'ሓካይም ብእግርኺ ክትከድን ክትዛረቢን ኣይትኽእልን ኢኺ ኢሎምኒ ነይሮም'

ምንጪ ስእሊ, ADAMA JALLOH/BRITISH VOGUE
ኢሊ ጐልድስታይን ኣብ ታሕሳስ 2001 ኣብ ዝተወልደትሉ እዋን፡ ብሰንኪ ሕማም ዳውንዝ ሲንድሮም ብእግራ ክትከይድ ወይ ክትዛረብ ፈጺማ ከምዘይትኽእል ሓካይም ገሊጾም ነይሮም።
ነዊሕ ከይጸንሐት እቶም ሓካይም ተጋግዮም ከምዝነበሩ ኣረጋጊጻ። ኢሊ ዳውንዝ ሲንድሮም ዘለዋ ኣብ ቅድሚት ገጽ ቮግ ዝወጸት ፈላመይቲ ሞዴል ብምዃን ታሪኽ ክሳብ ምስራሕ በጺሓ።
ዳውንዝ ሲንድሮም ህጻናት ተወሳኺ ሓደ ክሮሞዞም ሃልይዎም ዝውለዱሉ ዘይንቡር ክስተት እዩ።
እቶም ምስዚ ኵነታት ዝውለዱ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ልኡም ክሳብ ማእከላይ ትሑት ደረጃ ብልጺ ዘለዎም ኰይኖም ኣብ ምዝራብ እውን ካብ ካልኦት ድንጉይ ይብሉ። ብተወሳኺ ከም ገፊሕ ጽፍሕ ዝበለ ገጽ፡ ጨልቋቕ ኣዒንቲ፡ ሓጺር ክሳድ፡ ንኣሽቱ ኣእዛን፡ ንኣሽቱ ኣእዳውን ኣእጋርን፡ ሓጺር ቁመትን ዝኣመሰሉ ምልክታት ይህልዎም።
ምስዚ ኵነታት ካብ ዝተወልዱ ህጻናት ሓንቲ እያ - ኢሊ ጐልድስታይን። እዛ ኣብዚ እዋን ጓል 22 ዓመት ዝዀነት መንእሰይ፡ ኣብ ኤሰክስ ናይ ገዛእ ርእሳ መንበሪ ገዛ ገዚኣ እያ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ‘አጌይንስት ኦል ኦድስ’ ዘርእስታ ብዛዕባ ህይወታ እትገልጽ መጽሓፍ ኣሕቲማ ኣላ።
ኣብዚ ዛንታ፡ እታ ሞዴልን ኣደኣ ይቮንን፡ ኢሊ ካብታ ዝተወልደትላ መዓልቲ ጀሚራ ኣንጻር ትጽቢታት ዝገበረቶ ጕዕዞ ይገልጻ።
ዛንታ ይቮን

ምንጪ ስእሊ, YVONNE GOLDSTEIN
ኢሊ ክትውለድ ከላ፡ ዳውንዝ ሲንድሮም ከም ዘለዋ ምስ ፈለጥና ሰንቢድና። እቶም ሓካይም ፈጺማ ብእግራ ኣይትኸይድን፡ ኣይትዛረብን እያ ኢሎምና።
ሓንቲ ነርስ ድማ ኣብቲ ሆስፒታል ክንገድፋ ንደሊ እንተዄንና ሓቲታትና።
እቲ ኵነታት ንምቕባልን ምስ ኢሊ ምትእስሳር ንምፍጣርን ተቓሊሰ።
ኢሊ መጥባሕቲ ልቢ ከምዘድልያ ስለዝተነግረና ብሓቂ ምቅርራብ ከይንፈጥር ስግኣት ነይሩኒ።
ጓል ሓሙሽተ ወርሒ ከላ፡ ኣብ ልባ ዝነበረ ቀዳዳት ንምዕጻው ናይ 10 ሰዓታት መጥባሕቲ ተገይሩላ። ን10 መዓልታት ኣብ ጽዑቕ ክንክን፡ ተወሳኺ ሓደ ሰሙን ድማ ኣብ ክፍሊ ልዑል ጽግዕተኛነት ኣሕሊፋ።
ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ናብ ገዛና ወሲድናያ፤ እቲ ደፋርን ቈራጽን ስብእናኣ ድማ ክደምቕ ጀሚሩ። ኣነን በዓል ቤተይን ዳውንዝ ሲንድሮም ከም ዘለዋ ረሲዕና ብቐንዱ ከም ኢሊ ከነዕብያ ወሲንና።

