ንኣባላት ሓይልታት ትግራይ ዘቘጥዕ ዘሎ 'ዘይተነግረ' ጉዳይ እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, SM
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ብኽልተ ዙር ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምኽባብ ተቓውሞ ኣስሚዖም ነይሮም።
እቶም ብዝሖም 71 ዝዀነ ኣባላት ኣርሚ 31 ካብ ጉራጉረ ዝተባህለ ከባቢ እንደርታ ዝመፅኡ ኰይኖም፡ ምስ ዕጥቆምን ክላሽኖምን ናብቲ ቤት ፅሕፈት ምኻዶም፡ ስንባደ ፈጢሩ ከም ዝነበረ ይግለፅ።
እቲ ተቓውሞ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ዝተፈላለለዩ ትርጉምን ትንታነን ክወሃቦ ቀንዩ፤ ገለ ሰባት ዕልዋ መንግስቲ ንምፍፃም እዩ ዝብል ጥርጣረታት ሓዲሩዎም ነይሩ።
እቶም ኣባላት ሓይልታት ትግራይ፡ ብፍላይ ምስ ዕጥቆም ናብ ከባቢ ቤት ፅሕፈት እቲ ፕረዚደንት ምኻዶምን ገለ ኣገደስቲ መንገድታት ምዕፃዎምን፡ ሻቕሎት ከም ዝፈጠረሎም ገለ ነበርቲ መቐለ ንቢቢሲ ትግርኛ ይገልፁ።
እቶም ተቓውሞ ዘስምዑ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ምስ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሰላምን ፀጥታን ክልል ትግራይ ሌተናል ጀነራል ፍሰሃ ኪዳኑ፡ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣማኑኤል ኣሰፋን ካልኦት ኣዘዝትን ከም ዝተዛተዩ ምፍላጥ ተኻኢሉ።
እንተዀነ፡ ካብ መንግሰቲ ዝተዋህበ መግለፂ ስለ ዘየለ እንታይ ሕቶታት ከም ዘልዓሉን ብኸመይ ከም ዝተረዳደድኡን ዛጊድ ዝተገልፀ ነገር የለን።
እዚ ሕቶ፡ ብፍላይ ምስ ምቍራፅ ዓመታዊ ባጀት ክልል ትግራይ ክተሓላለኽ ከም ዝኽእል ብሰፊሑ ይግመት።
ንምዃኑ ሕቶ እቶም ኣባላት ሓይልታት ትግራይ እንታይ እዩ? ስለምንታይ እዩ እናተደጋገመ ዝመፀእ ዘሎ?
'ዘየለ መብጽዓታት'
ቅድም ክብል፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ጥቅምቲ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ትግራይ ተመሳሳሊ ተቓውሞታት ኣባላት ፀጥታ ዝተልዓለ ኰይኑ፡ ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሕቶታት እቶም ተጋደልቲ ንምምላስ የኽእል እዩ ዝበሎ ሓደ መምርሒ ኣውፂኡ ናብ ወረዳታት ሰዲዱ ነይሩ።
እቲ መምርሒ፡ ኣባላት ወርሓዊ መሃያ፡ መሬት፡ ፋይናንሳዊ ልቓሕን ካልኦት ጥቕሚታትን ክረኽቡ ዘኽእል ኰይኑ፡ እቲ ቅድም ኢሉ ወፂኡ ዝነበረ ተማሒሹ ከም ዝወፅአ እዩ ተገሊፁ።
ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ ሒደት ወረዳታት መሬት ዝረኸቡ ተጋልደቲ ከም ዘለዉ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የምልክት።
ገለ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ድማ መሬት ክረኽቡ ዝወፅአ ዝርዝር ኣስማት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከዘራርብ ቀንዩ። ነቶም ሕቶ ዘልዕሉ ዘለዉ ዝበዝሑ ተራ ኣባላት ግን ዛጊድ ግብራዊ ከም ዘይኰነ እዩ ዝግለፅ።
