ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ንዑደት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ንጉዳይ 'ኣፍደገ ባሕሪ' ኣምሲላ ካልእ ትርጉም ትህቦ ምህላዋ ትኸስስ

ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምብጻሕ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንኻልእ መዓላ ይጥቀመሉ ከም ዘሎ ወቒሱ።

ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ወጻእተኛታት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገብሩዎ "ንቡርን ስሩዕን" ምብጻሕ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ንዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ "ዘነጽርን ሓያል ድፍኢትን" ከም ምዃኑ ኣምሲሉ ብምቕራብ ካልእ ትርጕም ይህቦ ከም ዘሎ ከሲሱ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ንምብጻሕ ኣዛዚ እዚ ኣፍሪቃ ጀነራል ዳግቪን ኣንደርሰን ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪን ጠለባት ኢትዮጵያን ከም ዝተዘራረበ ሓቢሩ ነይሩ።

ጀነራል ኣንደርሰን ምስ ጠቕላሊ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኢታማጆር ሹም ፊልድማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፡ ንተራ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ተቕርቦ ዘላ ጠለባትን ከም ዝተመያየጠ እዩ እቲ ጸብጻብ ኢትዮጵያ ዝጠቅስ።

"ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መንገዲ ኣፍደገ ባሕሪ ክረክብ ንትገብሮ ዘላ ኣገባብ ከም ዝድግፍ" ምግላጹ'ውን መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ክገልጻ ቀንየን።

"እቲ ኣመሪካዊ ኣዛዚ እዚ ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ብምእታዉ ዝያዳ ንሰላም እቲ ዞባ ክትሰርሕ ትእኽል'ያ ኢሉ ከም ዝኣምን ገሊጹ፡" ክብል'ውን እቲ ጸብጻባት ወሲኹ ይገልጽ።

ምኒስተር የማነ፡ ሓቀኛ ዑደት ናይ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ፡ ኣመሪካዊ ኣዛዚ እዚ ኣፍሪቃ (ኣፍሪኮም)፡ ከምኡ'ውን ዕጡቕ ሓይሊ ፈረንሳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።

ኢትዮጵያ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ኮነ ካልኦት ሃገራት ሕጋዊ መንገዲታት ውዕል ንግዲ ብምክያድ ቍጠባዊ ዝምድና ክትሃንጽ ከም እትኽእል ብምግላጽ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ልዑላውያን ሃገራት ምምናይ ግን ሓደገኛ፡ ንልዑላውነትን ዶባትን ጐረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ ኣብ ስግኣት ዘእቱ፡ ከምኡ'ውን ኣንጻር ኣህግራዊ ሕጊ፡ ቻርተር ሕቡራትን ሃገራትን ቅዋም ሕብረት ኤውሮጵያን ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ከም ካልኣይ ዕላማ "ሰልፊ ብልጽግና" ኢሉ ኣብ ዘቐመጦ ነጥቢ፡ ጉዳይ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምድኳን እዩ።

"ቀይሕ ባሕሪ ንዓለማዊ ንግዲ ወሳኒ መተሓላልፎ፡" ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ኤርትራዊ ምኒስተር፡ ይዅን'ምበር፡ "ነፍስወከፍ እትጥቀመሉ ሃገር ኣብኡ መደበራት ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ መሰል ወይ ኣድላይነት ኣለዋ ማለት ኣይኰነን፡" ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ዝርከባ ሃገራት፡ እቲ መስመር ባሕሪ ርጉእን ውሑስን ምእንቲ ክኸውን ሓላፍነተንን መሰለንን ምዃኑ ከም ዝተሰማምዓ ሓቢሩ።

ስለዝዀነ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ "መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንምድኳን" ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ፡ "ሓቀኛ ናይ ጸጥታ ረብሓ ስለ ዘይብሉ፡ ሕጋውን ናይ ድሕነትን ጸገማት ክፈጥር ይኽእል እዩ፡" ኢሉ።

ኣዛዚ እዚ ኣፍሪቃ ኣመሪካዊ ጀነራል ዳግቪን ድሕሪ ዑደቱ እንታይ ኢሉ?

