብል ኮኒኑ።

ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ከተማ ኣገልግሎት ማይን መብራህትን ከምዘቋረጸ'ውን ነበርቲ ሓቢሮም።

ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም ዝምታን ስርቅን ከምዝተጀመረን፡ እቶም መድሃኒት ዝዘመቱ ዕጡቓት መን ምዃኖም ብንጹር ከረጋግጹ ከምዘይክኣሉ ገለ ነበርቲ ተዛሪቦም።

ሰራዊት ሱዳን እቲ ዝምታ ብሓይልታት ጀነራል ዳጋሎ ከምዝተፈጸመ'ኳ እንተገለጸ፡ እቶም ኣንጻር እቲ ሃገራዊ ሰራዊት ዝዋግኡ ዘለዉ ግና ነቲ ክሲ ነጺጎሞ ኣለዉ።

ላዕለዋይ መራሒ እታ ሃገር ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ነቶም ዝዋግእዎ ዘለዉ ብሌ/ጀነራል መሓመድ ዳጋሎ ዝምርሑ ተወርዋሪ ወሃብቲ ደገፍ ሓይልታት ክስዕሮም ምዃኑ ተዛሪቡ።

"ዋላ'ኳ መቐናቕንትኻ እንተ ተሳዕረ፡ ኩሉ ኲናት ኣብ ዙርያ ጠሬጴዛ'ዩ ዝውዳእ። ዋላ ኢድ ምሃብ ይሃሉ ዘተ ዘይተርፍ'ዩ" ክብል ንልዝብ ድሉው ምዃኑ ኣብ ፕረዚደንታዊ ገዝኡ ኮይኑ ንስካይ ቲቪ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ተዛሪቡ።

ጀነራል ሕመድቲ ብወገኑ፡ እቲ ግጭት ብሰራዊት ሱዳን ዝተወልዐ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንኣልቡርሃን ዝርከቦም መራሕቲ ናብ ፍትሒ ከቕርቦም ከምዝደሊ ንማዕከናት ዜና ክገልጽ ተሰሚዑ።

ውጉኣት ንምግዓዝ ተወሳኺ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ወገናት ጸዊዖም ኣለዉ።

እዚ ኣብ መንጐ ሰራዊት እታ ሃገርን ተወርዋሪ ወሃቢ ደገፍ ሓይልታትን (RSF ) ዝተበሃለ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልን ዝተወልዐ ውግእ ንሳልሳይ መዓልቲ ቀጺሉ ኣሎ።

ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት፡ ኣብ ካርቱም ወሰንቲ ስትራተጅያዊ ቦታታት ከም ዝተቘጻጸሩ እዮም ዝገልጹ።

ማዕረ ክንደይ ነቲ ዝኣተውዎ ስምምዕ ይምእዘዙ'ኳ ግልጺ እንተዘይኰነ፡ ብሰንበት ኣብ ሰዓታት ንግሆ ውጉኣት ንምግዓዝ ክልተኦም ሓይልታት ንዝተወሰነ ግዜ ተዅሲ ደው ኣቢሎም ነይሮም።

ዶካትር፡ ኣብ ሆስፒታል ካርቱም ዘሎ ኵነታት ኣዝዩ ከቢድ ከምዝዀነን፡ ሓኻይምን ቀረብ ሕክምና ናብ ዝተጐድኡ ሰባት ከይበፅሕ እቲ ውግእ ከቢድ ዕንቅፋት ከምዝዀነን ኣተሓሳሲቦም።

እዚ ኣብ ካርቱም ተወሊዑ ዘሎ ውግእ ኣካል እቲ ኣብ ወተሃደራዊ ኣመራርሓ እታ ሃገር ስልጣን ንምዕታር ዝግበር ቍርቍስ ኰይኑ፡ እቶም ተነሓናሕቲ ሓይልታት ኣብ ርእሰከተማ እታ ሃገር ናብ ግጭት ኣትዮም ይዋግኡ ኣለዉ።

