እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግጭት ሱዳን፡ ውግእ ኣብ ዝሕይለሉ ዘሎ ኣገልግሎት ማይን መብራህትን የቋርጽ
ኣብ ርእሰ ከተማ ሱዳን እትነብር ሓንቲ ተቐማጢት ኣብ ካርቱም ንሓሙሻይ መዓልቲ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዝስተ ማይ ከምዘይብላ ንቢቢሲ ሓቢራ።
ዱዋ ታሪቕ፡ "ሎሚ ንግሆ ማይ ወዲእና" ብምባል ነቲ ወዲ ክልተ ዓመት ውላዳ ሓንቲ ጥርሙዝ ማይ ኣትሪፋትሉ ምህላዋ ገሊጻ።
ሰራዊት መንግስትን ሓይልታት ወሃብ ቅልጡፍ ደገፍን ን24 ሰዓታት ዝጸንሕ ምቍራጽ ተዅሲ ንምግባር ዝተበጽሐ ስምምዕ ከምዝፈረሰ ይግለጽ።
ሰራዊት ሕሜቲ - ወሃብ ቅልጡፍ ደገፍ፡ ኣብታ ርእሰ ከተማ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ሓደ ሓደ ሰባት ይዘርፍ ከምዘሎ ይንገር ኣሎ።
ሓይልታት ወሃብ ቅልጡፍ ደገፍ፡ ኣብ ከባቢ ካርቱም እትኒን (2)፡ ገዛ ገዛ እናኸዱ ማይን ምግብን ይሓቱ ከምዘለው'ውን ተሓቢሩ።
እዚ ቦታ'ዚ፡ እቲ መጥቃዕቲ እተፈጸመሉ መንበሪ ኣባይቲ ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮጳ ኣይዳን ኦሃራ እዩ። እቲ ኣምባሳደር ብዙሕ ከምዘይተጐድአ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣየርላንድ ገሊጹ።
ኣብ ከባቢ እቲ ኣብ ማእከል ካርቱምን ኣብ ጐድኒ እቲ ወተሃደራዊ ቀንዲ ቤት ጽሕፈትን ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ከቢድ ደብዳብ ነፈርትን ጸሊም ትክን ከምዘሎ፡ ቢቢሲ ኣፍሪቃ ካብታ ርእሰ ከተማ ሓቢሩ።
ኣብ ከባቢ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዘለው ነበርትን፡ ኣብ ጥቓኡ ዝርከብ ሆስፒታል መንሽሮ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታትን ሕሙማትን ብሰንኪ እቲ ውግእ ኣብ መጻወድያ ኣትዮም ከምዘለው ገሊጾም።
ኣብ ሆስፒታል ኣ'ዛራ እትሕከም ዝነበረት ሰበይቲ፡ መድሃኒትን መግብን ብዘይምህላው እቲ ኵነታት እናኸፍአ ይኸይድ ከም ዘሎ ንቢቢሲ ገሊጻ።
እቲ ሆስፒታል፡ ብሓይልታት ወሃብ ቅልጡፍ ደገፍ መጥቃዕቲ ዝወረዶም ሕሙማት ካብ ካልእ ሆስፒታል፡ስለዝወሰደ፡ ድሮ መሊኡ ኣሎ ክትብል ብሰኑይ ንቢቢሲ ሓቢራ።
ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣብ ሸውዓት ዞባታት እታ ሃገር ሕጽረት ቀረብ ናውቲ ሕክምናን መድሃኒትን ከምዘሎ ገሊጹ።
ወኪል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ሱዳን ዶክተር ኒማ ሰይድ ዓብድ "ሕጂ፡ መብዛሕትአን ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ሆስፒታላት፡ ከረጺታት ደም፡ ኦክስጅንን ካልእ ሓያሎ ኣገደስቲ መድሃኒታትን ናውቲን ልብሲን መጥባሕቲ ከምዝወድኣ ይሕብራ ኣለዋ" ክትብል ንቢቢሲ ሓቢራ።
ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ቮልከር ፐርተስ፡ ምስ ክልቲኦም ዝዋግኡ ዘለው ጀነራላት መዓልታዊ ርክብ ይገብር ምህላው'ኳ እንተሓበረ፡ ንሓድሕዶም ግን ከም ዘይተዘራረቡ ንቢቢሲ ኣረዲኡ።
መራሒ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ትማሊ ሰሉስ ሰዓት ኣርባዕተ ድ.ቀ እቲ ምቍራጽ ተዅሲ ክጅምር ምዃኑ ንሲኤንኤንኤን ሓቢሩ ነይሩ። ይዅን እምበር ገለ ክፋል ናይቲ ሰራዊት ነቲ ጠለብ ምቍራጽ ተዅሲ ኣይተቐበሎን።