ኣብ ገለ ከባብታት ድማ፡ 'ንህዝቢ ኣተኣጓጒልና' ካብ ዝብል ብምብጋስ፡ 'ንህዝቢ ይቕረታ ሓቲቶም' ዝብል ብመንግስታዊ መራኸቢ ሓፋሽ እቲ ክልል ተዘርጊሑ ነይሩ።
ቢቢሲ ትግርኛ ዘዘራረቦ ኣባል እቶም ሓይልታት፡ እቲ ተደጋጊሙ ዝለዓል ዘሎ ሕቶ ግቡእ ምዃኑን ብቐንዱ ድማ ግብራዊ ዘይከውን መብፅዓታት ስምዒት ይፈጥረሎም ከም ዘሎን ይዛረብ።
"እቲ ተጋዳላይ ብፍላይ ኣብ እዋን ሰላም፡ ልዕሊ እቲ ስቪል እዩ ገንዘብ ዝደሊ፡" ይብል።
"ብቐንዱ ግን፡ ዘየለ መብፅዓ ምእታው እዩ እቲ ውድቀት ዘምፅእ ዘሎ፤ ዘይገብሩዎ እዚ ክንገብረልኩም ኢና፤ እዚ ክንህበኩም ኢና ኢሎም ተጠሊዖም የውግዑ፡ ብተግባር ግን የለን፡" ኢሉ።
ብፍላይ እቶም ሕዚ ናብ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደትን ዘምርሑ ድማ ካልእ ጥቕሚታትስ ይትረፍ፡ ንኽልተ ወርሒ ዝኣክል እተን 4,000 ናይ ጁባ'ውን ከም ዘይተዋህም ይዛረብ።
ሕዚ'ውን፡ እቲ ጀነራል ኣብ መብርሂኡ፡ ንኣባላት ፀጥታ ሓፈሻዊ ረብሓን ጠዕቕሚ ንምሕላው ሓደ ሕጊ ይወፅእ ኣብ ዘለወሉ እዋን ምዃኑ፡ ምዝራቡ እቲ ተሳታፊ ሓቢሩልና።
ፀቕጢ ምፍጣር
እቶም ብዝተፈላለዩ መንገድታት ተቓውሞ ዘስምዑ ሰልፈኛታት፡ ካብ ሕቶ መሃያ ጀሚሩ ክሳብ ጥርዓን ሌላን ጉሌላን ከቕርቡ ተሰሚዖም።
ናይ ዝሓለፈ [ኣብ እዋን ኲናት] ክፍሊትን ሕቶ መሬትን ሓሊፉ ወርሓዊ ክፍሊትና ብእዋኑ ኣይበፅሐናን ዘሎ፣ ብግቡእ ክዳንን ሳእንን ኣይተወሃበናን፣ ኣብ ጣብያታትን ከባቢያዊ ምምሕዳርን ሰማዒ ኣይንረክብን፣ ብሱሩ እውን ከም መጠን ተጋደልቲ ኣይንኽበርን ዝብሉን ሕቶታት ከም ዘልዓሉ ክግለፅ ተሰሚዑ።
እዚ ሕቶ፡ ብፍላይ ካብቶም ሓደሽቲ መንእሰያት ኣባላት ዝለዓል ኰይኑ፡ እቶም ቅድሚ ኲናት ትግራይ ኣብ ውትህድርና ዝነበሩ፣ ከምኡ'ውን እቶም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝነበሩ ብመጠኑ መሃየኦም ከም ዝረኽቡ። ኣብቶም ሓደሽቲ ግና 'ተጓኒና' ዝብል ስምዒታት ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እንተዀነ፡ ምስ ላዕለዎት ፖለቲካውን ወተሃደራውን ኣዘዝቲ ብኸመይ ከም ዝተረዳድኡ ዝወፅአ ዝርዝር ሓበሬታ'ኳ እንተ ዘየለ፡ ቢቢሲ ትግርኛ ንሓደ ተሳታፊ እቲ መድረኽ ኣዛሪቡ ኣሎ።
እቲ ስሙ ክጥቀስ ዘይመረፀ ተሳታፊ መንግስቲ፡ ብድሕሪት እዞም ሰልፍታት፡ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ኰነ ካልእ ኣካል ኣሎ፡ ዝብል ጌጋ ምዃኑ፣ ከምኡ ዓይነት ግንዛበ ከም ዘየለን እቲ ሕቶ ምልዓሉ ልክዕ ከም ዝዀነን እዩ፡ ጀነራል ፍስሃ ማንጁሽ ምላስ ሂቡዎም ይብል።
"እቲ ሕቶ ልክዕ እዩ፤ ነገር ግን እቲ ዝኸድክምዎ መንገዲ ልክዕ ኣይኰነን፤ ናብ ናይ ባዕልኻ መንግስቲ ኰነ ህዝቢ ብረት ሒዝካ ኣይክየድን፡" ዝብል ዝተኸተልዎ ኣገባብ፡ ነቐፌታ ከም ዝበፅሐ ዝተዛረበ እቲ ተሳታፊ፡ ኣብዚ ምትእምማን ከም ዝተፈጥረ ገሊፁ።
"ኣብታ ፀባብ መድረኽ ኵሉ ነገር ተረዲኡዎም፡ ተቐቢሎምዎ ምባል'ኳ ዘየድፍር እንተዀነ፡ እቲ ጭቡጥ ኵነታት ክርድኡ ተገይሩ እዩ፤ ኣብ ሓደ መድረኽ ዝውዳእ ኣይኰነን፡ ብቐፃልነት ዝስረሐሉ ጉዳይ እዩ።"
ምስ ብረቶም ናብቲ ቤት ፅሕፈት ዝኸድሉ ምኽንያት ግን፡ ካልእ ፖለቲካዊ ሃቐነ ሃልዩዎም ዘይኰነስ፡ ካብ ድፋዕ ወፂኦም ብቐጥታ ናብቲ ቤት ፅሕፈት ስለ ዘምርሑን ብዙሕ ፖለቲካዊ ግንዛበ ስለ ዘይብሎም ምዃኑን፡ ካልእ ኣባል ንቢቢሲ ትግርኛ ተዛሪቡ።