ሕመረት እዚ ውግእ ዝዀኑ ክልቲኦም ጀነራላት፡ እታ ሃገር ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ብኸመይ ክተሰጋገር ኣለዋ ኣብ ዝብል ኣይተሰማምዑን።

ሱዳን፡ እቲ ውልቀ መላኺ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ኣብ 2019 ብዕልዋ ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ ንደሓር ብጀነራላት እያ ክትምራሕ ጸኒሓ።

ሓይሊ ቅልጡድ ድጋፍ፡ ትማሊ ሰንበትን ሎሚ ሰኑይን፡ ኣብ ካርቱም ከም ቤተ-መንግስቲ ፕረዝደንት፡ ኡምዱርማንን መዓርፎ ነፈርቲ ሜሮወን ዝኣመሰሉ ነቝጣታት ተቘጻጺረ ይብል።

እንተዀነ ሰራዊት እታ ሃገር፡ ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ መሊሱ ከምዝተቘጻጸሮን ምስ ውሑዳት ዓመጽቲ ይዋጋእ ከምዘሎን ሓበሬታት የመልክቱ።

ቅድም ክብል፡ ሰራዊት እታ ሃገር ሓይሊ ቅልጡፍ ድጋፍ (RSF) ንኣውራ ቦታታት ካርቱም ከምዘይተቘጻጸረ ክገልጽ እንከሎ፡ መሰኻኽር ዓይኒ እታ ሃገር ግን፡ እቲ ሰራዊት ንወተሃደራዊ መደበር ቅልጡፍ ድጋፍ ብነፈርቲ ድሕሪ ምድብዳብ ይዕወት ዘሎ ይመስል ክብሉ ንሮይተርስ ተዛሪቦም።

'ን24 ሰዓታት ኣይደቀስናን'

ነበርቲ ካርቱም፡ ብሰንኪ'ቲ ዘሎ ተዅስን ከቢድ ምፍንጃርን ኣብ ፍርሕን ስንባደን ጥሒሎም ይርከቡ።

ነባሪት ካርቱም ሁዳ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ “ፈሪሕና ኣለና፡ ብሰንኪ እቲ ዘሎ ረባሺ ድምጺታትን፡ ምንቅጥቓጥ ገዛን ን 24 ሰዓታት ኣይደቀስናን። ማይን ምግብን ከምኡ'ውን ንሕሙም ሽኮር ዝኾነ ኣቦይ መድሃኒት ከይንውድእ ተሻቒልና ኣለና” ኢላ።

ካልእ ነባሪ ካርቱም ዅሉድ ኸይር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ነበርቲ ኣብ ዝዀነ ቦታ ንድሕነቶም ርግጸኛ ክዀኑ ከምዘይክእሉ ሓቢራ።

“ኵሎም ሲቪላት ኣብ ገዛኦም ክዀኑ ተነጊሩ እዩ፤ ግን እዚ ደሕነት ኩሉ ሰብ ሰውሕስ ኣይኰነን” ኢላ።

እዚ ውግእ ኣብ መንጐ እሙናት ወተሃደራዊ መራሒ ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃንን፡ ምክትል ፕረዝደንት እቲ ቤት-ምኽሪ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ- ሕሜቲ ዝእዘዝ ሓይሊ ቅልጡፍ ድጋፍን እዩ ዝካየድ ዘሎ።

ልዕሊ 100 ሽሕ ኣባላት ሓይልታት ቅልጡፍ ድጋፍ ናብቲ ሃገራዊ ሰራዊት ንምጽንባር ዝተታሕዘ ትልምን ድሕሪኡ ነዚ ሓድሽ ሓይሊ መን ይመርሖ ዝብልን ንኽልቲኦም ሓይልታት ቀንዲ ዘየሰማምዑ ነጥብታት እዮም።