ኣዛዚ ወሃብ ደገፍ ፍሉይ ሓይሊ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ ውጉኣትን ሰላማውያን ሰባት ንኽግዕዙ፡ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ጸዲቑ ከምዝነበረ ግን ኣቐዲሙ ከምዝተጣሕሰ ገሊጹ።
እቲ ሰንበትን ሰኑይን ነቲ ውግእ ንነዊሕ ሰዓታት ደው ንምባል ዝተበጽሐ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ከምዘይተኸበረ ሚስተር ፐርተስ ተዛሪቡ።
ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ብሰንኪ እቲ ውግእ ኣብ ኣባይቶም ተዓጽዮም ካብ ዘለው ሰባት ብዙሕ ናይ ሓገዝ ጻውዒታት ይቐርበሉ ከምዘሎ ገሊጹ። ከተማ ካርቱም ኣስታት 10 ሚልዮን ዝኣኽሉ ነበርቲ ዘለዋ ከተማ እያ።
እንተዀነ እቲ ጕጅለ ረዲኤት፡ ብሰንኪ ደብዳብ ከቢድ ብረትን ነፈርትን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብ "ዳርጋ ኣይከኣልን’ዩ" ክብል ሓቢሩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ውግእ ትማሊ ቀዳም ካብ ዝውላዕ ክሳብ ሕጂ፡ ኣስታት 185 ሰባት ከምእተቐትሉን ልዕሊ 1,800 ሰባት ከምዝቘሰሉን ገሊጹ።
ወይዘሮ ታሪቕ፡ ኣብታ ኣብ ገዛኣ ክትርከብ "ሓንቲ ጸባብ ኮሪደር" ሓንቲ ፍርናሽ ኣንጺፍና ተጸቓቒጥና ነሕልፎ ኣለና ኢላ።
"መብዛሕትኦም ዝሞቱ ሰባት፡ ኣብ ኣባይቶም ብበራሪ ጠያይትን ሚሳይላትን እዮም ተሃሪሞም ሞይቶም። ስለዚ ንሓደጋ ካብ ዝተቓልዑ ቦታታት ኣብ ገዛኻ ምዕጻው ይሓይሽ” ኢላ።
ኤለክትሪክ ስለ ዘየለ እኹል ብርሃን የለን። ይዅን እምበር ተሌፎና ቻርጅ ንምግባር መኽዘን ጸዓት (ፓወር ባንክ) ካብ ዘለዎም እንዳ ጐረቤት እያ ትጥቀም።
"ትማሊ ምሸት ኣዝየ ስለዝሓመምኩ ክድቅስ ኣይከኣልኩን" ኢላ።
ኣብ ካበቢኣ ዝርከብ ማሕበረሰብ፡ ሓንቲ “ናይ ቅልውላው ክፍሊ” ብምቛም ነቶም ኣዝዮም ዝተሸገሩ ሰባት ምግብን ማይን ከም ዝህቦም ቃል ኣትዩሎም ነይሩ። ብምቕጻል፡ ሰባት ኣብ ኢንተርነት ወፍሪ ጸረ-ኲናት የካይዱ ኣለዉ ከኣ ኢላ።
ሱዳን፡ መባእታዊ ሓቅታት
ሱዳን ኣብ ሰሜን ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ኰይና ነዊሕ ናይ ዘይምርግጋእ ታሪኽ ኣለዋ። ኣብ 2019 እቲ ሰራዊት ድሕሪ እቲ ህዝባዊ ናዕቢ ንዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ኣልዩዎ።
ኣብ 2021 እቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ነቲ ሲቪላዊ መንግስቲ ብምዕላው፤ ሓላፊ ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን ዓብዱፋታሕ ኣልቡርሃንን ምክትሉ ጀነራል ሕሜቲን ናብ ስልጣን ተቖጻጺሮም።
እቶም ክልተ ናይ ነዊሕ ግዜ መሻርኽቲ ናይ ሕጂ ግን ቀንዲ ተቐናቐንትን ጸላእቲ ሓድሕድ ጀነራላት፡ ሱዳን ብኸመይ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክትምለስ ትኽእል ኣብ ዝብል ጉዳይ ኣይተሰማምዑን።
መራሒ ሓይልታት ወሃብ ህጹጽ ደገፍ ጀነራል ሕሜቲ ብልሂቃን ሱዳን ንዝተገለሉ ሓይልታት ይውክል እዩ ይበሃል፤ ይዅን እምበር ሓይልታቱ ብጃምላዊ ምጥፋእ ዓሌት ተኸሲሶም ነይሮም።