ጌታቸው ረዳ ብዛዕባ ኤርትራ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዓርሱ፡ ኣቢይን ትግራይን እንታይ በለ?

ጌታቸው ረዳ

ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝኾነ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዘካየዶ ኣዘራራቢ ቃለመሕትት፡ ብዛዕባ ኤርትራ፡ ወጥሪ ዝፈጠረ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ፡ ውሽጣዊ ኵነታት ኢትዮጵያ፡ ከምኡ'ውን ውልቃዊ ፖለቲካዊ መርገጺታቱን ሓለቓኡ ኣቢይ ኣሕመድን ተዛሪቡ'ሎ።

ኣብቲ ብፍሉጥ ጋዜጠኛ መህዲ ሓሳን ኣብ መደበር ዜና ኣልጀዚራ ዝቐርብ መደብ 'ሄድ ቱ ሄድ' ኣብ ዘካየዶ ርሱን ቃለመሕትት፡ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ናብ ኲናት ከምዘየምርሕ'ዩ ዝምጕት።

ዛዕባ ናይ ኣቢይ ኣሕመድ ባህግታት ምህናጽ "ዓባይ ኢትዮጵያን ከምኡ'ውን "ሃጸያዊ ምስፍሕፋሕ" ተሓቲቱ ምላሽ ዝሃበ ጌታቸው፡ ስክፍታኡ እቲ ድሌታት ናብ ግጭት ከየምርሕ ጥራይ ምዃኑ ተዛሪቡ።

"ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ዘለዋ ድሌት ዝብሃል ዘሎ ዘረባታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ምውናን ዓሰብ ገለ ይተሓዋወስ እዩ።

"ንዓይ ከምዝመስለኒ፡ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዘኽይድ ተቐባልነት ዘለዎ መርትዖ የለን።"

"ኣብ ቀረባ እዋን [ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት] ናብ ግጭት ከምርሕ'ዩ ዝብል እምነት የብለይን።

ኣብይን ኢሳይያስን ሓባራዊ ፍታሕ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም ዝብል እምነት ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ብውሕዱ ኣብ ቀረባ ግዜ ኲናት ክህሉ ከምዘይክእል ኣረዲኡ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ክልል ዓፋር ተንቀሳቒሱ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ክልቲአን ሃገራት ብወገን ዓሰብ ዘሎ መስመራት መጓዓዝያ ምድሪ ይሃንጹ ከምዘለዉ ከምዝተዓዘበ ይገልጽ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ስለዚ ብቕንዕና ከምዚ ዓይነት ወፍሪ የካይዱ እንተለዉ፡ ክልቲኦም ወገናት ክተዓረቑ ተኽእሎ ኣሎ።"

ቅድሚ ሕጂ ኣቢይ "ናይ ምስፍሕፋሕ ሕልሚ" ከምዘለዎን "ንኣስመራ ክቆጻጸራ" ከምዝደሊን ተዛሪቡ ምንባሩ ዝተኣመነ ጌታቸው፡ ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣተኲሩ ከምዘሎ'ዩ ክገልጽ ፈቲኑ።

ኣብቲ ኣብ ለንደን ዝተኻየ ዕዱማት ዝተሳተፍዎ ምጕት ዝተረኽቡ ተንተንቲን ጋዜጠኛታትን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን ናብ ረጽሚ ከምርሕ ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም።

ኣብቲ ክትዕ ዝተሳተፈ ኖርወያዊ ፕሮፌሰር ሸቲል ትሮንቮል፡ ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራ ብምትእትታው ትኸሳ ከምዘላ ጠቒሱ፡ ንነብሳ ንምክልኻል ንምምኽናይ ትሰርሕ ኣላ ኢሉ።

ኣተሓሒዙ፡ "እቲ ዞባ ናብ ቀጻሊ ኲናት ናይ ምምላስ ተመኵሮ ዘለዎ እዩ" ክብል ሓደጋ ደግሲ ኲናት ኣንጸላልዩ ከምዘሎ ተዛሪቡ።

ኣዳላዊት ኣዲስ ስታንዳርድ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ዝኾነት ጸዳል ለማ ብወገና፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ናይ "ኲናት ኪዳን" ብሰንኪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ከምዝፈረሰ ገሊጻ።

እታ ኢትዮጵያዊት ጋዜጠኛ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ወጥሪ ናይ ተጠቃምነት ወደብ ዘይኮነ፡ ኣቢይ ወተሃደራዊ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ክውንን ብምምጥጣሩ ይዓርግ ከምዘሎ'ያ ትምጕት።