ዝተዓናቐፈ ዲዲኣር
ብሰንኪ፡ ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፈደራልን ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ፡ ተዓናቒፉ ዝርከብ ጉዳይ ዕጥቂ ምፍታሕ፡ ኣብ ውዕል ፕሪቶርያ ዝርከብ ሓደ ዓብዪ ዓንቀፅ እዩ።
እዚ ብቐንዱ መንግስቲ ፈደራል ከም ዝደልዮ እዩ ዝንገር፤ ገለ ቢቢሲ ትግርኛ ዘዘራረቦም ኣባላት ሓይልታት ትግራይ፡ ነቲ ጉዳይ ዝደልዩዎምን ዝፅበዩዎን ምዃኑ ይገልፁ።
ልዕሊ 50,000 ዝዀኑ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ፡ በቲ ኮምሽን መንግስቲ ፈደራል ዝሓዞ ውጥን መሰረት፡ ዝተወሰነ ገንዘብ ተዋሂቡዎም ናብ ማሕበረሰብ ዝተመልሱ ኰይኖም፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተረፈ ኣባል ተመሳሳሊ ጠለባት ኣሎ።
እቲ መደብ፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ እኳ እንተ ተቛረፀ፡ ምቍራፅ ናይዚ መደብ ነቶም ኣባላት ዘይዕግበት ከም ዝፈጠረሎም እዩ ዝግለፅ።
ኣብ ገለ ካብቶም ኣብ ጥቅምቲ ናብ ጐደናታት ዝወፅኡ ሰልፈኛታት ድማ እዚ ሕቶ ብመጠኑ ክቃላሕ ተሰሚዑ ነይሩ።
"ጥቕማ ጥቕምና እንድሕር ዘይሕለየልና ዀይኑ፡ ብውዕል ፕሪቶርያ መሰረት ዕጥቅና ፈቲሕና፡ እግሪ መትከሊ ረኺብና ናብ ናብራና ክንምለስ ኢና ንደሊ፤ ብሰላም ክንነብር ኢና ንደሊ፡ ኲናት ይኣኽለና፡" ይብል ኣብ ሓደ ኣባል ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ።
ይንኣስ ይዕበ፡ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ፡ ግቡእ ገንዘባውን ማተርያላውን ጥቕሚ ረኺቦም ናብ ማሕበራዊ ህይወቶም ክምልሱ እዮም ዝደልዩ ይብል፡ እቲ ቢቢሲ ዘዛረቦ ኣባል።
ስለዚ፡ እቲ ደጋጊሙ ዝለዓል ዘሎ ተቓውሞ፡ መልክዑ ቀያዪሩ ይምፃ 'ምበር፡ ናይ ጁባ ገንዘብን ወርሓዊ መሃያን ጉዳይ ጥራይ ከምዘይኰነ እዩ ዝገልፅ።
እዚ ድማ ናይ ጥቕሚ ጉዳይ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብፍላይ እቲ ምስ መንግስቲ ፈደራል ዝፍጠር ዘሎ ወጥሪ ባህ ከም ዘይብሎምን ዳግማይ ናብ ኲናት ክኣትዉ ከም ዘይመርፁን ይዛረብ።
ብፍላይ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ከባብታት ዓፋር ተጀማሚሩ ዝነበረ ጐንፂ ናብ ካልእ ዙር ኲናት ከየምርሕ ኣብ መብዛሕተኦም ስግኣት ከም ዝፈጠረ፡ እቲ ስሙ ክግለፅ ዘይደለየ ኣባል ሓይልታት ትግራይ ይዛረብ።

'ተጣበቕቲ ሓደ ጉጅለ ኣይኰናን'
እቲ ኣብ መንጎ ህወሓት ዝተፈጥረ ምግምማዕን ዝሰዓበ መግለፂ ሰራዊትን 'ናብ ግጭት ሓድሕድ ዘእቱ' ከይከውን ሰጊኡ ምንባሩ ሓደ ዘዘራረብናዮ ኣባል ይገልፅ።
ብተወሳኺ፡ እዚ ላዕሊ ላዕሊኡ ክርአ ከሎ ናይ መሃያን ጥቕምን ዝመስል ተቓውሞ ውሽጣ-ውሽጡ ፖለቲካዊ ቅረታ'ውን ከም ዘለዎ እዩ ዝኣምን።
ኣብ ገለ ከባቢታት፡ ተቓውሞኦም ንምግላጽ ናብ ጐደናታት ዝወጽኡ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ፡ 'ንሕና ተጣበቕቲ ሓደ ውድብ ኣይኰናን'፡ 'ኲናት ኣይንደልን ኢና'፡ 'ሰላም ኢና ንደሊ'፡ 'ንሞት ኣይተፈጠርናን' ዝብሉን ካልኦት ጭርሖታት ከስምዑ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ተራእዮም።