ምንጪ ስእሊ, DAVID PD HYDE/GUCCI/VOGUE ITALIA
እቶም ሓካይም ዝበልዎ ብዘየገድስ ኢሊ ኣብ 18 ወርሓ ብእግራ ክትከይድ ክኢላ።
ኣብ ሳልሳይ ዓመት ልደታ ክትዛረብ፡ ትምህርቲ ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን ድማ ከተንብብ ክኢላ። ደሓር ድማ ናብ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ኣሰጋጊርናያ።
ኣብ ዕድመ ጐርዞነታ፡ ዳውንዝ ሲንድሮም ከም ዘለዋ ክንነግራ ወሲንና። እንታይ ግብረ መልሲ ከምእትህብ ስግኣት ስለዝነበረና ሓደ ፍሉይ መጽሓፍ ኣርኢናያ።
ንሳ ግን "ኣነ ከምኡ ኣይመስልን እየ" ክትብል ቀጺላ። ርእሰ ተኣማንነታ ክብተን’ዩ ዝብል ስክፍታ ነይሩኒ፤ ግን ኣይኰነን።

ምንጪ ስእሊ, YVONNE GOLDSTEIN
ሓደ መዓልቲ ሓንቲ መሓዛይ ብዛዕባ ሓደ ዘብዴው ዝበሃል ምስ ኣካለ ጉዱኣትን ዝርአ ፍልልይ ዘለዎምን ክሰርሕ ዝደሊ ትካል ተውህቦ ምስ ነገረትኒ ንኢሊ ከመልክተላ ወሲነ።
ኢሊ ኣብቲ ትካል ድሕሪ ምጽንባራ ነዊሕ ከይጸንሐት ኣብ 2018 ኣብ መወዓውዒ ልደት ክትዋሳእ ተመሪጻ፤ ሞያኣ ብሓቂ ካብኡ ተላዒሉ።
ኣደይ ኵሉ ግዜ "ብርግጽ ሓደ መዓልቲ ሰብ ክትከውን እያ" ትብል ነይራ። ኣዝያ ዘይትግታእን ርእሳ እተኽብርን ዓስዓስ በሃሊትን እያ ግን ንሱ እዩ ኢሊ ዝገብራ።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ኢሊ ሕጂ ውን ናይ ብሓቂ ተሰንብደኒ እያ፤ በቃ ካሜራን ኣቓልቦን ትፈቱ’ያ። ክሳብ ክንደይ ከምእተስተማቕሮን ከምእትፈትዎን ጥራይ እየ ክርዳእ ዝኽእል፤ እዚ ድማ ንዅሉ ዋጋ ክህልዎ ዝገብር’ዩ።
ኢሊ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ሞዴሊን ብዝረኸበቶ ኣታዊ ናይ ገዛእ ርእሳ ገዛ ገዚኣ እያ፤ ግን በይና ክትነብር ትኽእል ድያ ኣይትኽእልን ኣይንፈልጥን። ንሕጂ ኣብ ጐድና ኢና ንነብር ዘለ፣ ዋላ'ኳ ኣብ ገዛ ስድራ እንተሃለወና፡ ዝያዳ ነጻ ክትከውን ከነተባብዓ ንፍትን ኣለና። ግን ሕጂ’ውን ኣዝያ ተነቃፊት እያ።
ሓደ መዓልቲ ኣብ ከባቢኣ ኣብ ዘይንህልወሉ እዋን ከመይ ከምእትጻወሮ ከነዳልዋ ኣለና። ዓባይ ሓፍታ ኤሚ ክትኣልያ ምዃና ርዱእ እዩ ግን ከምኡ ምሉእ ሓላፍነት ፈጺምና ኣይነሰክማን።
ኢሊ ካብ እትውለድ ንደሓር ኣብ ልዕሊ ዳውንዝ ሲንድሮም ዝነበረ ኣረኣእያ ተቐይሩ ክኸውን ተስፋ እገብር፤ ግን ሕጂ’ውን ትሑት ንቕሓት እዩ ዘሎ። ብዙሕ ግዜ ኣብ ጎደና ሰባት ብዛዕባ ኢሊ ሕቶታት ይሓቱኒ እምበር ንዓኣ ኣየዛርብዋን። ክትዛረብ ከምእትኽእልን ክሳብ ክንደይ ዓቢ ስብእና ከም ዘለዋን ኣይስቆሮምን።
ዛንታ ኢሊ