ጀነራል ዳግቪን ኣንደርሰን

ምንጪ ስእሊ, US Africa Command

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምብጻሕ ዘካየደ ላዕለዋይ ኣመሪካዊ ጀነራል ዳግቪን ኣንደርሰን ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ምብጻሕን ዝገበሮ ርክባትን ተዛሪቡ።

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ እቲ ናይ እዚ ኣፍሪቃ (ኣፍሪካ ኮማንድ/ኣፍሪኮም) ኣዛዚ፡ ቅድሚ ሕጂ ናብታ ሃገር በጺሑ ከምዝነበረ ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ "ኣገዳሲት" ምዃና ገሊጹ።

"ቀንዲ ምኽንያት መምጽእየይ፡ ናይ ሓባር ስግኣታት ስለዘለዉና እዩ። ነዚ ዞባ ሓድሽ ኣይኮንኩን፡ እቶም ጉዳያት እንታይ ምዃኖም እርዳእ እየ።

"ስለዚ ነዞም ስግኣታት እዚኦም ንምግጣም ንኣፍሪቃውያን መሻርኽትና ንምሕያል ኢና ኣብዚ ዘለና"።

ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ተራኺቡ ምንባሩ ዝገለጸ እቲ ኣመሪካዊ ኣዛዚ፡ ብዛዕባ "ሓባራዊ ስግኣታት ስግረ-ዶባዊ ሽበራ፡ ከምኡ'ውን ንዞባዊ ምርግጋእ ከምእነበርክተሉ መንገዲ ንምድህሳስን" ከምዝተዘራረቡ ጠቂሱ።

ኢትዮጵያ "ኣብ ክልቲኡ ጉዳያት ወሳኒ ስለዝኾነት" ናብታ ሃገር ክበጽሕ ከምዝኸደ ድማ የብርህ።

እቲ ጀነራል ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ኣብታ ኣህጉር ዘለዉ ስግኣታት ጸጥታ ከምዝተዘራረበ'ውን ሓቢሩ'ሎ።

እንተኾነ ኣብቲ በቲ ኤምባሲ ዝወጸ ቨድዮ፡ ብዛዕባ ናይ ኢትዮጵያ ጠለባት ኣፍደገ ባሕሪ ይኩን፡ ምስ ኤርትራ ዘሰሓሕባ ዘሎ ጉዳይ ተበጻሕነት ቀይሕ ባሕሪን ኣይተዛረበን።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ነቲ እዚ ዝተረከበ ጀነራል ኣንደርሰን፡ ምስ ሃገራት ዘለዎ ሽርክነት ንምምዕባል ናብ ዝተፈላለያ ርእሰከተማታት እታ ኣህጉር ምብጻሕ ከካይድ ጸኒሑ'ዩ።

ክልቲኦም ኣዘዝቲ ሰራዊት ብዛዕባ ጉዳያት ሽበራን ዞባዊ ጸጥታን፡ ከምኡ'ውን ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ከምዝተዘራረቡ'ውን ተገሊጹ'ሎ።

ኣዲስ ኣበባ፡ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ንምርካብን ንምውናንን ሓያል ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ ተካይድ ከምዘላ ይፍለጥ።

ኤርትራ ብወገና፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምላሱ ምስ ዋሽንግተን ዘለዋ ዝምድና ንምምሕያሽ ተበግሶታት ክትወስድ ተራእያ ነይራ። እንተኾነ ዛጊት ኣበይ ከምዝበጽሐ ግን ንጹር ኣይኮነን።

'ኣፍሪኮም'፡ ቀንዲ ቤትጽሕፈቱ ኣብ ጀርመን ኮይኑ፡ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ዝከታተል ሓደ ካብ ዓበይቲ እዝታት ሰራዊት ኣመሪካ እዩ። ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ብወገኑ፡ ንሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዘማእከለን፡ ኣብ ሓያለ ሃገራት ዓረብ ዓበይቲ መዓስከራትን ዘለዎ'ዩ። እቲ 'ሰንትኮም' ተባሂሉ ዝጽዋዕ እዚ፡ ኣፍሪኮም ኣብ 2007 ቅድሚ ምቛሙ እንኮላይ ንዞባ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ንምክትታል ሓላፍነት ዝተዋህቦ'ዩ ነይሩ።

ኣዲስ ኣበባ፡ ዛጊት ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ምህናጽ ኣብ እተካይዶ ዘላ መስርሕ፡ ናይ ሩስያን፡ ፈረንሳን ደገፍ ከምዘለዋ'ያ እትእምት።

ምሉእ መዓርጉ ዝለበሰ ጀነራል ፒየር ሺል ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኮፍ ኢሉ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ምንጪ ስእሊ, EBC Ethiopia

ምብጻሕ ወተሃደራዊያን ኣዘዝቲ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ምትፍናን ሰፊንሉ ኣብ ዘሎ እዋን ይካየድ ምህላዉ ኣቓልቦ ስሒቡ'ሎ።

ብረቡዕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ኣዛዚ ኣጋር ሰራዊት ፈረንሳ ጀነራል ፒየር ሺል ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተራኺቡ ነይሩ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ምብጻሕ ናይ ጀነራል "ናይ ክልቲአን ሃገራት ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ንምሕያል ዝዓለመ" ምዃኑ ይጠቅስ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራትን እዋናትን ኣብ ምዕቃብ ሰላም ክገብሮ ንዝጸንሐ ኣገዳሲ ተሳትፎ ከሐይሎ እቲ ፈረንሳዊ ኣዛዚ ከምዝተማሕጸነ'ውን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ጀነራል ሺል፡ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ምስ ፊልድማርሻል ብርሃኑ ጁላ ክራኸብ ትጽቢት ይግበረሉ።

ጻዕዳ ወተሃደራዊ ልብሲ ሓይሊ ባሕሪ ዝተኸደነ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምስ ሰማያዊ ልብሲ ዝተኸደነ መራሒ ጉጅለ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ሰላምታ እናተለዋወጠ። ባንዴራ ክልቲአን ሃገራት ድማ ኣብ ድሕረባይታኦም ኣለዋ።

ምንጪ ስእሊ, FDRE Defence Forces

ብኻልእ ወገን፡ ሓለቓ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ፈረንሳ ጀነራል ፋቢየን ማንዶን ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብምብጻሕ፡ ምስቶም ኣብታ ሃገር ዘለዉ ሓይልታት ፈረንሳ ከምዝተዘራረበ ኣፍሊጡ'ሎ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ተመሳሳሊ መግለጺ፡ "ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ኣብ ስልጣና ትምህርቲን ምልውዋጥ ልምድን ምስ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ክልተኣዊ ልዝብ" ከምዘካየዱ ሓቢሩ ነይሩ። ልኡኽ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ምስ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምክትል ኣድሚራል ክንዱ ገዙ ከምዝተራኸበ'ውን እቲ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብዚ'ውን ብወገን ኢጣልያ ይኹን ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ብዛዕባ እቲ ዝርርብ ዝወጸ ሓበሬታ የለን።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጂያ መሎኒ፡ ኣብ ጎኒ'ቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ-20 ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብምርኻብ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ከምዝተዘራረቡ ኣቢይ ኣሕመድ ሓቢሩ ነይሩ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣብ ቐጠር ምብጻሕ ተካይድ ዘላ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዓይሻ መሓመድ'ውን ኣብ ርእሰከተማ ዶሓ ምስ ሰበስልጣን እታ ሃገር ትዘራረብ ከምዘላ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና መንግስቲ ሓቢሮም ኣለዉ።

ሰማያዊ ወተሃደራዊ ክዳን ዝለበሰ ኣመሪካዊ ጀነራል ምስ ምሉእ መዓርጉ ዝለበሰ ኢታማጆር ሹም ኢትዮጵያ ብርሃኑ ጁላ

ምንጪ ስእሊ, FDRE Defence Forces

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲን ማዕከናት ዜና እታ ሃገርን ብዛዕባ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ክህብዎ ዝጸንሑ መግለጺታት ንኤርትራ ከቖጥዕ ጸኒሑ'ዩ።

ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብወገን ኣዲስ ኣበባ ክወጽእ ዝጸንሐ መግለጺታት ነቲ ኣብ 1993 ዝተኣወጀ ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ኮይኑ'ሎ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ ሰፊሕ መግለጺ፡ ነዚ ብወገን ኢትዮጵያ ዝስማዕ ዘሎ ጽዑቕ መግለጺታት ብጥቕሉሉ ምላሽ ብምሃብ፡ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ብመሬት ዝተኸበባ ሃገራት፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝርከባ ወደባት ተጠቃምነት ክህልወን ዝፈቅድ ኣህጉራዊ ሕጊ ብምዝኽኻር፡ እዚ ግን ብዘተን ስምምዕን ክልቲአን ሃገራት ጥራይ ተፈጻምነት ዝህልዎ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

እዚ ኰይኑ ግን፡ እዚ መሰላት'ዚ ኣብ ልዕሊ ገማግም ባሕሪ ካልእ ሃገር ልኡላውነት ወይ፡ ቀዋሚ ናይ ምቍጽጻር ስልጣን ዘውህብ ከምዘይኰነ ድማ ኣነጺሩ።

"መትከላት ግዝኣታዊ ሓድነት ኣብ ዝርርብ ዝኣቱ ኣይኰነን" ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ነዚ መትከላት'ዚ ንምትርጓምን ንምጥምዛዝን ዝግበር ዝዀነ ይዅን ፈተነ ብቐጥታ ልኡላውነታ ምትንካፍ ምዃኑ ኣስፊሩ።