ኢትዮጵያዊ ተንታኒ ብስራት ለሜሳ ብወገኑ፡ ድሌት ኢትዮጵያ ነቲ ብግዜ ህወሓት ዝተፈጸመ "ጌጋ" ንምእራም ምዃኑ የመልክት። ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኢዳ ከምተእቱ ብምግላጽ፡ ኣዲስ ኣበባ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ ቅኑዕ'ዩ ክብል መጒቱ።

ብስራት፡ "ኣብ 2018 ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንዶባት ኣፍልጦ ሂቡ እዩ። እዚ ግን ነቲ ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስ ዝተወሰነ ዶባት ጥራይ እዩ ነይሩ፡"ድሕሪ ምባል እዚ ግን ኣብቲ ታሪኻዊ ስትራተጂያዊ ጌጋታት መአረምታ ምግባር" ማለት ከምዘይኰነ ገሊጹ።

ጌታቸው፡ እቲ ሓለቓኡ ኮይኑ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብዚ እዋን'ዚ "ውሽጣዊ ምስሉ ኣብ ምጽብባቕ" ተጸሚዱ ኣሎ ክብል'ውን ኣብቲ ብሓሙስ ዝወጸ ቃለመሕትት ተዛሪቡ'ሎ።

ኣቢይ ምስ ኤርትራ ናብ ዳግማይ ኲናት እንተ ኣትዩ ዝተዋህቦ ሽልማት ክምንዛዕ ኣለዎዶ ንዝብል ሕቶ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድማ "ይኽእል'ዩ፡ ርግጸኛ ኣይኰንኩን" ኢሉ።

ብዛዕባ ኣቢይ ዝደረሶ መጽሓፍ "መደመር" ዝነበሮ ኣሉታዊ ኣረኣእያ፡ "ለቢመ" ብምባል ከምዝተቐየረ'ውን ጌታቸው ኣይሓብአን።

ከም መራሒ "ዛጊት ብቕዓቱ ኣየርኣየን" ክብል'ውን ብዛዕባ መሪሕነት ኣቢይ ርእይቶ ሂቡ።

ንትግራይ ብዝምልከት፡ ኣብቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተመርሐን፡ ሓይልታት ኤርትራ ሚሊሻታት ኣምሓራን ዝተሳተፍዎን ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት "ምጽናት ዓሌት ተፈጺሙ'ዩ" ዝብል መርገጺኡ ከምዘይተቐየረ ኣነጺሩ።

ድሕሪ ኲናት ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝነበረ ጌታቸው፡ ምስ ህወሓትን ሓይልታት ትግራይን ክሰማማዕ ብዘይምኽኣሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ሃዲሙ ከምዝወጸ ይፍለጥ።

ኣብ እዋን ኲናትን ቅድሚኡን ንምክትል ኣቦመንበር ህወሓት ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣቢይ ንጽህናኡ ኣብ ቤትፍርዲ ጥራይ ክረጋገጽ ከምዝኽእል የረድእ። ፍትሒ ንምርግጋጽ፡ ዓለምለኻዊ ተሳታፍነት ዘለዎ መጋባእያ (ትራይቡናል) ክቐውም ኣለዎ ድማ ይብል።

ከም ኣፈኛ ህወሓትን ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣቢይ ተሪር ነቐፌታ ብምድርባይ ዝፍለጥ ዝነበረ እዚ ፖለቲከኛ፡ ካብ ትግራይ ወጺኡ ምስቲ ዝጸርፎን ዝነቕፎን ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ምጽግዑ ብብዙሓት ተጋሩ "ከዳዕ" ተባሂሉ ክውቀስ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እቲ ዓርኪ ኣቢይ ምንባሩ ዝገለጸ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብቲ ኣብ ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዝተበጽሐ ስምምዕ ፕሪቶርያ ንህወሓት ወኪሉ ዝፈረመ ምንባሩ ይፍለጥ።

ምስቶም ኣንጻር ብጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምርሑ ሓይልታት ትግራይ ዝዓጠቑ "ሓይልታት ሓራ መሬት" ተባሂሉ ዝፍለጡ "ሓይልታት ሰላም" ኢድ ከምዘይሓወሰ ዝምጕት ጌታቸው፡ ንምትእትታው ኤርትራ ንምግታእን ትግራይ ዳግማይ ዓውደ-ውግእ ከይትኸውን ንምግባር ዝዓለሙ እንተኾይኖም ግን ከምዝድግፎም ተዛሪቡ'ሎ።

ዋላ'ኳ ስምረት ዝተባህለ ሰልፊ ኣብ ምምስራት መሪሕ ተራ እንተነበሮ፡ ንዝኾነ ስልጣን ንምሓዝ ኣብ ዝመጽእ ሃገራዊ መረጻ ከምዘይሳተፍ'ውን ቃል ኣትዩ'ሎ።