ምንጪ ስእሊ, LAUREN HILLIER/UNHIDDEN
ኵሉ ግዜ ሞዴል ክኸውን ድሌት ነይሩኒ፤ ግን ኣብ መጽሔታት ከማይ ዝመስል ሰብ ስለዘይረኣኹ ክገብሮ ይኽእል ድየ ርግጸኛ ኣይነበርኩን።
ሕጂ ግን ሕልመይ ይነብር ኣለኹ።
ሓደ መዓልቲ ፍልጥቲ ከምዝኸውን ኣይተረድኣንን ነይሩ ግን ኣዝዩ ዘሐጕስ እዩ። ሎሚ ዓመት ኣብ ለንደን ፋሽን ኣቕሪበ ነይረ - ብሉጽ ድማ ነይሩ።
ሎሚ ዓመት ምልስ ኢለ ክሓስቦ ከለኹ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ነይሮም፤ እቲ ዝበለጸ ግን ምናልባት መጽሓፈይ ምሕታመይ ይመስለኒ። ኣዝየ ተሓቢነ፡ ናይ ብሓቂ ተሓጒሰ። "ዋው ናተይ መጽሓፍ እያ፡ ብሓቂ ከንብባ ይኽእል እየ" ኢለ ሓሲበ።
ሎሚ ዓመት’ውን ንሓንቲ ናይ ቻነል 4 ዶክመንታሪ ኵሉ ብዛዕባ ትካለይ ፊልም ይሰርሕ ኣለኹ። ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ቲቪ ክትቀርብ እያ፡ ክሳብ ዝርእያ ኣዝየ ተሃንጥየ ኣለኹ።
ሕጂ ኣብ ኮለጅ ስነ-ጥበብ ናይ መወዳእታ ዓመት ተምሃሪት እየ፤ ምስ ወዳእኹ ድማ ሞዴሊንን ተዋስኦን ክቕጽል ልዑል ድሌት ኣለኒ። ፈጺመ ኣይስከፍን - ኣነላመና ርእሰ ተኣማንነት ዘለኒን ኣዝየ ደፋርን እየ።

ምንጪ ስእሊ, ADAMA JALLOH/BRITISH VOGUE
ንቮግ ክሰኣል ከለኹ፡ ናተይ ስእሊ ኣብ ገበር ክትወጽእ ምዃና ኣይፈለጥኩን።
ክርእዮ ከለኹ ዝፈትዎም መምህራን ነይሮም፣ ኣብ ኮለጅ እየ ነይረ። ሽዑ በኽየን ኣእውየን። ኣዕሩኽተይ "ንፈትወኪ ኢና"፡ "ብኣኺ ንሕበን"፡ "ጽቡቕ ስራሕ" ኢሎምኒ።
እታ ናይ መጀመርታ ዳውንዝ ሲንድሮም ዘለዋ ባርቢ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ምስ ወጸት ክሰኣል ሓቲቶምኒ። ክብርን ሓበንን ተሰሚዑኒ።
ነታ ባምቡላ ምስ ረኣኹዋ "ኣንታ ኣምላኸይ ኣዝየ እየ ዝፈትዋ" ኢለ ሓሲበ። ንዓይ እትመስል ባምቡላ ምርኣይ ጽቡቕ ስምዒት ፈጢሩለይ።

ምንጪ ስእሊ, MATTEL
ኣብ ዓለምና ፍጹም ዝፈትዎ ነገር ሳዕስዒት እዩ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ‘ስትሪክትሊ ካም ዳንሲን’ እንተዝቐርብ ደስ ምበለኒ። ቅድሚ ገለ ሰሙናት ክሰኣል እንከሎ ክዕዘብ ከይደ ነይረ፡ ግን ምስ ተዓዘብቲ ዘይኰንኩስ ኣብ መድረኽ ሳዕስዒት ክኸውን እየ ዝደሊ ነይረ!
በቃ ሓድሽ ገዛ ገዚአ ኣለኹ። ምስቲ ክልተ ዓመት ዝዕድመኡ ወዲ ሓወይ ግዜ ምሕላፍ ኣዝየ እየ ዝፈቱ። ኣነ ኣሞኡ ብምዃነይ ኣዝዩ ደስ ይብለኒ፤ ብዙሕ ግዜ ድማ ይሓቝፎ’የ።
ሰባት ጌጋ ምዃኖም የረጋግጽን ንኸማይ ዝኣመሰሉ ሰባት ድማ ኣርኣያ ይኸውንን ኣለኹ። ሓካይም ኣይክትዛረብን እኺ ኢሎምኒ፤ ሕጂ ግን ምዝራብ ኣዕሪፈ'ውን ኣይፈልጥን! ኵሉ ግዜ ኣብ ነብስኻ እምነት ክህልወካ ይግባእ።
ሓደ መዓልቲ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ቀይሕ ምንጻፍ ሞዴል ክኸውን ድሌት ኣለኒ።
ፈጺምኩም ተስፋ ኣይትቝረጹ፡ ሕልምኹም ኣይትሕደጉ፡ ንገዛእ ርእስኹም ኵኑ፡ ሕጉሳት’ውን ኵኑ። ወጺእኹም ድላይኩም ስርሑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