ድሒሮም ሕቶኦም ንምቕራብ ዝተኸተሉዎ መንገዲ ቅኑዕ ከም ዘይነበረን ንህዝቢ ይቕረታ ከም ዝሓተቱን ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ገና ዘይተመለሱ ሕቶታትን ስግኣታትን ከም ዘለዎም እዩ ዝገልፅ።
ገሊኦም ብፍላይ ብኮሚሳራት ህወሓት ተገምጊሞም "ይቕረታ ክሓቱን ርእሶም ከድንኑን" ምግባሮም ኣብ ውሽጢ እቶም ሓይልታት ቅረታ ፈጢሩ ከም ዘሎ'ውን ወሲኹ ይሕብር።
ኣቐዲሙ፡ ገለ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ዝነበሩ፡ ናብቲ ኣብ ክልል ዓፋር ዘሎ ዕጡቕ ጕጅለ ከም ዝተፀንበሩ ይፍለጥ - ልክዕ ብዝሖም ግን ዝወፅአ ሓበሬታ የለን።
እዚ ቓውሞታት ኣብ ዝስምዓሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ወጥሪ ናብ ካልእ ዙር ኲናት ከየምርሕን ንውዕል ፕሪቶርያ ናብ ሓደጋ ከየእትዎን ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።
ኣቃውማ ሓይልታት ትግራይ [ኰሚሳር]
ኣብ እዋን እቲ ኲናት ትግራይ፡ 'ሴንትራል ኮማንድ' ብዝብል ዝፍለጥ ኣወዳድባ፡ ላዕለዋይ ኣካል ምንባሩ ይግለፅ። ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ ግን ነዚ ተኪኡ ዝሰርሕ ካልእ መሓውር ተፈጢሩ ኣሎ።
እዚ ብቐንዱ፡ 'ወተሃደራዊ ካውንስል' ብዝብል ዝፍለጥ ላዕለዋይ ኣካል እቶም ሓይልታት፡ ቅድሚ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ምዃኑ፡ ብጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ዝነበረ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ እቲ እዚ ኣብ ትሕቲ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ከም ዝእዘዝ እዩ ዝንገረሉ።
እቶም ኮሚሳራት (ምክትል ኣዘዝቲ)፡ ብቐጥታ ፖለቲካዊ ስርሓት ዘሳልጡ ምዃኖም ድማ ይዝረብ።
እዚ ኣብ ትሕቲ ነፍስ-ወከፍ ምክትል ኣዛዚ ዝተሰኵዐ 'ኮሚሳር'፡ ብቐጥታ ምስ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ዝተኣሳሰረ ኰይኑ፡ ድሕሪ ካልኣይ ዙር ኲናት ትግራይ፡ [ፖለቲካዊ ገምጋም ስዒቡ] ዝተፈጥረ መሓውር ከም ዝዀነ እዩ ዝግለፅ።እዚ ፖለቲካዊ ጥርናፈ ነቶም ተጋደልቲ ቅርሕንቲ ከምዝፈጥረሎም እቶም ኣባላት ይዛረቡ።
ደማዊ ኲናት ትግራይ ደው ድሕሪ ምባሉ፡ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ፡ ኣብ ትግራይ ልዕሊ 275,000 ዕጡቓት ከም ዝርከቡ ምግላፁ ይዝከር።ብዝሒ ኣባለት ከም ዝነከየ ዝንገር እኳ እንተዀነ፡ ብልክዕ ክንደይ ዝኣክል ኣብ ንጡፍ መስርሕ ከም ዘሎ ሓበሬታ ምርካብ ኣይተኻእለን።
ነቶም ኣባላት ሓይልታት ትግራይ፡ ዕጥቂ ኣፍቲሕኻ ነናብ ሰላማዊ ህይወቶም ንምላስ፡ ካብ ለገስቲ እኹል ገንዝብ ከም ዘይተረኽበ ዝግለፅ ኰይኑ፡ ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፈደራልን ዘሎ ዘይምትእምማን ድማ ነቲ ከይዲ ኣደናጕዩዎ ይርከብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







